ኣኼባ ጥምሮ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያትን ቤት ጽሕፈት ዜናን ሰዲህኤ

2015-02-10 19:37:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3334 times

ኣብ መንጐ'ዘን ሰለስተ ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣብ ከክልተ ኣዋርሕ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ዕለት 8 ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኢዩ ጀሚሩ። ካልኣይ ኣኼባኡ ድማ፡ ኣብ ዕለት 8 ለካቲት 2015 ኣካይዱ። ኣብ'ዚ ኣኼባ'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቶም ሓለፍቲ ናይ'ዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ሓለፍቲ ምምሕዳራትን ኣብ ናይ ወጻእን ዜናዊ መዳይን ዝዋስኡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኻፊሎም ነይሮም።

ነቲ ኣኼባ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከፊትዎ። ቀጺሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ 2 ኣዋርሕ ብቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ገሊጹ። ቀጺሉ ሓው ወልደሱስ ዓማር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት፡ ኣብ ዲፕሎማያዊ መዳያት ዝተኻየዱ ንጥፈታት ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብ ዘዝነብሩለን ሃገራትን ከተማታትን ዘካየደዎ ምንቅስቓሳት ብምውሳኽ ነቲ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣሀብቲሞሞ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ስርሓቶም ዘጋጥሞም ብድሆታትን መፍትሒ ዝብልዎም ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

ሓደ ካብ'ቶም ኣብ'ዚ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ጕዳያት ድማ፡ ን8 መጋቢት 2015 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ንቤት ጽሕፈት ዜና ምሕያል ዝዓለመ ዎርክሾፕ ኢዩ። ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ብሰዲህኤ ንዝካየድ ፈስቲቫልን ካልኣይ ሰልፋዊ ጕባኤን ቤት ጽሕፈት ዜና ዘድሊ ምድላዋት ገይሩ ክጸንሕ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።

ብሰዲህኤ ዝመሓደራ ቦታውያን ናይ ረድዮን ተለቪዥን ማዕከናት ኣብ ጀርመንን ሽወደንን፣ ከምኡ ውን ናይ ሳይበርስፐይስ ረድዮን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኢዩ።

Last modified on Saturday, 14 February 2015 19:32