EPDP News

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥቅምቲ 2023 ብመሪሕነት ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኤርትራውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ ዓሚቕ ገምጋማት  ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንፍሉያት ኣገደስቲ እዋናዊ ጉዳያትዝምልከት ውሳነታት ወሲኑ።

1) መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ

ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ እውን፡ ኣጀንዳ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን። ብመሪሕነት ኢህወድግ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝወላወል መርገጽ ኣይነበሮን። ኣብ ስልጣን ዘይነበሩ ዝተፈላለዩ  ጉጅለታትን ባእታታትን ግና “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና” ብዝብል ምስምስ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከመዘይተዋሕጠሎም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብ2018 ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ መሓዙ ከኣ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ከመይ ኢላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ትኸውን” ብዝብል ሰበብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸብታትን ፖለቲከኛታትን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓያሎ ዘይቀጥታዊ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ 2023  ጀሚሩ ብወግዒ ቅድም ኣብ ኣኼባ ኣባላት ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ደሓር ድማ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ “ብሓይሊ ይኹን ብሰላም  ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡስ ርኢቶኡ በቲ ትካላዊ መድረኻ ተቐባልነት ምርካቡ ፈጻሚ ሽማግለ ተመልኪቱ። መንግስታዊ መድያታት ኢትዮጵያ’ውን ኣቃሊሐነኦ። እዚ ሃቐነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ  ልኡላውነት ኤርትራ ዘምጸኦ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ ሓደገኛ ሳዕቤንን ምፍሳስ ደምን ከኸትል ከም ዝኽእል ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ’ቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ድፍረት፡  ኣብዚ ቀረባ  ዝሃቦ ወግዓዊ  መግለጺ፡ ብዓሚቕ ምግንዛብ መሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ኤርትራ ብማንም ከምዘይድፈር ብምግንዛብ መራሒ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ ንክመልሶን ድሕሪ ሕጂ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ኢዱ ከየእቱ ብትሪ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ እንኮ ሃገር ኣይኮነትን። ካለኦት ከምኣ ዝኣመሰላ  ሃገራት’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘድልየኒ ዘይናተይ ወደብ “ብዓመጽ ክወስድ እየ”  እትበል ሃገር ኣይተራእየትን። እንተ ብደረጃ  ተጠቃምነት  ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከምቲ “ውደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል፡  ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተሓታቲ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ። ኢሳያስ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሰጉሞ ዝጸንሐ፡ ውልቃዊ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያውያን ዕሉል ደጋፊ ፖሊሲ “መደመር” ብምዃን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መብጸዓታት ክህብ ምጽንሑ፡ ነዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ጠንቂ እዩ። ድሕሪ መግለጺ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ እውን ሓፋርን ዘይንጹርን እዩ። ስለዚ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኢሳያስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ክህቦ ዝጸንሐ ሓላፍነት ብምዝካርን፡ ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ድምጽታት ንክስምዑ ከም ዘተባብዖም ብምስትብሃልን፡ ንዘይሓላፍነታውን ሃላልን ፖሊሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ  ኣውጊዙ።

ኣብ መወዳእታ ልኡላውነት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብ ዘተሓሳስብ ኣንፈት የምርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምምዛን ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሓቢርና ንቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2) ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ

ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ  ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ፈጻሚ ሽማግለ ካልእ ብትኹረት ዝመዘኖ እዋናዊ ዛዕባ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ኣዝዩ ከም ዘሕዝን ገምጊሙ። ካብዚ ቀጻሊ ዘሎ ህልቂት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ውግእ ከምዘይኮነ ብምእማን ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ኣካላት ነቲ ብመሰረት ውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ነብሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን  ከኣ ከኽበሩ፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ቤት ምኽሪ ጸጥታን ተጽዕንኦም ከሐይሉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲዚ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ፍልስጢማያን ተውርዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ ጠጠው ከተብል፣ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ክኽፈት፣ ናብ ፍልስጤማውያን ረዲአትን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ጠለባትን ዝኣትወሉ መስመራት ነጻ ክኸውን፣ ኩሎም ዝምልከቶም  ኣካላት ተጽዕኖ ከሕድሩ ኣኼባ ጸዊዑ።

                     21 ጥቅምቲ 2023

ብዕለት 20.10.2023 ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኦቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሔ ኮይኑ፣ ኣብ መኽፈቲ ቃል ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምምስጋን ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ እዋናው ዛዕባታት ዘትኮረ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ንላኣላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓድሽ ተጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ 1993 ዓ.ም. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሮም ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ኳ እንተኮኑ፣ እቲ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጸን ንብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ይኹን ኩነት ንምትግባሩ ቃል ዝኣተወን ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ተመሊሱ ኣብ ፓርላማ ብምስምስ ዘይሓቀኛ ታሪኽን ብዝሒ ህዝብን ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶ ምልዓሉን፡  ናብ ዘይውዳእ ምድማይ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ተገንዚቡ።

በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ወደባት  ኮነ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ልኡላዊ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ብኢሳያስ ዝተገብረ ውዑላት ኮነ ስምሞዓት ከይምዘይቕበል፡ ንተጠቃምነትን ሓባራዊ ዕብየትን ሃገራት ዝምልከት ግን፡ ብሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተማእከለ ውዑላት ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣኼባ ርእዩ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ተጀሚሩ ዘሎ መወዳእትኡ  ዘይፍለጥ፣ ንህዝቢ ዘህልቕን ዘመዛብልን ዘሎ ኲናት ታሪኻዊ መንቀሊ ዘለዎን ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝቐጸለንኳ እንተኾነ ውግእ ደው ኢሉ ናብ ዘተን ልዝብን ክኣቱ፡ በቲ ናይ 1948 ኮነ ናይ 1967 ብይን  ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ  ጸጥታን ግደኦም ከበርክቱ  ጸዊዑ።  (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክስዕብ እዩ)

ሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።  

ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ  ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ  ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።

ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።

ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!

ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ

15 ጥቅምቲ 2023

ብዕለት 14.10.2023 ዓ.ም. ፈ. ሰዓት 20.00 ድ. ቀ. ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ጨንፈር ቁ.2 ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም`። ኣጀንዳ ኣኼባ ከኣ 1- ዉጺኢት 4ይ  ጉባኤ ሰ. ዲ. ህ. ኤ.  ብወከልቲ ጉባኤ ምቀራብ ፣ 2- ገምጋምን ዉጺኢት ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ።

ኣኼባ  ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሙዉቅ ሰላምታ ብምቅራብ፣ ንብጻይ ኣረፋይነ እስቲፋኖስ ወኪል ጉባኤን ኣባል ሽማገለ ን ዝኾነ ሙሉእ ጥዕና ክህቦ ብምምናይ ከፈቶ። ኣስዒቡ ኣባላት እዚ ጨንፈር ቁ.2  ተሰኪሞሞ ዘሎዉ  ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ጽንዓትን ንቅሓትን ተወፋይነትን ኣበርክቶን ብሓቂ ዓቢ ግናዕ ጽፈትን ብሩህ ምሕደራን ብምኻን፣ ከም ኣባል ሕቡንን ዕጉብን ብምባል ግደ ብጻይ ነጋሲ ሓምደን ብጻይ ፍጹም ኢሳቅን ኣመስጊኑ ። ኣብቲ ጉባኤ ስነበሩ መስራሓት ብቀደም ተኸተል ብምትንካፍ ከኣ እዚ ሰልፊ እዚ ጽኑዕን ንቁሕ ተረዳኦ ዝውንን ንዝኾነ ተርእዮታት ወይ ለውጥታት ኣብ ጎረበት ይኹን ኣብ ዓለም እውን  ብቁዕ ኣስተብህሎን ንቁሕ ሚዛንን ብምሃብ ብማንም ዘይክሰስ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ ፣ 4ይ ጉባኤ ዉህድ ሓድነቱ ዝዓቀበ ዕዉት ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሩ። ቀጺሎም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሰለስተ ብጾት ኣዎንታዉን ገለ ጉድለታት ብምትንካፍ ንመጻኢ ክጽንዑ ተላብዮም  ዉሁድ ጉባኤ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ። ብፍላይ ሓዲስ ኣቦ መንበር ብኩሉ ቅቡል ዝኮነ ባእታ ተስፋ ንዓወት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ብምቅጻል ኣቦ ወንበር ኣሳናዳኢት ሸማገለ ፈስቲቫ 2023 ዕዉት ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ተልእኾ ዘማሓላለፈን ህዱእን ዓቅምና ዝኾነ በዓል ብዘሕለል ተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓመ ኩሎም  ስራሓት ብዘይ ክሳራ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣኼባ ብሃነጽቲ ለዉባት ኣብ ገንዘባዊ ጉዳይ ብምቅራብ ኣኼባ ብዕጉብ መንፈስ ተዛዚሙ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

ብዕለት  08 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስያትል ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ጨንፈር ስያትል ኣብቲ ሰለስተ ሳዓታት ዝውሰደ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ብዘተ ንሓባዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ተዓዲሙ፣ ብዛዕባቲ ንምዕዋት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተሓልፈ ቅዋማዊ መስርሕን ዝሰገሮም ብድሆታትን ጉባኤ ዝወሰዶም ሓደስቲ መድረኻውያን ፖለቲካዊ  ውሳኔታትን ንምብራህ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ዘትዩ። ጨንፈር ኣብቲ ናይ ኣቦ መንበር ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታትን ኣቦ መንበር ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዘብርሆ ዝነበረ መልስን ንጹርን ግልጽን ምንባሩ መዚኑ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ናይ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ።

እቲ ካላኣይ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ዝቐረበ ዛዕባ ድማ፡ ሐፈሻዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሐመዱ ዝብል ኮይኑ: ኣብ ውጽኢት ራብዓይ ጉባኤን ነዚ ዝምልከት ውሳኔን ምርኩስ ብምግባር፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትብባዕን ደገፍን ንኽግበረሉ፣ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓን ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ክምልእን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከምዝግባእ ኣኼባ ርእዩ።

እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ጨንፈር ዝተዛረበሉ ኣጀንዳ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ  ዘንጸላሉ አሎ ናይ ኲናት ሓደጋን ስቅያት ህዝብናን ዘጠቓለለ ነይሩ። ኣኼባ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር  ኣደ-ወንበር ጨንፈር ተመሪሑ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምድምዳሙ ተሓቢሩ።  

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!

ብቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ከተማ ሲያትል ብኣባላት ምንቕስቓስ ይኣክልን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን  ዝተዳለወ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ብናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት  ድሕሪ ምጅማር ሓው መሓሪ ኣስራት መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ቀጺላ ኣደ መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ሎሚ ን10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ከነኽብር ከሎና “ቃልስና ብምሕያል ሕድሪ እቶም ኩሎም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝተቀዘፉና ሰማእታትና ከነተግብር ደጊምና ደጋጊምና ቃልና እነሐድሰሉ ክኸውን ይግባእ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ መእከቢ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሓጺርን ረዚንን መግለጺ ኣቕረበት።

ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ብሪጌድ ንሓመዱ ሲያትል ሓው መዓሾ ጎይትኦም ታሪኽ ህይወት ናይ ስዉእ ብሪጌድ ንሓምዱ ዝኾነ ሃይለ መስፍን ኣንበበ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ወናም ስነ-ጥበባዊ ገጣሚ ዳዊት ክፍልዝጊ ብዛዕባ ህልቂት ላምፓዱዛ መሳጢ ግጥሚ ምቕራቡ ይዝከር።

ቀጺሉ ንዝኽሪ ኩሎም ዝሓለፉ  ሰማእታት ብተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ተገይሩ። ስዒቡ ንኣዳለውቲ በዓል ኮነ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምልከቱ ካብ ኣባላት ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንናይ እስራኤል ብሪጌድ ንሓመዱን ናብ ኤሪሳት ዝኸይድን ብፍላይ ንስድራ ስዉእ ጅግና ሃይለ መስፍን ዝለኣኽን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምግባር እቲ ኣኼባ ተደምደመ።

እዛ መዓልቲዚኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትል ፍልይቲ ዝገብራ ድማ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት በቲ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሲያትል፤ ሓዘኖም ንምግላጽን ንናይ ሓባር ቃልሲ ክዕጠቑን ተኣኪቦም  ዝተበገሱላ መዓልቲ ብምዃና እያ።

 ወናም ስነ-ጥበባዊ ሰመረ ኣብርሃም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ብምዝካር ዘቕረቦ ናይ ሓዘንን ቆራጽነትን ዜማታት ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦ‘ውን ተሓቢሩ። እተን ዘይሕለላ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንኹሉ ኣኼበኛ ሻህን ሕብስትን ብምቕራብ ዝምስገን ዕማም ምብርካተን ዝዝከር እዩ።

 ሓው መሓሪ ኣስራት ከም ኩሉግዜ ነቲ ኣደራሽ ናይ መለይ ባንዴራታትን ስልማትን ናይ ድምጺ መጉልሒ መሳርሒታትን ብምትካል ነቲ ኣኼባ ኣማዕሪጉዎ ወዓለ። ንኹሎም ኣብ ምድላውን ምስታፍን ናይቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣዴታትን ድማ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ዝኽሪ ተደምዲሙ።

ነበርቲ ከተማ ሎንዶን ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ወለዲ፤ ነዚ ብኤርትራውያን መንእሰያት ተጀሚሩ ብልዑል ናህሪ፣ ዕብየትን ስፍሓትን እንዳ ኣመዝገበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት ብምባርካት፣ ኣብ ጎኑ ምህላዎም ብግብሪ ከረጋግጹን፣ ሓላፍነቶም ከልዕሉን ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ካብቲ ንውሳኔኦም ግብራውነቱ ንምልባስ ንዕለት 7 ን 8 ጥቅምቲ 2023 ክካየድ ብጽሑፍ ዝዘርግሕዎ ጻውዒት  እዩ። ኣብቲ  ዝተዘርግሐ ጻውዒት፣ ደቂና ነታ እንፈትዋ ሃገርና ዘማሰነን፣ ህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ክሳብ ህይወቶም እንዳኸፈሉ ኣብ ምርብራብ እንክርከቡ ዘለና እዋን፣ ንሕና ከም ወለዲ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንዕዘብ፣ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ  ዘሕትተና እዩ ዝብል ረዚን መልእኽቲ እውን ሒዙ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ንተበግሶ ግብራውያን ደቅና ክነሕይል ኢና ዝብሉ  ኣብነታውያን ወለዲ ተቀማጦ ሎንዶን እናደገፍና፣ ኣበየ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ  ኩሎም ወለዲ እውን ነዚ ሰናይ መርኣያ ክስዕብዎን፡ ሕጽረታት ምንቅስቓስ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምምላእን ምስራዕን ግዲኦም ከበርክቱን ንጽውዕ።   

ስርዓት ብልጽግና ኣብ ኣዳም ዝገበሮ ናይ ዕለት 24 መስከረም 2023 ሰሚናር ውዕልኡ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ምንባሩ ጸጸኒሑ ዝቃላዕ ዘሎ ምስጢራት እዩ። ሓደ ካብቶም ኣውራ ነዚ ጉዳይዚ ናይ ጥፍኣት ምልዕዓል ዘካየደ ድማ፡ ኣንጻር’ቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትዮጵያ ብምዃኑ ጥራሕ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሽቱሽ ህግደፍ ተዓቚቡ ዝጸንሐ፡ ብገንዘብን ንብረትን ኤርትራውያን  ፖለቲካዊ ምንቅስቓሱ ዘዕበየ፡ ቀደም ናይ ጉንበት ሸውዓተ መራሒ ዝነበረ ናይ ሎሚ መራሒ ኢዜማ ዘሎ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ እዩ።

መግለጺ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብርሃቡ ነጋ ኣብ ኣዳማን  ዝተዘባረቐ ቋንቋኡን “ኣንዳንደቹ ጥያቄዎች እኮ ቑ`ጭ ብላቹ ደይ ቱ ደይ ስለሆነ ብደምብ ፎሎው ኣናርገውም እንጂ፣ ኣይ ቲንክ ባለፉት ሁለት ሰዎስት ወር እዚህ ትልቁ ጥያቄ የወደብ ጥያቄ ነበር። 120 ምናምን ሚሊዮን ህዝብ ያለባት ትልቅ ኣገር ኢንደፍኒትሊ ሰኵርድ የሆነ፡ ከሌላው ኣለም የምትገበያይበት ፖርት ከሌላት ኣደጋ ውስጥ ትገባለች፡ ኣንገታችንን ነው የምንታነቀው” ክብል’ዩ ቃል ብቓሉ ተሰሚዑ።

ብርሃኑ ነጋን ንሱ ዝመርሖ ውድብን ሓደ ካብቶም ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ጽንፈኛታት ኣምሓሩ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡  ብፍላይ ወያኔ ንኢትዮጵያ ወደብ ዘይብላ ክሳዳ ዝተቆርጸት ሃገር ገይርዋ ዝብል ፖለቲካዊ መደባቱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ንኸካይድ ህግዲፍ ዝሓገዞን ነጻ ዝገደፎን መራሒ ውድብ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ሕዱር ሕልምን ሕማምን ኣብ ቃልሲ ዝተሳዕሩ ትምክሕተኛትት ተወለድቲ ኣምሓራ ንምልዕዓል ድማዩ ኣብ ናይ ኣዳማ ሰሚናር፣ ኢትዮጵያ ምውናን ወደብ ብቐዳማይ ደረጃ እትሰርዖ መንግስታዊ ጉዳይ ምዃኑ ዝገለጸ። እዚ ነቲ ኢሳያስን  እቶም ኩሎም ነጻነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ግን ከኣ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝሕብሐቡ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ሓይልታት ዝነበረ ስምምዕ ዝእንፍት እዃ እንተኮነ፡ ድሒሩ ኣብይን ኢሳያስን ብዝፈጠርዎ ዝምድና ዝተኸፍተ ነቓዕን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ክሕደትን እዩ ዘነጽር።

ኣብዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ውነና ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ድማ፡ ዋላዃ ስርዓት ብልጽግና ካብ ውሽጣዊ ሽግራቱ ንምህዳም ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ’ዩ ክባሃል ዝካኣል እንተኾነ፣ ንህግደፍ ዝግደፍ ውራይ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ድልየትን ሕቶን ዓበይትን ወሰንት መንግስታትን ትካላትን ክኸውን ከምዝኽእል ኣስተውዒልና፣ ንደለይቲ ልውጢ ኤርትራውያን ዝያዳ ስለዘገድሰና ሓቢርና ኣንጻር ጨቋኒ ህግደፍን ወስታታት ጽንፈኛታት ኢትይጵያውያን ድምጽና ከነስማዕሉ ዝግባኣና ጉዳይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶባት ኤርትራ ዓጽዩ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ብፋኖ ዝፍለጥ ሓይሊ ኣምሓራ ኣትይዎ ዝጸንሔ ወታሃደራዊ ግጥምያ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውድኦ ክምዝኽእል ክገልጽ እዃ እንተጸንሔ፡ እዚ ወተሃደራዊ  ምትህልላኻት’ዚ  ግን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ዕንወትን ምብትታንን ኣእትይዎ ምህላዉ  ዘይሳሓት ኣዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጂውን ንፋኖ ኣምሓራ ጠሪስካ ንምድምሳስ የኽእለኒ እዩ ዝበሎ ዶብ ኤርትራ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ምትሕልላፉ ትማሊ ረቡዕ 04 ጥቅምቲ 2023 ማይ ቪውስ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ዜና መንግስቲ ኢትይጵያ ዝወሰዶ ዶብ ኤርትራ ናይ ምዕጻው  ውሳኔ ናይ ምወዳኣታ ጽፍዒት ኣንጻር ፋኖ ምዃኑ  እዩ’ውን  ይብል።

መንግስቲ ነዚ ውሳኔዚ ዝወስድ ዘሎ ከኣ፣ ብኣንጻር ናይቲ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰባት ንዘተ ዝጽውዕሉ ዘለዉ ግዚ ከምዝኾነ  ይፍለጥ። ካብቶም ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ሽግር ብዘተ ንኽንፍታሕ ክሓቱ ዝጸንሑ ኣካላት ድማ ናይ ወጻኢ ግዳያት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን እቲ ናብ ኢትዮጵይ ክመላለስ ዝጸንሔ  ማይክሃመርን ክጥቀሱ ከምዝኽእሉውን እቲ ዜና ኣብሪሁ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ሓድሽን ወሳንን ዝብሎ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኤርትራ ብሸነኽ ወልቃይት ሑመራ ምስ ኢትዮጵያ እትራኸበሉ ዶባዊ መስመር ከምዝኮነውን ዝፍለጥ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራን ወልቃይት ሑመራን ዘራኽብ ዶብ ብኣሃዱታት ኮማንዶን መካናይዝድን ካብ መከላከሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኽዕጾ መምርሒ ተዋሂቡስ ሰራዊት ኣብ ምግዕዓዝ ምህላዉ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ናይ ዶብ ምዕጻው ውሳኔ ብዙሕ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፡ እቲ ቀንዲ ወተሃደራዊ ምኽንያት ግን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንፋኖ ኣምሓራ ወታሃደራዊ ኣጽዋርን ገንዘብን ይሕግዝ እዩ ዝብል ጸብጻባት ስለዘሎ፣ ሓይሊ ፋኖ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንከይረክብ ንምዕጻዉ ዝዓለመን፡ ካብ ሓይልታት ኣምሓራ ፋኖ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸይዕቆብን ምስ ውግእ ዝተታሕሓዘ ረዲኤት ንኸይረክብ ምኽልካሉን ካብዝብል ዝተበጽሔ ውሳኔ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።

ኢማራትን ንሌቴናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመቲ) ትሕግዝ ምህላዋ ተቓሉዑ

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኢማራት  ሓንቲ ካብተን ኣብ ፖለቲካ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቓ ኣዝዩ ግዙፍ ምትእትታው ኣብምፍጻም ተሓባባሪት ምህላዋ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ውግእ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ናይ ጥፍኣት ልፍንቲ ኢሳያስን ኣብይን ዝነበራ ግደ  ጋህዲ እዩ። ሕጅውን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ምብትታን ህዝብን፡ ብሰላም ንከይፍታሕ ብስዉር ነቲ ብሕመቲ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ትሕግዝ ምህላዋ ኒውዮርክ ታይምስ ዝተብህለ ናይ ኣመሪካ ጋዜጣ ምቅልዑ ሕዋር ኣልሱዳን ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። እቲ ኢማራት ንሓይልታ ሕመቲ ኣትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምስ ዕጥቅን ኣጽዋርን፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን (ድሮንስ) ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ውጉኣት ሕክምናዊ ረዲኤት ናብ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ዝተፈላላየ ቦታታትን ወተሃደራዊ ሆስፒታላትን ኣብ ምግዕዓዝውን ትተሓጋገዝ ምህላዋ ይፍለጥ።

ሓደ ጸጥታዊ ድሕነቱ ምንሕላው ስሙ ክገለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ድማ፡ “ኢማራት ካብ ናይ ቻድ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ኣጽዋርን ናውቲ ሕክምናን ናብቲ ኣንጻር ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ዘሎ ሓደ ወገን ተብጽሕ ምህላዋን፡ ኢማራት ካብ ሰነ ጀሚራ ዳርጋ መዓልታዊ ብዝባህል  ናብቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ቻድን ዘሎ ከተማታት ኣጽዋር ኣብ ምምልላስ ተጸሚዳ ምህላዋ እዩ” እቲ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ምግላጹ ሕዋር ኣልሱዳን ኣመልኪታ።

 ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ዓንዩ፡

 ብሰሪቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሱዳናውያን ጀነራላት ኣብ ውሽጢ ካርቱም ርእሰ ከተማ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሓት ሃገራት ምስ ምጅማር ናይቲ ኲናት ኤምባሲታተን ከምዝዓጸዋን ሰርሕተኛታተን ከምዘውጻኣን ዝፍለጥ እዩ። ገለውን ወከልተን ናብ ካልእ ከተማ ከምዝግዕዙ ገይረን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ፣ ብሰሉስ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2023 ንጉሆ  ኣብ ካርቱም ዋና ከተማ ሱዳን ዝነበረ ኣኤምባሲ ኣኢትዮጵያ ብደብዳብ ከበድቲ ብረታት ከምዝታሃርመ ቢቢሲ ክፍሊ ትግርኛ ካብ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ ዝረኸበቶ ናይቲ ዕለት ዜና ጸብጺባ።

ቢቢሲ፣ እቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሔ ጉድኣት እዃ እንተዘይሃለወ፣ ኣብ ልዕሊ ንብረትን እቲ ህንጻን ግን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ካብ ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ዲፕሎማት ዝረኸበቶ ዜና ምላዉ ኣስፊራ ኣላ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን የለን። ነቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ኣቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ዝሃቦ ዝኾነ ይኩን መግለጺ እዃ እንተዘይሃለወ፣ እቲ ብሌተናንት ጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ህጹጽ ደገፍ ግን፣ ነቲ ዕንወት ዝፈጸመ ሓይሊ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ እዩ ክብል ይስማዕ። ብዘይካዚ እቲ መጥቃዕቲ ኤምባሲታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃውን ካብ  ናይቲ ዕለት ደብዳብ ከምልጣ ከምዘይካኣላ እቲ ዲፕሎማት ምሕባሩ እውን ተጠቂሱ ኣሎ።

ዘይውዳእ ሕልሚ መንግስታት ኢትዮጵያ

ብሰንኪቲ ገዛእቲ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ክብርን ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዘይምቕባሎም ዝሳዓበ ናይ ጎበጣን ዓመጽን ተግባራት፤ ክልቲኡ ህዝብታት ንሳላሳ ዓመታት ተዳምዩ፣ ህልቂትን ዕንወትን ወሪድዎ እዩ። ዝሳዓበ ናይ መን ዓብለለን ጎብለል ናይቲ ዞና ኮይኑ ወጸን ዘንቀሎ ናይ ምትህልላኽ ኲናትውን ደግሲ ጽልእን ቅርሕንትን ነይሩ። እዚ ሰላም ዝሓርበቶ ህዝብታት ብልሳን መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ሰባት ኣብ ውግእ ክነብር ይፍረድ ምህላዉ ድማ ደጋጊሙ ዝሰምዖ ዘሎ እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብኣምሓርኛ ካብ ዝበሎ፡ “ኣፈራሪሰ ኣምጺኤ ክሕውሳ እየ ኤርትራ፣ መኣስ ከምዝኸውን ግን ኣይነግረኩምን እየ፡ ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሕ ባሕሪ ወሲኽና ዋናታት ስለ እንኸውን ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣይክትህሉን እያ። ንሰርሕ ኢና ዘለና፡ ናይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡ ኣብኡ ዘሎ ኣገዛዝኣ ከነወግዶ ኢና” ምባሉ ኢትዮ 360 ዝተባህለ ናይ ኣምሓርኛ ዜና ማዕከን ብምግራም ምቅልዑ ይፍለጥ። ትርጉም ናትና እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልሚ ምሕላሙ፣ ንኤርትራውያን ዘገርም ኣይኮነን። ሕልሚ ድማ ከምፈታሒኡ ኣዩ ዝትርጎም፡ ኢሳያስ ግን ንስኻ ምርሓና ካብ በሎ ዕንቅፋት ክኮኖ ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝገርም ግን፣ ኢሳያስውን ካብዚ ብዘይፍለ “ንኢትዮጵያ ፋሕ ፋሕ ከየበልና ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንኽንገዝኣ ፋሕ ፋሕ ከነብላ ኣለና” ኢሉ ምንባሩ ንዝዝክር፡ ብናይ ኣቦን ወድን ዝመስሉ ዝነበሩ መራሕቲ ትምኒታት ክልቲኡ ህዝብታት ከይተታለለ፡ ጸልእቱ ንሳቶም ምዃኖም ኣሚኑ፡ ንሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክሰርሕ እዩ ዝምረጽ።     

    

ብ29 መስከረም 2023 ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር ኣካይዱ። ሰሚናር ኣገዳስነት ውጽኢት ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊን ዝሓለፎ መስርሕን ንተሳተፍቲ ንምብራህን ክውረስ ዘለዎ እወንታዊ  ልምድታት ንምሕባር ዝተጸውዐ እዩ ነይሩ።

ኩሉ’ቲ ኣብ ምስንዳኣ ጉባኤ ዝተኻየደ ዕማም ኣብ ሓደ ሰሚናር ገሊጽካ ክጠቓለል ዘይኽእል ብምዃኑ ግን፣ ብጻይ ገረዝጊሄር ነቲ ቀንድን መሰረታውን ዝኾነ ትሕዝቶታት ቅዋምን ሓደስቲ ውሳኔታትን ጉባኤ እዩ ብድምቀት ኣቕሪቡ።  ኣብ  መገለጺኡ ብቕዋም መሰረት ቅድሚ ዓmeት ብዝጸንሐ ማእከላይ ባይቶ ዝቆማ ኣሳናዳኢትን  ሓጻይትን ሽማግለታት ካብ ምድላው ሰነዳት ጀሚርካ ክሳብ ብኣባላት ሰልፊ ዝተረቑሑ ልዕሊ ቴስዓ ዝኾኑ ሕጹያት ንምጽራይን ዝሓለፈ ቅዋማዊ መስርሕ ሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፣ ኣብቲ መስርሕ መሪሕነታዊ ሕጸ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንዘይቀረቡ ባእታታት፣ ጉባኤኛታት ክረቑሑዎም ከምዝኽእሉን ንቕቡልነቱ ክማላእ ዘለዎ ዓንቀጻት ካብ ሕግታት ሰልፊ ምህላዉ’ውን ኣብሪሁ።

በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ መረጻ መሪሕነት ድማ 35 ኣባላት ምስ 5 ተጠባበቕቲ ዝቑጽሩ ማእከላይ ባይቶ ከምተበርጸን፣ ነፍሲ ወከፍ መራጺ ግን፣ እቲ ንሱ ዝደልዮ እዩ ተመሪጹ ክብል ከምዘይክእልን፣ ዲሞክራሲ ድማ ንዝደለኻዮ ዘይኮነስ፣ ንዘይደለኻዮ እውን ኣኽቢርካን ተቐቢልካን ክትጓዓዝ ምስትኽእል’ያ ትረጋገጽ ምባሉ ይጥቀስ። በዚ ከኣ ኩልና ኣብ ነፍስናን ኣብ ውድባትናን ንዘቆምናዮ ሕግታትን ስምምዓትን ኣኽቢርና ክንከይድ ምስእንኽእል እዩ ድማ፡ ጽባሕ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያ ከነተግብር ዝካኣል ክብል ኣብሪሁ።

ንውሳኔታት ጉባኤ ብዝምልከት ብዝርዝር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት ብምሉእ ስለዘሎን ከይነውሓናን ብዛዕባዚ ዘሎ ህልዊ ኲነታት ንምጥቃስ፣ ሰዲህኤ፣ኣብ ህዝባዊ ናዕቢ/ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ፡ „ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐድኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን ሰዲህኤ የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ፡ ንህግደፍ ካብ መንግስታትን ህዝበንን ብዝንጽል፡ ብዘይምዝመዝ ኣገባብ ክቕጽል የተባብዕን፡ ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ፡ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጉባኤ ጸዊዑ“ ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ፖሊሲ ዝምድናታትን ኣጠቓቅማ ወደባትን ዝብሉ ነጥብታት ካብ ውሳኔታት 4ይ ጉባኤ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጠረስታ፣ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ በርጌድ ንሓመዱን ኣጠቓቕማ ወደባትን ብዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ኣገደስቲ መልስታትን መብርህን ከቕርብ ከሎ፡ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ኣኼባ ኣብዚ ናይ ኣቦ መንበርነትካ ግዜ፣ እንታይ ክትገብር ኢኻ ትብህግዝብል ሕቶ ቀሪቡ፣ኣነ እንተኰይንለይ፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ በጺሑ፣ ብሓደ ቃልን ድምጽን እንቐርበሉን እንቃኣለሰሉን መድረኽ ክፍጠር፡ ካላኣይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ንሕና ንዓቢ ኣለና። ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ቦታታት ተኪኦም ዘካይዱን ዝመርሑን መንእሰያት ክንምልምልን ክሕዝዎን እሞ፡ ህዝብና ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓሳረ መከራ ክገላገል እየ ዝብህግብዝብል መልሲ ብጻይ ገረዝጊሄር  ሰሚናር ተደምዲሙ