ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።
ስዊዝርላንዳዊ ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ብወገኖም፡ እተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ቅሩባት ኣለዋ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ናይቲ ስጉምቲ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሓያል ተጽዕኖ ዝፈጥርን፡ ኣብ ሱዳንን ሰሜን ኢትዮጵያን ንዘለዉ ስደተኛታት ብዝለዓለ ደረጃ ምሕጋዝ ዘኽእልን ክኸውን እዩ’ውን ኢሎም። እዚ ኮንፈረንስ “ኤርትራ ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዩ፡ ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ድሕሪት ትስራዕ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዱሳት ምሁራት ዝተወደበን ኣብ ቁጠባዊ ማእከል ጀነቫ ዝተኻየደን እዩ። ድሕሪ እዚ ናይ ሓሙስ 19 ጉንበት መኽፈቲ ብዛዕባ ውድቀትን ዓወትን ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ብ20 ጉንበት ብኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ምሁራትን ንጡፋትን 9 ብምሁራዊ ኣገባብ ዝተቓነዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም። ናይቲ ኮንፈረንስ ኣወሃሃዲ ዶ/ር ዳንኤል መኮነን፡ ኣብ ዘቕረቦ መጠቓለሊ ሓሳብ እቶም ኣብቲ ኮንፈረንስ ብኣካል ዝቐረቡን ብኣካል ክቐርቡ ብዘይከኣሉ ዝተላእኩን ጽሑፋት ኣብዚ ዓመት ወይ ንዓመታ ብመልክዕ መጽሓፍ ከም ዝሕተሙ ገሊጹ።
ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።
ስዊዝርላንዳዊ ኣባል ፓርላማ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ብወገኖም፡ እተን ዓበይቲ ሰልፍታት ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ቅሩባት ኣለዋ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ናይቲ ስጉምቲ ትሕዝቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሓያል ተጽዕኖ ዝፈጥርን፡ ኣብ ሱዳንን ሰሜን ኢትዮጵያን ንዘለዉ ስደተኛታት ብዝለዓለ ደረጃ ምሕጋዝ ዘኽእልን ክኸውን እዩ’ውን ኢሎም። እዚ ኮንፈረንስ “ኤርትራ ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዩ፡ ኣብ ሃገራዊ ህንጸት ድሕሪት ትስራዕ ሓዳስ ኣፍሪቃዊት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብዱሳት ምሁራት ዝተወደበን ኣብ ቁጠባዊ ማእከል ጀነቫ ዝተኻየደን እዩ። ድሕሪ እዚ ናይ ሓሙስ 19 ጉንበት መኽፈቲ ብዛዕባ ውድቀትን ዓወትን ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ 2ይ መዓልቲ ብ20 ጉንበት ብኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ምሁራትን ንጡፋትን 9 ብምሁራዊ ኣገባብ ዝተቓነዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ቀሪቦም። ናይቲ ኮንፈረንስ ኣወሃሃዲ ዶ/ር ዳንኤል መኮነን፡ ኣብ ዘቕረቦ መጠቓለሊ ሓሳብ እቶም ኣብቲ ኮንፈረንስ ብኣካል ዝቐረቡን ብኣካል ክቐርቡ ብዘይከኣሉ ዝተላእኩን ጽሑፋት ኣብዚ ዓመት ወይ ንዓመታ ብመልክዕ መጽሓፍ ከም ዝሕተሙ ገሊጹ።
Asmara Regime Condemned at Eritrea's Silver Jubilee Conference in Geneva
Saturday, 21 May 2016 18:47 Written by EPDP Information OfficeSpeaking at a two-day conference in Geneva that evaluated Eritrea's experiences in the past 25 years, a Swiss parliamentarian strongly condemned the perpetrators of those awful crimes against the Eritrean people and regretted that European progressives sympathized in the past with present-day dictators in Eritrea, Zimbabwe and other places.
In his opening address of the conference on 19 May, the Honorable Manuel Tornare, former mayor of Geneva and current member of the Swiss parliament (National Council) and the committee for foreign relations, expressed his deep anguish over the fact that 30% of Eritreans are now out of home and living in distress. He appreciated the full exposures made by the 483-page report of the UN Commission of Inquiry on Eritrea and hoped that those crimes will be fully accounted for. Mr. Tornare also noted that it was 80 years ago that a similar violation of people's rights in the Horn of Africa were debated in Geneva when Emperor Haile Selassie appealed for support of the League of Nations against the crimes committed by fascists of the day.
The Swiss parliamentarian from the social democratic party also told the conference that most of the mainstream parties in Switzerland are agreed by consensus to table a robust resolution on Eritrea aiming to put more pressure on the repressive regime in Asmara and to provide concrete support to Eritrean refugees in refugee camps in East Sudan and Northern Ethiopia.
Organized by interested academicians, the conference was entitled "Eritrea at Silver Jubilee: Stocktaking on the Nation-Building Experience of a 'Newly' Independent African Country" and convened at the Ecumenical Centre in Geneva. The opening ceremony on Thursday afternoon was followed by a panel discussion which focused on the "achievements" and failures of the regime in Eritrea during the past 25 years.
On 20 May, the conference, received nine presentations by Eritrean and non-Eritrean scholars and activists who approached the subject-matter purely through academic approach. The convener of the conference, Dr. Daniel R. Mekonnen stated in his concluding remarks that the nine presentations and a few more others sent by academicians who could not make it to the conference due to last minute inconveniences will be compiled and published in a book form this year or by early next year.
ኣብ ቬስላ ሃገረ ጀርመን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
ብዕለት 15 ጉንቦት 2016 ስርዓት ህግደፍ ብስም ብሩራዊ በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ቬስላ ከም ኣመሉ ህዝቢ ንምትላል ፈስቲቫል ኣዳልዩ። ይኹን እምበር፡ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ነዚ ምድላዋትዚ ኣቐዲሞም ፈሊጦም ስለዝጸንሑ፡ ኣብ ፊት ኣዳራሽ ኣሬና ኮይኖም ነቲ ናይ ምትላል መደባት ህግደፍ ከቓልዑን ተቓውሞኦም ከስምዑን ውዒሎም።
ኣብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊዚ፡ ጀርመናውያን ከይተረፉ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ፈሊጦምስ ካብ ምድጋፉ ናብ ምቅዋሙ ዝኣተዉ ወኪል ምምሕዳር ከተማ ቬስላን ናይ ከተማ ቬስላ ናይ ባይቶ ወኪልን ናይ ካቶሊክን ኤቫንጀልሽን ኣብያተ ክርስትያናት ተወከልትን፡ ኣባላት ሓማላይ ሰልፊ ጊሰን ከምኒ ዶክቶር ክሮተ ክላውስ፡ ዶክቶር ሙለር ሓኪም ስደተኛታት ኣብ ጊሰን፡ ካብ ካስል ድማ ኣቶ ቶማስ ዝተባህሉ ኣክቲቪስትን ከምኡውን ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ኣርባዕተ ጋዜጠኛታትን ብፍላይ ሓደ ካብቶም ጋዜጣታት ናይ ግሮሰ-ቬስለር ኖየ-ሳይቱን ተሳቲፎም ምንባሮም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳብ 30 ዝኾኑ ጀርመናውያን ከምዝተሳተፉን፡ ንሰልፈኛታት ዝከውን ዝተፈላለየ መግብን ማይን ልስሉስ መስተን ከምኡውን፡ ናይቲ ሰልፊ መለለይን መገረምን ዝኸውን፣ ሰለስተ ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ በብዓይነቱ ቆቡዕ ንነፍሲ-ወከፍ ሰልፈኛ ብምዕዳል፣ ጭርሖታቶም ሒዞም ኣብ ጐኒ ሰልፈኛታት ምውዓሎም ተረጋጊጹ። ካብ ሰልፈኛታት ደለይቲ ፍትሒ 80 ሚእታዊ መንእሰያት ኰይኖም፡ ነቶም ኣብቲ ህግደፍ ዘዳለዎ ናይ ምድንጋር ስዕስዒትን ጓይላን ንምስታፍ ዝኣትዉ ዝነበሩ ምስኦም ንኩሎ ጸገማት ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ናይ ምንባር ዕድል ዝረኸቡ፣ ግደፉ ኣይቦታኹምን'ዩ፤ ጽባሕ ክትጥዓሱ ኢኹም፤ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ፤ ስርዓት ህግደፍ ገብነኛ ኢዩ፤ ህግደፍ ጸረ ፍትሒዩ፤ እሱራትና ይፈትሑ፤ ቅዋም ይተግበር፤ ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ሃገር እያ፤ ምልጋስ ህግደፍ ራህዋ ንህዝብናዩ፤ መስዋእቲ ጀጋኑና ንመሰልን ፍትሕን እምበር ንባርነትን ዕንወትን ኣይኮነን፡ ሎሚ ዓገብ ምባል እምበር፡ ኣብ ዳስ ህግደፍ ምስዕሳዕ ገበንዩ፡ መሰል ወዲ-ሰብ ብኹሉ መለክዒታቱ ይከበር፡ ስልጣን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ይረከብ፡ ንቐንጻልን ኣዕናውን ተግባራት ህግደፍ ንኹንን ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ከቃልሑ ዉዒሎም። ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት፡ ብፍላይ ነቶም ዝፈልጥዎም በስማት እናጸውዑ ካብ ኤርትራ መውጺኢኻ ኣይትረስዕ፡ ተመለስ እናበሉ ማዕዳኦም ከማሓላልፉ ዉዒሎም።
እቶም ናብቲ ኣደራሽ ዝኣትዉ ዝነበሩን ዝነበራን ድማ ብጀካ ሓደ ክልተ ህልኽኛታት ገዲፍካ ካልእት ግን ሕልንኦም ስለዝወቐሶም ደኒኖም ገጾም ከዊሎም ይኣትዉ ነይሮም። ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዶክቶር ክሮተ ክላውስ ኣባል ሓምላይ ሰልፊን ኣባል ባይቶ ከተማ ጊሰንን፣ "ነባሪ ዲክታቶር ስለዘየለ ቃልስኹም ቀጽሉ፡ ንሕና ጀርመናውያን ክልተ መለኽቲ ኣሕሊፍና ኢና ኣብዚ ዲሞክራስያዊ ስርዓት በጺሕና፡ ጽባሕ ኣስመራ ናይዞም ደገፍቲ ምልኪ ዘይኮነትስ ናትኩም እያ፡ ንሕና ድማ ኣብ ኣስመራ ምሳኻትኩም ኰይና ከነብዕል ኢና፡ ኣጆኹም" ብዝብል መግለጺ ተዛዚሙ። ትርጉም ናትና'ዩ።
ሰልፈኛታት ካብ ሰዓት ሓደ ዝጀመርዎ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ምስ ፖሊስ ብምምስጋን ሰዓት ኣርባዕተ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ከምዝተመልሱ ወኪል ድምጺ ሓርነት ሓቢሩ።
اجتماع للارتريين في بي إيريا
Saturday, 14 May 2016 10:06 Written by مندوب اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري بامريكا الشماليةعقد منتدى بي إيريا للتغيير الديمقراطي بامريكا الشمالية، عقد بمدينة أوكلاند بولاية كاليفورنيا في السابع من مايو 2016 اجتماعاً بمناسبة إحياء اليوبيل الفضي لاستقلال ارتريا، ألقيت فيه محاضرات في شتى المجالات السياسية والعلمية، تضمنت سلسلة المحاضرات العناوين التالية: 1. العفر في ارتريا 2. تكنولوجيا المعلومات والاتصالات 3. قضية حقوق المرأة الارترية 4. قضية اللاجئين الارتريين بشرق السودان 5. وسائل التواصل الاجتماعي وأهداف الألفية الثالثة 6. الاقتصاد الارتري. قدمها كلٌّ من السادة: أحمد يوسف، تولدي إستيفانوس، إيلسا مسفن، صابرين جميل، جميل أمان، سامئيل ولد سلاسي.
هذا وقد جمعت المحاضرات بين عمق المضمون وسلاسة التقديم، لذلك بناءاً علي طلب الجمهور تعهدت الجهات المنظمة للاجتماع بالتوسع في عقد هذه النوعية من المحاضرات القيمة والأسلوب المتقدم والعميق في الاحتفال بالمناسبات الوطنية.
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ከባቢ በይ ኤርያ፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብ7 ጉንበት 2016 ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ። ዕላማ ናይዚ ንኽብሪ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ኣኼባ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ተራኺቦም ዝመያየጥሉ መድረኽ ንምፍጣር ምንባሩ ካብቲ ኣኼባ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ቦርድ በይ ኤርያ ኤርትራዊ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብዚ ኣኼባ ከከም ክእለቶምን ተመኩሮምን መደረታት ዘቕርቡ ኤርትራውያን ዓዲሙ ነይሩ። እቶም ኣብዚ ኣኼባ ተዓዲሞም ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት መደረታት ዘቕረቡ፡ ኣቶ ኣሕመድ የሱፍ፡ ኣቶ ተወልደ እስጢፋኖስ፡ ወ/ሮ ኤልሳ መስፍን፡ ሳብሪን ጀሚል፡ ጀሚል ኣማን፡ ሳሙኤልን ሰንጋል ወልደስላሴን እዮም። ኣብቲ መደረታት ቆላሕታ ዝተገብረሉ ዛዕባታት ከኣ፡ ዓፋር ኣብ ኤርትራ፡ ተክኖሎጂ ርክብን ሓበሬታን፡ ጉዳይ መስል ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ መራኸቢ ሓፋሽን ናይ ሚለኒዩም ሸቶን ቁጠባ ኤርትራን ዝብሉ ከምዝነበሩ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።
እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዝቐረበ ኣርእስታት እዋናውን ኣገዳስን ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ እቶም ኣቕረብቲ እውን ግዱሳትን ብውሕሉልን ሰሓብን ኣገባብ መደረታቶም ከምዘቕረቡ ሓቢሩ። እዚ ኣኼባ ብግቡእ ዝተወደበን ጠቓሚ ግንዛበ ዝተረኽበሉን ስለዝነበረ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት’ውን ከምኣገዳሲ ኣገባብ ኣበዓዕላ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኮይኑ ክቕጽል ከምዝግበኦ፡ እቲ ጸብጻብ ንተሳተፍቲ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።
ጨንፈር ደቡብ ጀርመን/ሽቱትጋርትን ከባቢኡን/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ንዕለት 04.06.2016 ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ክካየድ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘርጊሕዎ ዝጸንሐ መጸዋዕታ፡ ንዕለት 11.06.2016 ከምዝተሰጋገረ ብወግዒ ንሕብር። ብስሪ እዚ ናይ ግዜ ምቅያር ዝተፈጥረ ዘይምጥዕዓም ምስዝህሉ፣ እቕሬታ እንዳሓተትና፡ ዕለት 11 ወርሒ 06. 2016 ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ግዜን ቦታን ብኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝምራሕ ናይ ህዝብ ኣኼባ ክካየድ ምዃኑ ደጊምና እንዳሓበርና፡ ኩለን ግዱሳትን ክዱስን ዜጋታት ክሳተፎዎ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ኣኼባ ንህልዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝጠመተን ናይ ስርዓት ለውጢ ዝሓቶ ብድሆታትን ዝሓዘ ክከውን እዩ።
ቦታ ኣኼባ፡
Heidelbeerstr.5
70329 stuttgart - Obertürheim
ኣኼባ ዝጅመረ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡30 (ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ)
ርሑስ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።
ሽማግለ ጨንፈር
13.05.2016
ጨንፈር ደቡብ ጀርመን/ሽቱትጋርትን ከባቢኡን/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ብኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ዝምእከል ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንዕለት 04.06.2016 ኣብ ከተማ ሽቱትጋት ኣዳልዩ ምህላዉ እንዳሓበረ፡ ኩለን ግዱሳትን ክዱስን ዜጋታት ክሳተፎዎ ብኽብሪ ንጽውዕ።
ኣኼባ ንህልዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን ዝጠመተን ናይ ስርዓት ለውጢ ዝሓቶ ብድሆታትን ዝሓዘ ክከውን እዩ።
ቦታ ኣኼባ፡
Heidelbeerstr.5
70329 stuttgart - Obertürheim
ኣኼባ ዝጅመረ ሰዓት፡ ልክዕ ሰዓት 14፡30 (ሰዓት ክልተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ)
ርሑስ በዓለ-ትንሳኤ ይግበረልና።
ሽማግለ ጨንፈር
30.04.2016
እንፈትዎ ኣቦናን ሓውናን ተቓላሳይ ኣልኣዛር ቀለተ፡ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ገዛን ንምብጽሑ ዝተመላልስኩምን፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየና እውን፡ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ትሕዝቶኹምን ከይበቐቕኩም ኣብ መሕዘኒ ቦታ ዝተመላለስኩምን ዘጸናናዕኩምናን፡ ኣብ ፈነዋ መዓልቲ መነባብሮኹም ገዲፍኩም ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ንዝተሳተፍኩም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን መሓዙት ስድራ ዝኾኑ ካልኦት ዜጋታትን፡ ብቴለፎንን ብኢመይልን ካልእ ዘመናዊ መራከብን ንዘጸናናዕኩምና ብሓፈሻ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ ክብረት ይሃበልና፡ ንዝገበርኩሞ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ምስጋናና ወሰን የብሉን እንዳበልና፣ ሓዘና ከምዝዓጸና ነዘኻክር።
መላእ ስድራ ቤት ኣልኣዛር ቀለተ ዘርአ
26.04.2016