እንፈትዎ ኣቦናን ሓውናን ተቓላሳይ ኣልኣዛር ቀለተ፡ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታልን ኣብ ገዛን ንምብጽሑ ዝተመላልስኩምን፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልየና እውን፡ ግዜኹምን ጉልበትኩምን ትሕዝቶኹምን ከይበቐቕኩም ኣብ መሕዘኒ ቦታ ዝተመላለስኩምን ዘጸናናዕኩምናን፡ ኣብ ፈነዋ መዓልቲ መነባብሮኹም ገዲፍኩም ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ንዝተሳተፍኩም ኤርትራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን መሓዙት ስድራ ዝኾኑ ካልኦት ዜጋታትን፡ ብቴለፎንን ብኢመይልን ካልእ ዘመናዊ መራከብን ንዘጸናናዕኩምና ብሓፈሻ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ ክብረት ይሃበልና፡ ንዝገበርኩሞ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ምስጋናና ወሰን የብሉን እንዳበልና፣ ሓዘና ከምዝዓጸና ነዘኻክር።
መላእ ስድራ ቤት ኣልኣዛር ቀለተ ዘርአ
26.04.2016
التايمز تضع الأب/ موسيي زرءاي ضمن أبرز 100 شخصية عالمية لهذا العام
Monday, 25 April 2016 22:26 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارترياختارت مجلة التايمز الامريكية الشهيرة القس الارتري/ موسيي زرءاي ضمن قائمة أكثر 100 شخصية عالمية تأثيراً لهذا العام والتي ضمت كلاًّ من بابا الفاتكان/ فرنسيس (فرانشسكو) والرئيس الامريكي/ باراك أوباما والمستشارة الألمانية أنجيلا مركل.
الأب/ موسيي له نشاط مكثف ومتميز في عمليات إنقاذ المهاجرين الارتريين من الغرق في البحر الأبيض المتوسط واستقبالهم في الغرب بمخاطبته المتواصلة للجهات المعنية. وقد اختير ضمن 5 أشخاص من القارة الافريقية لنيل هذا الشرف، ورفاقه الأفارقة الأربع ينتمون الي كلٍّ من: غامبيا، لايبيريا، الكنغو الديمقراطية وجنوب افريقيا. كما كان الأب/ زرءاي أحد مرشحي التصفيات الأخيرة لنيل جائزة نوبل للسلام.
في المقال الذي كتبه عن الأب/ زرءاي في عدد التايمز الذي سوف يصدر في الأول من مايو القادم ذكر الناشط الصيني في ميدان حقوق الانسان/ آي وايوايو أن الارتري موسيي زرءاي ظل ينشط في إنقاذ الأرواح منذ العام 2003م، وأضاف أن قداسته يتلقى في اليوم حوالي الخمسين مكالمة من مختلف المناطق في افريقيا تستنجد به طالبةً عونه في الخلاص من شتى الأزمات والورطات ذات الطابع الإنساني. وعلي الرغم من خطورة وصعوبة العمل في هذا المجال الإنساني المحفوف بالمخاطر تمكن الأب/ موسيي من تحقيق نجاحات عديدة، لكن مع ذلك كله وخلال العشرين عاماً المنصرمة بالطبع لم تحل الطاقات والإمكانات الشخصية المحدودة للقس زرءاي دون ابتلاع البحر الأبيض المتوسط ما يقارب الخمس وعشرين ألفاً من أرواح المهاجرين.
يجدر بالذكر أن الأب/ موسيي زرءاي يقيم بسويسرا حيث يعمل هناك مرشداً دينياً للارتريين أتباع المذهب الكاثوليكي.
ብቀዳም ዕለት 23 ሚያዝያ 2016 ብውህደታዊ ስጉምቲ ክልቲኡ ማሕበራት፣ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኦስሎን ከባቢኣንን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይን ዝተዳለወ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሰላሲሉ። እቲ ገምጋም መሰረታውያን ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ’ዚ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝሕመረቱ ኣኼባ መጠነ ሰፊሕ ተሳትፎ ዜጋታት፣ መንእሰያትን ዓበይትን ኣመዝጊቡ፣ ምርድዳእን ምውህሃድ ብዝሰፈኖ ርሱንን ሃብታምን ኣስተምህሮታትን ናይ እንካን ሃባን ክትዓትን ድማ ካብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 10 ናይ ምሸት ቀጺሉ።
ኣብ ምውህሃድ ናይ ክልቲኡ ማሕበራት ወከልቲ ዝኾኑ ብጾት መድሃኔ ሃብተዝግን መሓረና ገረዝገሄርን ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምስማዕ፣ ነቲ ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማዕታት ከፊቶሞ፣ መደባት ኣኼባን ዕላምኡን ኣነጺሮም ድሕሪ ምሕባር ድማ፣ መድረኽ ንወሃብቲ ኣስተምህሮ ዝኾኑ ብጾት ወልደኣብ ፍሰሃጼንን፣ ሹማይ በርሀን፣ ባህልቢ ክፍሉን ኣረኪቦም።
ብምቅጻል ቀዳማይ መዳሪ ዝኾነ ብጻይ ወልደኣብ ፍሰሃጼን፣ ኣቦ መንበር በርገሳዊ ማሕበር ምንቅስቃ ሕብረት ኤርትራውያን ንመሰረታውያን ስቪላዊ ሰብኣዊ መሰላት ወዲ ሰብ ብሓፈሻ ብዝምልከት ንዓለምለኻዊ ውዕላት (International Conventions on Civil and Political Rights) ናይ ዝተጠቕሰ ዛዕባን ኣብ ትግባረ ዘይወዓለ ቅዋም ሃገረ ኤርትራን ብምውካስ ዘዳለዎ ሰፊሕን ዝርዝራውን ኣስተምህሮ ሂቡ። ብጻይ ወልደኣብ ኣብ መደረኡ መሰረታውያን ሲቪላውያን መሰላት ወዲ ሰብ፣ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል፣ ኣብ ዝደለኻዮ ናይ ምንባርን ምንቅስቃስን መሰል፣ ኣብ ዝደለኻዮ ሃይማኖትን ናይ ምእማንን ምኽታልን መሰል፣ ወዘተረፈ ዝብሉ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ኣድልዎ ንማንም ሰብ ዘብኡ ዝተዓደሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝኾነ መንግስቲ ኮነ ብዓል ሰልጣን ኣውን ንትግባሪኦም ኮነ ንህልውንኦም ክድርቶምን ክቅይሮን፣ ብኣሉታ ክጸልዎምን መሰል ኮነ ስልጣን የብሉን ክብል ኣስሚርሉ። እንተኾነ ግን ብምባል ብጻይ ወልደኣብ፣ እንተኾነ ግን ኣብዘን ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝበሃላ ኩነታት መሰረታዊ ሲቪላዊ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ገጽ ኤርትራን ኤርትራውያንን ክግምገም እንተኾይኑ፣ ብመሰረቱ የሎን ኢልካ ዝድምደም ከምዝኾነ በብእዋኑ ብስርዓት ኢሰያስ ኣብ ሊዕሊ ንጹሓት ዜጋታት ዝግበር ቅትለታትን፣ ናይ ምስዋርን ስጉምታታን ብምጥቃስ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳኣታ ብጻይ ወልደኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፍልልያቱ ወጊዱ ሰሚሩ ብምቅላስ ንዘሎ መላኺ ስርዓት ሓግሒጉ ድሕሪ ምጥፋእን፣ ልዝብን ምርድዳእን ብዘለዎ መንፈስ ቅዋማውን ዲሞራስያውን ስርዓት ክተክል ምስ ዝበቅዕን ጥራሕ እዩ ተጠቃሚ ናይ ሰቪላውን ፖለቲካውን መሰላቱ ክኸውን ዝኽእል ብምባል ንኣስተምህሮኡ ብለበዋ ዛዚሙ።

ኣባል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነን፣ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣብ ዝተፈላለየን ዝለዓለን ጽፍሕታት ምምሕዳር ዘገልገለን ብዓል ሰፊሕ ተመኩሮ ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ ብወገኑ፣ ንኣምር ፖለቲካዊ መሰላት ወዲ ሰብ ብሰፍሕ ገሊጹ። ንኩነታት መሰረታዊ ፖሎቲካዊ መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ክግምግም እንከሎ ግን፣ እዘን ዓመታት እዚኣተን ከምቲ ብስርዓት ኢሳያስን ብገለ ደገፍቱን ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት ዘስተማቀረለን ናይ ናጽነት ዓመታት ዘይኮነስ፣ በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ልምሰት ዘጋጠመሉ ናይ ክሳራን ዕጹብ ሃገራውን ህዝባውን ዕንወትን ዓመታት ከምዝነበራ ኣገንዚቡ። መደረኡ ብምቅጻል ንሱ፣ ሎሚ ንኤርትራዊ ዜጋ ካብ ማንም ቦታ ንላዕሊ ንሂወቱ ኣስጋኢት ዝኾነት ቦታ፣ ንሳ እታ ሃገረይ ዝብላ ኤርትራ እያ ኮይኖቶ ዘላ ክብል ኣስሚርሉ። ብጻይ ሹማይ ንሰፊሕን መሳጥን ኣስተምህሮኡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንጡፋት ኣባላት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብፍላይ፣ ውድብ፣ ሰልፊ፣ ማሕበር፣ ምንቅስቃስ ወዘተ ንዝበሃሉ ምውድዳባት ከም ናብቲ ቀንድን ናይ ሓባርን ዝኾነ ዕላማና ከብጽሑና ዝኽእሉ መሳሪሕታትን መንገድታትትን ገርና ንውሰዶም እሞ፣ ኣብ ዓወት ንኽንበጽሕ ነንሕድሕድና ተጫኒና፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንቅድሚት ንገስግስ ክብል ብለበዋ ዛዚሙ።

ብጻይ ባህልቢ ክፍሉ፣ ኣብ ጉኒ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንነጻነት ሃገርን ህዝብን ዝተጋደለን፣ ሓጂ ኣባል መሪሕነት ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾነን፣ ነቲ ንሱ ብኣካል ዝተሳተፎ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ነጻነት ሃገር መበገሲ ብምግባር መደረኡ ጀሚሩ። ብጻይ ባህልቢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ናጻ ንኽወጽእ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ረዚን ዋጋ ዝሓተት መሪር ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ሰጊሩ ኣብ ምሕራር መሬት እኳ እንተበቅ፣ ካብቲ ኣቀዲሙ ዘየስተብሃለሉን ዘይለበመሉን፣ ኣብ ውሽጢ ሰውራን ግዜ ቃልስን ብሕቡእ ተጠጂኡ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ ድሕሪ ምሕራር ሃገር ክፍጠር ዝነበሮ ዘቤታዊ ምልኪ ፈጺሙ ክገላገል ኣይከኣለን ክብል ተንቲኑ። እዚ ዘይበሃል መስዋእትን ስንክልናን ዘስዓበ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሬታዊ ሓርነት ኣረጋጊጽካ፣ ንህዝባዊ ሓርነት ካብ ናይ ባዕዳውያን ምልኪ ናብ ናይ ዘቤታዊ ምልኪ ምስግጋር ኣይነበረን፣ ፈጺሙውን ኣይኮነን ይብል ባህልቢ ኣብ መደረኡ። ንኩነታት ፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት ወዲ ሰብ ኣብ ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ኣዛሚዱ እንክገልጽ እውን ብጻይ ባህልቢ፣ ብቋንቋኻ ዝዛረብ ስለዝመለኸካ ወይ ስለዝገዝኣካ ነጻነት ረኺበ ክበሃል ኣይከኣልን፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ድማ ናጻ ኰና ተጠቀምቲ ሲቪላውን ፖለቲካውን መሰላትና ክንከውን በቂዕና ዘይኮነስ፣ በንጻሩ እቲ ምልክን ዓመጽን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳገደደ መጺኡ፣ እቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ሃገር ዝነበረ ናይ መግዛእቲ ኩነታት ዝሓሸ ነይሩ ዝበሃለሉ እዋን ተበጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብጻይ ባህልቢ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሰርዓት ህግደፍ ተታሊሉ ናይ መበል 25 ናይ ናጽነት ብሩራዊ በዓል ንምጽምባል ክደናገርን ክታለልን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ መደረኡ ዛዚሙ።
ነፍሲ ወከፍ መደረ ብቋንቋ ትግርኛ ተዋሂቡ፣ ብምትሕብባር ኣቦ መንበር ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ኦስሎን ከባቢኣን ዝኾነ ሓው ሰዒድ ድማ ብዓረበኛ ተተርጒሙ።
ድሕሪ ናይ 20 ደቓይቅ ናይ ዕርፍቲ ግዜ ዝጀመረ ናይ ሕቶን መልስን፣ ሪኢቶታትን ለበዋታትን ካልኣይ ክፋል ኣኼባ፣ ልዝብን ሃገራዊ መንፈስን ሓላፍነትን ብዝመልኦ ኣገባብ፣ ንልዕሊ 3 ሰዓታት ቀጺሉ።
ሪኢቶኦም ዝሃቡ ሓያለይ ተሳተፍቲ ኣኼባ፣ ንጉዕዞ 25 ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ጉዕዞ ክብሉ ገሊጾሞ። ስለዝኾነ ድማ ብዚ ስርዓት ህግዲፍ ምስ ገለ መገልገልቱ ኮይኑ ዝነፍሖ ዘሎ ናይ ሓሶትን ኮንቱን ፕሮፓጋንዳ ተታሊሉ ን24 ግምቦት ከም መዓልቲ ምሉእ ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ጸላኣቱን ምርግጋጽ ልዑላዊት ሃገሩን ካብ ምዝካር ሓሊፉ፣ ብሩራዊ ኮነ ወርቃዊ ድምቀታት ከምዘይውስኸላ ኣረጋጊጾም። እቶም እንተስ ተታሊሎም፣ እንተስ ብወጽዓ ህዝቦምን ሃገሮም ንዝረኽብዎ ውልቃዊ ረብሓታቶም ክብሉ ናይዚ ኣዕናዊ ምልካዊ ስርዓት መገልገልቲ ኮይኖም ዝዋስኡ ዘለዉ ዜጋታት ግን ሎሚ ብሕልኖኦም ዘየቅስኖም ጽባሕ ኸኣ ብታሪኽ ዘነውሮም ስጉምቲ ወሲዶም ከምዘለዎ ኣኼበኛታት ኣብ ሪኢቶታቶም ገሊሶም።
ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት ህዝቢ ተኣኪቡ ብጉዳይ ህዝባውን ሃገራውን ኩነታቱ እሂም ሚህም ዝብለሉ፣ ብኡ ገይሩ ድማ ሃገራዊ ንቅሓቱ ዘዕኩዀሉን ሓድነቱ ዘደልድለሉን ከምዚ ዓይነት ክፉት ህዝባዊ ኣኼባታት ብብዝሒ ንኽህልዎ ተላብዮም።
ኣኼባ ከምቲ ኣብ ምጅማር ኣብ ምውዳእ ኣውን ብምስጋናን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዛዚሙ።
ዓወት ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ!
مسئول الخارجية يجتمع بالجمعية العمومية للحزب
Monday, 25 April 2016 10:42 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي السابع عشر من ابريل 2016م عقد الأخ/ ولد يسوس عمار نائب الرئيس ومسئول دائرة العلاقات الخارجية بالمكتب التنفيذي لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماًعاً بالجمعية العمومية للحزب عبر الوسائط الالكترونية، وقد خصصه لتنوير العضوية عن نشاطات الحزب الدبلوماسية وبرامج عمل الدائرة علي مدي خمس ساعات متواصلة، مناشداً قواعد الحزب العمل علي إنجاح برامج وخطط الحزب.
أبان المسئول أن أنشطة الحزب الدبلوماسية تتركز في التعريف بالحزب وعموم معسكر المعارضة والأهداف القريبة والبعيدة وسائر القضايا الارترية بالداخل والخارج، فضلاً عن تعرية ممارسات حزب الهقدف الحاكم، ونشر وشرح أهداف الحزب وقضايا اللاجئين وحالة حقوق الانسان بالداخل وتعزيز توصيات لجنة التحقيق الدولية بهذا الصدد وإنفاذ قرار إنزال العقوبات الاقتصادية علي قادة الحزب البارزين.
كما أوضح عمار أن الدائرة تصدر دورية باللغة الانجليزية تحتوي جميع نشاطات الحزب في شتى المجالات يتم توزيعها علي نطاق العالم عبر البريد الالكتروني وسائر الوسائط الاعلامية الممكنة.
الحضور من جانبهم أثاروا ما يمكن القيام به في جانب نشاط الدبلوماسية الشعبية حيث يقيم الأعضاء في شتى أنحاء العالم وفي دول الجوار بصفة أخص.
هذا وفي ختام حديثه نبه الحضور الي أن دبلوماسية الحزب كما هو الحال في سائر نشاطاته ليست بالأمر الذي يترك للمسئولين المباشرين عن تلك الأنشطة بل هو مهمة وهم الجميع، فالكل في مكانه دبلوماسي ومسئول شؤون تنظيمية وأمين مالي...الخ.
يجدر بالذكر أن اجتماع كل دائرة تنفيذية بالأعضاء وتنويرها بأعمالها وبرامجها كان ولا يزال نشاطاً دورياً معتاداً يترقبه الأعضاء بفارغ الصبر.
መጽሔት ታይምስ ንኣባ ሙሴ ሓደ ካብ’ቶም ናይዚ ዓመት 100 ጸለውቲ ሰባት ሰይማቶም
Sunday, 24 April 2016 11:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሓደ ካብ’ቶም 100 ሰባት!!
ናይ ኣሜሪካ መጽሔት ታይምስ ንኤርትራዊ ቀሺ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ምስቶም ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ቻንስለር ኤንገላ መርክልን ፕረሲደንት ባራኽ ኣቦማን ዝርከብዎ 100 ናይዚ ዓመት ጸለውቲ ሰባት ሰይማቶም።
ኣባ ሙሴ ነዚ ኣፍልጦ ዝተመርጹ፡ ህይወት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥፋእ ንምድሓን፡ በብግዜኡ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ብዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ እዩ። ንሶም ሓደ ካብቶም 5 ካብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ 100 ሰባት ዝርዝር ተጠቒሶም ዘለዉ እዮም። እቶም ዝተረፉ 4 ኣፍሪቃውያን ካብ ጋምቢያ፡ ላይበርያ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎን ደቡብ ኣፍሪቃን እዮም። ኣባ ሙሴ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ውሑዳት ንናይ ሰላም ኖበል ብልጫ ዝተሓጽዩ ተጠቒሶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ወርሒ ጉንበት፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ቻይናዊ ኣይ ወይወይ ንኣባ ሙሴ ብዝምልከት ኣብ መጽሔት ታይምስ ከም ዝጸሓፍዎ፡ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ካብ 2003 ጀሚሮም ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም። እቶም ቻይናዊ ኣተሓሒዞም ኣባ ሙሴ ኣብ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣፍሪቃ ካብ ዝተጨነቑ ስደተኛታት ክሳብ 50 ናይ ስልኪ መጸዋዕታ ከም ዝቕበሉ መስኪሮም። ምስቲ ምድሓን ህይወት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጥራይ ዕዉት ስርሓት ምፍጻሙን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ማኸላይ ባሕሪ ህይወት ኣስታት 25 ሺሕ ሰባት ጠፊኡ እዩ።
ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገር ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣባላት ካቶሎካዊ ማሕበረሰብ ዘገልግሉ ዘለዉ ቀሺ እዮም።
Time Magazine Names Abba Mussie Zerai as One of the 100 Influential Persons of the Year
Sunday, 24 April 2016 11:14 Written by EPDP Information OfficeFather Mussie Zerai is one of the 100!!
The American Time magazine has named the Eritrean priest, Abba/Father Mussie Zerai, as one of the most influential persons of the year alongside Pope Francis, Chancellor Angela Merkel and President Barack Obama.
Abba Musie was selected for the recognition for saving so many lives of migrants from perishing in the Mediterranean Sea by relaying SOS messages of refugees and migrants to concerned authorities and life-saving teams in the region. He is one of the five Africans among the 100 men and women named in the list of Influential Persons of the Year. The other four Africans are from Gambia, Liberia, the Democratic Republic of Congo and South Africa. It is also to be recalled that Abba Musie was reported to have been in the short list for the Nobel Prize for Peace.
Writing about Abba Mussie in the Time magazine for the first week of May, the Chinese human rights activist, Ai Weiwei, said the Eritrean priest, has been engaged in the life-saving task since 2003 and that he receives up to 50 phone calls per day from distressed refugees from several parts of Africa. In spite of the efforts to save lives, which was been made effective only recently, about 25,000 lives were estimated to have perished in the Mediterranean Sea in the past two decades.
Abba/Father Mussie Zerai is a priest serving Eritrean Catholic communities i residing in different parts of Switzerland.
ببالغ الحزن والأسى تلقى حزب الشعب الديمقراطي الارتري نبأ وفاة المناضل العريق/ ألأزار قلتا، حيث لا نملك إزاء قدر الله إلا أن نسأل للفقيد الرحمة والغفران ولذويه الصبر والسلوان.
فارقنا رفيق النضال والصديق والوالد العزيز/ ألأزار قلتا في السادس عشر من ابريل 2016م بعد معاناة طويلة مع المرض، شهيدنا التحق بالنضال الارتري منذ الخمسينيات في حركة تحرير ارتريا، و التحق بجبهة التحرير الارترية جندياً مقاتلاً في منتصف السبعينيات وكان يعمل في قسم النقل والمواصلات. ومنذ لجوئه الي ألمانيا لم يلق عصا النضال بل واصل دوره النضالي عضواً بجبهة التحرير الارترية/ المجلس الثوري، فحزب الشعب، وأخيراً عضواً بحزب الشعب الديمقراطي الارتري حتى وفاته.
فقيدنا لم يقصر النضال علي نفسه فقط، بل أشرك أسرته أيضاً في معمعة النضال في سبيل ما آمن به من أهداف. حيث يكفيه شرفاً أن ابنيه وابنتيه أعضاء نشطون في الحزب، فضلاً أن ابنته إرترا ألأزار هي اليوم عضو بالمكتب التنفيذي للحزب رئيسةً لدائرة شؤون المرأة.
ألا رحم الله الفقيد وألزم أهله وشعبه الصبر والسلوان.
መስዋእቲ ናይ ሓርበኛን ጽኑዕን ተቓላሳይ ኣልኣዛር ቀለታ ንኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንቤተ-ሰቡን ኣዝማዱን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስዋእቲ ናይ ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንነብስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩምን ጠሉ ድማ የውርደልኩምን እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣቦናን ሓውናን መቓልስትናን ጅግና ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ ብቀዳም 16 ሚያዝያ ብዝሓደሮ ሕማም ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለታ፡ ካብ ማሕበር ሸውዓተ ኣትሒዙ ኣብ ምግዳል ዝጸንሐ ሓርበኛ ተቓልሳይ ኢዩ። ኣብ ክፍላ ናይ ሰብዓታት ድማ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣባል ሰራዊት ሓርነትን ኣባል ክፍሊ መጓዓዝያን ኰይኑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተጋዲሉ። ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ተሰደ እውን ደኺመ ከይበለ ቅድም ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ስዒቡ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብጽንዓት ተቓሊሱ።
ስውእ ኣልኣዛር፡ በዚ ጥራሕ ኣይኰነን ዝዝከር፡ እንታይ ደኣ፡ ንስድርኡ እውን ኣብ’ቲ ንሱ ንምዕዋቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ኣብ ጐድኑ ደው ኢሎም ንኽቃልሱ ዘብቅዐ ኣቦ ኢዩ። ጓሉ ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኰይና ትቃለስ ምህላዋ ንግዲኡ ዝገልጽ እኹል ምስክርነት ኢዩ። ስውእ ኣልኣዛር ቀለታ ኣቦ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ብዕለት 17.04.2016 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰላምታ ድሕሪ ምኽፋቱ፤ ነቲ ናይ ዕለት 03.04.2016 ኣብ ኣስመራ ብምልካዊ ስርዓት ዝተፈጸመ ቅንጸላ መንእሰያት ንምዝካር፡ ናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ተጌሩ።
ካብኡ ቀጺሉ ብዛዕባ ህልዊ ኲነታት ሰልፍናን ሃገርናን ከባቢናን ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ። እቲ ዝያዳ ንኣኼበኛ ዘነደረ ድማ እቲ ናይ ኣስመራ ናይ መንእሰያት ቅንጸላ ኔሩ። ኣኼበኛ‘ውን ድማ ብትሪ ኮኒኑዎ።
ቀጺሉ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ጨንፈር ሽማግለ፡ ንሓደጋታት ጉዕዞ መንእሰያት ዝገልጽ ኣብ ቪድዮ ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ፊልም ኣቕሪቡ። እቲ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ቪድዮ ጠንቂ ስደት መንእሰያት፡ ህግደፍ ምዃኑ ዝገልጽ ፊልምን፡ መንእሰያት ኣብ ስደቶም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዘጓንፎም ዝነበረ ሓደጋታትን ዝገልጽ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ‘ውን ናይ ቃልሲ ንያትካ ዘበራብሩ ዜማታትን፡ ባዕሉ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ነቲ ዝርአ ዝነበረ ቪድዮ ሓሓሊፉ መግለጺ እናሃበሉን ብሰፊሑ ገሊጹ።
መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ፡-
ብዕለት 3 ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝፈጸሞ ምርሻን ናይ መንእሰያትና ኣመልኪቱ ኣብ ቲቪ ኤረ ክዛረብ ከሎ፡ እቶም መንእሰያት ክሃድሙ ምስ ፈተኑ፡ እቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊትና ንላዕሊ ተኲሶም 2 ተሰዊኦም ገለ ድማ ተቐቲሎም ኢሉ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ኣዝዩ ዘደንጹ እዩ። ህግደፍ ንህዝቢ ከመይ ጌርካ ትጠውዮ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተሞኰሩሉ እዩ። እቲ ባዕሎም ረሺኖም ተሰዊኦም ምባል ንህዝቢ ንምድንጋርን ነቲ ዕላማ ዘሎዎ ክብረት ናይ ምስዋእ ናይ ጀጋኑና ንምጥፋእን ዝገብሩዎ ዘሎዉ ገበን እዩ። ኣብ በረኻታት ኤርትራ ክንደይ ብተኲስካ ቅተል ዝጠፍኡ ኣለዉ። ንሱ ሰብ ዝርእዮ ኣይነበረን፤ እዚ ናይ ሎሚ ግና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልስና፡ ኣነኳ ዘየርከብኩሉ እንተኾንኩ፡ ታሪኽ ቃልስና ከም ዝምስክሮ፡ ተጋደልቲ ኣነ ክስዋእ ንስኻ ትረፍ እናተበሃሃሉ ብታንክታት ዝጠፍኡ ኔሮም‘ዮም። ሕጂ ግን ህግደፍ ነቲ ክቡር መስዋእቲ ዝበሃል ቃል አሕስሮን ንመደናገሪ ህዝቢ እጥቀመሉን ኣሎ። ንከምስልን ክብረት ስዉኣት ከም ዘገድሶ ክመስልን ግን ዝባን ስዉኣት እናበለ ንህዝቢ ብዘይ ሕጊ ክቕይዶ ይርአ። ሕጊ ስለ ዘይፈልጥ ዝባን ሕጊ ክብል ኣይክእልን እዩ። እቶም ስዉኣት ተመሊሶም እንተዝርእዩዎስ እንታይኮን ምበሉ? እንቋዕ ተመሊሶም ኣይርእዩዎ። እዚ ኩሉ ገበናት‘ዚ እምበኣር ውዒሎም ሓዲሮም ክሕተቱሉ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሓቶም እዩ።
ህግደፍ እዚ ኩሉ ገበናት እናገበረ፥ ንሕናኸ እንታ‘ዩ ግዴና ኢልና ንነፍስና ንሕተት። እቲ ናይ ኣስመራ ምርሻን ናይ መንእሰያት ምስ ተሰምዐ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ፍራንክፎርት ንዝኽሪ ናይቶም ዝተረሸኑ ተባሂሉ ሽምዓ ምውላዕ ኔሩ። ኣብኡ ብዙሓት መንእሰያት መጺኦም ኔሮም። ኣነ ግን ብዙሕ ተገሪመ። ዓመት ዓመት መንእሰያትና ጠፊኦም ኢልና ሽምዓ ንውልዕን ንቚዝምን። እቲ ፍታሕ ንሱ ድዩ? እዞም መንእሰያት እዚኣቶም እቲ ግብረ-መልሲ ናታቶም ሽምዓ ምውላዕ ጥራሕ ድዩ? ወይስ ካልእ መፍትሒ ኣሎ‘ዩ። ኣበየሎዉ እቶም ኣብ ሽምዓ ምውላዕ ተኣኪቦም ዝነበሩ መንእሰያት? ኣበየሎዉ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ሽምዓ ክውልዑ ዘምሰዩ ዓበይቲ? ግዴና ግደ መንእሰያት ሽምዓ ምውላዕ ኣይኮነን። ግዴና ተግባራዊ ቃልሲ‘ዩ። ንሕና ኣብ ዘየድሊ ሓዲግ ቦታ ጠጠው ኣይንበል። ተወዲብና ንቃለስ።
ከመይ ጌርና ኢና እንቃለስ? ንሕና ቃልሲ ዘጽንሑልና ወለዲ ኣሎዉና። ተወዲብና ቃልሲ ወለድና ንውረስ። እቶም ዓበይቲ‘ውን ከውርሱ ኣለዎም። ስለዚ ኩላትና እንታይ ክወርስ‘የ እንታይከ ከውርስ‘የ ኢልና ንሕሰብ። ህግደፍ ጽልእን ፍርሕን ጥራሕ እዩ ኣውሪሱ። ኣብ ሰራዊት ከሎና ምስ መዳቕስትና‘ውን ኣይንተኣማመንን ኔርና። እንተተዛሪብና‘ውን ብኳሌታኡ ኣውጽኣዮ ንበሃል ኔርና። ወለድና ግን ቀደም ብሕጊ ነፍሶም የመሓድሩ ኔሮም። ሕጊ በትሪ ድኻታት እያ። ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ዓድታትን ንዝተፈጥረ ግርጭታት ከይተረፈ ብዕርቂ የደቅሱ ኔሮም‘ዮም። ንሕናኸ እቲ ናይ ህግደፍ ጽልእን ፍርሕን ዘይምትእምማንን ዲና ክንወርስ ዝግበኣና ወይስ ናይ ወለድና? እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ እምበኣር ባህሊ ወለድና ወሪስና፡ ውድበይ ውድብካ እናበልና ምትህልላኽ ገዲፍና ተጠርኒፍና ህዝብና ከነድሕን‘ዩ።
እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ድማ፡ ኣነ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ኢልና ንነፍስና ኣብ ክንዲ ንሓትት፡ 30-40 ዓመት ተቓሊሶም እንታይ ጌሮም ኢልና ንዝተቓለሱን ሕጂ ኣሪጎም ዝደኸሙን ነነኣእስ። ንሳቶምሲ ግብኦም ጌሮም፡ ንሕና መንእሰያት ግን ኣብዚ ግዜ‘ዚ እቲ ዝኸፍአ ንገብር ኣሎና። ኣብ ህግደፍ እናኸድና ናይ ጣዕሳ ፎርም ንመልእ። እዚ ብምግባርና፡ ነቲ ዝጠፍእ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ንሞት ንፈርዶ ኣሎና። ባዕልና ኢና ንቐትሎ ዘሎና። ስለዚ ንሕሰብ ነስተውዕል።
ኣብ መወዳእታ ዘረብኡ መንእሰይ ክብሮም፡ ሓንቲ ኣብ ወጻኢ ዝዓበየት መንእሰይ ንቃልሲ ወለዳ ዝወረሰት፡ እናኣሕነቕነቐት ትግርኛን እንግሊዝኛን እናሓዋወሰት፡ ነቲ መንእሰያት ኣብ ሰሓራን ኣብ ባሕርታትን ዝጠፍኡ ዘለዉ እናገለጸት፡ መፍትሒ ካባና‘ዩ ተቢዕና ንቃለስ ብምባል ናይ ሰብኣውነትን ቃልስን ወራሲት ኮይና ዝተዛረበቶ ኣብ ቪድዮ እናኣርኣየ ተወሳኺ መግለጺ ሂቡሉ። ከም መዕጸዊ ዘረብኡ ድማ፡ ንሕና ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲ ኣብ ጀርመን እናተቐመጥና፡ ካብኣቶም ክንመሃር ኣሎና። ብዙሓት ሰልፍታት ኣለውኦም፥ ከመይ ጌሮም ተሰማሚዖም ብሕጊ ተጠርኒፎም እኸዱ ኣለዉ ንርእዮም ኣሎና። ንሕና ድማ ነቲ ካብ ህግደፍ ዝወረስናዮ ፍርሒን ጽልእን ኣወጊድና፡ ተጠርኒፍና፡ መንእሰያትናን ዓበይትናን ተቓወምቲ ውድባትናን ፍልልያትና ኣወጊድና ህዝብና ነድሕን፤ ሰልፍና ነዚ ዝጣበቕ ሰልፊ‘ዩ፤ ብሽምዓ ምውላዕ ዘይኮነስ ብቓልሲ ሽግርና ንፍታሕ፤ ኣብ ትርጉም ዘየብሉ ሂወት ኣይንንበር፤ ኤውሮጳውያን ሕጎም ይቕይሩዎ ኣለዉ ከምዚ ኢልና ክንነብር ኣይኮንናን፡ ስለዚ በርቲዕና ንቃለስ፤ 200 ሚልዮን ኤውሮ ዘይኮነስ ጥይት እዮም ሂቦሞ ዘለዉ ንመጥፍኢ ህዝቢ፤ ብዝብል ለበዋ መግለጺኡ ደምዲሙ።
ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛታት ነቲ መንእሰይ ክብሮም ዘቕረቦ መሃርን ንቓልሲ ዘበራብርን መደብ እናኣሞጐሱ፡ ኩላትና ተቢዕና ውፉይ ቃልሲ ከነበርክት ከም ዘሎና ለበዋታቶም ድሕሪ ምቕራብ፤ ኣኼባ ሰዓት ብዝክረ ስዉኣት ተደምዲሙ።