“ናይ ሕድሕድ ምትእምማን መንፈስ ምህናጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ብዕለት 10 ነሓሰ 2016 ልክዕ ሰዓት 09:30 ብኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል መልእኽቲ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃል ሰዲህኤ ኣስሚዑ።
ብድሕር’ዚ ኣቶ ኣለም ዮውሃንስ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ብኣቦ መንበርነት ዝመርሖ፤ ወይዘሮ ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያትን ዝርከብዎ ዝመርሕዎን ዘውሃሃድዎን ብኽኢላታትን ምሁራትን ዝቐረበ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቕቲ ናብ ተኻፈልቲ ዋዕላ ቀሪቡ። ተኻፈልቲ ዋዕላ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ወረቓቕቲ ርእይቶታትን ሕቶታትን ብምቕራብ ነቲ መጽናዕትታ ኣሀብቲሞሞ። እዚ ቀዳማይ ውዕሎ፡ ካብ ሰዓት 9፡30 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 9፡45 ናይ ምሸት ኢዩ ቀጺሉ።

ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝተዓደማ ውድባት፡ ምስ’ቲ ናይ ሰዲህኤ ዝመሳሰል መደብ ዕዮ ዘለወን ውድባት ኢየን ነይረን። ንሳተን ድማ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ተሓኤን ኢየን። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣይተኻፈላን።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊስን (መድረኽ) ኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደን (ሰዲህኤ) ብዛዕባ ዕርቂ፤ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን (ስደኤ) ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይን (መደኣኤ) ብዛዕባ ኣፈታትሓ ግጭት፤ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድን ብዛዕባ ሃለዋት ባህልታትናን ክብርታትናን፤ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ፡ ዶክተር ርእሶም መስፍንን ኣቶ ሳልሕ ጀውሃርን ብዛዕባ ተራ ሚድያ ኣብ ምህናጽ ምትእምማን፤ ኣቶ በረኸተኣብ ዮውሃንስን (EYSC- NA) ብዛዕባ ጠንቂ ስደት፡ ሳዕቤናቱን መፍትሒታቱን ጠቐምቲ ኣስተምህሮታት ዝሃቡ ወረቓቕቲ ኣቕሪቦም፡፡ መንእሰይ ወደብ ተድሮስ (EYSC) እውን ኣዝዩ ዝንኣድ ኣበርክቶ ኢዩ ገይሩ።

እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ነቲ ተቓወምቲ ውድባትና ብሓባር ንኸይሰርሑ ዓጊቱ ሒዝዎ ዘሎ ብኵራት ናይ ሕድሕድ ምትእምማን ኣብ ምፍዋስን ንፍልልያት ኣብ ምጽባብን ሓጋዚ ተራ ክጻወት’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና።
ዝርዝር ናይቲ ዝተኻየደ ውዕሎታት ድማ፡ ሓደ ብሓደ ብተኸታታሊ ከነስዕበልኩም ኢና።
Eritrean Scholars, Activists Hold 3-Day 'Trust Building' Conference in Frankfurt
Friday, 12 August 2016 00:35 Written by EPDP Information OfficeA highly enlightening three-day conference on trust building in the Eritrean social and political landscape was organized by the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) on Wednesday and Thursday received presentations by eleven distinguished panelists coming from different parts of the world.

The conference was opened by welcoming remarks made by Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga, and invited to the podium the EPDP chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, who made an inspiring opening speech on the urgency for reconciliation and unity among Eritrean forces and wished the conference a resounding success.

In the past two days, the conference raised and discussed six themes that were ably moderated alternately by Mr. Alem Yohannes, EPDP head of Social Affairs Office; Ms Eritrea Alazar, head of Women's Affairs, and Mr. Medhanie Habtizghi, head of Youth Affairs.

During nearly 9-hours of discussions on Wednesday, the meaning of political reconciliation, its practice and implications in Eritrea were presented by Dr/Ambassador Andebrhan Weldegiorgis, leadership member of the Eritrean Forum for National Dialogue (EFND), and Mr. Ghebre-Egziabher Tewelde, representative of the EPDP Chair Office in North America. The first panelist stressed the need of promoting reconciliation among the diaspora forces and communities, and expounded the objectives of the EFND in this aspect. The second speaker defines reconciliation as the sure path to conflict resolution and raised examples on forgiveness. (As stated by the moderators, all the richly researched and effectively presented papers will be made public in the coming few days.)

Professor Ghirmai Negash of Ohio University, USA, and Mr. Abdurahman al-Said (Bohashem), a human rights and democracy activist from UK, extensively dwelt on Eritrean social and cultural values. Prof. Ghirmai, talked on great length on customary laws and the eroding original/indigenous knowledge which need be revived. Bohashem believed that cultural values would help smoothen transition in the society.

The day's third session was on the role of media in trust building. Papers on this theme were presented by Dr. Russom Mesfin; Mr. Tzegai Negash, author, human rights and democracy activist in north America, and Mr. Saleh Johar (Gadi), founder-director of Awate website and Foundation in north America. Dr. Russom narrated, inter alia, the significance of his recent tour to Eritrean refugee communities in Ethiopia and his talks with many Eritrean activists in the region. A long-time change and democracy activist Gadi stated, among other things, that the Eritrean people need to draw as of now the silhouette of their future state in the post-dictatorship period.

On Thursday morning, conflict resolution was presented by Ambassador Adhanom Ghebremariam, leadership member of the Eritrean Democratic Party (EDP), and Dr. Almaz Zerai, a physician from Germany and leading member of the Eritrean women's network in Europe. Ambassador Adhanom focused on the need of forgiving and forgetting past differences and starting anew for a speedy change in Eritrea. Dr Almaz's illustrated presentation defined the different aspects conflict resolution in the Eritrean arena.

Young Beredketab Yohannes, a leadership member of the Eritrean Youth for Change (EYC) from Canada, made another lively presentation on the causes and possible solutions of the exodus of the Eritrean refugees. His well-received presentation raised extended discussion on the role of youth on bequeathing and leading the struggle for change and existing generational problems faced at the present.

The sixth and final session on Thursday was on the persisting mistrust in the Eritrean opposition camp presented by Ms Asghedet Mehreteab, a long-time freedom fighter, women's rights activist and a senior EPDP cadre in North America. Ms Asghedet explored many aspects and instances that have been reinforcing mistrust in the Eritrean opposition camp and what could be done to overcome them.

Every presentation was followed by exhaustive discussion and question and answer sessions.
Mr. Fessehazion Ghebre, leadership member of the Eritrean National Salvation Front (ENSF- Hidri); Mr. Wedeb Tedros, member of the Eritrean Youth Solidarity for change (EYSC), as well as many leadership members of the EPDP were among the invited participants at the conference.

The conference is scheduled to continue the whole day Friday discussing and drafting a memorandum of understanding on the way out drawn from the issues raised under the six themes raised and discussed on Wednesday and Thursday.
All the panelists at the three-day conference will also making general briefings at the Festival Panel on Saturday which is expected to be attended by other invited guests representing German parties and the office of the Mayor of Frankfurt.
استعدادات مهرجان ارتريا 2016م بفرانكفورت تجري علي قدمٍ وساق
Wednesday, 10 August 2016 23:54 Written by اعلام اللجنة التحضيريةفي اجتماعها المعقود في الثاني والعشرين من يوليو 2016م قيمت اللجنة التحضيرية لمهرجان ارتريا 2016م بفرانكفورت أعمالها وخططها لإقامة المهرجان هذا العام تحت شعار ( انتصار شعبنا بنضالنا المشترك )، تناول الاجتماع بالتقييم الدقيق مدى تقدم التحضير لكلٍّ من الإعداد الفني للمهرجان واستقبال الضيوف وبرنامج دور ومشاركة الشباب في المهرجان. من أهم مميزات مهرجان هذا العام، أنه سيشهد تلبية نداء حزب الشعب الديمقراطي الارتري لممثلين للقوى السياسية والمثقفين والأكاديميين الارتريين للتحاور وطرح أفكارهم ورؤاهم علي مائدة المهرجان. كما سيشهد المهرجان التحاور والتلاقي المباشر مع جمهور المهرجان الذي سوف يقوم به رئيس لجنة اتصالات مبادرة نيروبي الداعية الي لم شمل المعارضة الارترية. ثالثاً هناك دراسة سياسية أكاديمية قيــِّــمة من إعداد وتقديم السيد/ توماس مانقسون عضو الحزب الاشتراكي السويدي ورئيس جمعية السلام السويدية تؤكد نجاح الأسلوب السلمي في تحقيق التغيير الديمقراطي واستدامته وفشل أي تعجـُّــل لهذا التغيير عن طريق التدخل الأجنبي في الأوضاع المحلية في أي بلد من البلدان. رابعاً سوف تقدم رابطة شباب الحزب أعمالاً فنية وفكرية تعالج المشكلات والمعوقات التي تحول دون تعاون الشيب والشباب في العمل ضد النظام الدكتاتوري القائم في البلاد.
بعد تقييم ما تقدم من عمل التحضير للمهرجان وضعت اللجنة خطة عملها للأيام القليلة المتبقية من العد التنازلي لقيام المهرجان، هذا وقد تعهدت التحضيرية أن تجعل مهرجان 2016م أكثر تميزاً وحضوراً ومشاركةً كمية ونوعية.
ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ስራሓታ ብምዕሩግ ኣገባብ ተዳሉ ምህላዋ ተሓቢሩ ኣሎ:: ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ዝተመዘዘት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እነሆ ድሕሪ ሓያሎይ ርኽክባትን መጽናዕትን: ንነብሳ ኣብ ናይ ዕማም ጉጅለታት ከፋፊላ ክትሰርሕ ብምጽናሕ ኣብ ጽቡቕ ምድላዋት ከምይበጽሐት ኣብ ናይ ዕለት 18ን 25 ሓምለ 2016 ዘካየደቶ ኣኼባታት ኣስመረትሉ:: ኣስዒባ እዚ ታሪኻዊ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ እዚ: ትካላዊ ኣሰራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመኩሮን ንምሕያል ንቃለስ!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን ንዕለት 11 ነሓሰ 2016 ክጋባእ ምኻኑ ወሲና:: ኣሳናዳኢት ሽማግለ ቀንዲ መሰረታዊ ሰነዳት ስርሓ ንምስራዕ ዘድሊ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ወከልቲ መሰረታት ጨናፍር ኤውሮጳ ምርካቡን ዝተጻፈፈ ኣጀንዳን ሰነዳት ጉባኤን ኣዳልያ ምህላዋ ሓቢራ::
ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ
እቲ ኣብ ትሕቲ"ዓወት ውጹዕ ህዝብና፣ ብሓባራዊ ቃልስና"ዝብል ጭርሖ፡ ብዲሞክራሲያዊ ማሕበር ኤርትራን ብምትሕብባር ጨናፍር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኣውሮጳን ዝዳሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ከም ዘሎ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ በዓል ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዚ ካብ 12 - 14 ነሓሰ 2016 ዝካየድ ፈስቲቫል ሎሚ ዓመት እውን ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየዶ ዝጸንሐ፡ ቀጽሪ ዩንቨርስቲ ቦከንሃይመር ቫርተ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን እዩ ክግበር።
ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል 2016፥ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ ምስ ኩሎም መሳርሕቱ ናይዚ ዓመት መጸ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝካየድ ፈስቲቫል፣ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘወሰደ ምቅርራባት ብጽቡቕ ከምዝተዛዘመን እቲ ዝተርፍ ተግባራውነቱ ጥራሕ እዩ ክብል ንቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ። ከምቲ ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ ዝሓበሮ፡ እዚ ሰፊሕ በዓል እዚ ኣብ ብዙሐነትናን ሓድነትና ኣወንታዊ ሕላገት ዘንብር፡ ንምቅርራብ ሃገራዊ ሓይልታት መሊሱ ዝሕይለሉን፥ ንምውራስ ባህልን ክብርታትናን ባይታ ዝምድምድ መድረኽ እዩ። ከምኡ እውን ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ሓቢሮም ናይ ምስራሕን ድልውነት ዝሃንጽሉ ባይታ ዝፈጥር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ሓይልታት ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ዘለዎ መትከላዊ እምንትኡ ጸኒዑ ክሰርሓሉ ምዃኑ ዘነጽረሉ ኣጋጣሚ እዩ ክብል እውን ጠቒሱ።
እዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል በዓል እዚ፣ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታት ዝወሃበሉን፡ ባህላዊ ትልሂት ዝቐርበሉን መድረኽ ብምዃኑ ብሓፈሻ መላእ ተቓዋማይ ሓይልን ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ተረካቢ ሕድሪ ብምዃኑ ካብኡ ዝጥለብን እቲ ሰልፊ እንታይ ክገብር ከምዘለዎን ብዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ዝወሃሃበሉ በዓል ብምዃኑ ክሳተፍዎ ኣገዳሲ እዩ።
ሓደን ቀንድን ካብ መደባት ፈስቲቫል ኤርትራ 2016 ሕድሕድ ምምሃርን ምስትምሃር ብምዃኑ፡ ዓርቢ ዕለት 12 ነሓሰ 2016 “መንገዲ ዓድና ብኸመይን መዓስን ኢና እንኸዶ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ብዝቐርርብ ኣስተምህሮ ክኽፈት እዩ። ድሕሪኡ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ሓሳባቶም ዝለዋወትሉ መድረኽ ክኸፈት እዩ። እዚ ድሕሪ ምዝዛሙ ከኣ መደብ ባህላዊ ትልሂት ክምዘሎን ዝሰፍሐን ካልኦት ዓበይቲ ዛዕባታት ኣብ ዕለት 13.08.2016 ዝቐርቡን ዘቕርቡን ተዳልዮም ምህላዎም ኣቶ ንጉሰ ጸጋይ ሓቢሩ።
Eritrea Festival 2016 in Frankfurt, Germany
Thursday, 28 July 2016 11:10 Written by Eritrean Democratic Associationኣሳናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኣብ ዕለት 22.07.2016 ኣብዝገበሮ ኣኼባ፣ "ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና"! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብ ምድላው ዘሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016፡ መደባቱ ኣብ ምውዳብን ምሕንጽጽን ኣሰላሲልዎ ዘሎ ዕማማት መዚኑ። ኣብቲ ኣኼባ ምስንዳእ መስርሕ ፈስቲቫልን ተሳትፎ ዕዱማት ኣጋይሽን መደብ መንእሰያትን ብሰፊሕ ዘትዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ካብቲ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ፍሉይ ዝገብሮ መለለይታት ድማ፡ ብቐዳምነት መቓልሕ ናይቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዋዕ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምሁራት ኤርትራውያንን ዘካይድዎ ሓባራዊ ልዝብ ዝስማዓሉ መድረክ ምዃኑ እዩ። ካልኣይ ድማ፡ ኣቦ-መንበር ኣድሆ ኮሚተ/ ሽማግለ ናይሮቢ፡ ንመስርሕ ኩሉ ሓቆፍ ካልኣይ ልዝብን በጺሕዎ ዘሎ ጉዕዞን ምስ ተሳታፊ ህዝቢ ተራኺቡ ዝዝትየሉን ርእይቶ ህዝቢ ዝሰምዓሉን መድረኽ ስለዝኸውን እዩ።
ቀጺሉ ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ዝተባህሉ ኣባል ማሕበራዊ ሰልፊ ሽወደንን ኣቦ-መንበር ማሕበር ሰላም ሽወደንን ውሕስነት ዲሞክራሲ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብን ልዝብን ዝረጋገጽ እምበር፡ ብኣህጉራዊ ወታሃደራዊ ምትእስሳርን ምትእትታውን ክመጽእ ዝኻኣል ዘላቂ ሰላምን ምርግጋእን ከምዘየለ ዘመልክት መጽናዕቲ ሰፊሕን ጠቓምን ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ መጋባእያ ክኸውን እዩ። ብዘይካዚ ምትእስሳር መንእሰያት ሰዲህኤ፡ መንእሰያትን ዓበይትን ኣንጻር ህግዲፍ ኣብዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብሓደ ንኸይንስጉሙ ዘጸግም ዘሎ ፍልልያት ንኽነጻብብ፣ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ፣ ዝብል መበገሲ ዝገበረ መደባት ሰሪዑ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ መጠረስታ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ዘሰላሰሎም ዕማማት ድሕሪ ምምዛን፣ ኣብዚ ዝስዕብ ግዝያት ከካትቶም ዘልዎ ዕማማት ተሊሙ፡ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2016 ካብ ዝሓለፈ ፈስቲቫላት ንላዕሊ ብዝበለጸ ኣገባብ ክስራዕን፡ መጋባእያ ዝተፈላለየ ዝምባለታትን፡ ሓሳባትን፡ እምነታትን ናይ ዘለዎም ዜጋታት ክኸውን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ብምርግጋጽ ኣኼባኡ ደምዲሙ።
ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡
ብሓባራዊ ቃልስና!
ብዕለት 24.07.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 16፡30 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን እዩ ተኸፊቱ።
ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቶም ዝነበሩ ኣጀንዳታት ብምእታው ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። ብቐዳምነት ውሽጣዊ ስርዒታዊ ጉዳያት ናይ ጨንፈር ኣብ ምጽፋፍ ብዝሕግዝ ሓጺር መግለጺ ሽማግለ ኣቕሪቡ። ንኣሰራርሓ ጨንፈር ብጽፍፉፍ ኣገባብ ንቕድሚት ከሰጉሙዎ ዝኽእሉ፡ ብሽማግለ ይኹን ብኣባላት ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ቀሪቦም። ድሕርዚ ኣኼበኛ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ጉዳይ ጉባአ ጨንፈር ኣልዒሉ ተዘራሪቡ። ጉባአ ጨንፈር ንዕለት 21.08.2016 ክግበርን ንምዕዋቱ ዘድሊ ጻዕርታት ክግበር ድማ ተሰማሚዑ።
ካብዚ ብምቕጻል ኣባላት ጨንፈር ኣብዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከይሰልከዩ ዘካይዶዱዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፤ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝሓለፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ጊሰንን ጀነቫን ዘርኣይዎ ንጡፍ ተሳትፎታትን፥ ምስቶም ካብ ሰልፍና ወጻኢ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ናይ ሓባር በዓል ነጻነት ንምብዓል ዘርኣይዎ ተሳትፎን እውን ኣኼባና ኣሞጒሱ። ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቲ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዝዓበየ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል 2016 ፍራንክፎርት ዘትዩ። ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፍን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ብከመይ ከነዐውቶ ከም ዝግበኣና ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ዕላማ ፈስቲቫል፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ዕላማታት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ቅልሲ ውጹዑ ህዝብና ምስ ካልኦት ዜጋታት ንምልላይን፡ ባህልታትና ንሓድሕዱ ዝላለየሉ መድረኽ ምቅብባልን ምጽውዋርን ምኽፋትን፡ ብፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ምስ ህዝብና ምልዛብን፡ ከምኡ‘ውን ኣብ ድምበ ተቓውሞ ዘሎ ናይ ርእይቶታት ፍልልያት ንምጽባብ ኣሳታፊ መድረኽ ምኽፋትን እዩ ክብል ኣረዲኡ። ፈቲቫላትና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብኣባላትናን ካብ ኣባላትናን ስለ ዝኾነ ዝካየድ ድማ፡ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ንምዕዋት ኩላትና ብምሉእ ተወፋይነት ክንሰርሕ ኣሎና ብምባል‘ውን ተላብዩ። ከምኡ‘ውን ኣባላት ጨንፈርና ኣብቲ ንዕለት 12-14/08/2016 ዝግበር ዓመታዊ ፈስቲቫል ሰዲህኤ ብገንዘቦምን ጉልበቶምን ዝለዓለ ተሳትፎ ከርእዩ ምዃኖም ተመባጺዖምን ወፈያታቶም ኣበርኪቶምን።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ‘ውን ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል መሪሕነትን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሰልፊ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ስለ ዝተረኽበ፡ ንመንእሰያትና ዝኸውን ኣገዳሲ ማዕዳን ምኽርን ኣቕሪቡ። ሓው ተስፋይ ኣብ ዘረብኡ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣሪጉን ንስልጣኑ ክከላኸለላ ኣብ ዘይክእለሉን ደረጃ በጺሑን ከም ዘሎ ኢና እንርዳእ፤ ነዚ ዘብርሃልና ምልክታት ድማ ክሳብ ብዓለም ዝኽሰሰሉን ዝኹነነሉን ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎን፡ ህዝብና‘ውን ባዕሉ ዝወደቦ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀነቫ ከም ዘካየደን ርኢና ኢና፤ እቲ ተቓውሞ ኣዝዩ ማዕቢሉ ኣሎ፡ ህዝቢ ድማ ውደባ የድልዮ ኣሎ፤ ብዘይውደባ ጥርኑፍ ቃልሲ ንምክያድ የጸግም እዩ፡ እቲ ስርዓት እናደኸመ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ መላእ ደምበ ተቓውሞ ድማ ተዳሊና ክንጸንሕ ኣሎና ብምባል ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
ካብኡ ብምቕጻል ውሽጣዊ ተቓውሞና እናኣካየድና፡ ገጽ ናይ መጻኢት ኤርትራ ድማ ንወጻእተኛታት ክንገልጽ ይግባእ፤ ንሳትኩም መንእሰያት ድማ፡ ተማሂርኩምን ማዕቢልኩምን፡ ምስ ባህልን ምዕባለን ናይ ዘሎኹሞ ሃገር ክትላለዩን ኣሎኩም ብምባል ምኽሪ ለጊሱ። እቲ ስርዓት ንኣኻትኩም መንእሰያት ኣብ ገደብ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ዕድሜኹም ሰሪቑዎ እዩ። ብሰንኪ ንሱ ዝፈጠሮ በደል ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ እቲ ክትመሃሩሉን ክትምዕብሉሉን ዝግበኣኩም ዕድመ፡ ኣብ ምድረባዳን ባሕርን ምጥፋእን ኣብ ስደት ከርተት ምባልን ይሓልፍ ኣሎ። ኣብ ሃገርኩም ብሰላም እንተትመሃሩ ኔርኩም ኣብዚ ዘሎኹሙዎ ዕድመ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕኩም ምሃሎኹም ኔርኩም። ስለዚ ነዚ እዚ ስርዓት‘ዚ ሰሪቑዎ ዘሎ ዕድሜኹም፡ ተሰሪቑ ከይተርፍ ካብ ሕጂ ጀሚርኩም ክትመሃሩን ክትምዕብሉን ምጽዓር ከድልየኩም እዩ። ነቲ ሰልፊ ዋናታቱ ንስኻትኩም ስለ ዝኾንኩም፡ ናይ ዋንነት ስምዒት ክሓድረኩምን ናይ ትምህርትን ምዕባለን ሰልፊ ክትቅይርዎን ኣሎኩም ብምባል‘ውን ሰፊሕ ማዕዳ ንመንእሰያት ሂቡ። መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ሽማግለ እውን ብወገኑ ንመንእሰያት ዝኸውን ሓጋዚ ምትብባዕ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ለበዋታት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተዛዚሙ።
ملخص تقرير الصحفي/ مارتن بلاوت عن اجتماع البرلمان الهولندي بخصوص ارتريا
Monday, 25 July 2016 19:50 Written by درار منتايلخص الصحفي/ مارتن بلاوت ما ورد في اجتماع البرلمان الهولندي في 5 يوليو 2016م بخصوص وضع حقوق الانسان في ارتريا علي النحو الآتي:
1- إبلاغ السفير الارتري بإلغاء ضريبة ال 2% من الدخل التي يفرضها نظام اسمرا علي الارتريين المقيمين بهولندا، علي أن تغلق السفارة في حال عدم الالتزام بهذا القرار.
2- خمسون بالمائة ( 50% ) من الارتريين المقيمين بهولندا يعتمدون في معاشهم اليومي علي ما تنفقه عليهم الحكومة الهولندية، لذلك لا يمكن لأموال هولندا أن تسخر في تمويل نظام الهقدف عن طريق ضريبة ال 2% وبالتالي وفقاً لهذه الرؤية وجب وقف تلك الضريبة.
3- بما أن هذا النظام من أسوأ النظم القمعية في عالم اليوم يجب علي حكومتنا الاعتراض علي منح الاتحاد الاوربي مبلغ 200 مليون يورو لنظام ارتريا علي أن يدفع المبلغ للاجئين الارتريين المتواجدين بدول المنطقة عوضاً عن منحه للنظام.
4- إعلان تنظيم الشباب الصومالي تنظيماً ارهابياً هولندياً وأوربياً.
5- تأييد قرارات وتوصيات لجنة التحقيق الدولية للتقصي عن أوضاع حقوق الانسان في ارتريا.
6- حماية الارتريين المقيمين بهولندا من تغول أذرع النظام علي حقوقهم وأرواحهم والتدقيق في قبول طلبات منح اللجوء للارتيين من تسرب عملاء النظام عبرها الي صفوف الجالية الارترية.
7- التحقيق فيما نسب الي القنصل الارتري في لاهاي من المشاركة في أعمال تخويف ونزع ونهب ملكية تحت التهديد.
8- المحاربة المحلية والأوربية لجميع الأنشطة المالية والإرهابية التي يمارسها هذا النظام عبر أذرعه الطويلة وتبنيه وتمويله المنظمات الإرهابية مثل الشباب.
9- دراسة خارطة تواجد عملاء النظام بالبلاد وتقديم المعلومات الدقيقة عنها للبرلمان بأسرع ما يمكن.
10- متابعة ومراقبة المنح المالية والفنية الأوربية بالتزامن مع دراسة الضرائب والأموال التي يبتز بها النظام الارتريين في عموم أوربا.
11- أن تتقدم حكومة هولندا الي المفوضية الاوربية بطلب تجميد منح الاتحاد الاوربي لنظام ارتريا ومنحها المنظمة الأممية للاجئين بدلاً عنه أو أن تمنح للمنظمات المدنية الارترية الناشطة ضد النظام.
ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ኣካይዳን ኣሰራርሓን ጨንፈርን ሰልፍን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዱ
Tuesday, 19 July 2016 11:55 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይኣብ ጨንፈር ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ብ18 ሓምለ 2016 ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ሰልፊ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ ካብ ሽወደን ተንቀሳቂሱ ዝተረኽበሉን ከምኡውን ኣባል ፈጻሚይ ኣካል ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝዚ ዝተሳተፎን ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብቲ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ዝተኻየደ ኣኼባ መሪሕነት ጨንፈርን ብርክት ዝበሉ ኣብ ኦስሎ ዝቅመጡ ኣባላት ሰልፍን ተረኺቦም።
ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ንኹሉ ተሳታፋይ ኣኼባ ብሓፈሻ ንብጻይ ነጋሲ ሓምደ ድማ ብፍላይ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሰላምታ ድሕሪ ምቅዳም፣ ካብ ራብዓይ ጉባኤ ጨንፈር ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ህይወትን ጉዕዞን ጨንፈር ዘተኮረ ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ኣብ መብሪሂኡ ብጻይ ዳዊት ጨንፈር ንፖለቲካዊ ዕማማቱ የሰላስል እኳ እንተሃለወ፣ ዝረእ ጉድለታትን ድኽመታትን ከምዘሎውን ብምሕባር፣ ንምምሕያሹ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ሓቢሩ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።
ብጸይቲ መብራት ብርሃነ፣ ኣደ መንበር ጨንፈር፣ ብወገና ኣብዚ ፖለቲካዊ ምንቅቃሕ ኣባላት ሰልፍናን ዜጋታትናን ኣብ ዘድልየሉ እዋን፣ ጨንፈር ካብ ዘለዎ ዝያዳ ሓዪሉ ክሰርሕን፣ ብጽሑፍ ኮነ ብኣኼባታት መልክዕ ጽዑቅ ናይ ምንቅቃሕ መደባት ከካይድ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲባ። ኣደ መንበር ጨንፈር ወሲኻ ምሕያልን ምድካምን ጨንፈር ኣብ መሪሕነቱ ጥራሕ ዝተመርኮሰ ዘይኮነስ ናብ ንጥፈትን ሓቢርካ ምስራሕን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝተመርኮሰ ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ብማዕረ ሓላፍነት ተሰኪሙ ክሰርሕን ናይ ምትሕብባርን ምምልላእን መንፈስ ክህሉን ጸዊዓ።
ተሓዝ ገንዘብ ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝግውን ብወገኑ፣ ምስ ተሪእዮ ምቅልቃል ንጅግንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ዘራኽስን ዘነኣእሰን ሓዲሽ ፖለቲካ፣ ጨንፈር ዝያዳ ሓዪሉ ክሰርሕን፣ ነዚ ግጉይ ፖለቲካዚ ህይወት ክህቦ ከምዘይብሉ ኣትሪሩ ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ብጻይ ማሕደር እንኮ ቁጠባዊ ሕይሊ ሰልፊ ኣብ ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላቱ ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጨንፈር ግቡኡ ከማልእ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
ኣባል መሪሕነት ዝኾነ ብጻይ ኢሰያስ ሓጎስውን ብወገኑ፣ ኣብ ተመኩሮ ህይወቱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተመርኲሱ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሓገዝን ጎጓስን ዝድልዮም ከምዘለዉ ብምሕባር፣ ጨንፈር ዝከኣሎ ክገብር፣ ሰልፍውን ንኩነታቶም ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ክቀርቦምን ናብ ቃልሲ ክዕድሞምን ከምዘለዎ ተላብዩ።
ኣስዒቡ ብጻይ ነጋሲ ሓምደ ጨንፈር ኖርወይ ብፖለቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ንጥፈታቱ ሰልፊ ካብ ዝሕበነሎም ጨናፍር ሓደ ኮይኑ፣ ከምቲ መሪሕነት ጨንፈር ዘስመሩሉ ግን ዝያዳ ክሕይል ከምዘለዎ ተላብዩ። ብጻይ ነጋሲ ብፍላይ ንኽልቲኡ ንጥፈታት ጨንፈር ማለት ፖለቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ንጥፈታት ጨንፈር ምስ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፍን፣ ምስ ቁዋም ሰልፍን ኣዛሚዱ ብምርኣይ፣ ጨንፈር ናይ ስራሕን፣ ናብራን፣ ናይ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዕንቅፋታትኳ እንተሃለወ፣ ካብዞም ቀንዲ ሰነዳት ሰልፊ ግን ቡዝሕ ክንርሕቅ ከምዘይብልና ኣተሓሳሲቡ።
ብኸምዚ ዓይነት ምሉእ ተሳትፎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣኼበኛን ሃብታም ናይ እንካን ሃባን ዘተ ብዝሓዘ ኣገባብን ንኣስታት 2ተ ሰዓታት ዝቀጸለ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ