መዓልቲ ናጻ ፕረስ 3 ጉንበት ከም ዓንቀጽ 9 ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኮይና  ካብ እትእወጅ ሎሚ ዘበን  መበል 30 ዓመት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ነዛ ዕለት ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይዛ ዕለት ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓሳባ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ” ምስ በለ፡ እዚ መሰል ዝኾነ ሰብ ብዘይዕንቅፋት ሓሳቡ ክገልጽ፡ ናይ ካለኦት ሓሳብ ክሰምዕን ዝኾነ ዓይነት መድያ ተጠቒሙ ሓበሬታ ክዝርግሕን መሰል ከም ዘለዎ ዘተቓልል እዩ ክብል ኣስፊሩ። ነቲ ኣጋጣሚ ጠጠቒሙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብጽሒት  ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ክዓቢ ጻዕራ ከም ዝቕጽል ጠቒሱ።

ናይዛ ኣብኣ ብዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መግለጺ ዝወጸላ ዘሎ ኤርትራ፡ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ኣብ 2021፡ ኣብ ፖለቲካዊ መሰል 1 ነጥቢ ካብ 40፡ ኣብ ሲቪላዊ ናጽነት ድማ 1 ነጥቢ ካብ 60 ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ናይ 2022 ደረጀኣ እውን ዳርጋ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ናጽናት 1 ነጥቢ ካብ 40፡ ኣብ ሲቪላዊ መሰል ድማ 2 ካብ 60 ኮይኑ፡ ብድምር ክረኣይ እንከሎ ብቕደም ሰዓብ 2%ን 3% ኮይኑ፡  ዝሓመቐ ደረጃታት ተባሂሉ ዝሰፈር እዩ።

ኣብቲ ዘይተተግበረ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ናጽነት ፕረስ ዝሰፈረኳ እንተሎ፡ ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፍላይ ካብ 2004 ኣብ ኣዝዩ ጥቡቕ ምቁጽጻር ወዲቑ ዘሎ ምዃኑ ነዚ ብዝምልከት ብደረጃ ዓለም ዝተገብሩ መጽናዕትታት የቃልዑ።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገኑ ፡ “ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት” ዝተባህለ ትካል ተወኪሱ ከም ዝጠቐሶ፡ “ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ብሕቲ ፕረስ ዘየብላ ብሕታዊት ሃገር እያ” ብዝብል ይጠቕሳ። እዚ ትካል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት፡ ኣብ ናይ 2021 መጽናዕቱ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ እውን ብዝኸፈአ፡ “ኩለ-መዳያዊ ናጽነት ፕረስ ዝተሓረማ ሃገር” ከም ዝበላ ቢቢሲ ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣዘኻኺሩ። ቢቢሲ ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ወዳኢ፡ ብኤርትራውያን ናብ ውሽጢ ሃገር  ዝፍነዋ መዲያታት ብምጥቃስ፡ ነቲ ህዝቢ መማረጺ ይኾነኦ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።

ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ጀነራላት፡ ካብ 4 ክሳብ 11 ጉንበት 2023 ዝጸንሕ ናይ 7 መዓልታት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከካይዱን ንቀጻሊ ሰላማዊ መፍትሒ ዝዛተዩ ወከልቶም ክልእኩን ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጹ ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብ2 ጉንበት 2023 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም። እቶም ሚኒስተር እቲ ስምምዕ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምስ ኣዘዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ተወርዋሪ ረዳኢ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሓምዳንን ብተናጸል ብተለፎን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ዝተበጽሐ ምዃኑ ጠቒሶም።

እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደቡብ ሱዳን፡ ፕረሲደንት ሳልቫከር ክልቲኦም ኣዘዝቲ ውግእ ኣህዲኦም ናብቲ ቀጻሊ ሰላም ዘምጽእ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቶም ክስይሙ ኣትሪሮም ከም ዝጸውዑ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ፡ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብቲ 7 መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ወከልቶም ናብ ዘተ ንምልኣኽን ቅሩብነት ከም ዘርኣዩ ኣፍሊጦም።

እቲ መግለጺ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ብኣላይነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሳዑዲ ዓረብያን ዝካየድ ኮይኑ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ክልቲኦም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ብዛዕባ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ንክሓስቡ ኣዘኻኺሮም። ንኹሎም እቶም ኣብ ሱዳን ዘተ ክካየድ ክጽውዑ ዝጸንሑ ወገናት ድማ ኣመስጊኖም።

ሱዳን ትሪቡን ብወገና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ ብመሪሕነት ኢጋድ ኣብ ጁባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ  ዘተ፡ ብኣላይነት ኣሜሪካን ሱዕድያን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሳዑድ ዓረቢያ ከም ዝጅመር ኣስፊራ።

ሱዳናዊ መራሒ ናይቲ ደሞክራሲ ዝድግፍ ጥምረት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን፡ ያሲር ዓርማን ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ጀነራላት ናብ ሰላም ምምርሖም ዝድገፍ ምዃኑ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ ውግእ ዘይካየደሉ ከባቢ ዝርከቡ ሱዳናውያን ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ንክቐርቡ ንምድፋእ ሰፋሕቲ ሰልፍታት ከካይዱ ጸዊዖም።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ26 ማዝያ 2023 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ “ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘልዉ ሱዳናውያን ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን ኣብታ ሃገር ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዝቐረበ መጸዋዕታ ንድግፍ”  ከም ዝበል ዝዝከር እዩ።

ክፋል ምስሊ ናይታ ህዝቢ ገዲፍዋ ዝወጽእ ዘሎ ከተማ ካርቱም

ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ድማ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ማሕበራውን ቁጠባውን ናይ ህልውና ጸገማት ወዲቖም ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ኣፍሊጦም። እዞም ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም ብሰንኪ ውግእን ስእነት ኩሉ ቀረባትን ምቕጻል ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነሉ፡ ብሓፈሻ ናብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ክወጹ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት፡ እቲ ጸጥታዊ ድሕንነቶም ብዓይኡ ኮይኑ፡ ናይ መጐዓዝያ ዘጸግም ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝርካቡ ድማ ወጻኢኡ ብብዙሕ ዕጽፍታት ምውሳኹ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከም ኣብነት ከም ዝጠቕስዎ፡ ካብቲ ዝነበሮ ዳርጋ ብሚእቲ ዕጽፊ ወሲኹ፡ ካብ ካርቱም ናብ ገዳርፍ ክሳብ 120 ሺሕ ጅኔ፡  ናብ ከሰላ 170 ሺሕ ጅኔ፡ ናብ ዶብ ኤርትራ  ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከምኡ እውን  ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ 200 ሺሕ ጅኔ ከም ዝበጽሐ ሓቢሮም።

ኤርትራውያን ካብ ካርቱም ከሰላ ምስ በጽሑ፡ ኣብኡ ክነብሩ እንተደልዮም ከምዘይፍቀደሎምን ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን እቲ ሓበሬት የረድእ። ናይ ስደተኛ መንነት ወረቐት ዘለዎም  ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከም ዝግደዱን ነዚ ዝከታተላ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብቲ ቦታ ከም ዘየለዋን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ። ካብዚ ተገዲድካ ናብ ኤርትራ ምዃድ እሞ ኣደዳ ማእሰርቲ ምዃኑ ክሃድሙ ካብ ዝፈተኑ እሞ ዝተጐድኡ ሓያሎ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ጌና ናብ ኤርትራ ከም ዝውሰዱ ዝፈለጡ ኣቐዲሞም ካብቲ ዝነበርዎ ቦታ ብሓይሊ ፈንጺጎም  ዝስወሩ ከም ዘለዉ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ  ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብቐንዱ ናይ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተጽዕኖን ውዲትን ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብደቂቕ ዝተኸታተልዎ ኣካላት የቃልዑ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ብወገን መተማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለዉ። እቶም ምስኣቶም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዝደለይዎ ከባቢ ክኸዱ ክፍቀደሎም እንከሎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ግና  ብትርሪ ከም ዝቆጻጸርዎምን ምናልባት እውን ናብ መደበር ስደተኛ ከእትውዎም መደባት ከይህልዎም ይግመት። ንወገን ደቡብ ሱዳን ዝወጹ ኤርትራውያን እውን ተመሳሳሊ ጸገማት ከም ዘጋጥሞም ይንገር ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ “ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማም”፡ ዝተባህለ መንግስታዊ ኣካል፡ 47 ብምስጢር ተወዲቦም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ሕገመንግስቲ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም ንዝበሎም  ብተግባራት ምፍጣር ራዕዲ/terrorism  ከም ዝኸሰሰ፡ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብ30 ማዝያ 2023 ኣፍሊጠን።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቶም ዝኸሰሶም ክልላዊ መንግስቲ ከፍርስሉ ሓሲቦም ዝነበሩ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋርን፡ ላፕቶፕ ኮምፒተራትን ሰነዳትን ከም ዝሓዘ እውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ምስጢራዊ ስርርዕ ዘርጊሖም ናይቲ ክልል ሓለፍቲ ብምቕታል ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ዕላማ ከም ዝነበሮም ከሲሱ። እቲ ሓይሊ ዕማም ብዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ናይቲ ምስጢራዊ ስርርዕ ኣወሃሃዲ፡ ኢንተልጀንስ፡ ወተሃደራዊ ንጥፈት፡ ፋይናንስን መዲያን ዶ/ር ወንድወሰን ኣሰፋ ከም ዝበሃልን ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ 16 ሕሉፋት ጸበብቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ርክብ ከም ዝጸንሖ ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ ናይ ምስጢር ስርርዕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ጽፍሒ ሓላፍነት የገልግሉ ንዘለዉ 450 ሰባት ኣወጊዶም ብናታቶም ሰባት ናይ ምትካእ መደብ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ገንዘቦም ብኸመይ ይመሓድርዎ ከም ዝነበሩ ድማ ካብ መርመራ ብዝበጻሕኩዎ ብዝብል ኣስፊሩ።

ድሕሪ ምውጻእ እቲ መግለጺ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ናይቲ መንግስቲ ክሲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ከም ዝተሳዕረ ዘመልክት እምበር፡ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን ይብልዎ ኣለዉ።

 

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ26 ሚያዝያ 2023 ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ሰፊሕ ዳህሳስ ኣካይዱ። ድሕሪቲ ዳህሳሱ መፍትሒ ዝበሎም ነጥብታት መሰረት ብምግባር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብ20 ሚያዝያ 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምድጋፍ ምዃኑ ኣንጺሩ። 

ኣኼባ ኣብ ዳህሳሱ፡ ህዝቢ ሱዳን ብነዊሕ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ዝሓለፈ፡ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ጀነራል ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ዝምራሕ መንግስቲ ንሰላሳ ዓመታት፡ ምስዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝሓልፎ ዘሎ ዝመሳሰል መሪር ህይወት ዘሕለፈ ምዃኑ መዚኑ። እንተኾነ ህዝቢ ሱዳን፡ ነዚ ወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ዘይተቐበለ ተባዕ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ተኸታታሊ ቃልሲ ኣካይዱ፡ ብ2019 ንስርዓት ዑመር  ሓሰን ኣልበሽር ምውጋዱ ተስፋ ዝህብ ከም ዝነበረ ዘኪሩ።

ህዝቢ ሱዳን ምምሕዳር ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ንምውጋድ ኣብ ዘካየዶ መሪር ቃልሲ፡ ናይ ሰራዊት ሱዳን ዝተወሰነ ምትሕብባር ምርካቡ ዝተገንዘበ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ ውድቀት ዑመር ኣልበሺር ህዝቢ ሱዳን ናብ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘብጽሕ መሰጋገሪ ስርዓት ንምፍጣር ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ’ውን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ምኻኑ ኣስተብሂሉ፡፡ ይኹን’ምበር ኣብቲ መስርሕ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ዝምራሕ  ተወርዋሪ ረዳት ሓይልን ከም ነብሶም ዝኸኣሉ ክልተ ተጻረርቲ ወተሃደራዊ ኣካላት ኮይኖም ምስታፎም ሓደ ካብቲ ሎሚ ተፈጢሩ ናብ ዘሎ ውግእ ዘምርሐ ምንባሩ ገምጊሙ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ዝተገብረ መስርሕ፡ ህላወ ክልተ ወተሃደራዊ ክንፍታት ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ንክተሓናፈጹኳ ስምምዕ እንተነበረ፡ ድሕሪ ምትሕንፋጽከ መን ይምራሓዮ?” ዝብል ፍልልይ ናብቲ ተጋሂዱ ዘሎ ውግእ ከም ዘብጸሐ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ እቲ ብዓብይኡ ንህዝቢ ሱዳን ውሑስ ሰላምን ዲሞክራስን ከምጸኣሉ፡ ኣብ ምርግጋእ ዞባና ድማ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ዝተነብረሉን ህዝቢ ሱዳን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን መስርሕ ተኾሊፉ ኣብዚ ንዕዘቦ ዘለና ዕንወት ምውዳቑ ሓዘን ከም ዝስመዖ ብምርዳእ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣብ ደማዊ ውግእ ኣትዮም ዘለዉ ሱዳናውያን ወተሃደራዊ ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን እቲ ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ክልቲኦም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዘቕርበኦ መጸዋዕታ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ዝነብር ህዝቢ ሱዳን፡ ኤርትራውያንን ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ገጢምዎም ዘሎ ወጥሪ ዝወጽሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣገልግሎትን ዝረኽብሉን ኩነታት ንክፍጠር ጸዊዑ።

ናይ ቀረባን ርሑቕን መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ኣብ ሱዳን ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክኣትዉ ተጽዕኖአን ከሕይላ ደኣምበር፡ ንረብሐአን ክብላ ነቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘጋድድ ኢድ ምትእትታው ከይገብራ ተማሕጺኑ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት  ኣብ ሃገር ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሓደጋ ከይወድቁን ድሕነቶምን መሰላቶምን ክሕሎን ኣብ ልዕሊ ምጽዋዕ፡ ሰርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩነታት መዝሚዙ ኣብ ኢዱ ዝወደቑ ኤርትራውያን ካብ ምእሳርን ምዕስካርን ንድሕሪት ስለ ዘይብል፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን ነዚ ሓደጋ ኣብ ግምት ከእትዉ ኣዘኻኺሩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ሱዳን ሓውን ጐረቤትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መስርሕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ልግስን ኣበርክቶን ግቡእ ክብሪ ከም ዝህብ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ምእንቲ ራህዋኡን መሰሉን ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ጐድኑ ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ።

27 ሚያዝያ 2023

(ኣብ መርበብ ሓርነት ወጺኡ ካብ ዝነበረ መዘከርታ)

ሰላሳን ሓደን ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ፡ ብገበን ነይሩ እንተዝኸውን፡ ፍርዲ  እንተዘሰንዮ፡ መሰል እሱራት ብዝተኸብረሉ መንገዲ እንተዝኸውን ግዲ ኣይምበለን። እቲ ዘደንጹን ዘሕዝንን ግን እዚ ኢዩ በደልኩም ከይተባህሉ ብዘይ ክሲን ፍርድን፡ ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቕ ቤተ-ሰብ ዝበጽሖምን ዝርእዮምን ዘይብሎም ጩራ ብርሃን ኣብ ዘይብሉ ጸልማት ን31 ዓመታት ክነብሩ እንከለው፡ ኣዚዩ መሪርን ኣቐንዛውን ኢዩ። እዚ፡ ኣብዚ ዘመንዚ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘጋጠመ ተግባር ኣይኮነን።

ብዘይካ ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ካልእ ናይ ልምዓት ህንጻታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይኹን ኣብያተ-ሕክምና ኣብ ዘይህነጻ ኤርትራ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብህሉው ስርዓት ሂወቶም ዝጠፍኡ ቁጽሮም ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣብ እትነብር ዘላ ኤርትራ ዜጋኣ ዘይተሰዋኣላ፡ ዘይትኣሰረላ፡  ዘይተቐተለላን ዘይተሰጐላን መዓልቲ የለን።  ሎሚ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመት ማእሰርቲ ናይ ክልተ ብጾት ተቓለስቲ  ንዝክር ኣሎና። ንብጾትና ከኣ ብኣድናቖትን ብኣኽብሮትን ኢና ንዝክሮም።

ቅድሚ ሰላሳን ሓደን ዓመታት ብ26 ሚያዝያ 1992፡ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዜ   ማለት ኢዩ፡ ሃገር በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናጽነት ገና ኣብ ሓጎስን ፈንጠዝያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዮም ተጋደልቲ ወልደማርያም ባህልቢን ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ከሰላ ተኣሲሮም ዝተወስዱ። ክልቲኦም፡ ነባራት ተጋደልቲ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናይ ኩሉ ሃሚ፡ ቀልብን ተስፋን ዝነበረ ከመይ ጌርካ ነዛ ብነዊሕ ናይ ቃልሲ ዓመታትን ክቡር መስዋእትን ናጻ ዝወጸት ሓዳስ ሃገር ኢደይ ኢደይ ኢልካ ትሃንጻ ኢዩ ነይሩ። ከመይ ገይሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኹ ከም ናጻ ህዝቢ ዝኣትዎ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ፡ ወሳኒ ኣብ ጉዳዩ ኮይኑ ዝኸደሉ መንገዲ እንዳተሓስበ ኢዩ ነይሩ። ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝቃለስ ዝነበረ፡ መሪሑ  ናጽነት ዘምጽአ ውድብ፡ ካብ ጸላኢ ዝማረኾም ከይተረፈ ብምሕረት ዘፋነወ ውድብ ኩሉ ህዝቢ ኣፈናዊ ተስፋታቱ ኣንቢርሉ ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ናጽነት ሃገሮም ግደኦም ዘበርከቱ፡ ኣብ ምህናጻ እጃሞም ከበርከቱ ንዝኽእሉን ኤርትራውያን ምእሳርን ድሃዮም ምህጣምን ናይ ዕብዳን፡ ዕብዳን ጥራይ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል።

እቲ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ኣደንጻዊ ዝገብሮን ነቲ ጠላምን ከሓድን ኣሰራርሓ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዘቃልዖን ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ መንጎ መሪሕነታት ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን  ንዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምዝርራብ ዝምድና ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝምድና ብናቱ ኩነት ክዛዝሞኳ ዝደሊ እንተነበረ፡ ንውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብዝነበሮ ተቐባልነትን ኣጽቂጡ ክሰግሮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ እንካን ሃባን ንምብጻሕ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ልኡኻት ህዝባዊ ግንባር ጽዑቕ ርኽክባት ይካየድ ነይሩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት ብወድዕነት ምምዛን ከም መእተዊ ናይቲ ዝስዕብ መድረኻት ስለዝነበረ ክልቲኦም ሸነኻት ኣብኡ ኣተኲሮም ይዝትዩ ነይሮም። ብ30 ሰነ1991 ብኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተዳለወት መዘክር ናብ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራ (መራሒ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ) ብኢድ ወኪሎም ኣብ ከሰላ ንክትበጽሕ እውን ተዋሂባ።

እቲ ዝተኻየደ ዘተታት ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመልኦ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ንምብጻሕ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ንምክፋል ጠለብ ኣይነበሮን። ናይ ግዚያዊ መንግስቲ ዕማማት ክሳብ መሰጋገሪ መንግስት ዝቐውም ብህዝባዊ ግንባር ክካየድ ሰውራዊ ባይቶ ድሉው ነይሩ። ውድባዊ ሃለዋቱ ከየፍረሰ ንግዚያዊ ኣመራርሓ ህዝባዊ ግንባር ተቐቢሉ ኣብ ህንጻ ሃገርን ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ምስ ኩሎም ሓይልታት ኮይኑ እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ነይሩ። ሓድነት ሓይልታት ሰውራ ኤርትራ ካብ ቅድም ብዝለዓለ ተጠላቢ ምንባሩ፡ ብሓዲሽ መንፈስ ንምርግጋጹ ጻዕሪ ክካየድ ከምዝግብኦ ይርኢ ነይሩ። ብኣንጻሩ ህዝባዊ ግንባር ህላወ ካለኦት ውድባት ብምኽሓድ ብዉልቀ ደረጃ ንዝገብርዎ መጸዋዕታ ከም ሓሳብውን ይቕበሎ ኣይነበረን። ኣብቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንኣብዝሓ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም መሳርሒ ንርጉእን ስልጡንን ሕብረተሰብ ምህናጽ’ምበር ከም ዕላማ ይውሰድ ኣይነበረን።

 ብወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቐርብ ዝነበረ፡ ኤርትራ ከም ዝተዓወተት፡  እቲ ሽዑ ዝነበረ ስራሕ ምህናጽ ሃገር ምዃኑ፡ ህዝባዊ ግንባር ናይ ቃልሲ ባይታ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጡ ምእታው ከምዘድሊ፡ ናይ ውድባት ጉዳይ ምስቲ ክትከል ዝምረጽ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝተኣሳሰር ከም ዝኾነ ይገልጹ ነይሮም።

 እቲ ኣብ ከሰላ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ፡ ኣብ ኣስመራ ንክቕጽል ስምምዕ ተበጺሑ። ብወገን ውድብና፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ሰውራዊ ባይቶ ኣሕመድ ናስር   ዝመርሖ ዝለዓለ ናይ ዘተ ልኡኽ ቆይሙ። ካብ ካርቱም መገሽኡ ናብ ኣስመራ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ካርቱም ብዝነበረ ወኪሎም እቲ መገሻ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ። እቲ ምኽንያት ናይቲ መሰረዚ ግን ኣይተገለጸን። ብወገን ሰውራዊ ባይቶ እዚ ምውሳእ ናይዚ ክልተ ኣካላት ምድልላይን ኣወንታዊ ዝምድናን ዘመልክት ኢዩ ዝብል ግምት  ነይሩ። ናይ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃን (ወዲ ባሻይ)ን ተራ ኣብዚ መዳይዚ ዕዙዝ ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ነዚ እንኮ መድሕን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ዝነበረ ጽምዶ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ውን ክገብሮ ዝነበሮ ጠሊምዎ ኢዩ። ነዚ ኣሳታፊ መርገጽ ነጺጉ ከኣ ናብ ጨዋዪ፡ ኣሳርን ረሻንን መርገጻት ተሰጋጊሩ። ምስ መንግስቲ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሻሪኹ ውድባት ንምድምሳስ ኣብ ውግእ ሕድሕድ ኣትዩ።

መዓስ ኢዩ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ መዛቲይቲ ናብ  ኣስጋኢ  ተቖጺሩስ፡ ንምቕንጻሉን ንምድምሳሱን ዝወሰነ? ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቂምን ቅርሕንትን ዘይነብር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊኡ ንዝፈጸሞ ሃገራዊ ገበን ንታሪኽ ገዲፉ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝኣተወ ኢዩ። ኣብ ፍሉይ እዋን ክጥቀመሉ ንዘይከኣለ ከበድቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ጠቕሚ ሰውራ ንክውዕል ንመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣረኪቡ። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት ዝህቦ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝነበረ፡ ህዝባዊ ግንባር ከምኡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝግደስ ነይሩ እንተዝኸውን  ስግኣት ኣይምኾኖን።  ትጽቢት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ሰውራዊ ባይቶ ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ክእሰር ወይ’ውን ኣብ ግዳም ኮይኑ ሓንቲ ዘይገብር፡ ለሚሱ ንክነብር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዘይካ ነቲ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ዕላማን መትከላትን ጽኑዕ ኮይኑ ምቕጻል ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።

ስለዚ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተንፍጎ ናይ ቃልሲ ባይታ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኑ ክቕጽሎ መደብ ኣውጽአ። ክልተ ኣብ ሜዳ መሻርኽቲ ዝነበሩ፡ ተመሓዝዮም ንተሓኤ ዝሃረሙ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መንግስታት  ኮይኖም። ብኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣቢልካ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ዝመስል ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝዋስኡላ ሃገር ስለዝነበረት፡ በቲ ሓደ ሓይሊ እንተተዓጸኻ በቲ ካልእ ሓይሊ ክኽፈተልካ ስለዝኽእል መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ንኹሉ ዕድላት ዳህሰሰ። ኣብቲ ድህሰሳ ግን ዋላ እቲ ናይ ህዝባዊ ግምባር መንገዲ ክኽተል ኢዩ ተባሂሉ ዝተፈርሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡  ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲና ክንንቀሳቐስ ከም እንኽእል ፈቐደ። እዚ እዋንዚ ቅድሚ ረፈረንደም ስለ ዝነበረ ኤርትራዊ ክነስኻ  ኢትዮጵያዊ መሰል ተጠቒምካ ምንቅስቓስ ዘጸግም  ብዘይ ምንባሩ ኢዩ።

ገለ ኣባላት መሪሕነትን ላዕለዎት ካድራትን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ 1992 ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ። እዚ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር መንጸሮር ዘትሕዝ ዜና ኮነ። ድሕሪ'ዚ ድማ፡ መራሕትን ካድራትን ናይዚ ውድብ ክጨውዩ፡ ክኣስሩን ክቕንጽሉን ከም መደብ ሓዙዎ። ቀለስትን ኣዋፈርትን ዝነበሩ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ተጋደልቲ ወልደማርያምን ተኽለብርሃንን ኣብታ ወርሒ ብ26ሚያዝያ 1992 ኣብ ከሰላ ምስ ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ገዛ ናይ ዘመዶም ጨወይዎም። ሽዑ ምስ ወሰድዎም ኣበይ ኣለዉ ዘይበሃሉ እነሆ ንሰላሳን ሓደ ዓመታት ኩነታቶም ስዉር ኣሎ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ናይ ምእሳርን ምቕንጻልን መደባቶም ብምቕጻል፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ   ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዝገበርዎ ሓያል ድፍኢት  26 ተቃለስቲ ብ28 ሚያዝያ 1994 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ  ተቐይዶም። እንተኾነ ግን፡ ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ብዝገበሮ ሓያል ጻዕርን ተጽዕኖን ማእሰርቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝተጋውሐን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓደኛ ስለዘይኮነን “ኣረኩብኒ” ዝብል ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዓወተን። መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምሃብ ከኣ ነናብ ሃገረን ወሲደንኦም። ዝተረፉውን ብሜላ ናብ ድሕነት ዝረኽብሉ ሃገራት ተሰዲዶም።

መሪሕነት ናይዚ ክሳብ 1994 ህግሓኤ ካብ 1994 ንደሓር ድማ ህግደፍ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ግንባር፡ ናይ ኣስማት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ናይ ተግባርን ባህሪን ፍልልይ የብሉን። ሰብኣውን  ዲሞክራስያውን መሰላቶም  ንዘዘውተሩ ብቐጻሊ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ኣሲሮም ኩነታቶም ኣብ ዘይፍለጥ ደርብዮሞም ሃለዋቶም የጥፍእዎም። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ልዕሊቲ ዘርዚርናዮ ዘሎና እከይ ስራሓቶም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1992 መሻይኽን መምሃራንን ዝርከብዎ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ታሕሳስ 1994 ብርክት ዝበሉ ንጹሃት ዜጋታት ካብ ከረንን ከባቢኡን ኣቑርደትን ጨውዮም ብምውሳድ ኣበይ ከምዘእተዉዎም ዘይፍለጥ ኣጥፊኦሞም ኢዮም።

ስም ውድቦም ናብ ህግደፍ  ምስ ቀየሩ ድማ፡ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ መንግስቲ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ኣሲሮም የሳቕይዎም ኣለዉ።

ነዚ ከም ኣብነታት ድኣ ንጠቕሶ ኣለና እምበር ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ንዓመታት ተኣሲሮም ዝማሰኑ ብዝሓት ኢዮም። ህዝቢ ኤርትር ንገዛእ ርእሱ  እታ ዝነኣሰት ሰብኣዊ መሰሉ ከተኽብረሉ  ዘይከኣለት ሃገሩ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይናቶ ኣላ።

                                                                                                         

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዘካየደቶ ጽዑቕ ምይይጥን ሓያል ተጽዕኖን፡ ኣብ ውግእ ሱዳን ተጸሚዶም ዝቐነዩ ተቓናቐንቲ ወገናት ካብ 24 ማዝያ 2023 ዝጅመረ ን72 ሰዓታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ሱዳን ፖስት ዝተባህለት ማዕከን ብወገና፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ዝተኣስሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብቲ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኮበር  ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝተወስዱ ሓቢራ።

እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ድሕሪ ንትሻዕተ መዓልታት ኣብ ደማዊ ውግእ ምጽናሕ ዝተበጽሐ ኮይኑ፡ በቲ ውግእ ልዕሊ 400 ሲቪል ሰባት ሞይቶም ኣስታት 4000 ክቖስሉ ንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጻ ከተማ ካርቱም ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ። ኣሜሪካ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ምብጽሖም ሓጐሳ ብምግላጽ፡  በቲ ስምምዕ ክጸንዑ ተማሕጺና።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን እቲ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል፡ ምእንቲ ሰብኣዊ ምኽንያታት ዝተበጽሐ ምዃኑ ጠቒሶም ንህዝቢ ሱዳን ካብቲ ዝጸንሖ ጨንቂ ከቃልለሉ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ሓቢሮም። ኣገዳስነት ቀጻልነት እቲ ስምምዕ ዕዙዝ ምዃኑ ድማ ኣስሚረምሉ። ወገን ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ብወገኑ፡ ነቲ ግዝያዊ ምቑራጽ ተኹሲ ምእዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ ሰብኣዊ መተሓላለፊ  ክኸፍት ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቀጻሊ ዘተ እተካይድ ኮሚተ ኣብ ምምዛ፡ ምስ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣካላትን እቲ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ሲቪል ኣካላት ከም ዝተሓባበሩ ቃል ኣትዮም። በዚ ኣቢልካ ቀጻሊ ህውከት ጠጠው ናብ ምባልን ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ምጥጣሕ  ንክብጻሕን ከም ዝሰርሑ ከኣ ቃል ኣትዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሺርን ምስኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍትን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ወጺኦም፡ “ልጉስ” ናብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዝተወሰዱ ሱዳን ፖስት ሓቢራ። እዚ ዝኾነሉ ኣባላት ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ ምዃኖም ዝግመቱ ዕጡቓት ንቤት ማእሰርቲ ኮበር ብሓይሊ ኣጥቂዖም ምስ ከፈትዎ እዩ።

ኣባላት ፖሊስ ብወገኖም ንሱዳን ፖስት ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ በቲ ሓደ ወገን ንድሕነት ናይቶም ናይ ቅድም ሓለፍቲ  ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንከይሃድሙ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዑመር ኣልበሺር ኣብ ከባቢ ኡምዱርማን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከም’ሎ ዝብሉ ኣካላት’ውን ኣለዉ።

ሰክረታር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ 24 ሚያዝያ 2023 ኣኼባ ብምክያድ፡ በቲ ቤት ጽሕፈት  ዝተኻየዱ ዕማማት ገምጊሙ። ኣብቲ ገምጋሙ፡ ተበግሶታትን ምቅርራብን ንምምስራት ናይ ሓባር ጽላልን፡ ርክባት ምስ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት በተናጸልን ብሓባርን ዝምልከቱ ዛዕባታት  ዳህሲሱን ሓፈሻዊ ሚዛን ኣንቢሩ። 

ብዘይካዚ  ኣብ ምርካብ ናብ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝቐርቡ ናይ 4ተ ዓመታት  ጸብጻባት ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ድሕሪኡ ናይ ዝካየዱ ኣኼባታት  ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማእከላይ ባይቶን  ሰክረታር ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ከምኡ እውን ኮንፈረንስ መላእ ኣባላት ሰዲህኤ ዝምልከት ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ።

ሰክረታርያት ቤት ጽሕፈት ኣቦመንበር፡ ኣብ ምድላው ኤርትራዊ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2023 ካብኡ ንዝድለ ሓገዝ ከበርክት ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ። ንኣተዓዳድማ ወከልቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ከምኡ እውን ዘይኤርትራዊ ሰልፍታት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን መድያታትን ኣገደስቲ ባእታታትን ብዝምልከት ድማ ሓፈሻዊ ምይይጥ ኣካይዱ።   

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስቲ መንግስቶም “ሸኔ” ዝብሎ፡ ንሱግና “መጸውዕየይ ሸኔ ዘይኮነ፡ ሰራዊ ሓርነት ኦሮሞ እዩ” ዝብል፡  ውድብ ክዛተዩ ምዃኖም ብ23 ማዝያ 2023 ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ኣፍሊጦም።

ናይ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣዛዚ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ እቲ ዘተ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዘለዎ ኣብ ሃገር ታንዛንያ ብ25 ማዝያ 2023 ከም ዝካየድ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ካብዚ ሓሊፎም ክልቲኦም ወገናት ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ታንዛንያ ምዃኑ እምበር፡  እቲ ኣዛታዪ ሳልሳይ ኣካል መን ምዃኑ ብዝምልከት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ መንነቶም ክጥቀስ ዘይደለዩ ምንጭታት፡ ኣብቲ ዘተ ተወከልቲ ስዊድን፡ ነርወይ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣሚሪካን ከም ዝሳተፉ ንቢቢሲ ገሊጸምሉ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኦሮሞ ብፍላይ ኣብ ምዕራብን ደቡብ ወለጋ ሰፊሕ ቦታ ተቖጻጺሩ ዘመሓድር ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ምዕራብ ሃረርጌን ሰሜን ሸዋን ብሰፊሑ ተንቀሳቒሱ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝፍጽም፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ 2021 ጀሚሩ “ፈጣሪ ራዕዲ” ተሰይሙ ዘሎ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ምስዚ ውድብዚ ከምዘይዛተኳ ይገልጽ እንተነበረ፡ ካብዚ ቀረባ ግዜ ግና  ክዛተ ቅሩብነት ምዃኑ ኣርእዩ።  እንተኾና ብዛዕባ እቲ ዘተ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ምክያዱን ሳልሳይ ኣካል ምስታፍን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዘይተቐበሎ ምስምማዕ ስኢኖም ጸኒሖም።   ሎሚ ግና ብመግለጺ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ዘተ ዝኣትዉ ዘለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሰሓኦ  ዘቕረቦ ቅድመ-ኩነት ስለ ዝተቐበሎ እዩ ዝብል እምነቱ ኣንጸባሪቑ።

ብኻልእ ወገን ድማ ፕረሲደንትታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብምክትል ፕረሲደንት ሰልፊ ብልጽግና ተመሪሖም ናብ ትግራይ ከም ዝጐዓዙ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም። እቲ መገሻ ናብ ትግራይ፡ እቶም መራሕቲ ክልላት ኣብታ ክልል ዘሎ ኩነታት ተዓዚቦም ኣብ ህንጸት ዝሕግዝሉ ኩነታት ንምፍጣር ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ።

ኣሜሪካ ልዕሊ 800 ኣባላት ሓለዋ  ብ15 ማዝያ 2023 ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ከም ዘዋፈረት ተሓቢሩ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ቅድሚ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጋሶም  ኦክለሃማ ኣብ ዝርከብ መደበሮም ኣፈናንዋ ከም ዝተገብረሎም ኣዘዝቲ እቲ ትካል ኣፍሊጦም። እዞም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፋነዉ ኣባላት ሓላዋ፡ ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ መበል 45 ኣጋር ብርጌድ ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።

እዞም ኣካል ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ ኮይኖም ዝዋፈሩ ኣባላት ሓለዋ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኣሃዱታት  ከም ዝተሓጋገዙን፡ ኣካልቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ግብረ-መልሲ ሓይሊ ኣሜሪካ ኮይኖም ዝሰፍሩን እዮም። እቶም ሓሙሽተ ቦታታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ኣብቲ ዜና ግና  ኣይተረቑሑን።

ሌተናል ኮለኔል ብረንት ዊቸ ዝተባህሉ ኣዛዚ ሓይሊ ዕማም ቶምሃውክ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣፈናንዋ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ናይቶም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወፈሩ ወተሃደራት፡ ቤተሰቦም ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ቃል ኣትዮም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ቤተሰብ፡ ነቶም ወተሃደራት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም ኣፋንየምዎም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ናይዞም ተወሰኽቲ ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ናብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ምውፋር፡ ምስቲ ኣሜሪካ አቶም ኣሱዳን ኣብ ወጥሪ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቦታ ከተውጽእ ኣብ ጅቡቲ ትገብሮ ዘላ ምድላዋት ዘተሓሕዝዎ ኣካላት ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጅቡቲ 360 ሺሕ ትርቢዒት ሜትሮ ኣብ ዝስፍሓቱ መደበር፡ ልዕሊ 4500 ቀወምቲ ወተሃደራት ከም ዘለዉዋ ይፍለጥ። ኣብ ርእሲዚ ተንቀሳቐስቲ ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ከም እተዋፍር እውን ይንገር።

Page 18 of 137