ሱዳን ብዝሒ ስደተኛታት ብምዕቋብ ካብ ኣፍሪቃ 2ይቲ ምዃና ተሓቢሩ

2023-01-31 21:17:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 718 times

ኣብ ሱዳን ንስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ብምዕቋብ እታ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ካለኣይቲ ምዃና ክሕበር እንከሎ: ቀዳመይቲ መን ምዃና ከም ዘይተጠቕሰት መርበብ ሱዳን ትሪቡን/sudan tribune ኣፍሊጣ። ዓመታዊ ናይ ሱዳን ምላሽ ንስደተኛታትን ትልምን ከም ዘስፈሮÜ  ንናይ 2023  መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኸውን ኣዳልያ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ካብ 1965 ጀሚሩ ዝተዓቑቡ ስደተኛታት ካብ ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ቻድ፡ ሱሪያ፡ የመን፡ ሶማሊያን ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ብምትሕብባር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ድሌት ስደተኛታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘኽእል ንገንዘብ ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰርዐ ተጠቒሱ።

ካብቶም ስደተኛታት፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ዝተፈጥረ ኩነታት ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ግና ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖምን እቲ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝወጸ ትልሚ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።  ካብቶም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ጠቕላላ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንናውያ ልዕሊ 800 ሺሕ እዮም።

ካብ ክፍሊ ሃገራት ሱዳን፡ ካርቱምን ዋይት ናይልን ክልቲአን ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብቲ ስደተኛ ዘዕቆባ እየን። ኣብ ሱዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቶም 38% ኣብተን መብዛሕተአን ኣብ ከሰላ፡ ገዳርፍ፡ ዋይት ናይልን ዳርፎርን  ዘለዋ 25 መደበራት ዝተዓቖቡ  እዮም። እቶም ዝተረፉ 62% ድማ ኣብ ከተማታት፡ ማሕበረ ሰባትን  ዓድታትን ሱዳን ዝነብሩ እዮም። መንግስቲ ሱዳን ነቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ተሊምዎ ዘሎ መደብ ናይ 2023 ኣብ ግብሪ ንምውዓል እንተ ወሓደ 396 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

Last modified on Tuesday, 31 January 2023 22:25