ትራምፕ ኣስታት 30 ዲፕሎማት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣዚዙ

2025-12-24 13:19:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 28 times

ብ1941 ተሃኒጹ ካብ 1947 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኮይኑ ዝገልግል ዘሎ ህንጻ

ፕረሲደንት ሮናልድ ትራምፕ 30 ኣብ ዝተፈላለቱ ኢምባሲታት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክኢላታት፡ ብህጹጽ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝጸውዐ፡ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ብምጥቃስ ሲኤንኤን (CNN) ሓቢራ። እቶም ዝተጸውዑ ኣንበሳድራትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሓላፍነት  ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዲፕሎማትን ምዃኖም ከኣ ተፈሊጡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ነዞም ኣብ ግዜ ምምሕዳር ባይደን ዝተመደቡ ዝጽውዖም ዘሎ፡ ንዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ ናይታ ሃገር ምስቲ ቀዳምነት ንኣሜሪካ ዝብል ፖሊሲኡ ንምጥዕዓም ምዃኑ ተሓቢሩ። እቶም ብዘይተለምደ ኣገባብ ብተለፎን ከይተረፈ ዝተጸውዑ ዲፕሎማት ጠቕሊሎም ዝስጐጉ ዘይኮኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ  ካልእ ስራሕ ክድለየሎም እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቶም ተጸዊዖም ዘለዉ ዲፕሎማት’ኳ እንተዘይገለጸ፡ እቶም 15 ካብ ኣፍሪቃ ምዃኖም ተፈሊጡሎ። ካብቶም 15 ኣብ ኣፍሪቃ ዝጸንሑ ከኣ ኣንበሳድራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሶማሊያ፡ ጅቡቲ፡ ናጀርያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዙምባበ፡ ሩዋንዳን ኮትዲቩዋርን ከም ዝርከብዎም ተፈሉጡ።

ብዛዕባቲ ምጽወዖምን መዓስ ከም ዝትክኡን ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ከምዘይተዋህበ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ እቲ ምቅይያር ብፍላይ ኣብቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ፈጠርቲ ራዕዲ እትንቀሳቐሰሉ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ጽልዋ ከም ዝህልዎ ዝግመት ኮይኑ፡ ኣብ ናጀርያን ግብጽን ናይ ዝነበሩ ኣንበሳድራት ምጽዋዕ  ከኣ ምስቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሀን ጥቡቕ ርክብ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

 እዚ ስጉምቲ ንኣሜሪካ ናበይ ከም ዝወስዳ ኣይፍለጥን እዩ ዝበለ ሓደ ተዓዛቢ፡ ብዓለም ደረጃ  ኣንበሳደር ኣሜሪካ ዘየብለን ሃገራት ይበዝሓ ኣለዋ ኢሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ነቲ ስጉምቲ ነቒፎም፡ ከም ቻይናን ሩሲያን ዝኣመሰላ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ነቲ ሃጓፍ ተጠቒመን ክብለጻሉ እየን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም ገሊጾም።

Last modified on Wednesday, 24 December 2025 14:24