ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ውግእ ሱዳን ናብ ጐረባብቲ ከይልሕም ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ

2025-12-24 13:24:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 296 times

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውግእ ሱዳን ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ፡ ኢትዮጵያን ናብ እትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ከይልሕምን ከይሰፍሕን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ስግኣት ካብ ዘሕደረሉ እቲ ብኣቕረብቲ ሃገራትን ዕጡቓት ጉጅለታትን  ናብ ሱዳን ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋር ምዃኑ እውን ሓቢሩ።

ነዚ ዝገለጸ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዳይ  ፖለቲካን ህንጸትን፡ ካለድ ኪያለድ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መብርሂ እዩ። ኣብቲ መብርሂኡ ኣተሓሒዘ  ኣብዚ እዋንዚ ውግእ ሱዳን ናብ ከባቢ ኮርዶፋን ሰፊሑ፡ እቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ብ1 ታሕሳስ ከተማታት ባኑሳን ሄግሊግን ብ8 ታሕሳስ 2025 ከኣ ዓበይቲ ከተማታት ደቡብ ኮርዶፋን ድሕሪ ምሓዙ ምዃኑ ተጠቒሱ። ከም ኣብነት  ናይቲ ውግእ ናብ ዶባት ምስፍሕ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ይፈጥሩ ምህላዎም መርኣያ እዩ ኢሉ።

ሓደ ነቲ ኩነታት ብግሊ ዝተንተኖ ክኢላ ብወገኑ ንውግእ ሱዳን ዘስፈሖ ዘሎ ዶባት ጥሒሱ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋርን ገንዘብን ከምኡ እውን ነዊሕ ዝዝርጋሕ ፖለቲካዊ መርበባትን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ መርበብ ቻድ፡ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣለዋ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን ይብል። ኣጽዋር ናብ ሱዳን ዝኣትወሉ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ክሕብር እንከሎ ድማ ቻድ፡ ሊቢያ፡ ሩፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ፑትላንድን ደቡብ ሱዳንን ጠቒስወን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት፡ ሆስፒታላት፡ መኸዘኒ ንብረት ሕቡራት ሃገራትን ህጻናትን ዝፈጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ድሮናት ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ ኢልዎ። ኣብ ከባቢ ኣብየይ 6 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊ ምቕታሎም እውን ካብቲ ዘሻቕሊ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ እቲ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣልጀዚራ ብ11 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ሱዳን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ፡ ሓድሽ ግንባር ውግእ ክኸፍት ይዳሎ’ሎ ዝብል ሓበሬታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ኢትዮጵያ ነቲ ብዳጋሎ ዝምራሕ ሓይሊ ንምሕጋዝ ኣብ መሬታ ከባቢ ቤንሻንጉል ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ምኽፋታ ምዃኑ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ሓቢራ። እዚ ኩነታት ውግእ ሱዳን ኤርትራ እውን  ናይቲ ዝለሓም ዘሎ ውግእ ግዳይ ከይትኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ።

Last modified on Wednesday, 24 December 2025 14:28