ህዝቢ ቀረናኩዱ ብጃምላ ተኣሲሮም
2025-12-24 13:28:04 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 509 timesቀረናኩዶ
ኣብ ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ለጎ ዓንሰባ ነበርቲ ቀረናኩዶ እትበሃለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ህግደፍ ብጃምላ ከም ዝተኣስሩ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ቤተሰቦም ዝረኸብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ሓቢሮም። ቅድሚቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መልሻ ናይቲ ስርዓት፡ ንሓደ ያፌት የማነ ገብረማርያም ዝተባህለ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመኡ፡ መንእሰይ ገረብ ቆሪጽካ ፈሓም ኣፍሒምካ ብዝብል ክኣስርዎ ምስ ደለዩ ስለ ዘይተማእዘዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ሕጊ ምቕራብ ብጥይት ቀተልዎ።
ነባሮ እታ ዓዲ ብወገኖም ብመቕተልቲ ናይቲ መንእሰይ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም በቲ ተቓውሞ ዝረዓዱ ነቲ መንእሰይ ዝቐተሉ ኣባላት መልሻ ድማ ተወሳኺ ሰራዊት ብምጽዋዕ፡ ኣቦን ሓውን ናይቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ወሲኽካ ኣስታት 450፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት፡ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ተወሲዶም ከም ዝተኣስሩ እዩ ተሓቢሩ።
እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ በቲ ማእሰርቲ ናይቶም ደቂ ቀረናዶ ጠጠው ከምዘይበለን እቲ ሰራዊት ኣብታ ዓዲ ሰፊሩ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ጉደቦ ቀረና ኩዶ ዝኾና ዓድታት ዴዳን ሓበላን እውን ኣብ ስግኣት ከም ዘለዋ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ። እቲ እዚ ዝተጠቕሰ ግፍዒ ዝተፈጸመሉ ከባቢ፡ ካብቲ ኢሳያስ ሰፊሩሉ ዘሎ ዓዲ ሃሎ ርሑቕ ኣይኮነን።