ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ጋምቤላ ሰባት ይሞቱ’ለዉ ይብሉ
2025-12-25 18:28:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 300 timesበቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ነበርቲ ጋምቤላ ኣብ ኣደባባይ
ሓካይም ብዘይዶብ (MSF)፡ ዝተባህለ ትካል ተራድኦ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ብዝተወለዐ ሓያል ውግእ፡ ብ24 ታሕሳስ 2025 ጥራይ 47 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 100 ብጥይት ዝቖሰሉ ሰባት ከም ዝሓከመን ኣፍሊጡ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም ብ24 ታሕሳስ 2025 ታርፓም ኣብ ዝበሃል ንኡስ ዞባ፡ ፍሉይ ወረዳ ኢታንግ 47 ሰባት ምቕታሎም ንመርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣረጋጊጸሙላ። ሓደ ናይ ጥዕና ክኢላ ብወገኑ እቲ ኣሃዝ ኣፈናዊ እዩ ኢሉ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ከየፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ዝተቐበሩ ግዳያት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቱ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ መንገድታት ስለ ዝተዓጽወ፡ ግዳያት ናይቲ ውግእ ኣብ ናይቲ ክልል ዋና ከተማ ናብ ዘለዋ ትካላት ጥዕና ክመጹ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጦም። ዝተወሰኑ ቁሱላት ግና ኣብ ጥቓ መደበር ስደተኛታት ኩለ ናብ ዘሎ ማእከል ጥዕና ሓካይም ብዘይዶብ ምውሳድ ከም ዝተኻእለ ሓቢሮም። እንተኾነ እዚ ማእከል ጥዕና እውን ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ርሑቕ ስለ ዘይኮነ ውሕስነት የብሉን ኢሎም።
ሓካይም ብዘይዶብ፡ እቲ ውግእ ብ17 ታሕሳስ 2025 ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ናይታ ክልል ድሕሪ ምቕታሉ ከም ዝጀመረ ጠቒሱ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ስለ ዝኸደ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝቕበሎም ዝነበረ ቁስላት ብኣኡ ደረጃ ይውስኽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ዝሓደሮ ስግኣት ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣብ 24 ሰዓታት ዝተረከቦም 100 ቁሱላት ናይቶም 19 መውቃዕቲ ከቢድ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣብ 7 መዓልታት 150 ቁሱላት ተረኪቡ ከም ዝሓከመ ከኣ ኣፍሊጡ።
ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ እቲ ውግእ ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ናብቲ ክልል ስሩዕ ሰራዊት ከም ዝኣተወን ኣብታ ክልል ካብ ሰዓት 8 ምሸት ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ዝጸንሕ ኣዋጅ ሰዓት እቶእቶ ክትግበር ከምዝጀመረ ከኣ ተፈሊጡ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይዕግበት ዝንጸባረቕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ጋምቤላን ከኣ ጽዕጹዕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።