ድሕሪ 18 ኣዋርሕ፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገያሾ ሒዛ መቐለ ኣትያ

2022-12-28 18:03:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 611 times

ገያሾ ከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ መቐለ እናተበገሱ (ምስሊ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ)

ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ገያሾ ዝሓዘት  ቁጽሪ በረራ 104 ቦይንግ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብ28 ታሕሳስ 2022 ኣብ ከተማ መቐለ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ ከም ዝዓረፈት፡ ተለቪዥን ትግራይ ሓቢራ። ጉዕዞ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ፡  ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 18 ኣዋር  ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውጽኡ ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ከም ዘፍለጦ፡ ድሕሪ ሕጂ ዕለታዊ ሓደ በረራ  ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ዘካይድ ኮይኑ፡ ናብ መቐለ ዝግበር በረራታት  ኩንነታት ገያሾ እናተራእየ ከም ዝውሰኽን ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ድማ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ክጅመር እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ድሕሪቲ ናብ ትግራይ በረራ ክጅምርዩ ዝብል ሓበሬታ ምዝርግሑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቲኬት ነፋሪት ኣብ  ዝሽየጠሉ ቦታታት ጸዕቂ ገያሾ ከም ዝተራእየን ክሳብ ዝመጽእ ሳምንቲ ዝግበር በረራታት  ቲኬት ተሸይጡ ከም ዝተወደአን ተሓቢሩ።

እዚ  ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ምብጸሖም ተኸቲሉ ዝተጀመረ ስሩዕ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣካልቲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሮትርያን ናይሮብን ዝካየድ ዘሎ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ቴለኮምን ብሄራዊ ባንክን  እውን ኣብዚ ሓጺር መዓልታት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ምሉእብምሉእ ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ስጉምቲ ክወስዱ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ቅድሚ ውግእ ትግራይ ምጅማሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ዕለታዊ ካብ 10 ክሳብ 14 በረራታት ከም ዝነበሮ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Wednesday, 28 December 2022 19:11