ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ካብ ማእሰቲ ተፈቲሖም

2022-12-30 17:55:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 588 times

ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝጸንሑ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ከም ዝተፈትሑ ምንጭታት ናይታ ቤተክርስትያ ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እዞም ጳጳስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ዝተኣስሩ፡ ካብ ምገሻኦም ክምለሱ እንከለዉ  እዮም። ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እዚ ማእሰርቲ ብሓፈሻ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ዝፈጥሮ በደል መቐጸልታ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናይቲ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ክፈጥሮ ዝጸንሐን ዘሎን ተጽዕኖ ኣካል እዩ።

እዞም ጳጳስ ምፍተሖም እምበር ዝተኣስርሉ ምኽንያት ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምእሳሮም ኮነ ምፍተሖም ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ምስዚ ኣብ ዝተጠሓሕዘ ቅድሚ ኣቡነ ፍቕረማርያም ናይ ሰገነይቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያን ሃገረ ስብከት ኣተሓባባሪ ዝነበሩ ኣባ ምሕረተኣብ እስጢፋንኖስ እውን ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተኣኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ኣባ ፍቕረማርያም ከም ዝተፈጥሑ ተሓቡሩሎ።

ቅድሚ ሕጂ  ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ልዕሊ በታ ቤተክርስትያ ዝመሓደራ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ትካላት ብምውራሱ ዘይምቅዳው ፈጢሩ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ብምኽንያት ማእሰርቲ ኣባ ፍቕረማርያምን ብጾቶምን ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መዘክር ኣብቕሪቡ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ መዘክሩ ዝምልከቶም ኤርትራውያንን ዓለምለኻውያን ኣካላት ንክፍትሑ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ህዝቢ እውን ተቓውሞኡ ከስምዕ ጸዊዑ እዩ።

Last modified on Friday, 30 December 2022 19:01