ሰራዊት ህወሓትን ሰናኦን፡ ኣንጻር ብልጽግና  ክተሓባበሩ ተሰማሚዖም

2021-08-12 19:48:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1306 times

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ስራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ሰናኦ)ን ሰራዊቶም  ኣንጻር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር  ክምክት ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም። ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል ነቲ ስምምዕ ብዝምልከት ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከረጋግጽሉ እንከለዉ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሰናኦ  ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንማዕከን ዜና ኣሾሾይት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣረጋጊጸምሉ። እዞም መራሕቲ ብዛዕባ ሓቢርካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምዕላው ኣቐዲሞም ክዘራረብሉ ከም ዝጸንሑ’ውን ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ብሓባር ክሰርሑ ወሲኖም ዘለዉ ክልቲኦም ኣካላት ካብ ነዊሕ ግዜ ክኸሶም’ኳ እንተጸንሓ፡ ቀጺሉ ከኣ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ (ፓርላማ) ብወግዒ “ፈጠርቲ ራዕዲ” ኢልዎም። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ከባብታት ክልል ኦሮሞ ብዘካይዶም ስርሒታት ካብ ነዊሕ ግዜ ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኽሰስ ዝጸንሐ እዩ። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፡ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ መሪር ደማዊ ውግእ ኣትዩ  ዘሎ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ “ውግእ ነካይድ ዘለና ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረብናሉ ቅድመ ኩነት ንክቕበል ተጽዕኖ ንምፍጣር እዩ” ኢሎም ነይሮ። ኩምሳ ደሪባ ብወገኖም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይካ ብሓይሊ ምውጋዱ ካልእ ምርጫ የለን ዝብል መግለጺ ሂቦም ነይሮም። ኩምሳ ደሪባ ወይ ጃልመሮ ከም ዝበልዎ፡ በቲ ስምምዕ መሰረት ሓበሬታ ምልውዋጥ ከም ዝህሉን ጐኒንጐኒ ኮይንካ ዘይኮነስ ኩነታት ከም ዝፈቕዶ በብዝጥዕመካ ሓቢርካ ምውጋእ ምዃኑ ገሊጾም።

ሓለፍቲ ህወሓት ብወገኖም ናብ ስምምዕ ዘብጽሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ዝርዝር ግና ኣይኣተዉን። ብፍላይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ትግራይን ወሃብ ቃል ወተሃደራዎ ኮማንድ ትግራይን “መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ወገናት ምዝማድ ኣድላይ እዩ” ክብሉ  ገሊጾም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ፍደራላዊ መንግስቲ  ኢትዮጵያ፡ ነቲ ተረኽቦ ዝጽበይዎ ዝነበሩ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ይገልጽዎ ኣለዉ። ካለኦት ወገናት ግና እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መሊሱ ከየጋድዶ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

Last modified on Thursday, 12 August 2021 21:58