ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ቀረጽ ፈቒዳ

2026-02-16 13:36:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 49 times

ቻይና: ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 1 ጉንበት 2026 ጀሚረን፡ ፍርያተን ብዘይቀረጽ ናብ ዕዳጋኣ ክቕርባ ከም ዝፈቐደት፡ ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ዚ ጂምፒንግ ብምትቃስ፡ ማይእከላይ ምብራቕ (Asharq Al Awsat)፡ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ቻይና እዚ ዕድልዚ ቅድሚ ሕጂ ን33 ሃገራት ኣፍሪቃ ክትህብ ዝጸንሐት ኮይና፡ ሎሚ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ብዝኣተወቶ ቃል መሰረት፡ ብዘይካ ኢስዋቲኒ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ዕድል ሂባ’ላ። እታ እዚ ዕድል ዝተነፈጋ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ እንትርከብ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ንእሽቶ ሃገር፡ ኢስዋቲኒ  ነታ ቻይ ናተይ ደሴት እያ እትብላ ታይዋን ከም ሃገር ስለ እትፈልጣ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ቻይና እታ ዝለዓለት ምስ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ርክብ ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዞባ ኣፍሪቃ ቀንዲ ተሓጋጋዚት ኣብ ምዝርጋሕ መደባት ትሕተ-ቅርጻ እውን እያ።.ነዚ ቻይና ሂባቶ ዘላ ዕድል፡ ምስቲ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራንፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብደረጃ ዓለም ሓሓሊፉ ንምፍርርራሕ  ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጽዕኖ ዝጸንሐ ሰፍ ዘይብል ቀረጽ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ክጽበየኦ ዝጸንሓ እዩ።

መራሒ ቻይና እዚ ናይ ናጻ ቀረጽ ፖሊሲ ሃገሩ ብዘይጥርጥር ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ኣፍሪቃ፡ ዝለዓለ ግደ ክህልዎ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። እቲ መራሒ ቻይና ነዚ ዘፈለጠ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት መበርል 39 ዓመታዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ናይታ ኣህጉር ንምምይያጥ  ብሓደ  ዝነበርሉ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እዩ።

እዚ ስጉምቲ ቻይና ሓደ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ዝካየድ ዘሎ ወሳኒ ውድድር እዩ።

Last modified on Monday, 16 February 2026 14:44