መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 

2021-08-17 18:28:34 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2448 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ7፡ 8ን 15ን ነሓሰ 2021 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን ኣገደስትን ዛዕባታት ዓሚቕ ዘተ ኣካይዱ ውሳኔታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰዲህኤ፥ ነዚ ኣኼባ ክኸፍት እንከሎ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራት ጠቒሱ ብመንጽርዚ ሓላፍነት ናይዚ ኣብ ተሃዋሲ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ኣኼባ ዝዛተየሎም ዛዕባታት ኣቕሪቡ፥ ማእከላይ ባይቶ ከኣ፡ ኣጽዲቕዎ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ መጀመርታ ነቶም ኣቐዲሞም ናብ ኣባላቱ ተዘጊሖም ዝጸንሑ ንድፊ ጸብጻባት፡ ናይ 9ተ ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ገንዘብን (ኦዲተር) በብሓደ እናተመያየጠን ኣድለይቲ ኢዮም ዝበሎም ምምሕያሻት እናገበረን ድሕሪ ምኻድ፡ ነቲ ጸብጻባት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። 

ማእከላይ ባይቶ ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ’ዞም ዝስዕቡ ኣገደስትን እዋናውያንን ዛዕባታት ፍሉይ ግምት ብምሃብ ዘትዩን ውሳነታት  እሕሊፉን።

1) ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝጸንሐ ዓቕምታት ኣባላቱ ናይ ምምዕባል መደባት ኣተባቢዑ።  ህዝባዊ ስፍሓትን ኣድማዕነትን ንምብራኽ ከኣ ብዝሓየለ ደረጃ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣኼባ ወሲኑ።

2) መስርሕ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕርን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፥ ከምኡ’ውን ግደ ሰዲህኤ ይኹን መሓዙት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብቲ መስርሕ ብዕምቆት ተዛሪብሉ። እቲ መስርሕ ኣብ ተስፋ ዝህብ ደረጃ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ብዘሎ ግዜ ዘይህብ ምዕባሌታት፡ ማእከላይ ባይቶ ህጹጽ ስጉምትታት ክውሰድ ዝግባእ ምዃኑ ተገንዚቡ። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምቅርራብ ማዕረ ድሌትን ትጽቢትን ህዝብና ክብ ንምባሉ ከኣ፡ ዝያዳ ዕቱብን ንቑሕን ተሳትፎ ከምዝሓትት ኣስሚርሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ድማ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ውድባትን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ባይቶ ይኣክልን ዝኣመሰሉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ሓቢሮም ዝዋስእሉ ሰፊሕ  መድረኽ  ኣብ ምፍጣር ንኽጽዕት፡ ማእከላይ ባይቶ ንፈጻሚ ሽማግለ መምርሒ ሂቡ።  

3) ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ብሓፈሻ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ድማ ብፍላይ ዝረአ ዘሎ ውዑይ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን ጽዕጹዕ ውግኣትን ተመያይጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድና፡ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ዝሃልቅሉ ዘለዉ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግልን ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽን፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን  ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ።

ማእከላይ ባይቶ፥ ካብ ፖሊሲታትን መትከላት ሃገራዊ ልዑላውነትን ጣልቃ ዘይምእታውን ሰዲህኤ ተበጊሱ ነቲ ብጉዳይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝንጸባረቕ ዘሎ  ክልተ ተጻራሪ ጫፋት ዝሓዘ መርገጻት እውን ዳህሲሱ። ካብ’ዚ ነቒሉ እቶም ኣብ ልዕሊ  ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን  ክዅነኑ  ከምዝግባእ ርእዩ።   ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ድማ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብን ብዕቱብነት ክሰርሕሉ እውን ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲአት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን ጸዊዑ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ። 

4) ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነቲ ውግእ ተኸቲሉ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማትን ግህሰታትን ርእዩ። እቲ ጸገም ጌና ሕጂ እውን ከም ዘይተወገደን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ውግእ ኣደዳ ሞት፡ ጥሜት፥ምጭዋይ፡ ምስዋርን ምብራስ ንብረቶምን ይኾኑ ብምህላዎም ኣኼባ ክብ ዝበለ ሻቕሎት ከምዘለዎ ኣመዝጊቡ። ካብዚ ነቒሉ ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንድሕነት እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሰርሑ ዕዙዝ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጉዳይዚ ዝተፈጸመ ገበን ተጻርዩ በቲ ተግባር ዝሕተቱ ኣካላት ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ድማ ተማሕጺኑ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብቲ ዘጽደቖ ጸብጻባትን ፍሉይ ግምት ሂቡ ዝተመያየጠሉ ኣገደስቲ ጉዳያትን ተመርኲሱ፡ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ መጻኢ ሓደ ዓመት ትልመን ክሕንጽጻ እንከለዋ ከተኩራሎም ዝግበአን ኣቕጣጫታት ኣመላኺቱ።

ካብዚ ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ርእዩን ዘድሊ ውሳነታት ኣሕሊፉን።  ከምኡ እውን ክጽንዑ ንዝግበኦም ጉዳያት ዝከታተላ ሽማግለታት ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለን ተቖጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ፡ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ሓገዛት እናመጐሰ ኣብ መጻኢ እውን ንምዕዋት መትከላቱ  ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ።  ነቲ ሰላምን ራህዋን ዝብህግ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  በቲ ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ወጽዓ  ህግዲፍ  ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከይተሓለለ ክቕጽሎ ኣኼባ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፥ ዓለም ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ባይቶ ይኣክል መስራቲ ጉባኤኡ ብዓወት ምዝዛሙ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኣካለ ጽጉማንን ንዘበርከቶ ሓገዛት መጐሱን ናእዳኡን ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣኼባ ነቶም ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓገዝ ከበርክቱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ወገናት ኣመጊሱ፡ ኣብ መጻእውን ሓገዞም ቀጻሊ ክኸውንን ካለኦት ነዚ ሰናይ ተግባር  ክስዕብዎን ኣተሓሳሲቡ።

ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!

15 ነሓሰ 2021

Last modified on Tuesday, 17 August 2021 20:32