ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊዘርላንድ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-11-09 21:30:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1711 times

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዕለት 8 ሕዳር 2020፡ ሓያለይ ኣርእስትታት ዝዳህሰሰ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እዚ ካልኣይ ኣኼባ’ዚ ድሕሪቲ ብዝሓለፈ 14 ነሓሰ እተጋብኤ ምጽንባራዊ ኣኼባ ናይ ዝጸንሐ ጨንፈራት ሰዲህኤን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን እተገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።

News Item 09.11.2020 Suisseመለለይ (ሰንደቕ ዕላማታት) ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ጅኔቭ።

እዚ ካብ ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ከምኡ ከኣ ካንቶ ጅኔቭ ዝቕመጡ ኣባላት ሰልፊ እተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብኲነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብናን፡ ብጸገማት ስደተኛታትን ናይ ተኸሲቱ ዘሎ ኲነታት ዳግመ-ውግኣትን ብሰፊሑ ተዘራሪቡ። ኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ማለት ብጾት ወልደሱስ ዓማርን ዮውሃንስ ወረደን) እውን ተረኺቦም ኣብቲ ክትዓትን መግለጽታትን ተሳቲፎም።

ካብኡ ብምቕጻል፡ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ትስፉው ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡሉ። ንሃለዋት ጨንፈር ሰዲህኤ ብዝምልከት ከኣ ብወገን ኣካየድቲ ጨንፈር ብሩህ ዝኾነ መግለጽታት ተዋሂቡ። ብፍላይ እዚ ቅድሚ ገለ ዓመታት ክብ ዝበለ ብዝሒ ኣባላት ዝነበሮ ጨንፈር ስዊስ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ዓቕሙ ጐዲሉ ምህላዉ ተመዚኑ። ኣብ መሪሕነት ጨንፈር ንዝጸንሔ ሃጓፋት መሊእካ ሓዲሽ መደባት ጐስጓስ ክተኣታቶ ከኣ ኣኼባ ወሲኑ።

ካብዚ ብምንቃል እውን ብጻይ ተስፋጋብር ገብረ ክሳዕ ብኣካል ተራኺብካ ጉባኤ ዝግበር፡ ንጨንፈር ከም ጊዚያዊ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከገልግል እሞ ኣብቲ ዕማም ብጻይ ዮውሃንስ ወረደ ከም ዝተሓባበሮ ተገይሩ። ኣብ ስርዒታዊ መዳይ ብጻይ ዓውተና ሃብተዝጊ ብምትሕብባር ብጸይቲ ምሕረት መኰነን፣ ኣብ ገነዘባዊ ጐስጓስ ከኣ ብጻይ ምሓሪ ዓማር ብምትብባር ብጸይቲ ለተኣብ ተወልደ ብግዚያውነት ከም ዝምደቡ ተወሲኑ።

Last modified on Monday, 09 November 2020 22:41