ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ወራሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ

2020-11-17 18:38:31 Written by  ጨንፈር ዓ/ብሪጣንያ Published in EPDP News Read 1756 times

ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰኑይ ዕለት 16 ሕዳር 2020 ወራሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዓበይቲ ጨንፈራውን ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ብስፍሓት ንምዝርራብ  ነዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት መምዩ ብዕቱብ ዘቲዩ።

- ንጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብዝምልከት

1 - ውደባን ሰልፋዊ ጎስጓስን

2 -ምጣኔ ሃብታዊ ጉቡኣትን ወፈያን

3 - ተራ ኣባል ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ምስ መሓሱት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ህዝባዊ

 ምንቅስቓስ ይኣክልን

- ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞ ብመንጽረ ፓለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ብሰፊሑ

        ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምስ ዝተኻየደ ስርርዕ (ታስክ ፎርሳት) ብምትሕሓዝ መብሪሂ ተዋሂቡ ዝተረፈ

        ድማ ንዝመጽእ ናይ ምሉእ ኣባል ኣኼባ ክንጽበየሉ ተሰማሚዕና።

- ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን፡ ዘሕዝን ውግእን ብዕቱብን ሓላፍነት

        ብዝመልኦ ተረድኦን ዘቲናልሉን ኮኒንናዮን።

ብሰንኪ ጠላሚ ሰርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርታት ዓመታት ኣደዳ ውግእን ኣደራዕ ዘይውዳእ ዕስክርናን ኮይኑ ምህላዉ እንደገና ኣስሚርናሉ።

*ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ብፍላይ ንህዝብና ድማ ብሓፈሻ እምቢ ንውግእ ክብል ጻዊዕትና ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚርናሉ።

ብኩሉ መሳሪሒና ንህዝቢ ዓለምን ኣሎዋ ዝበሃላ ዓለም-ለኻዊ ውድባት ጸረ ኣዕናዊ ዝኾነ: ንስልጣኖም ጥራይ ዝጠመተ ኩናት ድው ክብል ግዴኦም ክበርክቱ ጻዊዒትና ክንደጋግሞ ወሲንና።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን፡ ዝኽሪ ንምእንቲ ዝገሃስ ዘሎ ልዑላውነት ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ ደቁን።

 

Last modified on Tuesday, 17 November 2020 19:42