ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2016 ተወሳኺ ዓመት ኣብ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
2016-08-21 18:56:46 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2744 timesእቲ ካብ 12 ክሳብ 14 ነሃሰ 2016 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ካልእ ዓዋት ናይቶም ኣብዛ ህዝባ ን25 ዓመታት ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ዘየብሉ መላኺ ዝማስን ዘሎ ሃገር ኤርትራ ንኣውንታዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ደሞክራስያዊ ሓይልታት ውጽኢት ቃልሲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ፍሉጣት ኤርትራውያን ፖለቲካውያን፡ ምሁራትን ናይ ሚድያ ክኢላታት ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ዘምጸአ እዩ። ከምኡ እውን ተወከልቲ፡ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ንጡፋትን ናይዚ መድረኽ ፈስቲቫል ተሳተፍቲ ነይሮም። ካብቶም ዝተሳተፉ ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ኣንበሳድር ኣድሓኖም ገብረማርያም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣንበሳድር ዓንደብርሃን ወ/ጊዮርጊስ ካብ በልጅም፡ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ኣልማ ዘርኣይ ካብ ጀርመን፡ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዶ/ር ርእሶም መስፍን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ሳልሕ ጁሃር (ቃዲ) ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ዓብዱራሕማን ሰይድ ካብ ኤውሮጳ፡ ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣቶ ገ/እግዚኣብሄር ተወልደን መንእሰይ በረኸተኣብ ዮሃንስን ካብ ካናዳ ይርከብዎም።
ኩሎም እዞም ኣስማቶም ዝተዘርዘረ ኤርትራውያን ኣብቲ መድረኽ ፈስቲቫል ናብ ተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲ እዋናዊ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም እዮም። ጀርመናውያንን ስዊድናውያንን ተወከልቲ ሰልፍታት እውን ኣብቲ አድረኽ ፈስቲቫል ዓሚቕ ናይ ምድግጋፍን ምሕዝነትን ምስቲ ዝውጻዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘለዎም ዘመልክት መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተሳቲፎም ነይሮም።
ኣብቲ ናይ 12 ነሃሰ ናይ እንኳ ደሓን መጻእኩም ስነስርዓት ብፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ መግለጺ ቀሪቡ። ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ካድራት ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር እዩ። ንሱ ኣብቲ ዘቕረቦ ፈላሚ መደረ፡ ኤርትራውያን ብኸመይ ነቲ “ናብ ሃገርና ኤርትራ ዝመርሕ መንገዲ” ከም ዝረኽብዎ ዝእምት ቃል ኣስሚዑ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ብኸመይ ኤርትራዊ ባህልን ክብርን ክሕለውን ክቕጽልን ከም ዝኽእል ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ’ዚ ዘቕረቦ መሳጢ መግለጺ ካብቲ ካልእ ኣጀንዳታት’ውን ግዜ ዝወሰደ ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይዱ።
እቲ ንጽባሒቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምይይጥ ብናይ ኣቶ ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር መደረ እዩ ተጀሚሩ። ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ፈስቲቫል ዝወደበ ማሕበር እዩ።
ካብኡ ቀጺሉ ዝቐረበ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን መልእኽቲ፡ ተወከልቲ ናይ ጀርመን ሓምላይ ሰልፍን ናጻ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ነይሩ። ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝገዝእ ዘሎ ክርስቲያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ ልኡኽ ሀሪ ቶማስ ኪርችነር ግና ኣብ መወዳእታ ሰዓት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዝኾነ ዘይምቹእነት ኣጋጢምዎም። እቶም ናይ ጀርመን ሰልፍታት ተወከልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ክተሓጋገዙ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ሕብረሰብ ጀርመን ንምውህሃድ ዝለዓለ ጻዕሪ ክገብሩ ጸዊዖም።
እቲ ካልእ ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተመሓላለፈ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብኣቶ ቶማስ ማግንኑሶም ስዊድናዊ በርገሳዊ ንጡፍን ኣባል ስዊድናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ዝቐረበ ነይሩ። ንሱ ኣብ ሃገሩ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት መደባት ዘወሃህድ እዩ።
ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰደህኤ ድሕሪ እቲ ብኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝቐረበ መልእኽትታት ኣገዳሲ መደርኡ ኣቕሪቡ። መደርኡ ብትግርኛን ዓረብን እዩ ቀሪቡ። ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብ’ዚ መደርኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታትን፡ ኣብ ተቓውሞ ዘገምታዊ ግና ድማ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ንምምስራት ክብደት ዘለዎን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቅልጡፍ ለውጢ ዘምጽእን ናይ ሓባር ጽልላ ክፍጠር ዘለዎ ተስፋ ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ።
ኣባላት ናይታ ቀጻሊ ዋዕላ ናይሮቢ ንሃገራዊ ምምኽኻር ተሰናድእ ዘላ ኣካል ኣብዚ ፈስቲቫል፡ ክሳብ ሕጂ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናብ ሓደ መድረኽ ንምምጻእ ዝዓመምዎ ስረሓት ዝምልከት መርሂ ሂቦም። ነቲ ነዚ ዛዕባ ዝምልከት ምይይጥ ናይታ ኣወሃሃዲት ኣካል ኣቦመንበር ኣቶ ሱለይማን ኣደምን ናይታ ኣካል ኣባል ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሐምዎ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ ን1ይ፡ 2ይን 3ይን ትውልዲ ዝምልከት ምይይጥ ብቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ሰደህኤ ተዳልዩ ነይሩ። እዚ ምይይጥ ብወ/ሮ ፈቨን ጊደዎን እዩ ተማእኪሉ። ኣብዚ ክፋል ምይይጥ’ዚ ዝተላዕሉ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ መንእሰይ ወለዶን እቲ ገዲምን ዘሎ ፍልልይን፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ንመንእሰይ ወለዶ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ዝምልከቱ እዮም ነይሮም። ኣብዚ እውን ንብዙሓት ተጋባእቲ ዘሳተፈ ውዑይ ምይይጥ ተኻይዱ።
እቲ ካልእ ምይይጥ እቶም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ፍሉጣት ኤርትራውያን ኣጋይሽ ዝተሳተፍዎ ስፊሕ መድረኽ ነይሩ። እዞም ኣጋይሽ ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ፈስቲቫል ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተቓነዐ ንምህናጽ ምትእምማን ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን ዝምልከት ናይ 3 መዓልታት ዋዕላ’ውን ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ እዮም። ነቲ መድረኽ ዝመርሕዎ ወ/ሮ ኣድያም ተፈራ: ኣባል ማ/ባይቶ ሰደህኤን ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን እዮም። ድሕሪኡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ክሳብ ሰዓት 11 ናይ ወጋሕታ ናይ ሙዚቃን ጓይላን ግዜ እዩ ነይሩ።
ካብቶም ኣብዚ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት 2016 ቃሎም ዘስምዑን መልእኽታቶም ዘቕረቡን፡ ኤርትራዊ ውድባት፡ መልእኽቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ብኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቒ ዝተነበበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብኣቶ ፍሰሃጼን ገብረ ዝቐረበ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣቶ መንሱር ዓብደልሃዲ ዝቐረበ፡ ማሕበር ተበግሶ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ብወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ ዝቐረበ፡ ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ብኣቶ ክብረኣብ ምስግና ዝቐረበ፡ ምሕዝነት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ብኣቶ ዓ/ቃድር ሽፋ ዝቐረበን ስምረት ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣቶ ገ/ህይወት ኪፍለ ዝቐረበን ይርከቦ።