EPDP Editorial

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኤርትራና ኩሕሎ” ክንብል እንከለና እቲ ዘይሓልፍ መሬታ ምስ ባሕራን ህዝባን ማለትና ምዃኑ ንጹር እዩ። እቲ ንዓኣ ከከም ግዜኡ በብዝጥዕሞ ዘመሓድር ዘሎን ዝነብረን መንግስትን ሕግታቱን ግና ሓላፊ እዩ። ብመንጽርዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ምምሕዳራትን ክሓልፉ እንከለዉ ኤርትራን ህዝባን ግና ከም ወትሩ ህያው እዮም። ኣርዑት ጉጅለ ህግደፍ ከኣ እነሆ ታርኡ በጺሕዎ ህዝብናን ሃገርናን እኳ እንተማሰነ፡ ክሓልፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍን ምምሕዳሩን ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፉን ኤርትራን ህዝባን ግና ክቕጽሉ ውሁብ እዩ። ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራን ህዝባን እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ክገጥሞም እዩ? ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሓሸዶ ዝገደደ? ከኣ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ውጽኢት ዝውስኖ እዩ። ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እትኸውን ከኣ ብናይ ኩልና ቃልሲ፡ ሓልፍነትን ልቦናን ጥራይ እዩ።

መንግስታት ብባህሪኦም ኣገደድቲ እዮም። ግና ኣይከም ህግደፍን። ሃገርን ህዝብን ጐዓጺጾም ኣብ ረብሓኦም ንምውዓልን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕን ካብ ምሕላን ንድሕሪት ኣይብሉን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ንገዛእ ርእሶም ምስቶም ዘይሓልፉ ሃገርን ህዝብን ከም ቁርዲድ ይጣበቑ። ብኣንጻሩ እታ ሃገር’ኳ ከም ሰብ ኣፍ ኣውጺኣ እንተዘይተዛረበት፡ ህዝቢ ግና እቲ ዘመሓድሮም መንግስትን ዘመሓድረሉ ሕግን ኣንጻር ረብሓኡን መሰሎን ክኸውን እንከሎ፡ ከቶ ሓንጐፋይ ኢሎ ከምዘይቅበል ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ። ንተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ንድሕሪት ተመሊስና ብምድህሳስ ምስዚ ሕጂ ዘሎ እንተዛመድናዮ’ውን ነዚ እዩ ዘርእየና። ህዝብና ኣይኮነንዶ ኣብዚ ሎሚ ንመሰልካን ናጽነትካን ምቅላስ ሰማዒ እዝኒ ዝረኸበሉ፡ ካብ ቅድም እውን ዓቕሚ ውሒድዎን ኢድ ሓጺርዎን እንተዘይኮይኑ ኣንጻር ብስሙ ዝምሕል ግና ድማ ንረብሓኡ ዘይሰርሕ መንግስትን ሕግታቱን ናይ ዘይምቕባል ሃብታም ተመኩሮ ኣለዎ።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ነጺልካ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ከም ዝጥቃዕ ስለ ዝርዳእ፡ ብጭረሖ ኮነ ብሜላ ካብ ህዝቢ ክፍለ ኣይደልን። “ንሕና ህዝቢ ንሕና ሃገር” ዝብል ዘይጭበጥ ጭረሖኡ ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ሰሚሩ “ሃገርን ህዝብን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ’ዮም” ዝብል ተረድእኡ ከይዓኩኽ ከኣ ሜላ “ከፋፊልካ ግዛእ” ይጥቀም። እቲ ምክፍፋል በብግዜኡ ዝሕደስን ብብዙሕ ረቀቕቲ ኣገባባት ተቐሚሩ ዝቐርብን እዩ። እቲ ጉጅለ ከም መከፋፈሊ ካብ ዝጥቀመሎም፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብሄር፡ ደረጃ መነባብሮን ትምህርትን፡ መዳይ ስራሕ፡ ደረጃ ተመኩሮ ኣብ ቃልስን ከባብን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እቲ ስርዓት ብግብሪ ናይ ኩሎም ኤርትራዊ ኣካላት ጸላኢ ክነሱ፡ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ንሓደ ወገን የቕርብ ነቲ ካልእ ከኣ የርሕቕ። እቲ ናይ ከፋፊልካ ምጥቃዕ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ንሓንሳብ ንምሁር የቕርብ ነቲ ዘይተማህረ ዝብሎ የርሕቕ። ንሓንሳብ ንገጠር ይሕለቕ ንከተመኛ የነኣእስ። ንዝተማህረን ዘይተማህረን፡ ንመንእሰይን ዓብይን፡ ንጓለንስተይትን ወዲ ተባዕታይን፡ ንሲቭልን ወተሃደርን፡ ኣብ ሃገር ንዝነብርን ኣብ ወጻኢ ዘሎን፡ ንክስታናይን ኣስላማይን፡ ንዋርሳይን ይከኣሎን፡ ንከበሳን መታሕትን… ወዘተን ከኣ ከምኡ ኤርትራ ናይ ኩሎም ምዃና ኣረሲዑ፡ እንዳናቖተ ከም መናውሒ ዕድመ ክጥቀመሎም ንዘይሰምረሉ ይፍትን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብቲ ዘይሓልፍ ኤርትራውነት ሓደ ክንስና፡ ኣብቲ ዝሓልፍ ኣተሓሳስባታት ግና ፍልልያት ኣለና። ገሌና ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ለውጢ ንቃለስ። ገሊኦም ድማ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ንዓኡ ምጽራር ንኤርትራን ህዝባን ምኽሓድ ኮይኑ እንዳተሰመዖም ምስ ጉጅለ ህግደፍ ይለሓጉ። ውሑዳት ደኣ ይኾኑ እምበር፡ በቲ ሓደ ኤርትራ ናይ ኩልና ምዃና፡ በቲ ካልእ ከኣ ናይ ህዝብን ሃገርን ነባርነትን ናይ መንግስቲ ግዝያውነትን እንዳተረድኡ፡ ኮነ ኢሎም ናይ ዘመን ህግደፍ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ንህዝቢ በዲሎም ነቲ ጉጅለ “ምሳኻ ሞተይ” እንዳበሉ ኣብ ርእሲ ስኻሩ ዘሻህርትዎ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘለዉ ፍሉጥ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እቶም ንሓላፊ ዘይጥዑይ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተቓወሙ ከም ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራውነትን ልዕልና ህዝብን ዝግለጽሉ፡ እቶም ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ድማ ቀዳማይ ቀጸላ ሓለውቲ ኤርትራውነት መሲሎም ወዛሕዛሕ ዝብልሉ ኣጋጣሚ’ውን ይረአ እዩ።

መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ዳርጋ ድሕሪ ዓመት ምክያድ ረፈረንዶምን ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራን ኣቢሉ፡ ብጋዜጠኛ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ “ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ውድብን ህዝቢ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ?” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ “ውድብናን ህዝቢ ኤርትራን መንዩ ክልተ ተዛመድቲ ኣካላት ገይርዎ?” ኢሉ ነቲ ሕቶ ብሕቶ ዝሃቦ መልሲ ዘገርም ነይሩ። እዚ ነቲ “ዝተወሰኑ ኣባላት ዝሓቁፍ ውድብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዕ ዝደናደኖ ዝነበረ ዘርኢ እዩ።

ነዚ ንክጥዕሞም ድማ ከምቲ ገዛእቲ ሓይልታት ንናጽነቱን ንመሰሉን ንዝቃለስ ኤርትራዊ ዝህብዎ ዝነበሩ፡ “ናይ ዓረብ ተለኣኣኽን ናይ ፔትሮ ዶላር ሽዩጥን” ዝብሉ ደወንቲ ሓረጋት፡ ሎሚ እውን ካብዚ ናይ ግዜ መግዛእቲ ግጉይ ቅኒት ብዘይተፈልየ፡ ነቲ ንጉጅለ ህግደፍ ካብ ክብርን ቀጻልነት ኤርትራን ህዝባን ፈልዩ፡ ኣንጻሩ ዝቃለስ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ዝተፈላለዩ ካብ ህዝቢ ይንጽሎ’ዩ ዝብልዎ ፈጠራዊ ቅጽላት ክህቦን ምስ ጸላእተይ ዝብሎም ከዛምዶን ምስማዕን ምንባብን ዝተለምደ እዩ። እቲ ጉጅለ ምእንቲ ኣብ እንግደዓ ህዝብና ክነብር ኩሉ የገልግለኒ ዝብሎ ኣእማን እንተፈንቀለ ትጽበዮ’ምበር ሃንደበት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለ ዝኾኖ። እቲ ዘሕዝን ናይቶም ረብሓኦም ኣንጻር’ቲ ጉጀለ ምስ ዝግበር ቃልሲ ክነሱ፡ ናቱ ተሓዝቲ ጽላል ዝኾኑ እዩ።

በቲ ይኹን በዚ ግና እንተገደደስ ግዜ ደኣ ይወስድ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ተሳዒሩ ክሓልፍ እዩ። እቶም ዘይሓልፉ ኤርትራን ህዝባን ከኣ ንኡስ ፍልልያትና ኣብ ቦታኡ ኮይኖም፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኮይኖም ክቕጽሉ እዮም።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብሓባር ምስራሕ ሓደ መርኣያ ናይ ጽቡቕ ዝምድና እዩ። ዝምድና ከኣ ኣብ መንጎ ካብቲ ምዝማድ ማዕረ ዝጥቀሙ ኣካላት ዝግበር ውዕል እዩ። እዚ ካብ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ጀሚሩ ክሳብ ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ዝዝውተር እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ትልወጠሉ ዘላ ግዜ ብሓባር ምስራሕን ምዝማድን ምርጫ ዘይኮነ ግድነት ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ኢና እንርከብ ዘለና።

እዚ ዝምድናን ብሓባር ምስራሕን፡ ብናይ ተዛመድቲ ጽቡቕ ድሌትን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝረጋገጽ እምበር፡ እቲ ሓደ ናይቲ መዛምድቱ ኢድ ጠውዩ ዘረጋግጾ ኣይኮነን። እንተ ተፈተነ’ውን ኣይሰምርን። ናይ ሓባር ቅሩብነት ክህሉ ከኣ በቲ ብሓባር ምስራሕን ጽቡቕ ዝምድናን ኣቢልካ ዝረጋገጽ ናይ ተዛመድቲ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሃገርና ኤርትራ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ጸገም ኣላ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩልና ደለይቲ ለውጥን በሃግቲ ፍትሕን ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን እምበር ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እሞ ኩልና ዶ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ነስተማቕሮ ኣለና? ዝብል ግና ነብሱ ዝኸኣለ ዳህሳስ ዘድልዮ እዩ። ናብቲ ራህዋ ንኽንበጽሕ ነቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ምስባር ናይ ኩልና ድሌት ምዃኑ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ሓቂ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ጸገምን ዝጽበየና ሓላፍነትን ናይ ኩልና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መዋጸኦ ብናይ ኩልና ናይ ሓባር ቃልሲ ጥራይ ዝረጋገጽ ምዃኑ እውን እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወን ደኣ ስለምንታይ ብሓባር ናይ ምስራሕ መንገድና ዘይጣጠሐ? ዝብል ሕቶ ኩልና ተዓዘብቲ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ ጸገም ኮይና ከካብ ገዛና ብምጅማር ክንምልሶ ዝግበኣና መሰረታውን መድረኻውን ሕቶ እዩ።

ኣገዳስነት ብሓባር ምስራሕ ምስ ግዜን ኲነታትን ክብን ለጠቕን ዝብል ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ከም ዝርከብ በብኹርናዑ ዝቃላሕ ዘሎ ብሓባር ዘይምስራሕ ዝፈጥሮ ሻቕሎት ክንጸባረቕ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ሻቕሎት ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ዘይኮነ ምስ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዳወደቐ እንዳተንሰአ ዝጐዓዝ ዘሎ ጌና ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክንፈትሖ ዘይከኣልና እዩ። ብሰንኪ ነዚ ዘይምብቃዕና ኣብቲ መሪር ብረታዊ ቃልስና ዘኽፈለና ዋጋ ነይሩ። ሕጂ እውን ምረቱን ኣገባቡን ደኣ ይፈላለ እምበር ዋጋ የኽፍለና ኣሎ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ ጌና ካብ መእገር ኩልና ኣይወረደን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ምትግባር ከጋጥም ዝጸንሐን ንድኽመትና ዘንጸብርቕን ዘይምዕዋቱ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት ምዃኑ ክለሳ-ሓሳባዊ ግንዛበ ካብ ዝረክብን ናብ ተግባር ካብ ዝመጣጠርን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ምስ ኩሉቲ ሓጐጽጐጻቱ መስርሓት ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ከኣ ነዚ ዘመልክቱ ፈተነታት እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዘይዕዉት ፈተነታት ዝተራእየ ድኽመታት ዘተሓሳስብ’ኳ እንተኾነ፡ ብእኡ ሰኪሕና “ከምቲ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝበሃል፡ ካብ ብሓባር ዘስርሕ ባይታ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ጠቕሊልና እንሃድመሉ ግና ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ካብዚ ዘይዕዉት ፈተነታትን ውረድ ደይብን ተማሂርናን ኣብኡ ዝተራእዩ ሕጽረታት ብምእራምን ተተባቢዕና ኢና ክንቅጽል ዝግበኣና። ናይቲ ዘይምዕዋትና ምስጢር “መትከል ብሓባር ምስራሕ” ጌጋ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ እቶም ነቲ መትከል ከዕውቱ ዝግበኦምን ምእንታኡ ዝተሰለፉን ስለ ዘይበቕዕዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እንቃለሰሉ ዘለና መትከል ምውጋድ ዲክታተርያውን ጸረ ኩሉ መሰላት ህዝብን ዝኮነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብደሞክራስያዊ፡ ቅዋማውን ህዝባውን ስርዓት ምትክኡን ካብ ኮነ፡ እቲ ናብዚ ዝወስድ መንገዲ ሕጂ’ውን ብሓባር ምስራሕ ጥራይ ምዃኑ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝርእየና ዘሎ መተካእታ ዘየብሉ እዩ።

ብሓባር ክሰርሑ ዝግበኦም ውገናት ፍልልይ ሰለ ዘየብሎም ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንፍልልያቶም ኣፍልጦ ሂቦም ኣብቲ ዘሰማምዕሉ ጉዳያት ብምትካል ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ዝበልናዮ ሓቂ እዩ። ናይቲ ሓደ ኣካይዳ ነቲ ካልእ ወገን ባህ ዘይብሎ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ከምቲ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣብ ሕድሕድና ሓደ ነቲ ሓደ ከታትዮ እምበር ክረግሖ ናብ መዋጸኦ ዝወስድ መንገዲ ኣይኮነን። ሓሓሊፉ ከም ዝረአ ክልተ ተጻራሪ ነገራት፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓባር ክትሰርሕ ምጭራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ክቱር ጽልእን ምንጽጻግን ኣየሳንዩን እዮም። እዚ ማለት ግና ኣብቲ ምሳኻ ብሓባር ክሰርሕ ዝግበኦ ሓይሊ ሃናጺ ትዕዝብትን ነቐፈታን ኣይሃልኻ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ሓድሽ እዩ’ኳ እንተዘይተባህለ ተስፋ ዝህብ ብሓባር ናይ ምስራሕ ንቕሎታት ይረኣዩ ኣለዉ። ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ብዝኽሪ መበል 54 ዓመት ስርሒት ተጐርባ ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ተስፋ ዝህቡ እዮም። በዚ ኣጋጣሚ እዞም ንቕሎታት ካብቲ ከሳቕየና ዝጸነሐ ሓደ ንቕሎ ምጅማር እምበር ዘይምቕጻል፡ ባህሊ ወጺኦም ቀጸልቲ ክኾኑ ንትስፎ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይርአ ብፍላይ ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ዝግበር ብሓባር ናይ ምስራሕን ፍልልያት ምጽባብን ተበግሶታት፡ ንመሰረታዊ መትከላትን ሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ናይቲ ዝዋሳኣሉ ትካላት መመሊሱ ዘሰውድ ክኸውን ይግበኦ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሓለገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስን 1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ንዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ምልከት ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን ብኣብነት ዝጥቀሳን ዝዝከራን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 54 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምኹላፍ ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊ ተቐቲሎም ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ዝኸውን ሓይሊ፡ ተወሳኺ ረኣዲ ሓይልኳ እንተሰደዱ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 9 ምዑታት ተጋደልቲ ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ፡ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝኾነን ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተን ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣአየ እዩ። ቅድሚ 54 ዓመት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ዘንቀድሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ ምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለዎ። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ እንዝክራ ዘለና።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ። ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ። ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሽዑ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳንነት ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክም ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር”ዚ፡ መንእሰይ ብዝመረጾ ዘይኮነ ኣብቲ ግዜኡ ብዘሎ ምዕባለ እዩ ሓላፍነት ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ናይ ሎሚ መንእሰይ ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ እናርኣይዎን እናፈለጥዎን፡ እንተስ ጸላእትና ከይሕጐሱ ካብ ዝብል ሕማቕ ኒሕ (ናይ ቲፎዝያ መርገጽ) ወይ ድማ ንሰላም ካብ ዘለዎም ዘይቅኑዕ ተረድኦ፡ ኤርትራ እኳ ደሴት ናይ ሰላም ኢያ ዝብል ናይ መላኺ መራሒኦም ጭርሖ ክደጋግሙ ኢዮም ዝስምዑ።

ጸላኢና ከይስሕቀና ወይ መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን ካብ ዝብል ስምዒት ወይ ኣረዳድኣ፡ ንጌጋኻ ከይኣረምካን ንድኽመታትካ ሸፋፊንካን ምቕጻል ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ውድቀት ዘምርሕ ጐደና ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ሓቂ ኢዩ። ብኣንጻሩ፥ ብጌጋታቱ ዝእመንን ብግሉጽነት ዝሰርሕን፡ ናይ ህዝቢ እምነትን ደገፍን ከሲቡ፡ ንዘጋጥሞ ብድሆታት ስዒሩ ንቕድሚት ኢዩ ዝስጉም። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብሃል።

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ርእይቶኡን ስምዒቱን ብናጻ ክገልጽን ክጽሕፍን፡ ንዝደልዮ መራሒ ክመርጽን ከውርድን፡ ኣብ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪላዊ ማሕበር ክውደብ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይኹን ኣብ ወጻኢ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ደገፉን ተቓውሞኡን ክገልጽ፡ ካብ ዝደለዮ ምንጪ (መንግስታዊ ይኹን ካልእ) ሓበሬታ ክረክብ፡ ንስራሕን ንሓላፍነትን ክወዳደር፡ “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ” ብዝብል መርሆ ክሰርሕን ክመሃርን . . . ወዘተ ኣብ ዘይፍቀደሉ ኩነታት ሰላም ነጊሱ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ንነብስኻ ምትላል እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ዝበዀረላ፡ ፍትሒ ኣብ ዝጠፍኣላ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብላ ብድሌትን ፍቓድን ናይ ሓደ ውልቀ መራሒ ኣብ እትካየድ ሃገር ህዝባ ረድዩ ዘይኰነስ ፈሪሑ ርእሱ ኣድኒኑ እንተኸደ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ እናበኣልካ ምምኽናይን ምጅሃርን መኽዓቢኻን መንዓቒኻን ኢዩ። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ናይ ብሓቂ የውሃት ኢዮም። ዝተደጐለ ሓዊ ዘንበድብዶ ክረክብ እንከሎ ምጉሃሩን ቃልቃል ምባሉን ከምዘይተርፎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ኢዩ።

ህዝቢ እውን ከምኡ፡ ንዘልኣለም ተዓፊኑ ኣይነብርን ኢዩ። ጭቆና ምስ መረሮን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐን ክቃወም (ክነቱግ) ናይ ግድን ኢዩ። ናይ ተጋደልቲ ኣድማ፡ ናይ ወዲ ዓሊ፡ ጉጅለ 15ን ናይ መምህራንን ተምሃርን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያን ሰላማዊ ተቓውሞታት እንታይ ድዩ? ስእነት ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዘበገሶ ተቓውሞታት’ዶ ኣይኰነን? እትረፍዶ ሰብሲ እንስሳ እውን እንተደኣ ኣጻቢብካላ ነብሳ ንምድሓን፡ ተጻይ መልሲ ትህብ ኢያ።

ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዝእሰረሉ፡ ጠበቓ ቆጺሩ ክምጉት ኣብ ዘይክእለሉ፡ ቤተሰቡ ክበጽሕዎን ከዛርብዎን ኣብ ዘይክእልሉ፡ ብዘስካሕክሕ ናይ ዓዛብን (torture) ማእሰርትን ኣገባብ ክብረ-ሰብእነቱ ኣብ ዝቕንጠጠሉ፡ ምህላዉን ምሟቱን ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነት፡ “ሃገር ሰላም ኣሎ” ኢልካ ምዝራብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ሰላም ማለት’ኮ፡ ውግእ ዘይምህላው ማለት ኣይኰነን።

እወ፡ ውግእ ዝለዓለ መግለጺ ናይ ስእነት ሰላም ምዃኑ ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብከምበዓልኤርትራዝኣመሰላ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽበረለን ሃገራት፡ ህዝቢ ፈሪሑ እንተዘይተዛረበን ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይገበረን፡ ፈትዩን ረድዩን ይመሓደር ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል። ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ግብጺ . . .ወዘተ ትማሊ ሰላም ዝሰፈነን ሃገራት ተባሂለን ይዝረበለን ነይሩ ኢዩ። ሎሚ’ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ?

እዚ ኩሉ ዝፈትዋ ሃገሩን ዝፈትዎም ቤተሰቡን ገዲፉ፡ ስሓራን ጥሓራን ኣቋሪጹ፡ ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ግዳይ ጽምእን ኣራዊትን ኰይኑ ዘሎ መንእሰይ ሰላም ጸሊኡ ድዩ ዝስደድ ዘሎ?!!!!! ካብ ግሃነም እሳት ዝዀኖ መነባብሮ ሃዲሙ፡ ሰላም ንምርካብ’ዶ ኣይኰነን እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ? ኮታ ሰላም፡ ቅሳነት፥ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ማዕርነትን ፍቕርን ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ ኢዩ ዝርከብ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዓለምና ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺበን ካብ ዝዝከራ ኣገደስቲ ዕለታት ሓንቲ እያ። እዛ ዕለት ብሕቡራት ሃገራት ብ1975 ወግዓዊ ተፈላጥነት ክሳብ እትረክብ ብዝተፈላለዩ ወረድ ደይባት እያ ተጓዒዛ። ኣገዳስነት ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣብ ከባቢ 1909 ከም ዝተቐላቐለን ብ28 ለካቲት 1910 ኣብ ኒውዮክር ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ከኣ ክትጐልሕ ከም ዝጀመረት ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ይገልጹ።

ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ኣገዳስነት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ጐሊሖም ዝረኣዩ ዝነበሩ፡ ሕቶታት ኣብ መሰል ጓለንስተይቲ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ስራሕ ምሓዝን መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫታትን ዘተኩሩ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ዋላኳ ኣገዳስነት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቀልጢፉ ተቐባልነት እንተረኸበ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ ወግዓውነት 8 መጋቢት ንምምጻእ ግና ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ነይርዎ። ኣብ መጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ነዛ ዕለት ኣብ በበይኑ መዓልታት የኽብረኣ ነይረን። ን8 መጋቢት ስራሕ ናብ ዘይስረሓላ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንምብጸሓ ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ጻዕሪ ዝሓተተ ናይ ቃልሲ መስርሕ ነይሩ። ኣብ ምኽባር እዛ መዓልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ነናተን መስርሕ ክነብረን እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብተን ሶሻሊስታዊ ስርዓት ዝተኸተላ ሃገራት ዝያዳ ተቐባልነትን ክብደትን ነይርዋ። ብ1975 ብሕቡራት መንግስታት ከም ዓለምለኸ መዕልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ እትምዝገብ ንድሓር ግና፡ እነሆ 8 መጋቢት ከም መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ትዝከር። ነዛ ዕለት ዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዓለም ለኻዊ ጭረሖ ዝቃላሕ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመተ- 2018 ጭረሖ 8 መጋቢት ሎሚ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዝሰጋገረሉ እዋን እዩ” ዝብል እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ መሰለን ንክሕሎ ዘቃለሓሉ ናይ ሓባረን መድረኽ ዝበጸሓ ብቓልሰን እምበኣር ብህያብ ኣይኮነን። ጉዕዞ ቃልሲ 8 መጋቢት ሓርፋፍን ዋጋ ዘኸፈለን እምበር ልሙጽ ኣይነበረን ። ድሓር ግና ብዙሓት ቅንዕና ናይቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘልዓለኦ ናይ መሰል ሕቶ ዝተረድኡ መራሕቲ ሃገራትን ደቂ ተባዕትዮን’ውን ስለ ዝተንጸንበርዎ እቲ ዓወት ዘተኣማምን ኮይኑ። እንተኾነ ወግዓውነት 8 መጋቢት መቃለሲ ኣጋጣሚ እምበር ናይ መወዳእታ ዓወት ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበረን ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እነሆ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ኮይኑ። ቀንዲ ትርጉም ናይቲ ቃልሲ ከኣ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጭቁን ኣካል ኣተሓሳስባኡ ግጉይ ምዃኑ ክርዳእን ኣካል ሕቶ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ምብቃዑን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሓቀኛ ተሳትፎ ደቂ ተባዕትዮ ኣይዕወትን እዩ” እንብል።

ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ተሓልዩ ዕድል እንተረኺበን ኣብ ኩሉ መዳያት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ከበርክታ ከምዝኽእላ ብተግባር ኣረጋጊጸን እየን። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብዚ መዳይ ጐሊሐን ዝረኣያ ኣብነታውያን እየን። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ከም ኣደ ጀጋኑ ወሊደን ዘዕብያን ኣብ ግዜ ስራሕ ተጸሚደን ዘድመዓ ምዃነን፡ ኣብቲ ናጽነት ሃገረን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ዝተኻእለሉ መሪር ቃልሲ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን መዳያትን ኣብነት ተግበርቲ መስተንክራዊ ስረሓት ኮይነን እየን። እዚ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዘርኣየኦ ጀግንነት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን ምኽሓስ ህዝቢ ኤርትራን ክደግመኦ ዝነበረ ዓብይ ትጽቢት ግና ኣይተተግበረን። ሎሚ ብተግባር ክንርእዮ እንከለና፡ ብዘገርም ኩነታት ምስቲ ዝመጸኦ በሪኽ ግደ ዘይሳነ እንተ ዘርዚርካዮ መመሊሱ ኣብ ዘቐንዙ ሕማቕ ደረጃ ይርከባ ኣለዋ። ደቂ እተን ጀጋኑ ዋዕሮታት ኣብ ዓደን ሰላምን ቅሳነትን ሓሪምወን፡ ኣብ ምድረበዳ ይሃልቃን ኣብ ዘይሕጋዊ መርከባት ይወልዳን ኣለዋ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከኣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከም ቀንድን ኣሰካፍን ጸገም ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ኣብ እንዳ ህግደፍ ምዝሕታል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያቱ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እቲ ዘብርከተኦ በቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለ ዝተጠልማ። እንተኾነ ካብቲ ኣዝዩ ዝመረረ ጽንኩር ብረታዊ ቃልሲ’ኳ ዘየንዘልሓጣ ነቲ ዝጠለመን ጉጅለ ህግደፍ ካብ ናይ ምንብርካኽን ናይ ለውጥን ቃልሲ ክርሕቃ ኣይነበረንን።

ምስዛ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ 8 መጋቢት፡ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ጸኒሕና? ናበይከ ነማዕዱ ኣለና? ኣብ ዝብል መዋጽኦ ዝድህስሳላ መድረኽ ምዃና ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር’ዚ ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ዓመትዚ፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከካይደኦ መዲበናኦ ዘለዋ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ሰሚናርን መደብ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ እቲ ተበግሶ ቀጻሊ እምበር ዓመት ተጽቢኻ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ጥራይ ዝለዓል ክኸውን ኣይግበኦን። እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲኣዊ ይኹን ማሕበራዊ ኩነታተን ብዘየገድስ ብሓባር ዝካይድኦ ሰልፍን ሰሚናርን ሰፊሕ ጽላል ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ምምስራት ከብጽሐን ዓብይ ትጽቢት ሰዲህኤ እዩ።

ጉዳይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ፍርቂ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ፡ ንዓኣተን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ኩሉ ክጽዕተሉ ዝግበኦ ዕማም እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ብዘይተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ ኮነ ለውጢ የለን” ኢልና እንጭርሕ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ መሰረታዊ እምነቱ ነቒሉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ፡ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ወሲዱ ክቃለሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን ንመጻኢ’ውን ዝቕጽሎ።

ሎሚ’ውን “ደቂ ኣንስትዮ ተንስኣ ተሎ ዝረኽበናዮ’ሎ ካብ ተመኩሮ” ዝብል ዜማ ተኽሊንክኤል ገብሩ ድማ ነባሪ እዩ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ብዙሓት ኣይውቅዑኻ፡ ብዙሓትስ ይሃቡኻ” ከም ዝበሃል ምስላ ወራዙት፡ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ምቕሳምን ተመኩሮኻ ንካለኦት ምክፋልን ኣብ ርእሲ ዘለካ ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ብተግባር ዝተረጋገጸ ኣሰራርሓ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ንምውሳን ብዛዕባኡ እኹል ሓበሬታን ተመኩሮን ምርካብ ኣብ ቅቡልነት እቲ ውሳነ ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ። ብመንጽር እዚ እዩ ከኣ ተመኩሮ መመሃሃሪ መድረኽ’ዩ ዝበሃል። ከምዚ ዓይነት ተመኩሮ ናይ ምርካብ ኣገዳስነት ንምጥቃስ እዩ ከኣ “መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝበሃል

ተመኩሮ ኣብ መጻኢ ክምዕብል ዝግበኦ ቅኑዕ ፍጻመ ምቕሳም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መጻኢ ክድገም ብዛዕባ ዘይግበኦ ዘይቅቡል ኣሰራርሓ’ውን ዘስተምህር እዩ። በዚ መመሃሃሪ መድረኽ ኣቢልካ ድማ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘይተባህለ ንመጻኢ ጌጋታትን ድኽመታትን ምውጋድ ከም ዝከኣል ብብዙሕ ኣብነታት ክግለጽ ዝኽእል እዩ። ንተመኩሮ ግቡእ ቦታ ዘይምሃብ ግና ወትሩ ናብ ሓድሽን ጀማርን እዩ ዘውርደካ። ኣብ ሓደ ዕማም ዝተሰለፉ እሞ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዝዋስኡ ኣካላት ናይ ዕላማ ሓድነቶም ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ከከባቢኦም ብዝረኣዩ ምዕብልናታት ስለ ዝጽለዉ ኣተገባብረኦም ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ውሱንነትዚ ወጺኦም ብዛዕባቲ ዝተሰለፍሉ ዕላማን ኣተገባብርኡን ምሉእ ግንዛበ ክህልዎም ኣገዳሲ እዩ። እዚ ምሉእነት ካብ ዝረጋገጸሉ መንገድታት ምልውዋጥ ተመኩሮ ኣገዳሲ ቦታ ዝሕዝ እዩ።

ብመንጽር እዚ ዞባታት፡ ንኡስ ዞባታት፡ ጨናፍርን ኣባላትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣሜሪካ-ካናዳን ኤውሮጳን ብ24 ለካቲት 2018 ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘካየድዎ ናይ ተመኩሮ እንካን ሃባን ኣኼባ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ዘሎ ምዕብልናታት ሰልፊ ብኣካል ብዝቐርብ ተመኩሮ ምርድዳእን ሕድሕድ ንምልላይን ዘኽኣለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ዕማማትን መትከላትን ሰልፊ ኣብ ምትግባር መምስ ከባቢኡ ብዝሰማማዕ ዝተሓዙ ሜላታት እንታይ ከም ዝመስሉ ዝበርህሉን ዝመላልኣሉን ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ እዚ ርክብ ኣብ ምውሓስ ሓድነት ኣባላት ሰልፊ ዓብይ ቦታ ኣለዎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ መሪሕነት ሰልፊ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ናይ ተመኩሮ መድረኽ ዝወደቡ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውድባ፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ሰልፊ መጻኢ መደባቶም ኣብ ምሕንጻጽ ኣገዳሲ መበገሲ ሓሳብ ዝረኸብሉ ኣጋጣሚ እዩ። እዚ መድረኽ ኣብ መንጎ ዞባታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ዞባታትን መሪሕነት ሰልፍን ንዘሎ ስርዒታዊ ዝምድናታት ኣብ ምድልዳል’ውን ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። እዚ መደብዚ ንመጻኢ ስሩዕ ቀዋሚ ግዜ ተታሒዝሉ ናይ ኩሉ ኣባል ሰልፊ መራኸቢ ኮይኑ ክቕጽል ምምዳቡን ዝትግበረሉ ስሩዕ ቀጥዒ ምትላሙን ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ።

እዚ ክልተ ዞባታት ሰዲህኤ ኣሜሪካ-ከናዳን ኤውሮጳን ብዙሓት ሰብ ሃብታም ተመኩሮ ኣባላት ሰልፍን መንእሰያትን ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰልፋዊ ዕላማን ሸቶን ነናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ ዘለዎም እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓደጋ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ሰልፊ ጸኒዑን ሰጢሙን ብዘካየዶ ቃልሲ ሓድነቱ ዘውሓሰ ስለ ዝነበረ ነቲ ናብዚ ዘብቀዖ ተመኩሮ ምድህሳሱ ኣገዳሲ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ምንዕዓብ ጐሊሑ ኣብ ዝተራእየሉ ዞባ ኣሜሪካ-ከናዳ፡ እቶም ጽኑዓት፡ ተባዓትን ውፉያትን ኣባላት ነቲ ኣብ ልዕሊኦምን ሰልፎምን ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ሓደጋ ኣምኪኖም፡ ሕጊ ሰልፊ ብዘፍቅዶ መሰረት ብህጹጽ ጉባአ ተጸንቢሎም ብሓፈሻ ህልውና ሰልፊ፡ ብፍላይ ድማ ድሕነትን ህልውናን ዞባኦምን ሕጋዊ መሪሕነቱን ንምርግጋጽ ዘካየድዎ መሪር ግና ድማ ዕዉት ቃልሲ ዝያዳ ነቲ መድረኽ ምልውዋጥ ተመኩሮ ዘሃብተሞ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ተመኩሮ ምምቕራሕ ሓድነት ኣባላት ሰልፊ ዘደልድል ጥራይ ኣይኮነን። ደረጃ ኣፍልጦኦም ኣብ መትከላት ሰልፊ ንክመጣጠን እውን ግደኡ ዕዙዝ እዩ። ናይ ኣባላት ሓድነት ኣዳኺሞም ናቶም ጸቢብ መደባት ከዕዉቱ ዝሃልኩ ወገናት ኩሎም ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ኩርናዕ ዝነዝሕዎ ኣብ ባይታ ዘየለ ዝተሰነዐ ወረ ኣብ ምቅላዕን ንግሉጽነት ኣብ ምንጋስን ከኣ ዓብይ ግደ ኣለዎ። እዚ መድረኽ ዝሓለፈ ተመኩሮ ብምልውዋጥ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣብ መጻኢ ከመይ ጌርካ ኣብ ሕድሕድ እንዳተናበብካ ዘስርሕ ሰልፋዊ መደብ ከም እትትልም እውን ዝሕግዝ እዩ። ብዘይካዚ ኣብዚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን ብኽመይን ምስ መንን ናይ ሓባር መድረኽን ጽላልን ትፈጥር ኣብ ምድህሳስ’ውን ግደ ኣለዎ። ብዛዕባ መጻኢ ክትሓሰብ እንከለኻ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣብ ግምት ምእታው ብመሰረቱ ኣገዳሲ እዩ። ግምት ምሃብ ማለት ግና ነቲ ዝሓለፈ ከም ዝነበሮ ምድጋም ማለት ዘይኮነስ ነቲ ኣብ መጻኢ’ውን ከስርሕ ዝኽእል ምውሳድን ምምዕባልን ማለት እዩ። እዚ ኣገባብ ቃልስን ዓወትን ከኣ ትውልዲ ኣብ ምቕጻልን ምትኽኻእን እውን ኣገዳሲ እዩ።

ወጻዕቲ ተወጻዒ ኣብ ዘየብሉ ህልውናን ቀጻልነትን የብሎምን። ኣብ መንጎ ወጻዕትን ተወጻዕትን ዝህሉ ዝምድና ብብዙሕ መልክዓትን መዳያትን ዝግለጽ ናይ ረብሓን መሰልን ፍልልይ እዩ። ወጻዕቲ ህልውነኦም ኣብ ወጽዓ ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ነዚ ህልውነኦም ንምርግጋጽ ዝተፈላለየ መወጽዒ ሜላታት ይጥቀሙ። ዕረፍቲ ብዘየብሉ ኣገባብ ከኣ ይቕጽልዎ። ወጽዓ ንወጻዕቲ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ በቲ ኣብ ልዕሊ ተወጻዕቲ ዘውርድዎ በደል ራህሪሆም ዝህብዎ ምሕረት የብሎምን።

ብኣንጻሩ ተወጻዕቲ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሎም ርዒሞም ክነብሩ ባህርያዊ ስለ ዘይክነ፡ ኩነታት እንተዘይደሪትዎም ኣንጻር ወጽዓ ካብ ምቅላስ ኣይበኹሩን። ምናልባት ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ወጻዕቲ ናይቲ ዝውጽዕዎ ወገን ሓለይቲ መሲሎም ክቐርቡ ስለ ዝፍትኑ በዚ ናይ ሓሶት ስብከቶም ዝተዓሸዉ ውጹዓት ካብቲ ወጻዒ ራህዋ ንክረኽቡ ዝጽበይሉ ኣጋጣሚ ሳሕቲ ይፍጠር እዩ። በዚ መንጽር ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ገለ ወገናት በቲ ህግደፍ ግዜ ንምግዛእን ናይ ወጽዓ መሳርዑ ንምጥጣሕን ንምስራጽን ዝፈጥሮ ዝነበረ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ተዓሽዮም፡ “ግዜ ንሃቦ፡ ዓዲ ባዶ እንድያ ጸኒሓቶ፡ ካብ ዝጸናሕናዮዶ ከፊኡና፡ ምርጫ ናበይ ከይከደና …. ወዘተ” ብዝብል ይከላኸልሉ ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝውጽዕ ዘሎ ጉጅለ “ከነወግዶ ዝግበኣና ወጻዕን ጸረ-ህዝብን እዩ” ዝብል ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ዝወሰዶ ግዜ’ውን ሓጺር ኣይነበረን። እዚ ዘረድኦ ከኣ ወጻዕቲ እቲ ሓቀኛ ውጻዒ ባህሪኦም ንምሕባእ ዘካይድዎ ናይ ህልውና ጻዕሪ ቀሊል ክም ዘይኮነ እዩ። ክሳብ ሕጂ ንህግደፍ ዝከላኸሉን ወጽዓ ዘወግድ ፍታሕ ካብኡ ንክመጽእ ጭልም ዝብሉን ኣዝዮም ውሑዳት ምህላዎም ከኣ ካልእ መረጋገጺ ናይ ወጻዕቲ ጥበብ ርቀት እዩ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ ወጻዕቲ ህልውነኦም ንምቕጻል ዝጥቀምዎ ሜላታት ኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን እዩ። ሃስያኡ ከኣ ኣብ ውሱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝድረት ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቀጥታዊ ኣርዑቱ ዘሎ ህዝቢ ዝያዳ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍ ምዃኑ ከኣ ኣብ ጉዳይና ንርእዮ ዘለና እዩ። ብመንጽር እዚ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ንኹሉ ኣካላት ዝምልከት ኮይኑ ቀንዲ ከኣ ናይ መላእ ህዝቢ ሓላፍነት እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ንዝምድናኦም ምስ ውጹዓት ኣጸቢቖም ስለ ዝርድእዎን ዝከታተልዎን፡ ነቲ ኣንጻሮም ዝካየድ ጸረ-ወጽዓ ቃልሲ ንምምካን ኣበይ፡ መዓስ፡ ብኸመይን ኣብ ልዕሊ መንን ከጽዕቑ ከም ዝግበኦም ተሊሞም እዮም ዝንቀሳቐሱ። ማእከላይ ስሕበቶም ከኣ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን መንነታውን ክብርታት ህዝብን ሃገርን ድሂኽካ ብስግኣት ከም ዝወሓጥን ከም ዝደሃልን ምግባር እዩ። ህዝቢ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝጻወድ ናይ ወጽዓ መፈንጠራ ኣሜን ኢሉ ከም ዘይቅበል ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝተፋሕሰ ውዲታት ወጻዕቲ ብኽምቲ ዝደልዮ ኣገባብ ምስጓም ከም ዘየኸእሎ ግና ርዱእ እዩ። እዚ ማለት ግና ውጹዓት ወጽዓ ንምስዓር ኣይክእሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። ሎሚ ብሰንኪ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ንናይ ሓባር ለውጢ ሓቢርካ ዘይምውፋርን ናይዚ ረቂቕ ጥበብ ወጻዕቲ መርኣያ እዩ። ኣብቲ እትውጸዖ ህዝቢ ዘይምትእምማንን ናይ ኣተሓሳስባ ምክፍፋልን ምስራጽ ከኣ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ወጻዕቲ እዩ። ስለዚ ወጻዕቲ ኣብ ህዝብና ምክፍፋል እንተፈጠሩ ዘሕዝን እምበር ከም ዘይተጸበኻዮ ተርእዮ ሃንደበት ኣይኮነን። እቲ ተወጻዒ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ ኣደዳ ውዲት ወጻዕቲ ክኸውን እንከሎ ግና የገርምን፡ የሕዝንን።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዛዕባ ወጻዒ ባህርያትን ተግባራትን ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኩሉ ብዝበሃል ደረጃ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዙ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ነቲ ናይ ሓባር ተረድኦ ብናይ ሓባር ጸረ-ወጽዓ ተግባር ከተሰንዮ ዘይምብቃዕ ከኣ ንውጹዓት ዘሻቕል፡ ዘሰክፍን ዘተሓሳስብን እዩ። ንወጻዕቲ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ዘቕስን። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ከምቲ ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ክትቃለስ ምብቃዕ ንዓወት ውጹዓት ወሳኒ ዝኸወን ናይ ውጹዓት ብሓባር ዘይምውፋር ከኣ ንወጻዕቲ ብኽንድኡ ደረጃ ዘቕስን ኣጋጣሚ እዩ።

“ወጻዕቲ ኣንጻር ኩሉ መሰላትናን ናጽነታትናን ምዃኖም እንዳተረዳእናን ራህዋ እንዳተመነናን ምእንታኡ እንዳጨራሕናንስ ስለምንታይ ኢና ንኡስ ፍልልያትና ብሕጋዊ ቀጥዒ ኣከኣኢልና ኣንጻሮም ዘይንቃለስ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ሕልና ኩልና ውጹዓት ዘሎ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክንጸባረቕ እንዕዘቦ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ዝተፈላለዩ መልስታት ከም ዝህልወና ርዱእ እዩ። ካብ ናይዚ መሰረታዊ ድኽመት ተሓታትነት ከም እንሃድም እውን ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ ሓቀኛ መልሲ ግና እምብዛ ምስጢርን ስዉርን ኣይመስለናን። እቲ ጠንቂ ካብቲ ዓብይ ኣብ መንጎ ወጻዕትን ውጹዓትን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ዝያዳ ነቲ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ክመሓደር ዝግበኦን ዝኽእልን ዘይመሰረታዊ ፍልልያት እንዳጉላሕና፡ ነቲ ኣንጻር ወጽዓ ክቐንዕ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ዓቕሚ ኣብዘይቦታኡ ነባኽኖ ስለ ዘለና እዩ። እዚ ዘይውሁድ ኣካይዳ፡ ኣንጻር ወጽዓ ክውዕል ዝግበኦ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ኣብ ዘይለዓቱ ዘባኽን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ወጻዒ ኣብ መንጎ ውጹዓት ኣትዩ ንክዘርግ ዝሕግዞ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ዕድል ወጻዕቲ ኣብ ኢድ ውጹዓት እምበር፡ ኣብ ኢዶም ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ፡ ዕድመ ወጽዓ ነሕጽር።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልኡላውነትን፡ ምስቲ ዝነበረ ትንፋስ ዘይህብ ጥምጥማት ብዙሓት መስተንክራት ተሰሪሖም እዮም። ውግኣትን ዓወታትን ምሕራር፡ ካብ ዓሊግድር ጀሚርካ ክሳብ ከረን። ብኡ ኣቢልካ ናብ መንደፈራ፡ ዓዲዃላን መረብን፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ድማ ካብ ናቕፋን ኣፍዓበትን ክሳብ ደምቀምሓረን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ከባቢታትን ብዙሕ መስተንክራት ተሰሪሑ እዩ። ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ከኣ ኣካል ናይዚ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ጀግንነት ዝፈጸምሉ ስርሒታት እዩ።

ኣብዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝተጠቐሰ ናይ ጅግንነት ውዕሎታት ዋጋ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዮም። ኣብዚ ናይ ዓወት ሜዳታት ናይቲ ወርትግ ዘይስልክዮ ህዝቢ ኤርትራ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ መወዳድርቲ ኣይነበሮን። እዞም ጀጋኑ ተጋደልትን ህዝብን ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍሉ እንከለዉ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣዝዩ ረዚን ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ሸቶ ነይርዎም። እዚ ሸቶ “ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን” ኢልካ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኾነ ናብ ምሉእ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕመረቱ ነባሪ ራህዋ ዝቋመት እዩ ነይሩ።

ከምዚ ኣብዚ ሰሙን ክንከታተሎ ዝጸናሕና ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቅድሚ 28 ዓመታት ዝተፈጸመ ስርሒት ፈንቅል ክዝክር ቀንዩ። እዚ ስርሒት ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈንቀለሉን ዝተሓግሓገሉን ስለ ዝኾነ ምዝካሩ ግቡእ እዩ። “ኪኖ’ቲ ምፍንቃል ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ፡ እቲ ንሱ ዝግልገለሉ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባኸ ምስኡዶ ተፈንቂሉ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ሕቶ ሃሰስ ምባሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ፈንቅል ምስ ሓፈሻዊ ትጽቢት ህዝቢ አርትራ፡ ሓደ ስጉምቲ ናብ ዓወት እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ከምዘይነበረ ኣብዚ ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመት ናይቲ ስርሒት ኮይና ክንርእዮ እንከለና ዘተዓዛዝብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክቃለስ እንከሎ ብኣካል ንምልጋሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ዕላምኡስ እቲ ሓይልታት መግዛእቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባታት ዳግማይ ከምዘይሰርር በንቊስካ ንምድራብይ እዩ ነይሩ። እሞ ሎሚኸ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ግዳም ዘመልክቶ እንታይ እዩ። ብርኢቶና ጀግንነት ፈንቅል ኮነ፡ ካልኦት ስርሒታት ጌና ናብ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሸርፈን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ብዙሓት ኤርትራውያን “ካብ ግዜ መግዛእቲ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት’ኳ ዝያዳ ይኸፍኣና” ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ኣበሃህላ ከም ምግናን እንተወሲድናዮ፡ “ኤርትራ ብመንጽር፡ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝፍለ ህይወት የብላን” ዝብል ሚዛን ግና ብትኽክል ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ዝውክል እዩ።

ወየን ቀደም ኣብ ግዜ ቃልሲ “ደቅኽን ኣብዚ ቦታዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸላኢ ከምዚ ዓይነት ጀግንነት ፈጺሞም” ዝብል ብምስጢር ዝዝርጋሕ ብስራት ሰሚዐን ዝሕበና ዝነበራ ኣዴታት ኤርትራ፡ እነሆ ሎሚ “ደቂ ስዉኣት ደቅኽን ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያን ሃሊቖም” ዝብል ቀጻሊ መዓንጠአን ዝኹምትር መርድእ ይሰምዓ ኣለዋ። ከምቲ ቀደም ውላደን ከም ዝተሰወአ ምስ ዝፈልጥ፡ ሓይሊ መግዛእቲ “ኣደ ወንበደ” ኢሉ ከየሳቕየን፡  ብወግዒ ምስ ቤተሰብ ዘይኮነ ንበይነን ንውሽጢ ዝነብዓ ዝነበራ፡ እነሆ ሎሚ እውን ብሰንኪ ጥልመት ናይቲ ብዙሕ ሓርነታት ከውሕስ ዝተጸበየኦ ጉጅለ ህግደፍ፡ ውላደን ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ ወይ ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘጻወድዎ መፈንጠርያ ብበደዊን ተቐንጺሉ ክሰምዓ እንከለዋ ኣብዘይንቡር ናይ ሓዘን ኩነታት እህህህ ይብላ ኣለዋ። እቲ ቀደም “ኣብ ማርያም ግቢ ተኣሲሩ” ዝብል ዝነበረ ኣሰንባዲወረ ሎሚ ከኣ “ኣብ ዓዲ ኣብዮቶ ተኣሲሩ” ብዝብል ምትክኡ’ውን መለሳ የብሉን።

ጉጅለ ህግደፍ ከም ፈንቅል ንዝኣመሰለ ስርሒታት ዝዝክረሉ ጎራሕ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ዝኽሪ  “ሕድሮም ንዘይምጥላምዩ” ምባሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወዮ ነቲ “ህዝብና ብሳላ መስዋእትና ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ከይሕረሞ ሓደራ” ዝበልዎ ከም ዝተጠልመ ንርኢ ስለ ዘለና። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ዝዝክርሉን ውሕዳት ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ ደገፍቶም ዘሳዕስዕሉን ምኽንያት ኣካል ናይቲ ንህዝቢ ኣብ ሕሉፍ መሊስካ ጅሆ ናይ ምሓዙ ጉርሖም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ደቁ ጅግንነት ክዝከረሉ ዝብህጎ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዘድልዮ ግና፡ “ትማሊ ከምዚ ይገብር ነይረ፡ ጽባሕ ከኣ ከምዚ ክገብር እየ” ዝብል ምስምስ ዘይኾነስ “ሎሚ ከምዚ ይገብር ኣለኹ” ዝብል ግብራዊ ቃል ጥራይ ምዃኑ ክርዳእ ንዝደሊ ብሩህ’ዩ። ህዝቢ ንዝተወሰን ግዜ እምበር ንሓዋሩ ክዕሸው ስለ ዘይክእል፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ጭቆና በቲ ኣብ ፈንቅልን መሰል ዝኽርታትን ዘንብሮ ዕንበባታትን ዘሰልፎ ኣረጊት ኣጽዋርን  “የዕሽዎ ኣለኹ” ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ድሕሪት ተሪፉ ኣሎ።

ስለዚ ነቶም ኣብ ምሕራር ምጽዋዕን ካልእ ከባብታትን ንሓይሊ መግዛእቲ ዝፈንቀሉ ክብርን ሞጐስን ይብጸሓዮም። እንተኾነ ብፍላይ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክረአ እንከሎ ካብ መግዛእቲ ፈሊኻ ዘይረአ፡ ጸረ-ሰላም፡ ጸረ-ልምዓትን ጸረ-ደሞክራስን ኣርዑት ናይ ምፍንቃል ዕማም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኮነ ኢሉ ነዞም ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦም ዝግበኦ ዝነበሮ ጸጋታት ይነፍጎ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ እውን ካብኡ ዝጽበዮ ፍታሕ የለን’ሞ እቶም ንለውጢ እንቃለስ ዘለና ክንነቕሓሉ ዝግበኣና ዕማም እዩ።

ዞባ ሰዲህኤ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ስሩዕ ዞባዊ ጉባኡ የካይድ። ቦታን ግዜን ናይ ጉባኤ ብዞባዊ መሪሕነት ይውሰን። ህጹጽ ጉባኤ ዞባ ብጸዋዒት መሪሕነት ዞባ ወይ ሓደ ሲሶ ካብ መላእ ኣባላቱ፤ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ፤ ብዝወሰኖ መሰረት ክካየድ ይኽእል፤ (5፡10፡1)፡ ኣርማ ሰዲህኤ፣ ብሕንጻጽ ዝርአ ዝተጣመረ ኣእዳው ፡ ንባይታኡ ዝምልከት ፍሉይ ሕብሪ የብሉን። ትርጕሙ ከኣ፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራን ልዕላውነቱን ኢዩ (1፡2፡2)። ጉባአ ሰዲህኤ ካብ ኣባላቱ 33 ቀወምትን 4 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ፡ (5፡13፡4)። ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣባላቱ፤ ትሽዓተ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ የቕውም (6፡1፡14)። ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፤ 9 ኣብያተ-ጽሕፈታት ይህልዉዎ። (6፡2፡3)” (እዚኣቶም ካብ ዕላዊ ሰነድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስዱ ዓናቕጽ እዮም)

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እቲ ሓያልን ጸዋርን ጻዕሪ ዘካየድሉ፡ ልዑል ትጽቢት ዝተነብረሉን ሰልፋዊ ሕግን ኣሰራርሓን ተኸቲሎም ከም ዘዕወትዎ ዝተገመተን ፍሉይ ጉባአኦም ብ27 ጥሪ 2018 ኣካይደምዎ። ብ30 ጥሪ 2018 ብዘውጽእዎ መግለጺ ድማ ኣበሲረሙና። ንሕና ከኣ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተነበረ “ኣገናዕ” ንብሎም። እዚ ህጹጽ ጉባአ ዞባ ከም ተራ ጉባአ ዝረአ ዘይኮነ፡ ከምቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝበሃል ንባህግን ንትጽቢትን ኣኽበርቲ ሕግን ንቅድሚት ኣማዕደውትን ዘለምለመ ስለ ዝኾነ፡ ፍሉይ ግምትን ቦታን ዝወሃቦ እዩ።

ኣካላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ከከም ዝጥዕሞ ትዕቢቱን ኣነነቱን ከርኢ ዝደሊ፡ የማነ ጸጋም ዘላኽዖም ዘይኮኑ ብጉባአ ዝተቐየሰ ሕጋዊ መስርዕ ሒዞም ዝጐዓዙ እዮም። ዝኾነ እዚ ሕጋዊ መንገዲ ዘይማእመኦ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕ ዝደሊ፡ ህርፋኑ ኣርጒዱ፡ ብትዕቢትን መን ከማይነትን ክዕምጽጾም እንተፈተነ፡ ኣሕሊፎም ዘይህቡን ዘይልወዩን ምዑታት ከም ዝኾኑ እዚ ውጻእ መዓት ዕዉት ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መስካሪ እዩ። ከምቲ ወለድና “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍን እዩ”  ዝብልዎ፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተጻሕፈ እንተተጻሕፈ፡ መንዩ በሃሊኡን ጸሓፊኡን ብዘየገድስ፡ ምእንቲ ሓቂ ንዝተሰለፈ ኣካል እቲ ሕጋዊ መንገዲ ኣይልወጥን እዩ። ነዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ረዘንቲ ዓናቕጽ ዘነጽሮ፡ ሕጋዊ ቀይድታት ዘለዎ ሰልፋዊ ኣካይዳ ብዝኾነ መንገዲ ምናልባት ከተዕንቅፎም እምበር፡ ከተውድቖ ኣይከኣልን እዩ። ንበበይኖም ነናቶም ባህርን መምዘንን ዘለዎም ሰባት ሓደ ዓይነት ስም እንተ ሃብካዮም ሓደ ሰብ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ኪኖቲ ናይ ሓባር ስሞም ነንገዛእ ርእሶም ዝግለጽሉ መንነት ኣለዎም። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ዓናቕጽ ከኣ ንሓቀኛ መንነትን ሕጋውነትን ሰዲህኤ ዝውክሉ፡ ዝተኾመረ ቃላት እንተተኾመረ ኣብ ማእከል ጐልገል ዘይጠሓሱ ዋና ዘለዎም ዓናቕጽ እዮም።

ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ካብዚ ሕጋዊ መንገዶም ንከላግሱ ኣንጻሮም ኣዝዩ ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። እንተኾነ ነቲ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ኣብቲ ጥምጥም ስለ ዘጽንዕዎ እነሆ ተዓዊቶም። እዚ ንዓኣቶም ሓበንን መጎስ ኮይኑ፡ እንተ ኣስተብሂለምሉስ ንካለኦት ከምዚ ዓይነት ፈተና ዘጋጥሞም’ውን ትምህርርትን ኣብነት ጽንዓትን እዩ።  ሕቡናት ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ዝጸንሐ ብዙሕ ግና ዝጭበጥ ዘየብሉ  ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈ፡ ህቦቡላን መንደራጉሕን እንሆ ስዒረምዎ። እዚ ዓወት ናይ ነፍሲ ወከፎም ዕጉስ መኸተን ኒሕን፡ ውሕሉል ኣተሓሕዛ መሪሕነትን መሰረታትን መላእ ሰልፊ ውጽኢት ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ከኣ እቲ ዝረገጽዎ ባይታ፡ ሕጋዊ፡ ስርዒታዊ፡ ርትዓውን ድልዱልን ምንባሩ ዝምስክር እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ መትከላት ሰዲህኤ ኣንጻሩ ብዙሕ ብምዝራብን ብምጽሓፍን ዘይብሕጎግ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመጻጸኣ፡ ርዝነትን ሕጋውነትን ከም ዘለዎ ዘነጸረ እዩ። ክብደት ናይዚ ዓወት ኣብቲ ዞባ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ሰዲህኤ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ምእንቲ ሕግን ሕጋውነትን ዝሕለቕ መወከሲ ዝኸውን ተመኩሮ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ሰልፍና ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከም ዝደሓነ ካብ ዝምስክሩ ምልክታት ሓደ ኮይኑ ዝጥቀስ  እዩ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እነሆ ሕጋውን ስርዒታውን ህልውናኡ መሊኡ መሊሱ ኣሎ። ድሕሪዚ ናይ ሰባት ዘይቅዱስ ህርፋን ዘይኮነ ሰልፋዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ፡ ናብ ስሩዕ ጉባአ ገጽካ ናይ ምጉዓዝ ንቕሎ ክህልዎ እዩ። ከምቲ ኣብ መግለጺኡ ጠቒስዎ ዘሎ፡ ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት እውን ኣለውዎ። መደብ ምሕዳስ ሰልፊ፡ ምስ ካለኦት ሓይልታት ተቓውሞ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእል ባይታ ምፍጣርን ዝኣመሰሉን። ብመንጽርቲ ሕጂ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ህልውና ሰልፊ ናይ ምውሓስ ዓወት፡ ኣብቲ ዝተረፈ’ውን ከም ዝዕወት ውሁብ እዩ። ዞባ ሰሜን ኣሚሪካ ሰዲህኤ፡ ከምቲ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሶም እዚ ዓወትዚ ዞባዊ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፋዊ’ውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ መላእ  መሪሕነትን ኣካላትን ሰልፊ ምእንቲ እዚ ግዳይ ንክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ዞባ ንክድሕንን ክዕወትን ስኖም ነኺሶም ክቃለሱ ዝጸንሑ።

እዚ ዓወት እዚ ኣዚሩ ንዝርእን ዝብሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝበሃሎ’ውን ክሰምዕ ክፉት ሕልና ንዘለዎ ኣካል ዘመሓላልፎ ረዚን መልእኽቲ ኣለዎ። ሕግን ሕጋውነትን ከምቲ “ክውዕየካ ብማንካ፡ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል፡ ንርኢቶኻ ዘዳምቕ ክኸውን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህርፋንካ ዝድርት ክኸውን እንከሎ’ውን ከተኽብሮ ዝግባእ ግቡግ መስመር ዘትሕዝ ልጓም እዩ። ኣብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ኣጠርሚምካ፡ ከም ዑፍ ቀውዒ ዘዝሸወተ ምሽምጣጥ ግና ቅቡል ኣይኮነን።

ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኢደወነኖም ዝሰሓቡ ውሑዳት ውልቀሰባት ሽማግለ ኣቝሞም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ብምባል ነብሶም የዕሽዮም ንኻልኦት፣ድኻም ሰዲህኤ ከምረብሓ ጌሮም ዝቖጽርዎ እከያት'ውን ምእንቲ ከደናግሩ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዖም ወፈረኦም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ስለዘቕንዑ፣ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብዕለት 15 ጥሪ 2018 ኣብ'ቲ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሰዲህኤ ሓርነት.ኦርግመግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብዛዕባብስም ሰልፍና ኣብ መስከረም.ነትዝወጸ ጽሑፍኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ዘሎ ክዉንነት መብርሂ ከምዝሃበ ንዅሉ ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ብሩህ ኢዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ፣ሓደ ሰብ ብተዳጋጋሚ ንሓቂ ዘየንጸባርቕ መሰረት ኣልቦ ጽሑፋት ክነዝሕ ሓንጎፋይ ኢልካ ብዘይገለ መረጋገጺ ኣብ ወብ ሳይትካ ምእንጋድ'ውን ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ምስትብሃል ከምዘድሊ ዘየማትእ ኢዩ።

ሰዲህኤ ኣብ'ቲ ዝተበገሰሉ ተልእኾ ማለት ክብርታት ህዝብና ዝሓለወት ቅዋማዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኢዩ ቀንዲ ዕማማቱ። መለለይኡ ድማ እቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ናይ ቅዋሙ ሰፊሩ ዘሎ፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገር ክድፈር ዘየፍቅድ፣ቅዋሙን ፕሮግራሙን ኣብ ጉባኤታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽድቕ፣  ትግርኛን ዓረብኛን ከምወግዓውያን ቋንቋታት ህዝቢ ኤርትራ ኣሚኑ ዝሰርሓለንናይ ሓሳብን ርእይቶን ናጽነት ዘኽብር፣ ቅዋም ሰልፊ ዘይደፍር ውሽጣዊ ፍልልያት ዝጻወር፣ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ናይ ምሕላፍ ልምዲ ዘለዎ ኢዩ። ዝበዘሐ ግዝያቱ ድማ ነዚ ንምዕዋት ኢዩ ከይተሓለለ ጸኒዑ ዝቃለስ፣ ይዅን እምበር ዘረግቲ ኣብ ዘለዉሉ ጽሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝበሃል፣ ነዚ ብተደጋጋሚ ዝወጽእ ዘሎ ዘምባዕን ንኽዉንነት ዘየንጸባርቕን ጽሑፋት ኣድላዪ መአረምታ ክገብረሉ ግዴታኡ ኢዩ።

ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል ካብ ዝብል ስንኩፍ ኣበሃህላ ተበጊስካ ኣካደምያዊ (academic) ይዂን ዓቕመ ኣእምሮኣዊ (intelectual) ደረጃኻን ጭውነትካን (integrity) ኣብ ዋጋ ዕዳጋ (compromise) ዘእቱ መሰረታዊ ስነመጎት ዝሰሓተ ሃበስቀደስ ዝተወንዘፈ ጽሑፋት ወገሐ-ጸብሐ ክትዝርግሕሲ ንረብሓ መን'ዩ?

ትዕድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ እቲ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ዘጋጥም ዘሎ ዕንወትን ጭቆናን ከይኣክል፣ ድኻም ኩሉ ናይ'ቲ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከውድቕ ይቃለስ ኣለዅ በሃላይን፣ ይእርም ኣሎዅ እንዳበለ እንተስ ብግርህነት እንተስ ብተንኮል ንተቓወምቲ ንምድኻም ዝተዋፈረ ኣካላት ወሲኽካ ንኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ኣእትዩ ካብ ዘሎ ቀንዲ ረቛሒታት ኢዩ።

ሓንካስ ዘውረዮስ ፈረሰኛ ነይመልሶ ዳኣ ኮይኑ እምበር እቶም ንሕና ኢና ሰዲህኤ በሃልቲ እሞ ከምመራሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ግደኦም ኣብ ሰዲህኤ እንታይ ከምዝነበረን ብኸመይ ካብ ሰዲህኤ ከምዘግለሉን ንሳቶም ከይተረፈ ዝምስክርዎ ምዝጉብ ሰነድ ኣሎ፡ንኣብነት። ኣንቶንዮ ተስፋይ ክሳብ ዕለት 24 መስከረም 2017 ኣባል ሰዲህኤ ኮይኑ ከገልግል ዝጸነሐ ሰብ ኢዩ።ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሰዲህኤ ኣባልነቱ ስሒቡ ከምዝተሰናበተ ካብ'ዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ስንብታ ደብዳቤኡ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ናይ  ዕለት 19 ነሓሰ 2017 ዝተገብረ ናይ ጨንፈር ጉባኤ ዝተዘርበ ምኽንያት ብምግባር ኢዩ ጽሒፉ።ኣንቶንዮ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣኼባታት ጨንፈር ክሳተፍ ስለዘይጸነሐ ካብ ካልኦት ኣባላት ነቲ ናቱ ሓሳብ ዝድግፉ ምስኣኑ ንዑኡ ዝገረሞ ይመስል፣ ንዓና ግን ብዙሕ ክትዓት ዘካየድናሉ ጉዳይ ስለዝነበረ ንሱ ንድሕሪት ክመልሰና ምፍታኑ እምበር ካልእሲ ኣይገረመናን። ኣብ'ቲ ጉባኤ ውዒሉ ሓዳስ ሽማግለ ኣብ ምምራጽ ተሳቲፉ ክንሱ ነዚ ናይ ምስንባት ደብዳቤኡ ናብ'ታ ዝምልከታ ሽማግለ ዘይመስደዲኡ ምኽንያት ባዕሉዝምልሾ ኢዩ።

ናይ'ቶም ካልኦት ከምመራሕቲ ኮይኖም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ'ውን ተመሳሳሊ ሰነዳት ኣሎ።እቲ ጉዳይ ኣይትቃወሙ ወይ ሰልፊ ኣይትፍጠሩ ዘይኮነስ፣ ንሕና ኢና ሰዲህኤ ምባሎም ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ 37 ዝኣባላታ መሪሕነት ተመሪጻ፣ ካብኣቶም 5 ተፈልዮም ንሕና ኢና ሰዲህኤ ክብሉስ ናይ ዘይተባላሓትነት ድዩ ወይሲ ናይ ጸይቂእንተስ ብፍላጥ እንተስ ብግርህነት ናይ ጸለመ ወፍሪታትኩም ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ሰንዚርኩሞ ኣለዅም፣ካብዚ ናታትኩም ተዋስኦ ህዝቢ ኤርትራ ረብሓ ኣለዎ ዝብል ኣረዳዳኣ እንተሃልዩኩም ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ፣ ይዋእኪ ኤርትራ ዘብል ድማ ኢዩ።

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሽወደን ጨንፈር 1

ስቶክሆልም 2 ለካቲት 2018

 

ናብ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ
ስቶክሆልም

ዝኸበርካ ኣቦ መንበር ጨንፈር ቁ 1 ሰዲህኤ ስቶክሆልም

ዶር/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን

ዝኸበርኩም ሽማግለ ጨንፈር
ብመጀመርያ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ብምቅጻል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰልፍና ዘጋጠመ ጸገማት ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ  ጻዕሪ ውሑድ’ኳ እንተአይተባህለ ማዕረ’ት ዝተኻየደ ድኻምን ጻዕርን ፍርያት ሓድነት ሰልፊ ዝሕለወሉ ኣገባብ ተኻይዱ ዝብል ርእይቶ የብለይን። እዚ ዕግበተይ ኢዩ። ነዚ ጉዳኡ ብቀረባ ንምርኣይን ንምዝታይን ዝገበርክዎ ጻዕሪ’ውን ዘገርም ጉዳይ ሓደ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር እዩ። ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ጨንፈር  ቁ 1፡ ነዚ ብዝምልከት ብመሪሕነት ጨንፈር ዝቀረበ ዛዕባ ወይ ኣጀንዳ፡ ካብ ቀዳማይ ቦታ ኣልጊሱ 3 ግዜ ተቀያይሩ ኣብ መወዳእታ ከኣ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ 45 ደቂቕ ክተርፎ ከሎ ምልዓሉ ብወገነይ ክርእዮ እንከለኹ ነቲ ጉዳይ ከም ውዱእ ተወሲዱ ክንዛተየሉ ዘየተባብዕ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከም ኣብ ውሳኔ መሪሕነት ብምድራቕን ኣነ ዘይፈልጦ ኣገባብ ዝተዓዘብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ዝመረጽናዮ መሪሕነት ከም መሪሕነት ነቲ ደጋፊ ውሳኔ ዝዀነ ኣባል ጥራሕ። ነቲ ሰልፊ’ውን ከምኡ ክዝረብ ምስ ሰማዕኩ ብሓቂ ንመጀመርያ ግዜ ዘስደምምን  ዘደንጽውን ምንባሩ ምግላጸይ፡ ከምሰብ ርእይቶይ ዝሃብኩሉ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ ኣውንታዊ ሓሳብ ንጥርናፈ ዝቃለስ ደገፍ’ውን ዘይጽበየሉ ኣይኮነን። እንተዀነ እቲ መልሲ ተጻይን ክዕጸፍን ክምለስን ዘይከኣል ምንባሩ፡ ንዓይ ሓድሽ ባህሪ ኣብ ቃልሲ ምንባሩ ክሓብኦ ኣይደልን። እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኣኼባ ዝበልክዎ ኣንጻር ዕግብተይ  ክቅጽል፡ ንዓይ ከም ውልቀ ኣብ ሰልፊ’ውን ከም ኣባል ከምዚ ክኸዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ቅኑዕ ኮይኑ ስለዘይተሰምዓኒ ኣባልነት ሰዲህኤ ስሒበ ምህላወይ ክገልጽ እፈቱ። እዚ ጠቂሰዮ ዘለኹ ግን መወዳእታ እምበር  ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክግበርን ክስራሕን ዝጸንሐ ብዓኒ ነቀፌታ ዝርእዮ መጀመርያ ኣይኮነን። ከም ሰብ ኩሉ ክጋገ ይኽእል። ከም ሰብ። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተጋገኽዎ እንተሃለወ ከኣ ይቕሬታ እንዳሓተትኩ መልእኽተይ ኣብዚ ይዓጹ።

ብጻይኩም
ኣንቶንዮ ተስፋይ
24 መስከረም 2017