ካልእ ፈንቅል ይጽበየና’ሎ

2018-02-13 12:10:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3407 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ልኡላውነትን፡ ምስቲ ዝነበረ ትንፋስ ዘይህብ ጥምጥማት ብዙሓት መስተንክራት ተሰሪሖም እዮም። ውግኣትን ዓወታትን ምሕራር፡ ካብ ዓሊግድር ጀሚርካ ክሳብ ከረን። ብኡ ኣቢልካ ናብ መንደፈራ፡ ዓዲዃላን መረብን፡ በቲ ካልእ ኣቕጣጫ ድማ ካብ ናቕፋን ኣፍዓበትን ክሳብ ደምቀምሓረን ካልኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ከባቢታትን ብዙሕ መስተንክራት ተሰሪሑ እዩ። ምሕራር ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ከኣ ኣካል ናይዚ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ጀግንነት ዝፈጸምሉ ስርሒታት እዩ።

ኣብዚ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ዝተጠቐሰ ናይ ጅግንነት ውዕሎታት ዋጋ ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዮም። ኣብዚ ናይ ዓወት ሜዳታት ናይቲ ወርትግ ዘይስልክዮ ህዝቢ ኤርትራ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ መወዳድርቲ ኣይነበሮን። እዞም ጀጋኑ ተጋደልትን ህዝብን ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍሉ እንከለዉ ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ኣዝዩ ረዚን ኣማዕድዮም ዝርእይዎ ሸቶ ነይርዎም። እዚ ሸቶ “ናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን” ኢልካ ጥራይ ዝጥቀስ ዘይኾነ ናብ ምሉእ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሕመረቱ ነባሪ ራህዋ ዝቋመት እዩ ነይሩ።

ከምዚ ኣብዚ ሰሙን ክንከታተሎ ዝጸናሕና ጨቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ቅድሚ 28 ዓመታት ዝተፈጸመ ስርሒት ፈንቅል ክዝክር ቀንዩ። እዚ ስርሒት ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈንቀለሉን ዝተሓግሓገሉን ስለ ዝኾነ ምዝካሩ ግቡእ እዩ። “ኪኖ’ቲ ምፍንቃል ኣካላዊ ህልውና ሓይሊ መግዛእቲ፡ እቲ ንሱ ዝግልገለሉ ዝነበረ ወጻዒ ኣተሓሳስባኸ ምስኡዶ ተፈንቂሉ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል ሕቶ ሃሰስ ምባሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ፈንቅል ምስ ሓፈሻዊ ትጽቢት ህዝቢ አርትራ፡ ሓደ ስጉምቲ ናብ ዓወት እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ከምዘይነበረ ኣብዚ ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመት ናይቲ ስርሒት ኮይና ክንርእዮ እንከለና ዘተዓዛዝብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ክቃለስ እንከሎ ብኣካል ንምልጋሱ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ ዕላምኡስ እቲ ሓይልታት መግዛእቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባታት ዳግማይ ከምዘይሰርር በንቊስካ ንምድራብይ እዩ ነይሩ። እሞ ሎሚኸ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ግዳም ዘመልክቶ እንታይ እዩ። ብርኢቶና ጀግንነት ፈንቅል ኮነ፡ ካልኦት ስርሒታት ጌና ናብ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተሸርፈን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ እዮም ብዙሓት ኤርትራውያን “ካብ ግዜ መግዛእቲ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት’ኳ ዝያዳ ይኸፍኣና” ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ኣበሃህላ ከም ምግናን እንተወሲድናዮ፡ “ኤርትራ ብመንጽር፡ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝፍለ ህይወት የብላን” ዝብል ሚዛን ግና ብትኽክል ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት ዝውክል እዩ።

ወየን ቀደም ኣብ ግዜ ቃልሲ “ደቅኽን ኣብዚ ቦታዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸላኢ ከምዚ ዓይነት ጀግንነት ፈጺሞም” ዝብል ብምስጢር ዝዝርጋሕ ብስራት ሰሚዐን ዝሕበና ዝነበራ ኣዴታት ኤርትራ፡ እነሆ ሎሚ “ደቂ ስዉኣት ደቅኽን ኣብ ባሕሪ ሚዲትራንያን ሃሊቖም” ዝብል ቀጻሊ መዓንጠአን ዝኹምትር መርድእ ይሰምዓ ኣለዋ። ከምቲ ቀደም ውላደን ከም ዝተሰወአ ምስ ዝፈልጥ፡ ሓይሊ መግዛእቲ “ኣደ ወንበደ” ኢሉ ከየሳቕየን፡  ብወግዒ ምስ ቤተሰብ ዘይኮነ ንበይነን ንውሽጢ ዝነብዓ ዝነበራ፡ እነሆ ሎሚ እውን ብሰንኪ ጥልመት ናይቲ ብዙሕ ሓርነታት ከውሕስ ዝተጸበየኦ ጉጅለ ህግደፍ፡ ውላደን ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ ወይ ናይቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘጻወድዎ መፈንጠርያ ብበደዊን ተቐንጺሉ ክሰምዓ እንከለዋ ኣብዘይንቡር ናይ ሓዘን ኩነታት እህህህ ይብላ ኣለዋ። እቲ ቀደም “ኣብ ማርያም ግቢ ተኣሲሩ” ዝብል ዝነበረ ኣሰንባዲወረ ሎሚ ከኣ “ኣብ ዓዲ ኣብዮቶ ተኣሲሩ” ብዝብል ምትክኡ’ውን መለሳ የብሉን።

ጉጅለ ህግደፍ ከም ፈንቅል ንዝኣመሰለ ስርሒታት ዝዝክረሉ ጎራሕ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ዝኽሪ  “ሕድሮም ንዘይምጥላምዩ” ምባሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ወዮ ነቲ “ህዝብና ብሳላ መስዋእትና ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ከይሕረሞ ሓደራ” ዝበልዎ ከም ዝተጠልመ ንርኢ ስለ ዘለና። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ዝዝክርሉን ውሕዳት ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለሙ ደገፍቶም ዘሳዕስዕሉን ምኽንያት ኣካል ናይቲ ንህዝቢ ኣብ ሕሉፍ መሊስካ ጅሆ ናይ ምሓዙ ጉርሖም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ደቁ ጅግንነት ክዝከረሉ ዝብህጎ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ዘድልዮ ግና፡ “ትማሊ ከምዚ ይገብር ነይረ፡ ጽባሕ ከኣ ከምዚ ክገብር እየ” ዝብል ምስምስ ዘይኾነስ “ሎሚ ከምዚ ይገብር ኣለኹ” ዝብል ግብራዊ ቃል ጥራይ ምዃኑ ክርዳእ ንዝደሊ ብሩህ’ዩ። ህዝቢ ንዝተወሰን ግዜ እምበር ንሓዋሩ ክዕሸው ስለ ዘይክእል፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ጭቆና በቲ ኣብ ፈንቅልን መሰል ዝኽርታትን ዘንብሮ ዕንበባታትን ዘሰልፎ ኣረጊት ኣጽዋርን  “የዕሽዎ ኣለኹ” ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ድሕሪት ተሪፉ ኣሎ።

ስለዚ ነቶም ኣብ ምሕራር ምጽዋዕን ካልእ ከባብታትን ንሓይሊ መግዛእቲ ዝፈንቀሉ ክብርን ሞጐስን ይብጸሓዮም። እንተኾነ ብፍላይ ብመንጽር ኣተሓሳስባ ክረአ እንከሎ ካብ መግዛእቲ ፈሊኻ ዘይረአ፡ ጸረ-ሰላም፡ ጸረ-ልምዓትን ጸረ-ደሞክራስን ኣርዑት ናይ ምፍንቃል ዕማም ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ከም ዘሎ ኣይንዘንግዕ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኮነ ኢሉ ነዞም ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦም ዝግበኦ ዝነበሮ ጸጋታት ይነፍጎ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ እውን ካብኡ ዝጽበዮ ፍታሕ የለን’ሞ እቶም ንለውጢ እንቃለስ ዘለና ክንነቕሓሉ ዝግበኣና ዕማም እዩ።

Last modified on Tuesday, 13 February 2018 13:15