8 መጋቢት እንክንዝክር

2018-03-07 21:27:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3006 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዓለምና ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺበን ካብ ዝዝከራ ኣገደስቲ ዕለታት ሓንቲ እያ። እዛ ዕለት ብሕቡራት ሃገራት ብ1975 ወግዓዊ ተፈላጥነት ክሳብ እትረክብ ብዝተፈላለዩ ወረድ ደይባት እያ ተጓዒዛ። ኣገዳስነት ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣብ ከባቢ 1909 ከም ዝተቐላቐለን ብ28 ለካቲት 1910 ኣብ ኒውዮክር ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ከኣ ክትጐልሕ ከም ዝጀመረት ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ይገልጹ።

ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ኣገዳስነት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ጐሊሖም ዝረኣዩ ዝነበሩ፡ ሕቶታት ኣብ መሰል ጓለንስተይቲ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ስራሕ ምሓዝን መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫታትን ዘተኩሩ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። ዋላኳ ኣገዳስነት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቀልጢፉ ተቐባልነት እንተረኸበ፡ ናብ ዓለም ለኻዊ ወግዓውነት 8 መጋቢት ንምምጻእ ግና ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ነይርዎ። ኣብ መጀመርታ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ነዛ ዕለት ኣብ በበይኑ መዓልታት የኽብረኣ ነይረን። ን8 መጋቢት ስራሕ ናብ ዘይስረሓላ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንምብጸሓ ከኣ ነብሱ ዝኸኣለ ጻዕሪ ዝሓተተ ናይ ቃልሲ መስርሕ ነይሩ። ኣብ ምኽባር እዛ መዓልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ነናተን መስርሕ ክነብረን እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብተን ሶሻሊስታዊ ስርዓት ዝተኸተላ ሃገራት ዝያዳ ተቐባልነትን ክብደትን ነይርዋ። ብ1975 ብሕቡራት መንግስታት ከም ዓለምለኸ መዕልቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ እትምዝገብ ንድሓር ግና፡ እነሆ 8 መጋቢት ከም መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ትዝከር። ነዛ ዕለት ዝምልከት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዓለም ለኻዊ ጭረሖ ዝቃላሕ ኮይኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመተ- 2018 ጭረሖ 8 መጋቢት ሎሚ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዝሰጋገረሉ እዋን እዩ” ዝብል እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ መሰለን ንክሕሎ ዘቃለሓሉ ናይ ሓባረን መድረኽ ዝበጸሓ ብቓልሰን እምበኣር ብህያብ ኣይኮነን። ጉዕዞ ቃልሲ 8 መጋቢት ሓርፋፍን ዋጋ ዘኸፈለን እምበር ልሙጽ ኣይነበረን ። ድሓር ግና ብዙሓት ቅንዕና ናይቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘልዓለኦ ናይ መሰል ሕቶ ዝተረድኡ መራሕቲ ሃገራትን ደቂ ተባዕትዮን’ውን ስለ ዝተንጸንበርዎ እቲ ዓወት ዘተኣማምን ኮይኑ። እንተኾነ ወግዓውነት 8 መጋቢት መቃለሲ ኣጋጣሚ እምበር ናይ መወዳእታ ዓወት ደቂ ኣንስትዮ ኣይነበረን ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እነሆ እቲ ቃልሲ ቀጻሊ ኮይኑ። ቀንዲ ትርጉም ናይቲ ቃልሲ ከኣ እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጭቁን ኣካል ኣተሓሳስባኡ ግጉይ ምዃኑ ክርዳእን ኣካል ሕቶ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ምብቃዑን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሓቀኛ ተሳትፎ ደቂ ተባዕትዮ ኣይዕወትን እዩ” እንብል።

ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ተሓልዩ ዕድል እንተረኺበን ኣብ ኩሉ መዳያት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ከበርክታ ከምዝኽእላ ብተግባር ኣረጋጊጸን እየን። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብዚ መዳይ ጐሊሐን ዝረኣያ ኣብነታውያን እየን። ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ከም ኣደ ጀጋኑ ወሊደን ዘዕብያን ኣብ ግዜ ስራሕ ተጸሚደን ዘድመዓ ምዃነን፡ ኣብቲ ናጽነት ሃገረን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ዝተኻእለሉ መሪር ቃልሲ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን መዳያትን ኣብነት ተግበርቲ መስተንክራዊ ስረሓት ኮይነን እየን። እዚ ኣብ ብረታዊ ቃልስና ዘርኣየኦ ጀግንነት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን ምኽሓስ ህዝቢ ኤርትራን ክደግመኦ ዝነበረ ዓብይ ትጽቢት ግና ኣይተተግበረን። ሎሚ ብተግባር ክንርእዮ እንከለና፡ ብዘገርም ኩነታት ምስቲ ዝመጸኦ በሪኽ ግደ ዘይሳነ እንተ ዘርዚርካዮ መመሊሱ ኣብ ዘቐንዙ ሕማቕ ደረጃ ይርከባ ኣለዋ። ደቂ እተን ጀጋኑ ዋዕሮታት ኣብ ዓደን ሰላምን ቅሳነትን ሓሪምወን፡ ኣብ ምድረበዳ ይሃልቃን ኣብ ዘይሕጋዊ መርከባት ይወልዳን ኣለዋ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና ከኣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከም ቀንድን ኣሰካፍን ጸገም ኣብ ዝግለጸሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና። ኣብ እንዳ ህግደፍ ምዝሕታል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያቱ ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር እቲ ዘብርከተኦ በቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለ ዝተጠልማ። እንተኾነ ካብቲ ኣዝዩ ዝመረረ ጽንኩር ብረታዊ ቃልሲ’ኳ ዘየንዘልሓጣ ነቲ ዝጠለመን ጉጅለ ህግደፍ ካብ ናይ ምንብርካኽን ናይ ለውጥን ቃልሲ ክርሕቃ ኣይነበረንን።

ምስዛ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ 8 መጋቢት፡ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ጸኒሕና? ናበይከ ነማዕዱ ኣለና? ኣብ ዝብል መዋጽኦ ዝድህስሳላ መድረኽ ምዃና ፍሉጥ እዩ። ብመንጽር’ዚ ነዛ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ዓመትዚ፡ ኣብ ሃገር ሆላንድ ከካይደኦ መዲበናኦ ዘለዋ ኣንጻር ህግደፍ ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ሰሚናርን መደብ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ እቲ ተበግሶ ቀጻሊ እምበር ዓመት ተጽቢኻ ኣብ ቅነ 8 መጋቢት ጥራይ ዝለዓል ክኸውን ኣይግበኦን። እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ፖለቲኣዊ ይኹን ማሕበራዊ ኩነታተን ብዘየገድስ ብሓባር ዝካይድኦ ሰልፍን ሰሚናርን ሰፊሕ ጽላል ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ምምስራት ከብጽሐን ዓብይ ትጽቢት ሰዲህኤ እዩ።

ጉዳይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ፍርቂ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነ፡ ንዓኣተን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ኩሉ ክጽዕተሉ ዝግበኦ ዕማም እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ብዘይተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ ኮነ ለውጢ የለን” ኢልና እንጭርሕ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ መሰረታዊ እምነቱ ነቒሉ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከም ዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ።” ብዝብል ኣስፊሩ፡ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ወሲዱ ክቃለሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን ንመጻኢ’ውን ዝቕጽሎ።

ሎሚ’ውን “ደቂ ኣንስትዮ ተንስኣ ተሎ ዝረኽበናዮ’ሎ ካብ ተመኩሮ” ዝብል ዜማ ተኽሊንክኤል ገብሩ ድማ ነባሪ እዩ

Last modified on Wednesday, 07 March 2018 22:38