ደሴት ሰላም’ዶ ገሃነም?

2018-03-08 22:06:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2729 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደገፍቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሳረ መከራ እናርኣይዎን እናፈለጥዎን፡ እንተስ ጸላእትና ከይሕጐሱ ካብ ዝብል ሕማቕ ኒሕ (ናይ ቲፎዝያ መርገጽ) ወይ ድማ ንሰላም ካብ ዘለዎም ዘይቅኑዕ ተረድኦ፡ ኤርትራ እኳ ደሴት ናይ ሰላም ኢያ ዝብል ናይ መላኺ መራሒኦም ጭርሖ ክደጋግሙ ኢዮም ዝስምዑ።

ጸላኢና ከይስሕቀና ወይ መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን ካብ ዝብል ስምዒት ወይ ኣረዳድኣ፡ ንጌጋኻ ከይኣረምካን ንድኽመታትካ ሸፋፊንካን ምቕጻል ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ውድቀት ዘምርሕ ጐደና ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ሓቂ ኢዩ። ብኣንጻሩ፥ ብጌጋታቱ ዝእመንን ብግሉጽነት ዝሰርሕን፡ ናይ ህዝቢ እምነትን ደገፍን ከሲቡ፡ ንዘጋጥሞ ብድሆታት ስዒሩ ንቕድሚት ኢዩ ዝስጉም። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብሃል።

ኤርትራዊ ዜጋ፡ ርእይቶኡን ስምዒቱን ብናጻ ክገልጽን ክጽሕፍን፡ ንዝደልዮ መራሒ ክመርጽን ከውርድን፡ ኣብ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪላዊ ማሕበር ክውደብ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይኹን ኣብ ወጻኢ ከም ድላዩ ክንቀሳቐስ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ደገፉን ተቓውሞኡን ክገልጽ፡ ካብ ዝደለዮ ምንጪ (መንግስታዊ ይኹን ካልእ) ሓበሬታ ክረክብ፡ ንስራሕን ንሓላፍነትን ክወዳደር፡ “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ” ብዝብል መርሆ ክሰርሕን ክመሃርን . . . ወዘተ ኣብ ዘይፍቀደሉ ኩነታት ሰላም ነጊሱ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ንነብስኻ ምትላል እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ዝበዀረላ፡ ፍትሒ ኣብ ዝጠፍኣላ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘይብላ ብድሌትን ፍቓድን ናይ ሓደ ውልቀ መራሒ ኣብ እትካየድ ሃገር ህዝባ ረድዩ ዘይኰነስ ፈሪሑ ርእሱ ኣድኒኑ እንተኸደ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ እናበኣልካ ምምኽናይን ምጅሃርን መኽዓቢኻን መንዓቒኻን ኢዩ። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ናይ ብሓቂ የውሃት ኢዮም። ዝተደጐለ ሓዊ ዘንበድብዶ ክረክብ እንከሎ ምጉሃሩን ቃልቃል ምባሉን ከምዘይተርፎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን ኢዩ።

ህዝቢ እውን ከምኡ፡ ንዘልኣለም ተዓፊኑ ኣይነብርን ኢዩ። ጭቆና ምስ መረሮን ክጻወሮ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጽሐን ክቃወም (ክነቱግ) ናይ ግድን ኢዩ። ናይ ተጋደልቲ ኣድማ፡ ናይ ወዲ ዓሊ፡ ጉጅለ 15ን ናይ መምህራንን ተምሃርን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያን ሰላማዊ ተቓውሞታት እንታይ ድዩ? ስእነት ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ዘበገሶ ተቓውሞታት’ዶ ኣይኰነን? እትረፍዶ ሰብሲ እንስሳ እውን እንተደኣ ኣጻቢብካላ ነብሳ ንምድሓን፡ ተጻይ መልሲ ትህብ ኢያ።

ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዝእሰረሉ፡ ጠበቓ ቆጺሩ ክምጉት ኣብ ዘይክእለሉ፡ ቤተሰቡ ክበጽሕዎን ከዛርብዎን ኣብ ዘይክእልሉ፡ ብዘስካሕክሕ ናይ ዓዛብን (torture) ማእሰርትን ኣገባብ ክብረ-ሰብእነቱ ኣብ ዝቕንጠጠሉ፡ ምህላዉን ምሟቱን ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነት፡ “ሃገር ሰላም ኣሎ” ኢልካ ምዝራብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ሰላም ማለት’ኮ፡ ውግእ ዘይምህላው ማለት ኣይኰነን።

እወ፡ ውግእ ዝለዓለ መግለጺ ናይ ስእነት ሰላም ምዃኑ ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብከምበዓልኤርትራዝኣመሰላ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኽበረለን ሃገራት፡ ህዝቢ ፈሪሑ እንተዘይተዛረበን ሰላማዊ ሰልፊ እንተዘይገበረን፡ ፈትዩን ረድዩን ይመሓደር ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፍአ ይመስል ተባሂሉ ጥራሕ ኢዩ ክግለጽ ዝከኣል። ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ግብጺ . . .ወዘተ ትማሊ ሰላም ዝሰፈነን ሃገራት ተባሂለን ይዝረበለን ነይሩ ኢዩ። ሎሚ’ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለዋ?

እዚ ኩሉ ዝፈትዋ ሃገሩን ዝፈትዎም ቤተሰቡን ገዲፉ፡ ስሓራን ጥሓራን ኣቋሪጹ፡ ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂ ሰባትን ግዳይ ጽምእን ኣራዊትን ኰይኑ ዘሎ መንእሰይ ሰላም ጸሊኡ ድዩ ዝስደድ ዘሎ?!!!!! ካብ ግሃነም እሳት ዝዀኖ መነባብሮ ሃዲሙ፡ ሰላም ንምርካብ’ዶ ኣይኰነን እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ? ኮታ ሰላም፡ ቅሳነት፥ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ማዕርነትን ፍቕርን ኣብ ዝሰፈነሉ ቦታ ኢዩ ዝርከብ።

Last modified on Thursday, 08 March 2018 23:11