EPDP Editorial

ወትሩ 20 ሰነ ህዝቢ ኤርትራ ምእንትኡ ኢሎም በጃ ዝሓለፉ ስውኣት ዝዝክረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ በዚ ሕጂ ንኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ዝተወሰነት ኮይና 1 ታሕሳስ ዝኽሪ ህልቂት ዖና እውን ከም መዓልቲ ስዉኣት እንዝክራ እያ። ስዉኣት ከምቲ ንገዛእ ርእሶም ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ብዙሓት ክኾኑ ዝተወፈይዎ በብመዓልቱ እንተዝዝከሩ እውን ኣይመበዝሖምን። ዕላዊ መልክዕ ንምትሓዙ ፍሉይ ወግዓዊ ዕለት ክህልዎም ከኣ ቅቡል እዩ። ስዉኣት ዝዝከርሉ ምኽንያት ፍሉጥ እዩ። ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ ንህልዋት ዝገደፍዎ ሕድሮም ምእንቲ ከይርሳዕ።

ስዉኣት ናይ ወለዶምን ቀረባ ቤተሰቦምን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ኩሉ’ቲ ሳልኦም ኣብ ነጻ ኤርትራ ኣትሪሩ ክረግጽን ዓው ኢሉ ክዛረብን በጃ ዝሓለፍሉ ህዝቢ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾኑ እዮም ከኣ ኣብ ልቢ ኩሉ ደላይ ሰላም፡ ልምዓትን ፍትሕን ወርትግ ፍሉይ ቦታ ዝህልዎም። ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብመንጽር ሕድሮምከ ከመይ ኣሎ? ተተግቢሩዶ ተጠሉሙ? ዝብሉ ሕቶታት ከኣ ኣብዚ ኣጋጣሚ ክሕሰበሎም ዝግበኦም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምሉእ ብምሉእ ከይተገላገለ’ውን፡ ኣባይ ሕጊ ንምጽዓድ “ዝባን ስዉኣት” ኢሉ ክግዝዝ እንከሎ ፈለከት ዝብል ኣይነበረን። እዚ ሓደ ካብ መርኣያታት ንስዉኣቱ ዝህቦ ክብሪ ነይሩን ኣሎን።

እቲ ኣብዚ ዕለት ነዞም ስዉኣት ምዝካር ንቡር ኮይኑ፡ ንዝኽሮም መምስቲ ዘለናሉ ኩነታት ኣሳኒና ክንርእዮ ከኣ ግድነት እዩ። ሕድሮም ምኽባር፡ ደጋጊምካ ወርቃዊ ጭረሖ ብምቅላሕን ዘተክዝ ደርፊ ብምስማዕን ኣይኮነን ዝግለጽ። ሕድሮም ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣግራብ ብምትካልን፡ ግኡዝ መዘከርታ ብምድኳንን ጥራይ እውን ኣይኮነን ዝረጋገጽ። ኩሎም እዚኣቶም መመላእታት እዮም። እቲ ቀንዲ ንሳቶም ክዝከርሉ ዝግባእ ሕድሮም ኣብ ሓፈሻዊ ህይወትን መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ ክንጸባረቕ እንከሎ እዩ። ዘየቕስኖም እንዳሰራሕካ “ስዉኣትና ቅሰኑ” ምባል ግና ዘቕስኖም ዘይኮነስ ብመስዋእትነቶም ዘሽካዕልልን መመሊሱ ዘቑስሎምን እዩ። እሞ ሎሚ ሕድሪ ስዉኣትና ብመንጽር’ቲ መሰረታዊ ሕመረቱ፡ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከብ። ኣብ ዘቕስኖምዶ ኣብ ዘሻቕሎም ከኣ እቲ ኩነታት’ኳ ባዕሉ ዝዛረብ እንተኾነ ምርኣዩ ኣገደሲ እዩ።

እቲ ንሳቶም ክቡር ዋጋ ዝኸፈልሉ፡ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ምኽባር ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ የለን። ተማሂሮም ንወለዶም ተኪኦም ሃገር ክመርሑን ከልምዑን ዝግበኦም ደቂ ስዉኣት፡ ኣብ ክንዲ ብመስዋእቲ ወለዶም ዝሕበኑ፡ ብኣኡ እንዳማረሩ፡ ኣብ ናብራ ስደት ከርፋሕ ህይወት ኣብ ዘሕልፍሉ ወይ ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደት ኣብ  ምድረበዳን ባሕርን  ዝሃልቅሉ ኩነታት ኢና ንርከብ ዘለና። ንኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጉጅለ ኣብቲ ስዉኣት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ዝተዘክርሉ ኣጋጣሚ  20 ሰነ  1991 “ደጊም ብዉድባት ሓሸውየ የለን” ኢሉ ኤርትራ ብድሌትን ውሳነን ናይቲ ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ዘይኮነስ ብትዕቢት ውሱን ጉጅለ ከም እትምራሕ ነጋሪት ምልኪ ምድሳቑ ሕድሪ ስዉኣት ናይ ምጥላሙ ምልክት ነይሩ። እነሆ ከኣ ብኣኡ ቀጺሉ። ስዉኣት ከኣ ኣብ ክንዲ ዝቐስኑ መመሊሶም ይቖስሉ ኣለዉ።

ስዉኣት ኤርትራ ናይቲ ዝተሰውእሉ ውድብ ወይ’ውን መንግስቲ ዘይኮኑ ናይ ህዝቢ እዮም። ናብ መስዋእቲ ዝወፈሩ ካብ ህዝቢ እዮም፡ ዝተሰዉኡ’ውን ምእንቲ ህዝቢ እዮም። ምዝካሮምን ሕድሮም ምኽባርን እውን፡ ግደ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል’ኳ ዘይስገር እንተኾነ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት እዩ። ህዝቢ ንጉጅለ ህግደፍ “መንገድኻ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን” ክብሎ እንከሎ ሕድሪ ስዉኣት ኣየኽበርካን ይብሎ ኣሎ ማለት እዩ። ነዚ ክቕጽሎ ከኣ ዘይጥለም ሕድሪ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እቶም ረቂቕ ሕድሮምን ለበዋኦምን እምበር ብኣካል ዘየለዉ ስዉኣት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብን ካብ ብሱል ጥረ ሰንኪሎም ዝተረፉ ሓርበኛታትን ዝኽተሎ ኣገባብ ክሳብ ክንደይ ጨካን ምዃኑ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተዘርበሉን እዩ። ብ11 ሓምለ 1994 ኣብ ልዕሊ ስንኩላን ማይ ሓባር ዝተወስደ ጨካን ስጉምቲ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ንዋጋ ስዉኣት ክብሪ ምንፋጉን ቃሎም ምዕባሩን፡ ዝተደናጋሩን  ኣብ ክብሪ ሰማእትነት ኤርትራውያን ዝጠራጠሩን ወገናት ክቀላቐሉ ንዕዘብ ኣለና። ንመስዋእቶምን ዝተሰውእሉ ዕላማን ዝፈታተን ኣተሓሳስባ። ነቲ ዕላማ ሽፍትነት ነቲ ሰማእትነት ድማ ተራ ሞት ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ። እዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ስዉኣት ወጊድ ክበሃል ዝግበኦ ዝንባለ እዩ።

እምበኣር ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ እንተ ብምንጻጉ ወይ ብምኽባሩ ምስ ሕድሪ ሰማእታት ምትእስሳር ዘለዎ እዩ። ግቡእ መልክዕ ናይ ምትሓዙ ዋኒን ከኣ ንጉጅለ ህግደፍ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ዋኒን ኩልና ደለይቲ ለውጥን በሃግቲ ፍትሕን እዩ። ብመንጽር እዚ ነቲ ኣዳዕዲዑ ሕድሮም ዝጠለመ ወጻዒ ኣካል ገዲፍና ሕድሪ ስዉኣትና ንዘይምዝንጋዕ ቃልና ነሕድስ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ” ኣውጺኡ ኣሎ። እዚ እማመ ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነ መሪሕነት ሰልፊ በብግዜኡ ካብ ኣባላቱን ዝተፈላለዩ ወገናትን ክቐርብ ዝጸንሐ ለበዋታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ክሓስበሉን ከጽነዖን ዝጸንሐ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን በቲ ሓደ ወገን ስርዓት ህግደፍ ኣርዑት ወጽዓኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ዘትረረሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ተቓውሞ ብናይ ሓባር ቃልሲ ከናግፍዎ ጻዋዒቱ መመሊሱ ዘስመዓሉ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ተቓውሞና’ውን በበይኑ ቀያርን ተካእን ሓይሊ ክኸውን ከምዘይክእል ተገንዚቡ ከብቅዕ፡ ዓቕሙ ኣወሃሂዱን ሰፊሕ ጽላል ፈጢሩን ብሓባር ክሰርሕ ኣብ ዘይበቐዓሉ መድረኽ ኢና እንርከብ። ብመንጽር እዚ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ሰዲህኤ እዋኑ ሓልዩ ዝመጸ እዩ ምባል ካብ መስመር ሓቂ ዝወጸ ኣይኮነን።

ናይዚ እማመ ትሕዝቶ ማእከሉ .ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን” ኮይኑ ኣብ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘትከለ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ማእከሎም “ ምቛም ህዝባዊ ስርሓት ዝከተተልን ዘካይድን ኣካል” ዝብል ሓሳብ ዝማእከሎም ብሓባር ዝስረሓሎም ኣገደስቲ መዳያት እውን ኣለልዩ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ እማመ ክሳብ ሕጂ ዝተፈተኑ ናይ ሓባር ጽላላት ከምቲ ትጽቢትና ስለ ዘይተዓወቱ እንኹንኖም ዘይኮኑስ ክንመሃረሎም ዝግበኣና ምዃኖም ኣነጺሩ ኣሎ። እዞም ሰዲህኤ ኣብ እማመኡ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት፡ ዝተፈላለዩ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከቃልሕዎም ምስ ዝጸንሑ ናይ “ሓቢርና ንስራሕ” ጭርሖታት ዝመሳሰሉ ስለ ዝኾኑ እቲ እማመ ባይታን እዋናውነትን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ሰልፍና ነዚ እማመዚ ከውጽእ እንከሎ ናይ ቅድሚ ሕጂ ድኸምታት ኣብ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ዳህሲሱ ክኸውን እንከሎ ንገዛእ ርእሱ ካብዚ ድኽመት ብምግላል ኣይኮነን። ብኻልእ ወገን ነዚ እማመ እዚ ከቕርብ እንከሎ ኣብ ምምዕባሉን ምንጻሩን ብመትከል እንካን ሃባን ናይ ዘተን እሂንምሂንን ኣፍደገኡ ብምኽፋት እምበር ናተይ ጥራይ ተቐበሉለይ ብዝብል ዓጋቲ መንፈስ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ እዞም ብሓባር ክንሰርሕ ንጥለብ ዘለና ናይ ለውጢ ሓይልታት ነናትና ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለና። መደብ ዕዮታትና ናብ ቅድምን ድሕርን ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝዓለሙ እዮም። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ከኣ ኣብ ክንዲ በቲ ሓደ ወገን  ዘመሳስለናን ዝፈላልየናን ካብ ምድውዋስ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ በበይኑ ስፍሓትን ዕምቆትን ዘለዎ ምዕራፋት ምድብላቕ፡ ብንጹር ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብቲ ውሱን ዘሰማምዓና ነጥብታት ተጊህካ ምስራሕ እዩ።

እቲ ካልእ መልእኽቲ ናይዚ እማመ ክሳብ ሕጂ ተጀሚሮም ኣብ መስርሕ ዘለዉ ንኡሳን ውዳበታትን ተበግሶታትን ነቲ ዝሰፈሐ ጽላል ብዘይጻባእ፡ ከም ዘለዉዎ ኮይኖም ንዓኣቶምን ኣብኣቶም ንዘየለዉን ዝሓቁፍ ዝሰፈሐ ጽላል ምፍጣር እዩ። ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዓይነት እማመ ከቕርብ እንከሎ እንታይ ሓድሽ ነገር ሒዙ ስለ ዝመጸ እዩ? ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ፍሉጥ እዩ። ብዙሓት ወገናት ከኣ ነዚ ነናቶም መልሲ ክህልዎም ይኽእል። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ፡ ናብ  ቅድሚ ሕጂ ምስኣተን ዘይሰርሐ ሓደስቲ ውድባትን ሰልፍታትን እማመ የቕርብ ከም ዘየለ ይርዳእ። ኣብቲ እማመ ጠቒስዎም ዘሎ ነጥብታት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻርተራትን መሰል ናይ ሓባር ሰነዳትን ዘይተጠቕሱ ከምዘይኮኑ ይግንዘብ። እንተኾነ ሎሚ ትማሊ ኣይኮነን። ሎሚ ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ከኣ ዘይተርፍ መስርሕ እዩ። ስለዚ ሓድሽ እንብሎ እቲ ኣብ ኩልና ተፈጢሩ ክህሉ ተስፋ እነንብረሉ፡ ጸዋር፡ ሓላዪ፡ ሓላፍነታውን ርትዓውን ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ሓቢርካ ምስራሕን ዘይምስራሕን ብመንጽር ሃገርና ኮነ ደንበ ተቓውሞና ናይ ምሕያልን ምድካምን ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ።

እማመ ስሙ ከም ዝሕብሮ ኣብ መስርሕ ዘተ ናብ ናይ ሓባር መሰማምዒ ተረድኦ ዝምዕብል ኣፈናዊ ተበግሶ እዩ። ስለ ዝተኣመመ ጥራይ ይዕወት ማለት እውን ኣይኮነን። ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ጻዕርን ቅሩብነትን የድልዮ እዩ። ብመንጽር እዚ መንፈስን ትሕዝቶን ናይዚ እማመ ናብቶም ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ብግቡእ ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ኣካላት ሰዲህኤ ዓብይ ዕዮን ወፍርን ይጽበዮም ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዕዞ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ምብጻሕ ካብ ኮነ፡ ነዚ እማመ ናብ ርትዓዊ መረዳድኢ ሰነድ ንምምዕባሉ ካልኦት ውድባትን ሰልፍታትን እውን፡ ውልቀሰባት ወይ ውድባት ዘይኮነ “ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ” ከም ማእከላይ ነጥቢ ወሲዶም ክዓምዎ ዝግበኦም  ዕማም ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና::

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዋኑ ኣብ ዝሰሓተ ውድድር ተኣሊኽና፡ ነቲ ቀንዲ ዕማም ዘመንና ዝኾነ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ዝግብኦ ትዅረትን ክብርን ከሊእናዮ ኢና። በዚ ዘየድማዒ ቀዳምነታት ዘመሳቕል፡ ዓቕምና ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ዘህልኽ ኣገባብ ኣቀላልሳ እንተቐጺልና ዕድመ መለኽቲ ክነውሕ ስቅያት ህዝብና ድማ መመሊሱ ክውስኽ እዩ። በዚ ምኽንያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሓባራዊ ዕማም ዘደንፍዕ ንኹሉ ዓቕምና ኣብ ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ዝሰርዕ ተበግሶ ክውሰድ ህጹጽ እዋንና ዝጠልቦ ዘሎ ጠለብ ምዃኑ ይርኢ ኣሎ።

ንታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ምልስ ኢልና እንተርእናዮ ብመንፈስ ውድድር ዝቖሰለ መደባትን ምትእኽኻባትን ኢና እንርኢ። ውድድር ኣብ መንጐ ውድባት ኤርትራ፡ ውድድር ኣብ ሲቪክ ማሕበራት፡ ውድድር ኣብ ህዝባዊ ተበግሶታት፡ ውድድር ኣብ ምንቅስቓስ መንእሰያት፡ ውድድር ኣብ ስርርዕ ደቂ ኣንስትዮ ወዘተ።  ኩሉ መንፈስና ኣብ ውድድር ተጸሚዱ ሓባራዊ ስራሕና ምስ ቆሰለ፡ ዕማም ምልጋስ ምልካዊ ስርዓት ተዓንቂፉ ዓቕምና ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ሃሊኹ እዩ። ጌና ውን ይሃልኽ’ዩ ዘሎ።

ዝፈጠርናዮም ውድባት፡ ጽላላትን ልፍንትታትን ንሓባራዊ ዕማም እዋንና ኣሳለጥቲ ክኾኑ ኣይከኣሉን። እንተወሓደ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ኣብ ዜናዊ፡ ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ሓባራዊ ስራሕ ክህሉ ዝግብኦ ፍጹም ትኽረት ከሊእናዮም። ነቶም ሕጂ ብዓቕምና ከነሳልጦም እንኽእል ከየሳለጥና ብዛዕባ ዓብይ ዓቕሚ ዝሓቱ ጉዳያት ክንዛረብን ክንቋየቕን ክቡር ግዜና ኣጥፊእና ኢና። ካብ’ዚ ኣህላኺ መንገዲ ክንወጽእ እንተዘይክእልና ከኣ ኩሉ ንህዝብና እንህቦ ዘለና መብጽዓታት ከንቱ ኮይኑ ክተርፍ እዩ።

 እንታይ እንተተገብረ ድኣ ይሓይሽ? 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኩሉ ዓቕምና ኣንጻር ምልኪ ይቕናዕ” ዝብል ጭርሖ ሒዝና ንሓባራዊ ስራሕ ዘደንፍዕ ተበገሶ ክውሰድ እዋኑ ዝኣኸለ ምዃኑ ይርኢ ኣሎ። ኩሎም ዝፈጠርናዮም ውዳበታት ይኹኑ ጽላላት መሳለጥቲ እምበር ዓንቀፍቲ ሓባራዊ ስራሕ ክኾኑ የብሎምን ይብል ኣሎ። ነዚ መንፈስ’ዚ ዝሰማምዑ ኣካላት ከኣ ግዜ ከይወሰዱ ኣብ ልዝብ ክኣትው እዋኑ ከምዝኣኸለ ይርኢ ኣሎ። ንሓባራዊ ስራሕ ዝምልከት ሓዲሽ እማመ ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዕሊ ወጺኡ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ቅነ ዝኽሪ መበል 26 ዓመት ነጻነት ኤርትራ፡ መራሕቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ማዕከናት ዜናን መድረኻትን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣስተምህሮኣዊ መብርሂ ክህቡ ቀንዮም። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ኣብ ሬድዮ ኤረና፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ መርበብ ዓዋተ፡ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ኣብ ቲቪ ቴምፖ ኣፍሪክ፡ ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ኣብ ርክብ ኤርትራውያንን ሽውደናውያንን ኣቶ ተኽለ መለኪን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንሓርነትን ብመልክዕ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቓትን ዘቕረብዎም ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ብዘይካዚ ኣቶ ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶን እውን ኣብ ምምዕባል ውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፊ ዘድሃቡ ኣስተምህሮታት ንኣባላት ሰልፊ ምሃቦም ዝዝከር እዩ።

እዞም መራሕቲ ሰዲህኤ ዘድሃብሉ ጉዳያት ብሓፈሻ ኣብ ሰልፋዊ ክሊ ከይተደረቱ፡ እንተላይ ኣብ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ዘተኮሩ ኣስተምህሮታት እዮም ሂቦም። ዝያዳ ንምጥቃሶም ዝኣክል ካብ ዘተኮሩሎምን ዘብርህዎምን ዛዕባታት፡

  • ብደሆታት ኣብ ግዜ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ።
  • ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጠሙ ፍልልያትን ናብ መሪር ሕድሕድ ውግእ ምምረሖምን ዘሕደርዎ ኣሉታዊ ስንብራትን።
  • ኣብ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ 1991 ናይ ሎሚ ገዛኢ ህግደፍ ዝፈጸሞ ጌጋታትን ሳዕቤኑን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተጽዕኖ ክፈጥሩ ዝግበኦም ዝነበሩ ወገናት ግበኦም ዘይምፍጻሞምን።
  • ግደ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነትን ብሰንኪ ህግደፍ ሞሳኡ ከም ዘይረኸበን።
  • መንእሰያት ኤርትራ ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ምርካብ ዘኽእሎም ሚዛናዊ ንቕሓት ክቐስሙ ከም ዝግበኦም።
  • ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ህይወትን ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘካይዶ ዘሎ ሸርሕታትን።
  • ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ህይወት ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ መጻብቦ ንክወጽእ ሓይልታት ተቓውሞ ብሓባርን ብግልን ክዓምዎ ዝግበኦም ዕማማት።
  • ፈተውትን መሓዙትን ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋት ቃልስና ከወፍዩ ምጽዋዕ።
  • ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዝምረሓሉ ፖሊሲን ዝቕየደሉ ደሞክራሲያዊ መትከላትን

ምብራህ እቶም ቀንድታት እዮም።

እዚ መግለጽታት፡ ብሓደ ወገን መርገጽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘብርሀን ውሽጣዊ ዓቕሚ ኣብ ምሕያል ዝሕግዝን ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ክሊ ሰዲህኤ ከይተሓጽረ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ኩነታት እውን ዘብረሀ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣቲ ብመልክዕ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቕን ዝተዋህበ ሓባርን መሃርን መግለጽታት፡ ህዝቢ ኩነታት ተረዲኡ ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍ ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ግሉጽነት ባህሊ ኣብ ምዕኳዅ እውን ናቱ ብጽሒት ኣለዎ። እዚ በቲ ዝተፈላለዩ ወገናት ሰሚዖምን ኣንቢቦምን  ዝህብዎ ዘለዉ ግብረ መልሲ ተረጋጊጹ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቃልስና ይረኣዩ ካብ ዘለዉ ጸገማት፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተወልደ ወይ ኣብ ግዜ ነጻነት ህጻን ዝነበረ ኤርትራዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሚዛናዊ ግንዛበ ዘየብሉ ምዃኑ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንግደ ዝተፈላለዩ ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን ክሒዱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ሓደ ሸነኻዊ ጥምዙዝ ታሪኽ ከስርጽ ስለ ዝፍትን፡ እዚ ብቅኑዕ ሚዛናውነት ክትካእ ናይ ግድን እዩ። እዚ ብመራሕቲ ሰዲህኤ ክወሃብ ዝቐነየ መብርህታት ከኣ ኣብዚ መዳይዚ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርሑቕ ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ክሓስብ እንከሎ፡ በቲ ብዝሐን እዩ ዝስከፍን ዝስንብድን። ብዛዕባ መትከላት ነፍሲ ወከፈን ዘለዎ ኣፍልጦ፡ ብሰኒ ጉጅለ ህግደፍ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ከኣ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝቃላሕ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ነየነይቲ ውድብ ከም ዝድግፍ ኣብ ምውሳን ኣብ ዝጽገምሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ብዛዕባተን ዝድግፈን ወይ ዝቃወመን ውድባት ግቡእ ኣፍልጦ ከይረኸበ ዝወስዶ ምርጫ ኣብ ጌጋ ከም ዘውድቖ ከኣ ንዕዘብ ኣለና። ናይተን ውድባት መንነት ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክርዳእ ኣብ ዘይከኣለሉ ምርጫኡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ዝንባለታት ክምርኮስ ከም ዝግደድ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ንምድሓን እምበኣር ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝኽተለኦ ፖሊሲታት ናብ ህዝቢ ከቕርባ ግድነት እዩ። እዚ ክረጋገጽ ካብ ዝኽእለሉ ኣገባባት ሓደ ከኣ ብኸምዚ ብመራሕቲ ሰዲህኤ ክወሃብ ዝቐነየ ኣስተምህሮ እዩ። እዚ ብካለኦት ውድባት እውን ክሰዓብ ዝግበኦ ኣብነታዊ ተግባር እዩ። ሰደህኤ ከኣ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ክቕጽሎ እዩ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝነጥፋ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መድረኽ ቀሪቦም፡ ኣብ ህልዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ዘለዎም ሚዛንን፡ መተካእታኦም ድሕሪ ውድቀት ህግደፍን ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ምትብባዕ ሓደ ካብ ዝተሰለፋሉ ዕላማ እዩ ዝብል ተረድኦ ኣለና። ቆላሕተአን ድማ ጌጋ ንምጉላሕን ፍልልያት ንምግዳድን ዘይኮነ፡ ባህሊ ምጽውዋርን ምክእኣልን ምኽባር፡ ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ክኸውን ይግበኦ። ብመንጽር እዚ ንሓለፍቲ ሰደህኤ ዝኸፈተኦ ኣፍደገ እንዳነኣድና ምስኣቶም ኮነ ምስ ካለኦት መርሕቲ ውድባት ክቕጽለኦ ከኣ ነተባብዐን።

ሓደ ጉዕዞ መጀመርን መዕረፍን ኣለዎ። እቲ ኣብ መንጎ መበገስን መዕረፍን ዘሎ ርሕቀት ከከም ባህሪ ናይቲ ዕማም ቀሊል ወይ ከቢድ፥ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣብ መንጎ’ዚ ኣገደስቲ ነጥብታት መበገስን መዕረፍን ዘሎ ጉዕዞ እቲ መስርሕ ንብሎ ዘለና እዩ። ነዚ መስርሕ ኣብ ምሕጻር ወይ ምንዋሕ ናይቶም ነቲ መስርሕ ዘካይድዎ ኣካላት ሓፈሻዊ ብቕዓት ዝመዝን እዩ። እዚ በዓልቤታዊ ኮይኑ ነቲ መስርሕ ዝቕልስ ወድዓዊ ምኽንያታትን እቶም ተዋሳእቲ ክንቅይሮ ዘይንኽእል ዝግዘኣሉ ሕግን እውን ኣለዎ። ቀሊል ኣብነት ንምቕራብ፡ ካብ ሓደ ቦታ ብመኪና ነቒልካ ኣብቲ እትደልዮ መዓርፎ ንምብጻሕ ናይቲ ዘዋሪ ክእለትን ናይታ መኪና ብረታዐን ዓይነትን ዓብዪ ብጽሒት ኣለዎም። ግና ከኣ ባህሪ ናይቲ መንገድን መኪና ናይ ምምራሕ ሕግን እውን ብጽሒቶም ኣትሒትካ ዝረኣይ ኣይኮነን።

ካብ ምጅማር ክሳብ ምፍጻም ንምብጻሕ ዝኽየደ መንገዲ ከከም ባህሪ ናይቲ ከተዕውቶ እትቃለሰሉ ዕላማ ክፈኩስን ክኸብድን ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ዝኣመትካዮ መዓርፎ ምእንቲ ክትበጽሕ፡ ኪኖ ምጅማር ጉዕዞ፡ ነቲ መስርሕ ህይወት፡ ግዜ፡ ጉልበትን ዝተፈላለዩ ዓይነት ንዋትን ክትከፍለሉ ግድን እዩ። ነዚ ክትከፍል እንተዘይክኢልካ ግና እቲ ዕማም ህያው ኮይኑ፡ እቲ መስርሕ ግና ይዝሕትል። ኣብቲ ከም መዓርፎ ዝሓሰብካዮ ሸቶ ከኣ ኣይትበጽሕን።

ናይዚ ግብራዊ ኣብነት ንምጥቃስ ናብ ተመኩሮና ኢና እንመጽእ። ብዙሕ ንድሕሪት ከይተመለስና ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 እዩ ተጀሚሩ። ብ1991 ድማ ናጽነት ኤርትራ ብምርግጋጽ መዓርፎ ረኺቡ። ኣብ መንጎ እቲ መንቀልን መዕረፍን ናይ 30 ዓመታት መስርሕ ነይሩ። እዚ 30 ዓመታት ብደረጃ መዕቀኒ ግዜ ነዊሕ እዩ። ዕድመ ሓደ በጽሒ እዩ። ነዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዝያዳ ነዊሕ ዝገብሮ ከኣ 30 ዓመታት ምዃኑ ዘይኮነ፡ እቲ መስርሕ ዝሓለፎ ኣዝዩ ሓባጥጐባጥ መስርሕ ጥራይ ዘይኮነ ዝተኸፍሎ ሓፈሻዊ ዋጋ ብፍላይ ከኣ ናይ ህይወት ኣዝዩ ከቢድን ክቡርን ምንባሩን እዩ። ከም ድሌት ኤርትራውያን እቲ ቃልሲ 30 ዓመታት ዘይኮነ 30 ወርሓት ክወስድ’ውን ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሪ ስለ ዝነበሮ 30 ዓመታት ወሲዱ። ኤርትራውያን ተቓልስቲ ውጽኢት ብሃውሪ ኣብቲ ዝተመነኻዮ ግዜን ኣገባብን ዝሕፈስ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ነብሱ ዝኸኣለ ብዙሕ ባእታታት ዝዋስእሉ መስርሕ ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ንምሉእ እቲ ካብ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ ዝማዕበለ መስርሕ ቃልሲ ዘዝተሓተትዎ ዋጋ እንዳኸፈሉ ተጸብየምዎ። ከም ትጽቢቶም ድማ ተረጋጊጹ። ግና ምሉእ ኣይኮነን።

ምስዚ ዝሳነ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ መሪር ውግእ ሕድሕድ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ 80ታት ነፍሰሄር ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ራእሱ (ሓረስታይ) ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ገርጠጥቲ ኣብ እትበሃል ቁሸት ናይ ሓያሎ ተጋደልቲ ኣኼባ ኣካየደ። ካብቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ “ንሰውራ ብመሰረቱ ከመይ ኢኻ እትገልጾ?” ኢሉ ሓተቶ። ስዉእ ስዩም ኣብ ምግላጽ ህልዊ ኩነታት ሜዳ ኤርትራ ኣተኲሩ ስለ ዝነበረ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣይተጸበየን። እንተኾነ ነዚ ሕቶዚ ብኣብነት ኣሰንዩ ንምምላስ ከምዚ ዝስዕብ በለ። “ሰውራ ብመንደራጉሕ ይምሰል እዩ። መንደራጉሕ ክጅምር እንከሎ ብዙሕ እምኒ ኣንቀሳቒሱ ብናህሪ ይኸይድ። ኣብቲ መስርሕ ግና ገሊኡ ካብቲ ኣእማን የማነጸጋም እንዳተጸገዐ ካብቲ መስርሕ ይተርፍ። እቲ ዝቕጽል ድማ ካልእ እምኒ ፈናቒሉ እንዳሰለፈ፡ ክሳብቲ ቁልቁል ወዲኡ ጥጠው ዝብለሉ ጐልጎል ቦታ ይበጽሕ፡ ኣብዚ መስርሕ ካብቶም ጀመርቲ ክሳብቲ መወዳእታ መዕረፊ ሜዳ ኩሎም ዘይክበጽሑ ይኽእሉ። እቶም ክሳብ መወዳእታ ናይዚ መስርሕ ዝበጽሑ፡ ንባህርያት እቲ መስርሕ ተረዲኦም ብተጸዋርነት ኩሉ ዝተሓተትዎ ዋጋ ክኸፍሉ ዝኸኣሉ ጥራይ እዮም” በለ።

ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ግዜን ካልኦት ጸለውቲ ምዕባለታትን ነናቶም ተጽዕኖ ከም ዘለዎም ፍሉጥ ኮይኑ፡ ኩሉ ውጽኢት ብመስርሕ እዩ ዝብጻሕ። መስርሕ ባዕሉ ለውጢ ከምጽእ እትጽበዮ ዘይኮነ፡ ሓያል ተዋሳኣይ ኮይንካ ብሓባር እትዋሰኣሉ ናይ ቃልሲ መድረኽ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን በሃግቲ ደሞክራሲ ሎሚ እውን ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢና ዘለናዮ። እዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት መስርሕ ቃልስና ካብቲ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኸበደ እምበር ዝቐለለ ከምዘይኮነ ተረዲእና ኣለና። ምናልባት ደኣ ብዓይነቱ ይፍለ ይኸውን እምበር ብኽብደቱ ካብቲ ናይ ሽዑ ዘይንእስ ዋጋ ይሓተና ከም ዘሎ ከኣ ክንርደኦ ኣለና። እቲ ዋጋ ገሊኡ በዓል ቤታዊ እዩ። ገሊኡ ድማ ወድዓዊ። እቲ ወድዓውስ ኣብ ኢድና ኣይኮነን ዘሎ፡ እቲ ዘተሓሳስብ ግና ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ በዓልቤታዊ ዋጋ እውን ክንከፍሎ ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ በዓልቤታዊ እነረጋግጾ ድማዕ ከኣ ነቲ ወድዓዊ ተጽዕኖ ከም ዘፍኩሰልና ርዱእ እዩ። በዚ ድኽመትና ዝሻቐሉ ብዙሓት እዮም። ሻቕለቶም ከኣ ግቡእ ሻቕሎት እዩ። ግን ድማ እዚ ዘረደኣና እቲ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ከቢድ ምዃኑ እምበር፡ በዚ ኣቢልካ ዝብጻሕ መዓርፎ ወይ ውጽኢት የለን ናብ ዝብል ምቑራጽ ተስፋ ዝወስድ ከምዘይኮነ እዩ። እቲ እንምነዮ ደሞክራሲ፡ ሰላም፡ ልምዓትን ቅሳነትን ኣብ ኤርትራ ክብጻሕ ዝከኣል እዩ። ብትምኒት ዘይኮነስ ዋጋ ብዝኽፈሎ መስርሕ።

ሕጂ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መዳያት ብፍላይ ድማ ብሓባር ከስርሓካ ዝኽእል ጽላል ክትፈጥር ምኽኣል ዘይድፋእ ጎቦ ኮይኑና ከም ዘሎ ንርኢ ኣለና። እንተኾነ እዚ ጎቦ ካብቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጥም ዕንቅፋታት ሓደ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ኣይኮነን። ደፊእካ ንሓዋሩ ዘይፈርስ ኣይኮነን። ከም ውጽኢት እኩብ ድምር ናይቲ ክሳብ ሕጂ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ እዚ መስርሕ ሓደ መዓልቲ ኣብ መዕረፊ ከም እነብጽሖ ብምሉእ ልቢ ኣሚንና ክንቃለሶ ከኣ መተካእታ የብልናን።

ንሓደ ጉዳይ ወይ ተመኩሮ፡ ካለኦት ከዘንትዉልካን ባዕልኻ ተሳታፊኡ ክትነብርን ይፈላለ እዩ። እንተኾነ ንሓደ ተመኩሮ ወይ ፍጻመ ኣብኡ ኮይነ ስለ ዘይረኣኹዎን ዘይተሳተፍኩዎን ኣይቅበሎን ኣይፈልጦን ምባል ጠቓሚ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ዘይነበርካሉ ግዜ ዝተፈጸመ እሞ ክትመሃረሉ ዝግበኣካ፡ ብመጀመርያ በቲ ሎሚ ዝረአ ውጽኢቱ ምምዛን ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ተመኩሮ ዝነበሩ ንዘዘንትዉዎ እውን ዋኒነይ ኢልካ ምስትብሃሉ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። ብዛዕባቲ ፍጻሜ ዝጸሓፍ ሰነዳት ከም መወከሲኻ ምውሳድ ከኣ ካልእ ትማልን ሎምን ናይ ምትሕሓዝ መንገዲ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ ሽዑ ዝነበረ ንሃብታም ተመኩሮኡ ሒዝዎ ክሓልፍ፡ እቲ ተካኢ ከኣ ከም ብሓድሽ “ሀ” ኢሉ ክጅምር እንተኾይኑ እቲ ናይ ምቅጽጻል ሰንሰለት ይብተኽ። ምብታኸ ከኣ ሳዕቤኑ ብርሰት እዩ።

ነዚ ኣበሃህላ ከም ኤርትራውያን ናብ ተመኩሮና ክንቃንዮ እንከለና፡ ቃልስና ብዙሕ ግና ከኣ ኣብ ሕድሕዱ ዝተሓሓዝ ምዕራፋት ኣለዎ። ርሑቕ ከይከድና ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና ንሕና ዋናታቱ ጥራይ ዘይኮና፥ ካለኦት ወገናት እውን ነዚ ብኹሉ መዳያት ሃብታም ዝኾነ ተመክሮና ክመሃርሉ ዝግበኦም እዩ። ብፍትሓውነት ቃልሲ፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ተቓለስቱን ዘይስልኪ ደገፍን ተሳተፍነትን ህዝብን ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ። ኣብቲ ማዕበል ቃልሲ ዘይነበረ ሎሚ ግና ተዋሳኢ ዘሎ መንእሰይ ነዚ ተመኩሮ እዚ ከም መንጠርን መበገስን ንናይ ሎምን ጽባሕን ቃልሱ፡ ክመሃሮ፡ ክመራመረሉን ክኽብሮን ናይ ግድን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚ ትማሊ ስለ ዘይኮነ፡ ንናይ ሽዑ ድኽመት “ከምዚ ክግበር ኣይነበሮን” ኢሉ ፍትሓዊ ነቐፈታ ተንበረሉ ዝጽላእ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ካብቲ ጌጋ ዝመሃር ነቲ ዝነቐፎ ጌጋ እንተደጊምዎ ግና ፋይዳ የብሉን። ሕሉፍ ሓሊፉ ንናይ ትማሊ ተመኩሮ ምኽሓድን ምጽላሙን ግና ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣብ ዕንክሊል ምንባር ምዃኑ ግንዛበ ክውሰደሉ ዝግበኦ እዩ።

ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከተገናዝብ ክትክእል፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ኣተሓሳስባ ምውናን ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ፍትሓውነትን ደሞክራስያውነትን ከከም ኩነታትካ ብዝምድናዊ ዓይኒ ክረኣዩ ምዕዛብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ብውሑዱ ግና ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ግዝኣተ ሕግን ዝኣምኑ ኣካላት ክሰግርዎም ዘይግበኦም መሰረታዊ መትከላት ኣለዉ። ካብዚኣቶም ትካላዊ ኣሰራርሓን ግዝኣት ኣብዘሓን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ እዮም። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኮኑ ውድባዊ ኣካላት እንታይ ክገብሩ ከም ዝፍቀደሎም እንታይ ከይገብሩ ከም ዘይፍቀደሎም ዝድረትን ነናትካ ሓላፍነት ዘነጽርን መርሆ እዩ። ነዚኣቶም ኣትሪርካ ከይሓዝካ ብዛዕባ ደሞክራሲ ጠጥዕሙ ምምዳር ፍረ ኣይህልዎን።

ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ደሞክራስያዊ መትከላት ቅዩድ ዘይምዃን ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ይከኣል። ንኣብነት በዚ መንጽር ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንተማዕደና፡ ናይቲ ግንባር ኣቦመንበር ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣየኽብርን ጥራይ ዘይኮነ ከም ኣሰራርሓ’ውን ኣይቅበልን። ብመንጽር እዚ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታትን ሞያዊ መዳያትን ኢዱ ከእቱ ንዕዘቦ። ብዓብይኡ ድማ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ዝኾነ ስኑድ ናይ ኣሰራርሓን ዝምድናን ቅዲ የብሉን። ኣዝዩ ውሱን እንተለዎ ከኣ ይጥሕሶ። እዚ ኩሉ ደሚርካ ክረአ እንከሎ ጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መላኺ መራሒኡ፡ ነዚ ኣገባብ ዝመርጽ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ተመለስ ዝብሎ ዘየብሉ፡ ከም ድላዩ ክዕንድር ስለ ዝደለየ እዩ። ክቐትል፡ ክኣስር፡ ውግእ ክኸፍት፡ ንብረት ህዝቢ ክምንዝዕ ኩሉ ዓይነት መሰላት ክግህስ እንከሎ መኒኻ ዝብሎ የብሉን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሕጊ ጥሒስካ” ከይበሃል ብዘይ ቅዋምን ሕግን ክመርሕ ወሲኑ። ንሱስ ድሕሪ ሕጂ ናብ ሕግን ስርዓትን ከምዘይምለስ ነፊጹ እዩ። ንሕናኸ ካብዚ ግናይ ተመኩሮኡ እንታይ ንመሃር እዩ እምበኣር እቲ ከነቕልበሉ ዝግበኣና ቁምነገር።

መስርሕ ደሞክራሲ ብባህሪኡ ብዙሓት ዘሳትፍ እዩ። እዞም ብዙሓት ክንድቲ ብዝሖም ከድምዑ፡ ናተይ ኢሎም ከስርጽዎን ክምርሕሉን ዝኣምንዎ ኣተሓሳስባታት ኣለዎም። ብሓባር ክሳብ እተሰለፍካ ዝፈላሊ ጉዳያት ከፍጠር እንከሎ ከም ሓደ ብሃንደበት ዘጋጠም ሓደጋ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ሓባር ቃልሲ ከም ውሁብ እትጽበዮ እዩ። ምስ ኣጋጠመ ድማ ንናይ ኩልኻ ኣተሓሳስባ ዕድል ብዝህብ ብናይ እንካን ሃባን መርሆ ምፍታሑ መለለይ ደሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ እዩ። ኣብ ንኩልኻ ዘማእክል ጭብጢ ክትበጽሕ ከኣ “ኣነ ቅኑዕ እየ፡ ካለኦት ግና ግጉያት” ካብ ዝብል ስስዐ ክትላቐቕ ዘይስገር እዩ። ካብ ጸቢብነትን ትምክሕትን ርሒቕካ፡ ተጸዋርነትን ሕድገትን ዕጥቅኻ ክኾኑ ከኣ መተካእታ የብሉን።

ከምቲ ዝተጠቕሰ ብዙሓት ኮይንካ ሓደ ዕላማ ከተዕውት ክትቃለስ እንከለኻ ኣብ ሓደ ጉዳይ ብዙሓት መማረጺ ሓሳባት ክቐርቡ እትጽበዮ እዩ። ነዚ ሓሳባት ኣቀራሪብካ ኣብ ሓደ ንኹልኻ ዘሰማምዕ መማረጺ ሓሳብ ክትበጽሕ ምኽኣል ቀዳምነት ዝወሃቦ ምርጫ እዩ። እዚ ኣብ ዘይኮነሉ ከኣ ካብቲ መማረጽታት እቲ ብዙሓት ዝደገፍዎ ሓሳብ ንኹልኻ ዝገዝእን ዝትግበርን ውሳነ ክኸውን ኣብ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ መባእታዊ እዩ። ድሕሪ ኣብ ውሳነ ምብጻሕ ኣብቲ ናብ ውሳነ ንምብጻሕ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ዝለዓሉ ዝነበሩ ሓሳባት ቅድሚት ኣይመጹን እዮም። ንርኢቶ ውሑዳት ኣብቲ ቅድሚ ውሳነ ዝካየድ ክትዕ ማዕረ ዕድል ይወሃቦ። ድሕሪ ውሳነ ድማ ክትግር ዘይኮነስ ንክስማዕ መሰል ምሃብ ደሞክራሲያዊ ኣተሓሕዛ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ውሳነ ዘይተጠቕሱ ግና ድማ ኣብ ግዜ ክትዕ ዝለዓሉ ዝነበሩ ነጥብታት ንቕድሚት ኣምጺእካ ከተተግብር ምፍታን ሳዕቤኑ ጸገም ስለ ዝኾነ ቅቡል ኣይኮነን።

ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ፍጹም ምፍልላይ ፍጹም ምስምማዕ ዝበሃል የለን። ምናልባት እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መመቀሪኡ እዩ ምባል ይከኣል ይኸውን። ኣብ ሓደ ጉዳይ ምምፍልላይ ዝመጽእ ተፈላለይቲ ነናቶም ተረድኦ ሒዞም ተገቲሮም እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓቂ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ኣብቲ ግጉይ ኢልካ እትነጽጎ ሓሳብ ቅኑዕን ዘቀራርብን ከም ዝህሉ፡ ኣብቲ ቅኑዕን ኢልካ ናተይ እትብሎ ከኣ ዘይቅኑዕ ከም ዝህሉ ክትቅበል ዘይምኽኣል ዘምጸኦ ጸገም እዩ። እቲ ዝኸብድን ኣብ ዘይምስምማዕ ዘነብርን ከኣ ነቲ ኣብቲ ግጉይ እትብሎ ዘሎ ሓቅን ኣብቲ ቅኑዕ እትብሎ ዘሎ ድኽመትን ከተለሊ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

እምበኣር እቲ ጸገም ኣብቲ ፍልልይ ምፍጣሩ ወይ ምግጣሙ ኣይኮነን ዘሎ።  ኣብ ኣተሓሕዛኡ እዩ ዝፍጠር። ብዓብይኡ ከኣ ንኹሉ ጉዳያት ከከም ጠባዩ ከመሓድር ዝኽእል ሰፊሕ ኣተሓሳስባን ክጾሮ ዝኽእል ሃብታም ትዕግስትን ክትውንን ዘይምብቃዕ እዩ። ነቲ ጌጋ ግጉይ፡ ነቲ ቅኑዕ ከኣ ቅኑዕ ክትብል ርትዓዊ ምዃን የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ግና ወርትግ ነታ ሓቂ ዝበልካያ ናባኻ ክጐትት ነታ ግግይቲ ዝበልካያ ድማ ናብ ካልእ ክትደፍእ ኢኻ እትነብር። እዚ ምስሓብን ምድፋእን ኣብ ርትዓዊ መሰረት ስለ ዘይተመስረተ ትደክም እምበር ሓቀኛ ውጽኢት ወይ ፍታሕ ዘይተመዝግበሉ እዩ።

እዚ ማለት ንቅኑዕ ኣይትንኣድ ወይ ኣይተተባብዕ፡ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ኣይትበል ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንሓቂ ክትንእድ እንከለኻ ነቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ናይ ካልኦት ሓቂ’ውን ካብቲ ጌጋኦም እትብሎ ፈሊኻ ምንኣድ ኣገዳሲ እዩ። ንጌጋ ክትነቅፍ እንከለኻ እውን ነቲ ናይ ካልኦት ድኽመት እትብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ንስኻ ከም ሓቂ ሓቚፍካዮ ዘለኻ ዘሎ ናትካ ሕጽረት እውን ካልእ ክሳብ ዝነግረካ ከይተጸበኻ ኣሚንካ ንቐፎ ንምባል ዝኣክል እዩ። ንናትካ ጌጋ ኣሚንካ ምንቃፍ ኣብ መጻኢ ኣሪምካ ብዝሓሸ ቅኑዕ ክትትከኦ ስለ ዘኽእለካ ርትዓዊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ግጉይ ዝብልዎ፡ ነቲ ግጉይ እትብሎ ድማ ቅኑዕ ዝብልዎ ወገናት  ከም ዘለዉ ምእማን ኣብ  ኣተሓሕዛ ጉዳያት ነብሱ ዝኸኣለ ውሕልነት እዩ። ንስኻ ዘይረኣኻዮ ጌጋ ዘርእየካ ከኣ ሓጋዚኻ እምበር ጸላኢኻ ጌርካ ክትወስዶ ኣይግባእን። “ብጻይካ መስትያትካ’ዩ” ከም ዝበሃል።

ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይከ ግጉይ ኣብ ምልላይ ካብ ዘጸግሙና ምኽንያታት ንሓደ ተረኽቦ፡ ኣብ ክንዲ ብኹሉ ኩርነዓቱ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ምርኣይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሽግር ክትፈትሕ እንከለኻ ሓደ መዋጸኦ ኢልካ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ምስራሕ ምስ ኣበየካ፡ ኣብ ክንዲ ግድን እዚኣ ጥራይ እያ እታ መንገዲ ኢልካ ኣብኣ ምድራቕ ወይ ድማ ዘይፍታሕ ግድል እዩ ኢልካ ካብ ቃልሲ ምብኳር ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ምድላይ፡ ሓደ መርኣያ ናይ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዘይምድራቕ እዩ። ኣብ ሓደ ስጉምቲ ፈቲንካዮ ምስራሕ ዝኣበየ ሓሳብ፡ እንደገና ናብ ካልእ ፈተነ ሒዝካዮ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ እቲ ካልእ ፈተነ ብኻልእ ሓድሽ ሓሳብ ክግጠም ይግበኦ። ንኣብነት ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኩልና ከም ዘይዝንገዖ ኣብቲ ኣርባዕተ ቻርተራት ዘጽደቕናሉ መስርሕ ብሓባር ምስራሕ፡ ክፈላልዩና ዝጸንሑ ሓሳባት ኣብ መጻኢ ፈተናና መሊስና ሒዝናዮም ክንቀርብ ኣይግበኣና።

ብመሰረቱ ክሳብ ሕጂ ጽላል ፈጢርና ብሓባር ንምስራሕ ዝገበርናዮ ፈተነታት ኣይሰረሐን ኢልካ ጠጠው ኣይክበሃልን እዩ። ብኣንጻሩ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ኢልካ ናብ ሓድሽ መኣዲ ፈተነ ክትብገስ እንከለኻ ኣብ ከባቢ እቲ ክሳብ ሕጂ ክፈላልየካ ዝጸንሐ ጉዳያት ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብ ናይ ግድን እዩ። እቲ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ዘብለካ ከኣ እዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብካ ጥራይ እዩ። ንኣተሓሳባኻ ናይ ብሓቂ ሓድሽ ዘብሎ ከኣ ናይ ርኢቶኻ ሓድሽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይቃለዓለም ብኽሱትነት ናይ ካልኦት ሓሳብ ዝቕበል ትዕግስትን ጹረትን ኣጥሪኻ እንተሊኻ እዩ።

ትብዓት ድፍረት ልግሲ … ወዘተ ዝብሉ ቃላት፡ ገሊኦም ካብ ትብዓትን ድፍረትን ንገሊኦም ድማ ካብ ነገራዊ ልግሲ ኢና እንመዝኖም። ምስዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ክንመዝኖም እንከለና ግና፡ “ኣብዚ ጉዳይ እቲ ቅኑዕ እዚ ጥራይ እዩ” ክትብል ጸኒሕካ፡ ድሓር ንስኻ ከይረኣኻዮ ብዝጸናሕካ ጭብጥን መርተዖን ዝጐልበተ፡ ካብቲ ናትካ ዝሓይሽ ሓሳብ ክቐርበልካ እንከሎ ንናትካ ገዲፍካ ክትቅበሎ ምኽኣል ትብዕት፡ ትብዓትን ልግስን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ተጋዳላይ ዝነበረ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት እንተላይ ኣብ ሞትን ሕየትን “ቅድመይ ንዓኻ ይጥዓምካ፡ ኣነ በጃ ክሓልፈልካ” ዝብል ተወፋይነትን ለውሃትን፡ ባህሊ ኤርትራውያን ኮይኑ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ኢሳያስ ነቶም “ንስኻ ንበር ክንስወኣልካ” ዝብልዎ ዝነበሩ ብጾቱ ኣይኮነንዶ ክሞተሎም፡ ምእንቲ ስልጣን ክብል ከም ኣራዊት ኣብ ገዳጉዲ ኣስፊርዎም ኣሎ። እቶም ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብሓባር ምስራሕ ስኢና ዘለናኸ፡ ምእንቲ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ጸቢብዎ ዘሎ ህዝብናን ብሞትን ስደትን መንእሰያትና ዝግለጽ ዘሎ ዝተደወነ ምስልና ናብ ንቡር ክምልስን ኢልና ሕድገት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ምስኣና ምስ ምንታይ ይቑጸር? ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝስዋእ ዝነበረ ትውልድን ተካኢኡን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኢሉ ፍልልያቱ ምግዳፍ ዘይኮነስ ምምሕዳሩ ክስእን እንከሎ ከኣ ካልእ ዘገርም እዩ እሞ ሕጂ እውን ረፊዱ እምበር ኣይዓረበን እሞ ንሕሰበሉ።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኣመንቲ ክርስትና!

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብመሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲቡ ዝተጸውዐ ናይቲ ሰልፊ  መሪሕነት ዞባ ኢውሮጳን ካብ ጨናፍርን ዝተሳተፍዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ (ኮንፈረንስ) ተኻይዱ። መሪሕነት ሰልፊ ነዚ ዋዕላ ዝወደበ ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ብኤልትሮኒካዊ ኣገባብ ዝካየድ ኣኼባታት ገጽንገጽ ተራኺብካ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ናይ ምዝታይ ኣገዳስነት ብኣባላቱ ክቐርብ ዝጸንሐ ለበዋታት መሰረት ብምግባር እዩ። እዚ ናይ ዞባ ኤውሮጳ ዋዕላ ናይ’ቲ አደብ መጀመርያ ኮይኑ ኣብ ካልእ ኩርነዓት ዓለም ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክቕጽል  ተታሒዙ ዘሎ መደብ እዩ።

ኣብዚ ዋዕላ ዝተዘተየሎም ኣቐዲሞም ብመሪሕነት ሰልፊ ዝተጸንዑን ቅድሚ ዋዕላ ናብ ኣባላት ዝተዘርግሑን ንድፊ ዛዕባታት፡  “1) ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ 2) መትከላትን ፖሊሲታትን ዝምድናታት ሰዲህኤ ምስ  ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራንን ጐረባብቲ ሃገራትን፤ 3) ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን።” ዝብሉ ምንባሮም ከኣ ናይቲ ዋዕላ እዋናውነትን መሰረታውነትን ዘርኢ እዩ። እዚ ዝቐረበ መዛተዪ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከም ዝሕብሮ እቲ ዋዕላ ናብ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ጉዳያት፡ ናብ ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ፡ ናብ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ኣብ መጻኢ ንሰልፊ ዝጽበይዎ ናይ ምሕዳስ መደባትን ዘድሃበ ምንባሩ ምርዳእ ይከኣል።

እዚ ዛዕባታት ብደረጃ ዋዕላ ብኣካል ተራኺብካ ግዜ ወሲድካ ክዝተየሉ እንከሎ፡ ኣገዳስነትን ኣተገባብራን ኣብዘሓዊ ግዝኣት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ደሞክራስያዊ ማእከልነት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝብሉ መሰረታዊ መርሆታት ብዝምልከት ኣብ ዝርዝር ከም ዝኣቱ ርዱእ እዩ። ከምኡ ከኣ ነይሩ። እዚ ሰልፋዊ መትከላት ብመንጽር’ቲ ሓፈሻዊ ደሞክራስያዊ ዓምድታት ከመይ ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ዘረድእ ስለ ዝኾነ፡ ኪኖ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሰልፍኻ ምርዳእን መጻኢ ራኢኻ ምስፋሕን ምስ ኣድማሳዊ ደሞክራስያዊ ኣጠማምታታት ዘላሊ እውን እዩ። እዚ ከኣ ዕላማ ናይዚ ዋዕላ ሓባሪ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣፍልጦኻ ናይ ምስፋሕ ዕማም’ውን ዝነበሮ ኣስተምህሮኣዊ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ተገቲሩ ዘሎ ብደሆ፡ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማመዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ንቕድሚት ክትስጉም ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብዚ ዋዕላ ንዝምድና ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምልከት ኣርእስቲ ምቕራቡ ከኣ ንእዋናውነት ናይዚ ዋዕላ ዘርኢ እዩ። ተሳተፍቲ ናይዚ ዋዕላ መሪሕነቶም ኣድማዒ ጽላል ኣብ ምፍጣር ተበግሶ ንክወስድ ዕዙዝ ለበዋ ምቕራቦም ከኣ እቲ ዋዕላ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ከም ዘድመዐ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ዘልዕልዎ’ሞ ወትሩ ኣዛራቢ ዝኸውን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ እዩ። እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምዃኑ’ኳ እንተዘየዳደየ  ምስ ጐረባብቲ ዝግበር ዝምድና ከኣ ተራኡ ኣትሒትካ ዝረአ ስለ ዘይኮነ ወትሩ ምልዓሉን ምብሳሉን ነውሪ ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ኣብዚ ዋዕላ ነቲ “ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ፡ ኣብ ምክብባርን ናይ ሓባር ተረባሕነትን ዘትከለ ኣብ ሕድሕድ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፈቅድን እዩ” ዝብል እምንቶ ሰደህኤ ከም ዝዝተየሉ ምግባር  ኣብ ነቲ ዝጸንሐ መትከልካ ደጊምካ ንምንጻር ዝሕግዝ ነይሩ።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ነቲ ዝቐረበሎም ሰነዳት ዝውሰኽ እንዳወሰኹ ኣየስርሕን ዝብልዎ ድማ እንዳነከዩ ናቶም ናይ መጻኢ ናይ ተግባር መምርሒ ከም ዝኸውን ንምኽኣሉ ዘርኣይዎ ናይ እንካን ሃባን ተሳትፎ ከኣ  እቲ መድረኽ ኣብ ግቡእ እዋን ዝተጋብአ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ተሳተፍቲ ነቲ ዝቐርበሎም መዘራረቢ ንድፊ ሰነዳት ምስ ኣዝዩ ንኡስ ምምሕያሻት ተቐቢሎም ምጽዳቖም ድማ መሪሕነትን መሰረታትን እቲ ሰልፊ ብሓባር ክስጉሙ ከም ዝጸንሑ ዘረድእ እዩ።

በዚ መሰረት ብመሪሕነት ኮነ ብመሰረታት ዝተኸደ መንገዲ ዝነኣድ ኮይኑ፡ እዚ መድረኽ ካብ ተመዓዳዲካ ምውቕቓስ ኣውጺኡ ኩሎም ወገናት ኣብቲ ኣውንታ ኮነ ኣሉታት በብጽሒቶም ክወስዱ ዝሕግዝ እውን እዩ። እቲ ንኡድ ስራሕ ኣብ ምዝታይን ምጽዳቕ ነቲ ዝቐረበ ሰነዳትን ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ምትግባር ንኹሎም ዝጽበዮም ሓላፍነት ኣሎ። እቲ ቀንዲ ናይ ኩሉ መእሰሪ ተግባር ስለ ዝኾነ። ከምቲ ኣብ መወዳእታ  ናይቲ ዋዕላ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪትዎ ዘሎ ተሳተፍቲ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፎም ንምሕያል ወፈያ ኣካይዶም። እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ “ናትና” ዝበልዎ መደምደምታ ከተግብርዎ ምዃኖም ዘመልክት እዩ።

እዚ ቀንዲ መንቀሊኡ ሰልፊ ምሕዳስን ካብዚ ዘለዎ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ምስግጋርን ዝኾነ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ቀጻሊ ስለ ኾነ ኣብ ካልእ ከባብታት ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ከሎ ጌና ክቕረብሉ ዝግበኦም እዩ። መሪሕነት ሰልፊ ከኣ ኣብ ከምዚ ኣገዳሲ መድረኻት ንዝቀርብን ናይ ኣባላቱ ሓሳባት ኣካል መጻኢ መደባቱ ገይሩ ክሰርሓሉ እዩ።

ኣብ ርክብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስካንድናቫያን ዝቐረበ ጹሑፍ።

ብምጀመርያ ነዚ ርክብዚ ክውን ንዝገበሩ ኣባላት ሽማግለታት ጨናፍር ሰደህኤ ስካንዲናቭያን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነዚ መደብዚ ክውን ዝገበረት ናይ ስራሕ ሽማገለን ብልቢ አመስግን። ሓሳብ ምርኻብ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ስካንዲናቭያን ኣገዳስነት ዘለዎ ርክብዩ። ቀንዲ ምኽንያት ርክብና ድማ መዓልቲ ደቀንስዮ 8 መጋቢት ሰለዝኾነ: ንደቀንስትዮ ኣባላት ሰልፍናን ንኹለን ንሓርነት ህዝበን ዝተዓጥቃ ኤርትራውያን ደቀንስትዮን ዮሃና ንብለን።

 ጉዳይ ቃልስና ንሰለምን ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ምግባርዩ። ንሰላም ኣተምጽኣ ደሞክራሲያ። ንሕና ነዞም ኣብ ሽወደን ካልኦት ሃገራት ስካንዲናቭያን ኣንነብር ድማ ደሞክራሲ ብኽልሰ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ኢና ኣንፈልጣ። ደሞክራሲ ብተግባር ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺያ እትገለጽ።  ቀንዲ መርኣያ ደሞክራሲ ኸኣ ስብኣዊ መሰል ውልቀሰብ ምኽባርያ። ህዝባዊ መንግስቲ ዝቐውም ድማ በዛ ቀላል እትመስል መስርሕያ እትሓልፍ። ነዛ ድምጽዚኣ ንምርካብ ዝሞቱን ዝተምቁሑን ንፈልጥ ኢና። ነዛ እንስታማቕራ ዘለና ደሞክርሲ ናይ ሽወደንውን ብሓሳብን ግብርን ዝተሰውኡላ ኣለው። ጽሩይ ማይ ምስታይ: ጸጊብካ ምሕዳር: መዕቆቢ ገዛ ምህላው: ትምህርትን ሕክምናን: ሸምጊልካ ናብዮት ምርካብን ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ጸገም ምስ ዝእቶ እትረኽቦ ማሕበራዊ ናብዮትን ፍረ ደሞክራስን ሰላምንዩ።

እዞም ዝጸብጽብናዮም ማሕበራዊ ናብዮት ምስዘይህልው ሰላም የለን። መበቆል ደሞክራሲ ጥንታዊት ግሪኽያ/ኣተን። እቶም ደቂተባዕትዮ ኣብ ክፉት ባይቶ ተኣኪቦም ብማዕርነት ንጉዳዮም ዝዝትዩሉ ቀጥታ ደሞክራሲ ኢሎም ጸዊዖሞ።  ደሞ ዝብል ቃል ህዝቢ ማለት ክኸውን ክሎ ክራሲ ድማ ምምሕዳር ማለትዩ። ሰለዚ ደሞክራሲ ህዝባዊ ምምሕዳር ኢዩ። ኣብታ ጥንታዊት ግሪኽ ዝበቖለ ኣምር ከኣዩ። ኣብታ ባይቶ ጥንታዊት ግሪኽ/ኣተን ዘይካፈሉ ሰባት ኢድዮት ኢሎም ይጽዕዎም ነይሮም: ትርጉም ኢድዮት ኣብታ ጥንታዊት ግሪኽ ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ነዘይካፈል ሰብ ዝወሃቦ ዝነበረ መጸዊዒ ወይ ጸርፊዩ። ሎሚ ኢድዮት ማለት፡ደንቆሮ: ዓሻ: ሃላይ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።  ንሳቶም ግን ነቶም ኣብቲ ደሞክርያሳያዊ ባይቶ ካብ ምምጻእ ዝበዂሩ ዝነበሩ ዝጥቀምሉ ቃልዩ ነይሩ።

 ካልእ እታ ናይ ጥንታዊይ ግሪኽ / ደሞክራሲ  ንደቀንስትዮን ባሮትን ተካፍል ኣይነበረትን። እዛ ናይ ምዕራብ ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን ንነብረላ ዘለና ግን: ንዓናውን ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ዓመት ምቕማጥ ኣብታ ንቕመጠላ ኮሙንን ዞባን ከም ተቐማጢ ናይቲ ቦታ ነቶም ዝመርሑን ክትመርሕን ክትመርጽ መሰል እትህብያ። ዘግነት ኣብ ሽወደን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመትኻ ትረኽቦ: ከም ዜጋ ናይ ሽወደን ዘንብረካን ኣብ ኩሉ ሂወት ሕብረትሰ ሰብ መሰልካን መሰልክን ግብእካን ግቡእክን ዝህብ። እታ ጽርይቲ ደሞክራሲ ማዕርነት ደቂ ሰብያ መርእይኣ። ዶምክራስን ማዕርነትን ግን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲየን ዘለዋ። ንምዕባለአን ምቅላስ ናይ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ግቡእዩ። ነዚ ብግቡእ ምሕሳብ ካብ መጸውዒ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ እድየት ነጻ ይገብረካ። ኣብዚ ሃገርዚ ሰላምን ቅሳነትን እንተዘይተረኺቡ ምስ ህዝብናን ኣብ ህዝብናን እንገብሮ ቃልሲ ክውጻዕዩ።  ከምቲ ደቀንስቶ ድርብ ቃልሲ ዘለወን ድርብ ቃልሲዩ ባህርያት ሃለዋትና። ኣብዚ ቃልስዚ ዘይጸምድ እታ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ኢድዮት እትብል ኣምር መጸዊዕትናያ ክትከውን። ሓቂዩ ስቨርየ ደሞክራተርና ብስም ምርጋም ወጻእተኛታት እናገስገሱ ንመሰል ድምጽኻ ዘይምጥቃም ካልእ መጸውዒ ኣይህሉን። እቲ ህግደፍን መራሒኡን ንህዝብን ሃገርን እናረመሰ  ጽቡቕ ኣሎና ዝብል ዘመተ ቦትኡ ፋሽሽትነት መጸዊዑዑ ድማ ኢድየትዩ።

ነጻነት ኤርትራ 26 ዓመት ገይሩ። ንጉዳይ ሓርነት ዝጎሰየ ምልክዊ ስርዓት ዘግሃደ። እቲ ብደገፍ መላእ ህዝቢ ንብረታዊ ቃልሲ መሪሑ ኣስመራ ዝኣትወ ሓይሊ። ካብ ብጊሓቱ ብሉጻት ተቓልሰትን ሃገራውያን ሓይልታት ብምህዳንን ብብረት ዝተዓወተ ሓይሊ። ንደቂ ሃገር ብዝተፋላለየ ሜላ ክሃድንን ክንጽልን ብብረት ከይተርፈ ምስ ካልኦት ተምሓዝዩ ዝረኸቦ ደጋፊ ዓወት ኣብ ነጻ ኤርትራ ብኸኡመዩ ስርሑ ቀጺሉ። ምምሕዳር ህግሓኤ ካብ 1991-1993 ኣብ መንጎ ህዝብን ነብሱን ጋግ ንኽፈጥር ዝሰርሓሉ ግዜ: ህዝቢ ብነጻነት ኣብ ዝዛነየሉ ዝነበረዩ። ንነብሱ ካብ መሪሒነቱ ክሳብቲ ተራ ተጋዳላይ ልዕሊ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኣምሲሉ ጎስጓስ ገይሩ ዝሰርሓሉ እዋን። ኩሎም ሓለፍቲ ወይ መራሕቲ ዝነበሩ ንብረት ህዝቢ ኣብ ዋንነቶም ንምእታው ዝተጓየይሉ። ንብረት ህዝቢ ብቐጥታን ብተዛዋዋርን ሃጂሞም። እቲ ብቐጥታ ክወርስዎ ዝኸኣሉ: ንመዓጹ ወነንቲ ከፊቶም ብምእታው ብቐጥታ ብዘይ ሕጋዊ ተሓታትነት ወሲዶም ውሪሰሞ። ነቶም ዝነበሩ ወንነቲ ገዛውቲ ድማ 40% ግብሪ ክኸፍሉን ክሸጥዎ እንተኾይኖም ከኣ 40% ናይ ሽያጡ ንግንባር ክህቡን ኣዚዞም ቃሕ ዝበሎም ገይሮም፡ ኩሉ ንህዝባዊ ግንባርዩ ዝበለ ስሱዕ ግበታ። ስለምንታይሲ ብኸምዚ ዝዘመትዎን ካልእን ዝኣከብዎ ምስ ኣረጋገጹ ህዝባዊ ግንባር ንመንግስቲ ኤርትራ ኣማእት ሚልዮናት ኣለቂሕዎ  ኢሎምዮም ኣውጆም ኣብሓደ ግዜ። ተራ ተጋዳላይ ከይተረፈ ብፍላይ እቶም ብሓለፍቶም ዝፍተውን ኣብ ስላያዊ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩን ይንኣስ ይዕበ ዘይከፈልሉ ገዛውትን መረትን ወሲዶም። መሪሒነት ህዝባዊ ግንባር ቅድም ናይ ህዝቢ መሲሉ። ድሓር ህዝብን ተጋደልትን: ብተጋዳላይን ገባርን ዝብል ኣስማት ፈላልዩ።፡ጽንሕ ኢሉ ስንኩላን ረሺኑ። ናይ ህዝብን ተጋደልትን ከም ዘይኮነ ብግብሪ ኣርእዩ። እዚ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ዜማ ባዶ ሰለስተ ተቓሊሶምዮም ይግብኦምዩ ንዝብል ዘመተ: የዋሃት ተቐቢሎሞ። መሰል ህዝብን ውልቃዊ ንብረትን ክዝርፉ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ኣብቲ መደቦም ምስታፍዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ ቃልሲ ግን ንጭርሖስ ዓወት ንሓፋሽዩ ዝበሃል ነይሩ። ንምድህላል ምዃኑ ግን ቀልጢፉዩ ተኸሺሑ። ውጽኢት ሃገራዊ ነጻነት ምስ ሓርነት ህዝቢ ምንም ምትሕሓዝ ኣይነብራን፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ የብላን።

- ከም ንፈልጦ ኣብ መጀምርያ ዓመት 1994 ኣብ ናቕፋ ተጋቢኡ ብዝበሃል ሳልሳይ ጉባኤ ህግሓኤ ንህግደፍ ወሊዱ። ንመጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ነቲ ካብ ቅድም ተኣሊሙ ዝጸንሐ መገዲ ምልካውነት ዝጠመተ ንምህማል ህዝቢ: ቻርተር ዝበሃል ሰነድ ነዲፎም ኣጽዲቕና ኢሎም። ምልካውነት ዘውዲ  ክደፍእ መገዲ ዝጸረገ ጉባኤ። እቲ ውድብ ካብ መጀመርያ ቀዳምነት ዝሃበ ንርእሱዩ። ርእሱ ከኽብርን ተፈራሂ ክኽውንን ሓታቲ ዘይብሉ ስልጣኑ ከስፍንን ንህዝቢ ብድኽነትን ድንቁርናን ክኣስር ነይርዎ። ብናይ ሰላሳ ዓመት ኲናት ዝበረሰት ሃገር ብናይ ንዊሕ መግዛእትን ኲናትን ዝተዳኸመ ህዝቢ ኮሎኳ: ነብስና ኢና እንኽእል ብዝብል ሕሱር ጭርሖ ካብ ለገስቲ ማሕበራትን ልግሰን ከርእያ ዝደለያ መንግስታትን ዋላውን ደቂ ሃገር ርእሰ ማሎም ክዋፍሩን ኣጊዱ ሓገዝ ኣይንቕበልን ተባሂሉ።

ንመገዱ ዝጻብኡ ዋላውን ነቶም ሓንጊረሞ ዝኣተው ዝሸመመ፣ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመት ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ዝተሞኮርናዮን ስለ ዝኾነ ውጽኢት ስስዐ ምልካውነት  ጥፍኣትን መከራን ምዃኑ ኣረጋጊጽና ኣለና። ነዚ ዓለም ዝጸየኖ ስርዓት ኣብ ልቦም ቦታ ዝሃብዎ ዜጋታት ኣለውና። ዋላ ኣብ ተቛውሞ ደምበ ኣለና እናበሉ: ንሓቐኛ እንታይነት ህግደፍን ዘውዲ ክስቅልን ህዝቢ ከባሳብስን ኣብ ስልጣን ኣደይቦም ከብቅዑ: ነዚ ርኹስ ስርዓት ካብ ስሩ ተማሕዩ ከይብቆጽ ዝተፋላለየ ምኽንያት እናምጽኡን ጓል መግዲ እናፈጠሩን ብህዝቢ ተነጺጉን ተፈንፊኑን ክነሱ ህገደፍ: ”ዶባት ዝሕሉ”: ”ብናይ ደገ ሓይልታት ዘይጽዓድ”: ” ባንደራና” ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከተንበልብል ዝገበረ: ካብ ህዝቢ ነጺሎም ዝርእዩ ኣካላት ፈጢሩ ብምኩሓሓሉ: ሃገርን ህዝብን ኣብ ደልሃመት ኣና ተነቑቱ: ሃሞም ምስዚ ናይ ጥፍኣት መሓውር ዝዝርገሐ ሓይሊ: ጸልማት ተኸዲናም ንናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሱን ህግደፍን ደገፍቶምን ዘላግጹላ ናብ ዘለ ሃገሮም እግሮም ከይረገጹ: ገና ንሓርነትን ፍትሕን ንዝደልዩ ዘለው ሓርበኛታት ከጉጥዩ ይስምዑ ኣለው። ንሕና ካብዚ ናይ ጸላም ጎስጓስ ሓራ ኢና። ነብስና ሓራ ኣውጺእና ንህዝብን ሃገርን ሓራ ንምውጻእ እንቃለስ ኢና።

ኣዚ ናይ ሎሚ ኣኼባናን እቲ ኣብ 24 መጋቢት ክንጋባኣሉ ተበጊስና ዘለና ዋዕላ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ: ነብስና ፈትሽናን ኣሐዲስናን ንሓይልታት ጸረ ሰላምን ሓድነትን ካብ ቅኑዕ መገድና ክንኣልዮም ደጊምና ዕጥቅና ሸጥ እነብለሉ ክኸውንዩ። ዘለናዮ መድረኽ ዓይነት ኣዋዳድባናን ኒሕናን እነሐደሰሉዩ።

ንሕና ከምቲ ጽዩቕ መራሒ ጉጅለ ህገደፍ ቁዋም መይቱዩ፣ ደሞክራሲ ኣብ ወርሕን ማርስን ከድኩም ድለዩ ዝብል: ቅሉዕ ፍሽሽታዊ መዝሙር ዘይኮነስ: ጉባኤና ብዘጽደቖ መደብን ቁዋምን ብጉባኤ ዝተመርጸ መርሒነትን ንሱ ብዝሓነጸጾ ናይ ስራሕ ስትራተጅን ተምሪሕና እንጎዓዝ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኽነስርሖን ክንነድቆን ዝተዓጠቕና ሃዋርያ ደሞክራስን ፍትሕን ኢና። ንቑዋምናን መትከላትንናን ኣኽቢርና ንዕኡ ዝጻባእ መንን ካበይ ከም ዝመጸን: ዓቢድዩ ንእሽቶይ ምሁር ድዩ ሸቃላይ ብዘይገድስ: ንማዕርነት ኣባላት ኣንጊስና ብኡ ተመልሚልና ጽባሕ ኣብ ሓራ ሃገርና ማዕርነት ህዝብና ንምርግጋጽ: ተምክሮናን ብጻይነትናን እነራጋግጸሉ መሳርሒ ዝኸውን ሰልፊ ኣቑምና ዘለና። ንሃልክን ንረኣዩለይን ዝሰረትናዮ ኣይኮነን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ። ምእንቲ ውጹዓት ክንቃልሰ የምሕረላናዩ። ንባዕልና ውጽዓት ስለዝኾና። ከም ደቂ ሃገርን ኣካል ህዝብናን ዘይቆጽረና ስርዓት ብኣሎ  ዝብሃል መገዲ ቃልሲ ክንምክቶን ክንሃርሞን ኢና። ሰላም ንምምጻእ ንተጻባእቲ ሰላም ክንስዕር ዕጥቅና ብዝያዳ ከነትሮሮ ኢና። መገዲ ተሓድሶና ኣብ ቅዋምናን ሕግናን ረጊጽና ምጽናዕዩ። ብኹሉ ሸነኹ ሕማቕ ግዜዩ ንዓና። ነዚ ሓቂዚ ጎሲና ክንሓልፎ ኣይንኽእልን። ብሰጋእ ዘይብል ቃልስናን መስመርናን ግን ክንወጾ ኢና። መቓብር ጸላኢ እንርእየሉን ንስምዓሉን ግዜውን ክመጽእዩ። ጥራይ ብሓባር ስኒ ንንከስ። ናይ ወትሩ ጽንዓትና ተዓጥቕና ንመንእስያትና ናብ መገዲ ቅኑዕ ቃልሲ ዝስሕብ ኣብነት ምዃን መርኣያ ሕግን ስርዓትን ኮንካ  ብደምክርያስያዊ ባህልን ክብሪ ወዲ ሰብን ምእማንን ብግብሪ ምትርጓምንዩ ። ግብሪምበር ጭርሖ ምልካውንትስ ክንደይ ዓመታት ዘላደየናዩ።

ክንዕወት ኢና።

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን።

ረዘነ ተስፋጽዮን

11 መጋቢት 2017

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ነፍሲ ወከፍ ሰዓት እውን ነናታ ሓለገት ነይርዋ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እዩ ከኣ ሰውራ ኣዕዊቱ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ከግህድ ዝበቐዐ። ከምቲ ካብ “እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ግና ፍሉያት ዓመታት ወይ ዕለታት ካብቲ ካልእ ጸብለል ዝብል ዝኽሪ ኣለወን። ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን 24 ጉንበት 1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። 15 መጋቢት ዝኽሪ ዓወት ተጎርባ እውን ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ልሉይ ቦታ ዘለወን ዕለታት እያ።

ተጎሩባ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ካብታ ናይ መጀመርያ ሰውራዊ ተኹሲ ዝተበሰረላ ታሪኻዊት ጐቦ ኣዳል ብዙሕ ዘይትርሕቕ እያ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሽዑ ናይ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዕድመ ዝነበሮ ሰራዊት ሓርነት፡ ብ15 መጋቢት 1964  ኣንጻር ስሩዕን ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን  ፍሉይ ሓይሊ መግዛእቲ ገጢሙ ነቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ተደራራቢ ዓወታት ኣፍደገ ዝኸፈተ ዓወት ዘመዝገበላ ቦታ እያ። እዚ ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ፡ 17 ኤርትራውያን ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝተሰውእሉ፡ 87 ወተሃደራት መግዛእቲ ተቐቲሎም ብዙሕ ኣጽዋር ዝተሰልበሉ ውግእ ረቂቕ ምስጢር ዝነበሮን ናብ ሰውራ ኤርትራን ህዝቡን ኮነ ናብ ሓይሊ መግዛእቲ ኣገደስቲ መልእኽትታት ዘመሓላለፈ ነይሩ።

ናብ ሰውራን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብሓጺሩ፡ ናይ “ክንክእሎ ኢናን ጽንዓትን” መልእኽቲ ነይሩ። ናብ ሓይሊ መግዛእቲ ዘመሓላለፎ ድማ “ሰውራ ኤርትራ ፍትሓውን ህዝባውን ስለ ዝኾነ ብዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይልን ትምክሕትን ዝሰዓር ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ነይሩ። እዚ መልእኽትታት ድሕሪ ክንደይ ሓጐጽጐጽን ምኽፋል ክቡር ዋጋን ብ1991 ቅኑዕ ምንባሩ ተረጋጊጹ። ዓወት ተጎርባ ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ምዕራፍ መሰጋገሪ ኩበዖ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ተጻሒፍሉን ተገጢምሉን።  “ወርሒ መጋቢት 64 ተጎሩባ ዓባይ ሓበን” እናተባህለ እውን ተዘሚርሉ። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እምበኣር፡ ነዚ መርኣያ ሓበን ዝኾነ መዛሙር ምድግጋም ዘይኮነ “ ጫፍ መልሓስ ናይቲ ጅግንነት ኣበይ በጺሑ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ እንተኾይኑ’ዩ እናዊ ዝኸውን።

ኒሕ ናይዞም ነዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጊድራ ኣብ ጐቦታት ተጎርባ ዝፈጸሙ ሓርበኛታት፡ ኣብ ተራ ምቕታልን ምምራኽን ወተሃደራት መዛእቲ ዘትከለ ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ናብ ዘማዕዱ ምውሓስ ናጻ፡ ፍትሓዊትን ንብዓት ደቃ እትሕብስን እትክሕስን ኤርትራ ዝመጣጠር ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እዚ ነዊሕ ጉዕዞ’ዚ ጌና ክሳብ ሎሚ ዘይተረጋገጸ ኣብ መስመር ቃልሲ ጐተት ዝብል ዘሎ  ምዃኑ ከኣ ነቶም ተረከብቲ ሕድሪ ጅግንነት ተጎሩባ ከቢድ ጾር ኮይኑና እነሆ። እቲ ሎሚ ክንዛረበሉ ዝግበኣና  ብዛዕባቶም ኣብታ ዝተዋህበቶም ግዜ ክገብርዎ ዝኽእሉ ገይሮም ዝሓለፉ ሓርበኛታት ተጎርባን ካለኦት ዓውደ-ውግኣትን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ኣብ ምግባር ትሕቲ ትጽቢት ዘለናዮ ሃለዋት እዩ። ህልዊ ጸገማትና ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። መፍትታቱ’ውን ከምኡ። ንኹሉ ጸገማትና’ኳ ተዘይፈተሓትልና ብሩህ ናይ ቃልሲ መንገዲ ከተትሕዘና እትኽእል፡ ሓርበኛታት ተጎሩባ ነዚ ክሳብ ሎሚ ንሕበነሉ ዘለና ዓወት ከመዝግቡ ዘኽኣለቶምን ንሕናውን ክንርዓማ ዝግበኣና ምስጢር ግና ኣላ'። ኣብቲ ንኩላትና ዘርብሕ ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕ። ንኹሉ ተመኩሮና ተመሊስና እንተመርመርና ምስጢር ዓወታትና ሓድነትና እዩ። ንዓና ሓድነት ኣብ ዘየብሉ ዓወት ምሕፋስ ዘበት’ዩ።

ንሓደ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ምሕረት ዘየብሉ፡ ኣብ እንግደዓ እቲ ዋጋ ከፊሉ ናብ ስልጣን ዘብቀዖ ህዝቢ ተላሒጉ ሕቖኡ ዝህብ ሃንጎሊማ ሓይሊ ከነወግድ ክንቃለስ እንከለና፡ ካብኡ ብባህሪኡ ዝተፈልየ ተካኢ ዓቕሚ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ዝኸበደ ሓላፍነት ኣለና። ምኽንያቱ ክትትክእ ብቑዕ ኣብ ዘይኮካሉ፡ ነቲ ዘሎ ግናይ ምውጋድ ጥራይ ትርጉም የብሉን። ኣብ ከምዚ ዝኽሪ ተጎሩባ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ቆላሕታ ሂብና ክንሓስበሉ ዝግበኣና ከኣ ነዚ ንቕድሚት ዝጽበየና ሓላፍነት እምበር ነቲ ዝሓለፈን ክቡር ታሪኻዊ ቦታኡ ዝተረከበን ጅግንነት መመሊስካ ምምዋጽ ኣይኮነን።

ኣብ ወሳኒ ግና ድማ ኣጸጋሚ ወቕቲ ምህላውና ኩልና እንሰማመዓሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ካባና ካብቶም ናይቲ ለውጢ ተጠቀምቲ ምዃኑ’ውን ከምኡ። እቲ ዘገርም እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ እንዳተረደኣና ክንትግብሮ ዘይምብቃዕና እዩ። ነዚ ናይ ዘይምብቃዕና ምኽንያት ምስጢር ኣይኮነን። መጻኢ ዕማማትና ብደረጃታት ምስራዕን ብመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት ቅዩድ ዘይምዃንን ጐሊሖም ካብ ዝረኣዩ ጸገማትና እዮም። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና፡ “በቲ ሰሚዕካ በቲ ዝነፍስ” ዘይኮነ ዝትግበር ቃል ክንኣቱ ይግበኣና ንብል።