መልእኽትና ናብ ክልቲኡ ህዝብታት

2023-12-12 18:00:42 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1054 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰላም ናይ ኩሉ ህድኣት፡ ዕቤትን ምዕሩይ ምምሕዳርን መሰረት እያ። ሰላም ኣብ ዘየብሉ ኩሉ ኣውንታዊ ነገር ኣይህሉን። ውግእን ህውከትን ብኣንጻሩ እቶም ዘባርዕዎ ውሑዳት ናብ ዝዓብድሉ፡ ህዝብታት ከኣ ናብ ዝሃልቅሉን ዝሳቐይሉን ዝወስድ ጸልማት መንገዲ እዩ። ብሕገመንግስትን ናይ ህዝቢ ፈቓድን ከመሓድሩ ዘይደልዩ ወጻዕቲ ስርዓታት፡ ናይ ሰላም ተጠቀምቲ ስለ ዘይኮኑ፡ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ናይ ውግእ ሴፍ ክመልሑ እምበር፡ ሰላም ዝማእከሉ ህዝብታት ብሓባር ዝርብሕሉ ናይ ርግኣትን ሰላምን ኣየር ክነፍስ ኣይደልዩን እዮም። ብሰንክቲ ንሳቶም ዝዘርግዎ ሰላም ዋጋ ዝኸፍል ከኣ ህዝቢ እምበር፡  ንሳቶምስ መህደሚኦም’ዮም ዝጸርጉ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ሰላም ጽምኣትን ናይ ውግእ ምረትን ዘይርሳዕ ተመኩሮ ኣለዎም። ንሓንሳብ ኣብ ውሽጦም ብዘጋጥም ምስሕሓብ፡ ንሓንሳብ ድማ ኣብ ሕድሕዶም ብዘጋጠመ  ውግኣት፡ ብምረት ዝተዳህኩን ዘተኣማምን ሰላም ዘየስተማቐሩን ህዝብታት እዮም። ኣብቲ ኣንጻር መግዛእቲ ን30 ዓመታት ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ውግእ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ዝሰኣኖ ሰላምን ዝኸፈሎ ዋጋን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ምስ ኩሉቲ ዝኸፈሎ ዋጋን ዝሰኣኖ ሰላምን፡  ዋላኳ ብሰንኪ ህግደፍ ብሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን እንተዘይተዘይተሰነየ፡ ዋና  ናጻን ልኡላዊት ሃገር ስለ ዝኾነ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝጥዓሰሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግና ብሰንኪቲ መራሕቱ በብእዋኑ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተኸተልዎ ዘይፍትሓዊ መንገዲ፡ ተጣዒስካ ኣብ ዘይምለስ   ክሳራ ከም ዝወደቐ  ክሳብ ሎሚ ዘዘንትዎ ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውድቀት ደርግ ንዘተወሰነ ዓመታት፡ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ፡ ተዛማዲ ተጠቃሚ ሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን ምስ ብዙሕ ሕጽረታኡ ናይ ዲሞክራሲ ጩራ ክርኢ ክኢሉ ነይሩ እዩ። ብሓፈሻ ግና ክልቲኡ ህዝብታት ብሰንኪ ንሰላምን ባህጊ ህዝብን ቀዳምነት ዘይህቡ ህውከተኛታት መራሕቱ፡ ድሕሪቲ ንወለዶታት ትምህርቲ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ናይ 30 ዓመታት ውግእ’ውን፡ ብሰንኪ ጻሕታሪ ባህሪያት ህግደፍ፡  ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ዝኸፈአ  ዝተባህለን ብዙሓት “ትርጉም ዘየብሉ” ዝበልዎን ኣኽሳሪ ውግእ 1998-2000 ኣጋጢምዎም እዩ።

ዳርጋ ድሕሪ 20 ናይ “ኣይውግእ ኣይሰላም” ዓመታት፡ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ናይ ስልጣን ለውጢ ተኸቲሉ፡ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝተጸንዐ መሰረት ዝተኸፈተ “ኣፍደገ  ሰላም” ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ንግዜኡ ኣሕዲርዎ ዝነበረ ብሩህ ተስፋ ሰላም ኣዝዩ ልዑል ነይሩ። ብኣንጻሩ በቲ ተስፋ ሰላም ዕድሚኦም ከይሓጽር ብዝሰግኡ  መራሕቲ እተን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ  ናብቲ ዝነበሮ ዕጽዋ ተመሊሱ መእተውን መውጽእን ኣፍደገታት ተረጊጡ። እቲ ምኹላፍ ሰላም ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሕደሮ ሓዘንን ተስፋ ምቑራጽን  ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ድማ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ 2018 ዝተራእየ፡ ተስፋ ሰላም ዘጸልመተ ምዕጻው ዶባት ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ መንጎ መንግስቲ ብልጽግናን ክልል ትግራይን ውግእ ምስተኸፍተ እሞ ድማ ኣድብዩ ክጽበ ዝጸንሐ ህግደፍ ዘሊሉ ምስተጠብሶ፡ ከምቲ ስነ ጠበባዊ ነፍስሄር ኣብረሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ”  ዝበሎ፡ ነቲ ኣብ ሰላም ዝነበረ ምቑራጽ ተስፋ ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ኣሰነዮ። ወዮ ሰላም ክኾነሉ ዝተተስፈወ ክልቲኡ ጐረቤት ህዝብታት ናይ ኣማኢት ኣሸሓት ደቁ ህይወት ክኸፍል ተገደደ። እዚ ነቲ ብዘይወግእ ክነብር ዘይክእል ምምሕዳር ህግደፍ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክኾነሉ እንከሎ፡ ነቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራሲን ዝጸምኦ ህዝቢ ኤርትራ ግና ንክሳራኡ ክሳብ ክንደይ ተደራራቢ ከም ዝገበሮ ርኡይ እዩ።

ድሕሪ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምኽታም ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡  ክልቲኦም ህዝብታት “ኮንደኾን ሰላም ይኸውን እሞ፡ ደቅና ካብ ትግራይ ይምለሱና”  ዝብል ሃንቀውታ ሰላም ኣሕደረ። ህግደፍ ግና ኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ክስለፍ ባህሪኡ ስለ ዝኾነ፡ ከይሓፈረ “ምዕራባውያን ኮሊፈሙና” ብዝብል ተቖጢዑ፡ ኣብ ውግእ ንኽቅጽል ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። ጋና ክሳብ ሎሚ’ውን ስምምዕ ፕሪቶርያ ንከይትግበር ዕንቅፋት ብምዃኑ ብብዙሓት ወገናት ይኽሰስን ይውገዝን  ኣሎ።

ወዮ ንዘጋጠሞ ዘቤታዊ ሃገራዊ ጸገማት ክጻወር ዘይከኣለ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ከምቲ “ኣብዘይለዓቱ” ዝበሃል፡ ብዝኾነ መንገዲ ተቐባልነት ዘየብሎም ምኽንያታት ብምዝርዛር  “ንኢትዮጵያ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ይግበኣ እዩ” ዝብል “ዱበላ” ሕቶ ኣቕሪቡ። ወዮ ምስ መንን ብምንታይ ምኽንያትን ከም ዝዋጋእ ሃንቀው ክብል ዝጸንሐ ህግደፍ ብወገኑ፡ ነዚ ናይ ኣብይ ኣሕመድ  ህውተታ ኣመሳሚሱ ከም መቐጸሊ ኣብ ስልጣኑ ንክጥቀመሉ ብዀራርምቱ እናሰሓቐ፡ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”  ከም ዝብሎ ዘዳዲ ኣይኮነን። ኣብዚ እውን ውግእ እንተተኸፊቱ እቲ ከፋል ዕዳ ክልቲኡ ህዝብታት እምበር እቶም ዝኣጉድዎ መራሕቲ ኣይኮኑን። 

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ተላዒሉ ዘሎ ሓደገኛ ናይ “ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ”  ኣጀንዳ፡ በቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝበሎ፡ ብመንጽር ታሪኽ፡ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኮነ ካልእ ምኽንያታት  ብሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ተቐባልነት ከምዘየብሉ ዝምስከረሉ ዘሎ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ቀዳምነታት ኢትዮጵያ ክኾኑ ዝነበሮም፡  ምውጋድ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝባራዕ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ መመሊሱ ዘንቆልቁል ዘሎ ቀጠባዊ ቅልውላው፡ ብጥሜት ዝመውት ዘሎ ኣሸሓት ህዝብን ዲፕሎማሲያዊ ምንቁልቋልን ጓስዩ ናብ ኣፍደገ ባሕሪ ምውናን ምምጥጣሩ ብብዙሓት ወገናት “መንገዲ ትስሕት ኣለኻ”  ይበሃሎ ኣሎ። ስለዚ እቲ ሃገሩ ብዓባያ ኣብ ልዕሊኡ ፈሪሳ ከይትጸቕጦ ኣብ ስግኣት ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ዘይፍትሓዊ ሕቶ “ኣይንረብሓናን’ዩ፡ ውግእ ከኣ መፍትሒ ኣይኮነን”  ክብል ይግበኦ።

ነቲ ሃላልን ዓመጸኛን ጭረሖ ደጊፎም ህዝቢ ናብ ውግእ ንክኣቱ ዝጉስጉሱ ዘለዉ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን፡ ብሰንኪቲ ውግእ ከጋጥም ብዝኽእል ሳዕቤን ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ተሓተቲ ከም ዝኾኑ ከስተውዕሉ ይግበኦም።  ኤርትራውያን እውን በቲ ሓደ ወገን ደድሕሪቲ ህግደፍ ክጽሕተር ዝደልዮ ውግእ ከይህውትቱ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝቃላሕ ዘሎ ጭረሖ ኣብ ሕጋዊ፡ ህዝባውን ዲፕሎማስያውን መድረኽ ከምክንዎ ይግበኦም።

ስለዚ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝበሃል፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ናይቲ ሓደ ሰላም፡ እቲ ካልእ ሰላም ክኸውን ከምዘይክእል ተረዲኦም ናብ ውግእ ዝወስዱ መንገድታት ኣብ  ምዕጋት ክጽዕቱ ንጽወዖም።

Last modified on Thursday, 14 December 2023 21:10