ናይ መን ዋልታ?

2023-12-05 19:19:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 759 times

እቲ ጉዕዞ ዘገምታዊ’ኳ እንተኾነ፡ ጸሓይ ህግደፍ ተንቆልቁል ከምዘላ ርኡይ እዩ። ናይቲ ጉጅለ ፈንጠርጠር ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወጻኢ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ። ንገለ ብግቡእ ዘየስተውዕሉ ናይቲ ጉጅለ ደገፍቲ ኢና ባሃልቲ፡ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀልባዕባዕ ናይ ምሕያሉን ዲፕሎማሲያዊ ተቐባልነት ምርካቡን መርኣያ’ኳ እንተ መሰሎም፡ ከም ሓቂ ግና ናይ ድሮ ውድቀቱ ጻዕረ-ሞት ምዃኑ ክግንዘብዎ ይግበኦም። እንተ’ቲ ጉጅለ ህይወቱ ንምድሓን  ሎሚ’ውን  “ነቲ ሓደ ኣጆኻ፡ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ዝብል ከፋፋሊ ፖሊሲኡ ኣሕዲሱ ክቕጽል ከም ዝፍትን ግና ዘዳዲ ኣይኮነን።

ህልውና ህግደፍ፡ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶ ጸማም እዝኒ ዝሃበ፡ ኣብ ክንድኡ ብምጉዕባዕ፡ ራዕድን ሸርሕን ዝተቓመመ፡ ኣብ ምብርታዕ ትካላት ዓመጽን ክሳብ ስድራቤት ዝውርድ ስለያዊ መርበብ ኣብ ምዝርጋሕን ዝተንጠልጠለ እዩ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ከኣ ንውግእ ከም ቀዳማይ ምርጫ መፍትሒ ጸገም ኣብ ምውሳድ ከተኲር ምጽንሑ ምስኩር እዩ። ካብ ዩኒቨርስቲ ጀሚርካ ኩሉ ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዓጽዩ  “ኩሉ ነገር ናብ ሳዋ” ናይ ምምራጹ ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ኩሉ ጸጋታት ሃገር ኣብዚ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን የውሕሰለይ ዝበሎ እኩይ ተግባራት የውዕሎ ምህላዉ ድማ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ።

እቲ ጉጅለ ዝመረጾ መንገዲ ዘይቅዋማዊ፡ ዘይህዝባውን ጠላምን ብምዃኑ ዕድመኡ ክሓጽር ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ስለ ዝኾኖ፡ ዓይነታዊ ለውጢ ክገብር’ኳ ባህሪኡ እንተ ዘይፈቐደሉ ስማዊ ምቅይያር ካብ ምግባር ዓዲ ከምዘይውዕል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ዋርሳይን ይከኣሎን” ብዝብሉ ሓረጋት ኣስኪሩ ነዊሕ ግዜ ተገልጊሉ። እንተኾነ በዚ ኣቢሉ ክንድ’ቲ ዝተጸበዮ ካብቲ ናይ ኤርትራ ክዉን ሓቂ ክሕባእ ኣይከኣለን። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ሓደ እዋን ዋርሳይን ይከኣሎን ዝነበሩ ምስ ራሕርሕዎ፡ ኣንጻሩ ንመሰረታዊ ለውጢ ይቃለሱ ምህላዎም ከምቲ ዝሓሰቦ ከምዘይኮነሉ ዘረድእ እዩ። ነዚ ምድንጋር ኣብ ወጻኢ ብዘለዉ “ደገፍተይ” ዝብሎም “ ነቲ ዝረአ ሓቂ ምስትውዓል ብዝሰኣኑ”  ወገናት እውን ፈቲንዎ እዩ።

በዚ መሰረት፡ “ማዕበል፡ ኩራዕ፡ ደቂ ሓደ ልቢ፡ ኤርትራዊ ደምዶ 4ይ ግንባር” ዝብሉ ሸፈጥቲ ናይ ስም ምቅይያር ዘለዎም ውዳበታት ከተኣታቱ  ጽዒሩ እዩ።  እንተኾነ በዚታት’ውን ኣይሰመረሉን። እነሆ ሎሚ ከኣ ብሰማያዊ ሕብሪ ብዘዕለቕለቐ ብሓፈሻ ኤርትራዊ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ብፍላይ ድማ ብመንእሰያት ብዝተነድቀ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ዕርድታቱ ክፈርስ ምስ ጀመረ፡ “ዋልታ ህግደፍ” ክነሱ፡ “ዋልታ ሃገር” ዝብል ስያመ ኣጠሚቑ፡ “ደም በጊዕ”  ዝሕብሩ ካናቲራ ብዝለበሰ ዓቕሊ ጽበታዊ ዕስለ ተኸሲቱ። ናይዚ ሓድሽ ዕስለ ተግባር’ውን ናይቶም ተፈቲኖም ዘበርዓኑ  ሕብርታት መቐጸልታ ኮይኑ፡ ዕላምኡ  ንመሰል ህዝቢ ጓዕጺጹ፡ ናይቲ ጉጅለ ዕድመ  ከናውሕን ኣብ ኤርትራ ናይ ወጽዓ ኣርዑት ከትርርን ዝመጣጠር እዩ።

ከምቲ “ኣዴኻሲ ብስምውን ኣይትወጽዕካ” ዝባሃል”፡ እቲ ጉጅለ ነቲ “ዋልታ” ዝብል ናይ ሓበንን ሓቦን ምልክት ኣብዘይቦታኡ ከውዕሎ ይፍትን ኣሎ። ናይዚ ዘይግበኦ “ዋልታ” ዝብል  ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ውዳበ ተዋሳእቲ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ንኤርትራ በቲ ዝሓለፈን ዘሎን ፖለቲካዊ ሕልኽልኻታ ዘይፈልጥዋ፡ ብህግደፍ ዝንገሮም ጽውጽዋይ ጥራይ ሓቂ ዝመስሎ፡ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጠኣን ክብርታታን’ውን ብግቡእ ዘየለልዩ፡ ካብ ምፍጣር ህግደፍ ንደሓር እምበር ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ውረድ ደይብ እቲ ጉጅለ ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ከጋግዮም ተዘይኮይኑ፡ ናቶም ብሱል ኩለ-መዳያዊ ግንዛበ ዘይብሎም፡ ደፋፊኡ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ኣፈሪሙ ዝመልመሎምን  እዮም።  ዋልታ ኣብ ያታና ምልክት መኸተን ሕራነን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዜ መኸተ ኣሕዋተን ከተባብዓ እንከለዋ “ሰስኑ ሰስኑ፡ ሽሕን ዋልታን ኩኑ፡ ኣታ እዛ ዓድና ከይኣትዋ ጓና” ኢለን ዝደርፈኦ፣ መልእኽቱ ከምቲ ህግደፍ ዝሽፍጠሉ ዘሎ ዘይኮነ፡ ፍሉይ ክብርን ርዝነትን ዘለዎ እዩ።

ህግደፍ ነዞም ዋልታ ኣብ ዝብል ምንቅስቓስ ኣሰሊፍዎም ዘሎ፡ ኣንጻርቲ ኣብ  ሰማያዊ ማዕበል ዝጓዝም ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ  የጠማምቶምን ናብ ጐንጺ ይደፍኦምን  ኣሎ። ኣባላት ዋልታ ከምቲ ዝተጠቕሰ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታትን  ሓቀኛ ዛንታን ሃገሮምን ህዝቦምን ንምፍላጥ ካብ ህግደፍ ከይተጸበዩ ሃዲኦም ከገናዝቡ ይግበኦም። ከምዚ እንተገይሮም ህዝቦምን ሃገሮምን ንምድሓን ምስ ሓይልታት ለውጢ ዝጻልኡ ዘይኮኑ፡ ዝመላልኡ ምዃኖም ክግንዘቡ እዮም። እንተደኣ ብቕንዕና ነቒሎም ንሳቶም ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከትርሩ ፡ እቲ ኣንጻሩ ክስለፉ ዝደፍእሉ ዘለዉ ናይ ለውጢ ኣካል ግና ንሓርነትን መሰረታዊ መሰልን ህዝቡ ዝተሰለፈ ምዃኑ ምርድኡ ኣይከጸግሞምን እዩ። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናይ መወዳእታ መዓርፈኦም፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ መሳርሒ ምዃን ዘይኮነ፡ ናይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዋልታን መድሕንን ከምዝኾኑ ርግጸኛታት ኢና። እንተ ህግደፍ ንባዕሉ ዋልታ ንዘይኮነላ ኤርትራ ዋልታ ክፈጥረላ’ዩ ኢልካ ምጽባይ ዘይመስል እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ ህግደፍ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ከም ዘመልክቶ፡ ነዚ ሓድሽ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ፡ ዋልታ ይሰይሞ ጉራደ፡ ወይ’ውን ድርዒ፡ ናይ ልምዓት፡ ቅሳነትን ዲሞክራሲን ተስፋ ዘይኮነ፡ ናይ ውግእን ህውከትን ጠንቅን መኻዕበቲ እቶትን እዩ ክጥቀመሉ። ናይ ክእጐድ ዝኽእል ውግእ ግዳይ ዝኾኑ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዘውደኽድኹ ኣባላት ዋልታን ወለዶምን ዘይኮኑ፡ እቶም መወጽኢ ስኢኖምን መንጠቢኦም ጠፊእዎምን ኣብ ኤርትራ ምስቲ ዘይቅሱን ሃዋህው ዝፋጠጡ ዘለዉ መንእሰያትን ስድራቤቶምን እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ብክልል ትግራይ ኣቢሎም ኣዲስ ኣበባ ንምብጻሕ ብደላሎ ኣሸሓት ዶላራት ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ዝሕባእ ኣይኮነን። ብድሕሪኡ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ክቕጽሉ እንከለዉ ዝገጥሞም ዘሎ ጸገም ከኣ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ።

ደጊም መንእሰይ ንኤርትራ ብመንጽር ዕለታዊ ህይወቱ እምበር፡ ካብ ደገ ብናይ “ኩራዕ”  ጐስጓስን ናይ ዋልታ ዳንኬራን ተቓሚሙ ብዝንዛሕ መርዚ ኣይኮነን ዝርደኣ። ሓደ ሓደ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ንውዳበ ዋልታ ዘረሳስኑ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ምግጋይ ናይቶም ኤርትራ ኣትዮም ዋጋ ዘይከፍሉ ደቆም ክጽመዱ ኣይግበኦምን። ብኣንጻሩ ኣብ ቦታ እቶም መንጠቢ ስኢኖም ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘለዉ መዛኑ ደቆም ኮይኖም ክሓስቡ ይግበኦም። ብዛዕባቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከብዶም ብጥምዩ ዝባኖም ብዕርቑ ሰላም ሓሪምዎም ዘሎ ስድራቤታት’ውን ከስተውዕሉ ምተገብኦም። ነቲ “ዓሻ ሰበይቲሲ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ዝብል ምስላ ኣበው ክርስዕዎ ኣይግበኦን። “ዋልታ ህግደፍ” ምዃን “ዋልታ ኤርትራን ህዝባን” ምዃን ማለት ከምዘይኮነ ከኣ፡ ኩሉ ከስተውዕለሉ ይግባእ።

                                                                                                                                                                        

                                                                                                                                                                        

Last modified on Tuesday, 05 December 2023 20:38