ኤርትራዊ ህልውና ይዕቀብ ብኣና

2023-06-04 20:11:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 974 times

ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን  ዝህሉ  ዝምድና ብቐንዱ ከም ናይ ጎረባብቲ ርክብ ብዲፕሎማስያዊ መለክዒታት ዝመሓደር ምቅርራብ እዩ። ናይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝምድና ኣብ ልዕሊቲ ጀኦግራፍያዊ ቅርበቱ፡ ብናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መውስቦ፡ ንግድን ታሪኽን ተመሳሳልነት ዝተደረዐ ምዃኑ እሙን እዩ። እዞም ዘመሳስልዎ ነጥብታት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግዜ ጽቡቕን ሕማቕን ንክተሓጋገዝ ዝድርኹ ምዃኖም ብግብሪ ክርአ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝምድና ብመንጽር ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ ሓጐጽጐጻት ዝተሰነየ እምበር ልሙጽ ጉዕዞ ኣይነበረን። ምስቲ ሓጐጽጐጽ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ኣሉታዊ ገጹ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ዘይተኣማመንሉኳ እተሃለወ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብሓባር ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብሓባር ተቓሊሶም ምዕዋቶም ዘይከሓድ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚዚ ደሙ ዘይነቐጸ ውግእ 2020፡ ካብ ዕስራ ዓመታት ዝያዳ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ከም ዝተዓቖቡን፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ከም ዝተማህሩን መርኣያ ጥቡቕ ኣውንታዊ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ለጋስን ሰናይን ኣቀባብላ ጐረቤት በቲ መስርሕ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ደጋጊሞም ዝመስከርዎ እዩ። ምስዚ ግና ንዝምድናኦም ብኣሉታ ዝጸለዉ፡ ከምቲ እቶም ነቲ ውግእ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ኣካላት ከይተረፉ “ትቲርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ወገናት ሰፍ ዘይብል ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ዘውረደ ውግኣት፡ 1998-2000ን 2020-2022ን ኣካይዶም እዮም።

ኣብ ትግራይ፡ ብ2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ክልል ሓይልን ውግእ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕደሮ ሻቕሎት ከቢድ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል ዘለዎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ናይ ኣረአእያ ምምስቓል  ከም ዘጋጠመ፡ ጋና  ክሳብ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ክስተት እዩ። እዚ ምስሕሓብ ኣብቲ ኣንጻር ጭቆና ህግደፍ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን እውን ክረኣ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ምንጽጻግን መፍቶ ህግደፍ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ካብ ምፍልላይ ናይቶም ንምውጋዱ ዝቃለሱ ሓይልታት እምበር፡ ካብ ምቅርራቦምን ሓድነቶምን ዘይዕንገል  ስለ ዝኾነ። እዚ ምትፍናን ንናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘዳኸም ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዘይምልከቶ ውግእ ትግራይ ምእታው፡ ኤርትራውያን ነቲ ኩነታት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእይዎን ብኣተሓሳስባ ንክዋጠጡን ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓደ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ጐረባብቲ ምዕባለታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምጽልላው ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ኣብ መጻኢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ዝምድና፡ ኣብ ኣተዓቓቕናኡን ኣተገባብራኡን፡ ድሕሪ ውዓል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ፍልልያት የረኢ’ሎ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ፍልልያት ምንጽብራቕ ንቡር ኮይኑ፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ክስገር ዘይግበኦ፡ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ዘለዎም ብዙሕ ተመሳሳልነት፡ ኣብ ሃሃገሮም ዝነብሩ ክልተ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኖም እዩ። እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ዜጋታት ምዃኖም ዘመልክት ቀይሕ መስመር እንተ ተጋሂሱ ግና፡ ክሳብ ክንደይ ጸገምን ምትሕልላኽን ከም ዘኸትል ኣሉታዊ ምልክቱ ይረአ ስለ ዘሎ፡ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ክስገር ዘይግበኦ መስመር እናዓቀብና መንፈስ ኢድ ኣእታውነትን ምግዳድን ብምግዳብ፡ ተሓጋጊዝና ሰላምናን ዕቤትናን ነውሕስ ምባል ግና ቅቡልን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ዝምድናን እዩ። ንናይ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘሊልካ ምእታው ዝተቓወምናሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብዘይካቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ዘስዓቦ ኣሉታዊ ስንብራት፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክህልወና ዝግበኦ መንፈስ ምትሕግጋዝን ተኸባቢርካ ምንባርን ኣጸልሚቱ፡ ሕዱር ጽልእን ቅርሕንትን ዝዘርእ ኣዕናዊ ተግባር  ስለ ዝኾነ እዩ።

ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት፡ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ህልውናና ከም ልኡላዊ ሃገርን ህዝብን ብኣና ዝወሓስ ምዃኑ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ብናትና ፈቓድ ብናይቲ ካልእ ወገን ቅሩብነት፡ ኣብቲ ዝጐድለና ደገፍ ስለ  ዘየድልየና ማዕጾና ንዕጸው ማለት ኣይኮነን። ህልውና ትግራይ ይኹን ካለኦት ጐረባብትና እውን ከምቲ ናትና ባዕላቶም ዘውሕስዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኤርትራውያን ህልውናና ከም ህዝብን ሃገርን ብናይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነት ከም ዝውሰን ጌርካ  ምርድኡ፡ ብሓጺሩ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ናይ ካለኦት ህልውና፡ እንተ ገደደ ብደረጃ ደጋፊ እሞ ድማ ብፈቓድ ናይቲ በዓል ቤት እምበር፡ ወሳኒ እጃም ከምዘየብልና፡ ካብ ሃላሊ ፖሊሲ ህግደፍን ንዕዘቦ ዘለና ሳዕቤኑን  ተመኩሮ ምቕሳም ኣገዳሲ እዩ።

ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ምምስሳላት ምኽንያት ፡ ዝምድናና ምስ ትግራይ ዝያዳ ከም ዝዓዝዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ ጉርብትና  እንተ ተሳሒቱ ግና ናይ ምትሕልላኽ ሓደጋ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝነጥፉ ዝተወሰኑ ተጋሩ፡ ናብ ገለ ኤርትራውያን “ደጊም ንስኻትኩም ጉዳይኩም ግበሩ፡ ንሕናውን ጉዳይና ክንገብር፡ ምትሕግጋዝና ግና ህያው ይኹን”  ዝብል መልእኽቲ የመሓላለፍ ምህላዎም ብጽሞና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።

እቲ ካልእ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ መጻኢ ዝምድናታት ክንሓስብ እንከለና፡  ዘይወገናዮ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዕዮ ገዛ ኣለና። ሎሚ እቲ ብዛዕባኡን መጻኢ ዝምድናታቱን ንዛረብ ዘለና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳዩ ብናጻ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ እዩ ዘሎ። ቅድሚ “ብኸመይን ምስመንን እዛመድ” ምሕሳቡ፡ “ብኸመይ ህልውናይ ኣረጋጊጸ፡ በዂሩኒ ዘሎ መሰረታዊ መሰላተይ ይመልስ?”  ዝብል ሕቶ ምምላስ ከም ዘቐድም ውሁብ እዩ። ስለዚ ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ኣብ ውሑስ መድረኽ ብናጻ ኣብ ዝውስነሉ ደረጃ ናይ ምብጻሕ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ኣብ ዘይተማለኣሉ፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን፡ ርኢቶ ካብ ምቕራብ ሓሊፍካ ኣብ ዘይህላወኡ ክትውስነሉ ምህቃን ጸገም ዘለዎ ኣተሓሕዛ እዩ።

Last modified on Sunday, 04 June 2023 22:17