መደረ ኢሳያስ፡ ህድማ ካብ ዘቤታዊ ጉዳያት

2023-05-27 19:34:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1057 times

ምስሊ፡ መርበብ ኤሪጋዜተ

ጉንበት 24፡ መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ ስምዒታትን ኣገባባትን ከም ዝዘከርዋ ተዓዚብና። ካብቶም ኣብ ቅነ እዛ መዓልቲ ዝተንጸባረቑ ስምዒታት፡ “ናጽነትና ፍረ መስዋእቲ ጀጋኑናን ናይ ኩሉ መጻኢ ሓርነትና፡ ዕቤትናን ህንጸትናን መሰረት ስለ ዝኾነትን ብሓበን እትዝከር እያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተናጊፍና ናብ ሓዲሽ ዘቤታዊ ወተሃደራዊ ምልክን ጭቆናን ዝኣተናላ ዕለት እያ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓርነት ዘይተሰነየ ናጽነት በቲ ካልእ ድማ ባርነት ዝተኣወጀላ ዕለት ስለ ዝኾነት ፍይዳ የብላን” ፡ ዝብሉ ስምዒታት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ብፍላይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶን ክብደትን ናይዛ ዕለት ዘይምስምምዑ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኤርትራውያን ዝተቐብጸን ዝፈሸለን መራሒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ንሱ እውን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዘየብሉ ስለ ዝርዳእ፡ “ካብ ተቐባልነት ረኺብካ ምምራሕ ናብ ኣገዲድካ ምግዛእ” ካብ ዝሰጋገር ነዊሕ ግዜ ኮይንዎ እዩ። ኣብ ከምዛ መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ካብ ሓቂ ዝሃድመሉ እምበር ርትዓውን ንብሩህ መጻኢ ዝእምትን መደረ ከም ዘየስምዕ ከኣ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተጽበዮ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና “ሎሚ ዘበንከ እንታይ ቅዲ መህደሚኾን የምጽእ?” ኢሎም ዝተጸበይዎ ኣይተሳእኑን። ኢሳያስ ግና ነቲ ናይ ቀደም ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብካለኦት  ናይ ምስባብ ኣመሉ ኣጸባቢቑ ምቕራቡ እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ኣየምጸአን። ከምቲ ልማዱ ድማ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከም ኔቶ ዝኣመሰሉ ዓብይቲ ምዕራባዊ ትካላትን ከም ቀዳሞት ጸላእቱ ጠቒሱ፡ ብፍሽለቱ ከም ዝሕተቱ ኣምሲሉ  ጉጅለታት  ብዝብል ቃና ኣነኣኢስዎም።

ኢሳያስ ኣብ መደርኡ፡ ዝጠፈሸትን ዝኣረገ መዛግብቲ እትግንጽልን ንዝበላ ኣመሪካ፡ “ጥሙር ሃገራዊ እስትራተጂ” ዝብል ሰነዳት ኣዳልያ ኣንጻሩ ትሰርሕ ከምዘላ ጠቒሱ። ዕላማኣ ከኣ ግደ ኢሳያስ ኣብ ዞባና ንምግዳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጠቕሊላ ካብ ስልጣኑ ንከተወግዶ ምዃና ብምጥቃስ፡ ኣውያት ኣስሚዑ። ኣሜሪካ ንሰራዊት ኤርትራ ብገበን ከም ዝኸሰሰት እውን ኣግሂዱ። ነብሱ ንከተዓባቢ ድማ ኣመሪካ በቲ ንኤርትራውያን ደም ዘንብዕ ዘሎ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መደቡ ከም እትሰግእ ከይሓፈረ ጠቒሱ። ነቲ ኣብ መንጎ መንጎ መደርኡ፡ ፍረ ሓሳቡ ብዘይምርዳእ ኣብዘይቦታኡ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዝነበረ ጣቓዒትን ዕልልታን ሰሚዕካ እቲ ኣውያቱን እንጽርጽሮቱን፡ ናይ ድፍረቱ፡ ትብዓቱን ሰዓርነቱን ኣንጻር ኣመሪካ ገይሮም ዝተረድእዎ ግሩሃት ወገናት ከም ዘለዉ ምግማት ይከኣል። ሓቀኛ ትሕዝቶ ናይቲ ክቱር እንጽርጽሮቱ ግና ናይ “ስግኣትን ጠፋእኩን” ኣድሕኑኒ ስምዒቱ መግለጺ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ተናኻስን ስሱዕን ፖሊሲኡ በብግዜኡ ኣብ ዞባናን ርሑቕ ከባብን ከጋጥሞ ዝጸንሐ ተነጽሎን ፍሽለትን እውን ናብ ኣመሪካን መንግስታት ምዕራብ ኤውሮጳን ከላግቦ እዩ ተሰሚዑ።

ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ምምራሕ ከም ዝፈሸ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ንሱ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ደጋጊሙ “ከምዚ ክንገብር ይግበኣና ነይሩ ግና ኣይገብርናዮን” እናበለ ዝናዘዞ እውን  ፍሽለቱ ናይ ምቕባል ምልክት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ኤርትራ ኣብቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኮነ ብደረጃ ዓለም ብዝተፈላለዩ ዘይሻራውያን ትካላት ኣብ  ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሰብኣውን ካልእ ዛዕባታትን  ዝግበሩ መጽናዕትታት፡ ኩሉ ግዜ ካብተን ቀዳሞት ዝሓመቓ፡ ዝደኸማን ዝሓሰማን ተርታ ናይ ምስርዓ ምስጢር እውን ናይ ኢሳያስ ፍሽለት ዘርኢ እዩ። ኣብ ድሮ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 2023፡ ብዛዕባ ዘመናዊ ባርነት ብዝኸፈአ ደረጃ ዝዝውተረለን ሃገራት ዝወጸ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም 2ይቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ 1ይቲ ዝኸፈአት ምዃና ምግላጹ ከኣ ካልእ ንፍሽለት ኢሳያስን በሓቲ ምምሕዳሩን ዝያዳ ዘራጉድ እዩ።

ነዛ ኩሉ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ሰብን ዘለዋ፡ ብዝተሓደሰ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ከባቢ 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ ምምራሕ ስኢኑ ከብቅዕ፡ ኣብዚ ናይ መበል 32 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት መደርኡ እውን፡ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መህደሚ ንክኾኖ፡ “ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ንሓስብ፡ ብዛዕባ ኣስታት 400 ሚልዮን ህዝቢ እዚ ዞባ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና” ዝብሎ መመሳመሲ ቃሉ ደጋጊሙ ኣቃሊሕዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ቅኑዕ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምኽታል፡ “ዘቤታውን ዞባውን ዛዕባታት ብሓደ ሚዛን ኢና ንርእዮም” ምባሉ ካልእ ንህድማኡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይን ህዝቢ ኣብ ሕልሚ ናይ ምንባር ተንኮሉን ዘመልክት እዩ። ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ዓጀውጀው  ምትኳሩ፡ ነቲ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣኸደምቱ ዝተቐበሎ ናይ ተለኣኣኽነትን ኣገልጋልነትን ተልእኮ፡ ኣመላኺዑ  ንምቕራብ  ዝዓለመ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘየድመዐስ ኣብ ዞባ ከፍሪ እዩ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።

እዚ ዲክታተር ኣብዚ መደርኡ፡ ሓድሽ ተላኣኺ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣመሪካን ካለኦት ስለ ዘቃልዕኦ ዘይፈትወን ሃገራትን ተልእኮ ተቐቢሉ ከምዘሎ ብዝግባእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ኣብ ድሮ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ሃገረ ቻይና ቀንዩ ብዝተዋህቦ ተስፋ ጉልበት ዝወሰኸ መሲሉ ብምቕራብ፡ ዓቕሚ ቻይና ብመንጽር ኣመሜሪካ ዘበርኽ ዘራይ ንምዃን ዘርኣዮ፡ ፈተነ፡ ምስ ኩሉቲ ናይ ሩሲያ ገበናት ደጋፍን ተሓላቕን ምጽንሑን መስርዑ ኣበይ ምህላዉ ብዝግባእ ኣነጺሩ እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ንህዝቢ ኤርትራ ስምዒት ኣረሳሲኑ ንሓደ ዘሕዝን ጉዳይ የዳልዎ ከም ዘሎ ምግማት ይከኣል። ኣካላት ህግደፍ “ኣብዚ ሳምንቲ ዝኾነ ይኹን ናይ መርዓ ውራይ ከይቁጸር” ዝብል ወረ ታሕቲ ታሕቲ ይነዝሓ ኣለዋ ዝበሃል ናይ ማሕበራዊ መድያ ሓበሬታ፡ ምስዚ ምትእስሳር ዘለዎ ከይከውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

እንተቲ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይምልዓሉ፡ ከምቲ “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ኣይትጠይቕ” ዝባህለ ኮይኑ እዩ ተሓሊፉ። እቲ ትሕተ-ቕርጺ፡ ጸዓት፡ ማይ፡ ባሕሪ፡ ሕርሻ፡ ዕደና፡ መጐዓዝያ፡ ምስናዕን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብዝብል ዝጠቐሰሉ ኣገባብ “ንፍርዲ ኣይርትዑና” ከም ዝበሃል ንሃልኪ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ሃዲሙ ደገደገ ምምዕዳዉ ቀጻሊ እዩ።

Last modified on Saturday, 27 May 2023 21:45