ኩሉ ማዕረ ኣብ ቅድሚ ሕጊ

2016-09-14 19:53:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3462 times

ርእሰ-ዓንቀጽህኤ

ኣብ ሕብረተሰብና ሓደ ሰብ “ዝባን ሕጊ” ኢልካ ኣንተ ገዚዝካዮ ካብታ ዘለዋ ክንቀሳቐስ ኣይክእልን እዩ። እዚ ናይ ሕጊ ሓያልነትን ቀያድነትን ካብ ዘርእዩ ብዙሓት ኣብነታት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ” ንሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ፡ ዳኛ ዘየብሉ ጉዳይ ጥፉእ፡ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ ..” ዝብሉ ኣብነታዊ ኣዘራርባታት እውን መልእኽቶም ልዕልና ሕጊ ምንጽብራቕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ግዚ ተተጣሒሱ፡ ዳኛ ተበዂሩን ማሕለኻ ተተፈቲሑን ዝስዕብ ጉድኣት ከኣ ሃሳዪ እዩ።

ሕጊ ንሓንሳብ የርውየካ ንሓንሳብ ድማ የገድደካ። ስለዚ ሕጊ ተመቀረካ ትልሕፎ ተመረረካ ከኣ ትተፍኦ ዘይኮነስ፡ እንተመረካ’ውን ጥዒምካ ትገድፎ ዘይኮነስ ተገዲድካ እትውሕጦ እዩ። ኩሉ ግዜ ሕጊ እንዳረገጸ ብዝጠዓሞን ዝኣምኖን ጥራይ ዝኸይድ ከኣ በይኑ ዝነብር እዩ። ምኽንያቱ ቀንዲ ተልእኮ ሕጊ በበይኑ ናይ ብዝሑነትን ሓሳብን ፍልልይ ዘለዎም ወገናት ንናይ ሓባር ህልውነኦም ጠሚሩ ዘኽይድ ናይ ምግዳድ ባህሪ ዘለዎ መሳርሒ ስለ ዝኾነ። ሕጊ ካብ ተፈጥሮኣዊ ጀሚርካ ክሳብ ሰብ ሰርሖ ብዙሕ ባህርያት ዘለዎ እዩ። ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ ድሌትካ ዝግድብ ስለ ዝኾነ ምትግባሩ ቀሊል ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ናይ ሕጊ ግዙእን ቅዩድን ክትከውን ዋጋ ከም ዘኽፍል ዝግለጽ።

ናይ ሕጊ ስፍሓትን ዕምቆትን ከከምቲ ዝግልገለሉ እኩብ ኣካል ዝፈላለ እዩ። ፖለቲካዊ ትካላት ዝመሓደርሉ ሕጊ ናቱ ስፍሓት ኣለዎ። በርገሳዊ ኮኑ ናይ ንግዲ ማሕበራት ዝምሓደርሉ ሕግታት’ውን ነናቶም ስፍሓትን ዕምቆትን ኣለዎም። ብባህሪ ደረጃ ግና ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ኣዕጊስካ ኣብ ሓደ ማእከላይ ነጥቢ ናይ ምርግኡ ኣገዳዲ ተልእኮ ኣለዎም። ናይ ሓንቲ ሃገር ሕገ-መንግስቲ ኣብ በሪኽ ዝስራዕ ናይ ሕግታት ጐብለል እዩ። ብሳላ ዳንነት ናይዚ ሕጊ እየን ድማ ብኹሉ መለክዕታት ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት ህዝበን ኣሳንየን ዘንብራ። ብፍላይ ኣብ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን መዳይ ክንመጽእ እንከለና ሕጊ ኣገዳሲ ናይ ኩሉ ምዕባለታት መቆጻጸሪ ቀጥዒ እዩ። ብመንጽር እዚ መዕቀኒ እዚ ኢኻ ድማ ንሰባት ምእዙዝ ወይ ብኣንጻሩ ፍኑው ክትብሎም እትኽእል። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ሕጊ ልዕሊ ሰባት እምበር ሰባት ብውልቂ ይኹን ብሓባር ልዕሊ ሕጊ ክስርዑ ኣይክእሉን እንብል። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሰባት ብዛዕባ’ቲ ሕጊ ዝግድቦም ጉዳያት ክሓስቡ ኣይክእሉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝትግብርዎ ግና እቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ጥራይ እዩ።

ብኩራት ሕጊ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ዝያዳ ኩሉ ንዓና ንኤርትራውያን ብሩህ እዩ። ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዘየብሉ ብምንባሮም ዝወርዶም ዘሎ ጉድኣት ስለ እንርዳኣ። ኣብ ኤርትራ ልዕልና ውልቀሰብ እምበር ልዕልና ሕጊ የለን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ናይ ሕጊ ኣቀማምጣ ዘይኮነ ብመሰረቱ’ውን የለን። ኣብ ኤርትራ ዝቐትልን ዝምሕርን ባዕሉ ልዕሊ ሕጊ ገይሩ ዝሰኣለ ሰብ እምበር ሕጊ ኣይኮነን። ብመሰረቱ ማእከላይ ነጥቢ ናይዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብግብሪ ኩሉ ትሕቲ ሕጊ ዝኾነሉ ስርዓት ንምምጻእ እዩ። ሕጊ ልዕሊ ሰባት ዝኾነሉ ስርዓት  ክትክል ግና ቅድሚ ኩሉ ብንጹርን ብቐጻልን ንነብስኻ ትሕቲ ሕጊ ምዃንካ ከተእምን ናይ ግድን እዩ። ነዚ ክትበቅዕ ከኣ ካብ ውልቅኻ ጀሚርካ ክሳብቲ ከም መቃለሲ ዝመረጽካዮ መድረኽ ውሽጣዊ ቃልሲ ኣካይድካ ድሌትካን ስምዒትካን ክትገንሕ ምብቃዕ የድሊ። ሕጊ እንታይ ከም ዝብል ምርዳእን በቲ ትረደኦኻ ቅዩድ ምዃንን ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ እዋንዚ ንዓለምና የናውጽዋ ካብ ዘለዉ ክስተታት ሓደ ሰባት ልዕሊ ሕጊ ክኾኑ ዝገብርዎ ፋሕተርተር እዩ።

ሕጊ ይንኣስ ይዕበ ብዙሓት ጉዳያት ስለ ዝድህስስ ከከም ባህሪ ናይቲ ዝትግበረሉ መድረኽ ዝርዝራት ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ትካላት ክንመጽእ እንከለና፡ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ፡  ውሑዳት ብውሳነ ብዙሓት ይምእዘዙ፡ ታሕትዎት ብውሳነ ላዕለዎት ይቕየዱ .. ዝብሉ ዓንቀጻት ወሰንቲ ናይ ቅዋም ኣዕኑድ እዮም። ኣብዚ እቶም ክምእዘዙ ይግበኦም ንብሎም ዘለና ታሕተዎት ወይ ውሑዳት ኣብቲ ዝምእዘዝሉ ዕጉባት ዘይምዃን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ጽላል እዞም ወሰንቲ ኣዕኑድ ክትነብር ዘይዕግበትካ ምውሓጥ ግድን እዩ። ኣብ ንከምኡ ዘብቅዕ መድረኽ ዘይዕግበትካ ምስ ምኽንያቱ ክትገልጽን ደገፍ ረኺብካ ኣብዘሓ ክትከውን ምጽዓርን ብሕጊ ዝተሓለወ መሰል እዩ። ሎሚ ደገፍ ብዙሓት ዘይረኸበ ሓሳብ ጽባሕ ናይ ብዙሓት ናይ ምዃኑ ዕድሉ ክፉት ስለ ዝኾነ ከኣ ቀጻሊ ቃልሲ ይሓትት። ኣብዚ ሓደ ክንጸር ዝግበኦ እቲ ናይ ውሑዳት ወይ ታሕተዎት ሓሳብ ካብቲ ናይ ብዙሓት ወይ ላዕለዎት ሓሳብ ዝያዳ ቅኑዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሕጊ ደገፍ ክሳብ ዘይረኸበ ግና ዝስማዕ’ምበር ዝትግበር ክኸውን ከቶ ኣይክእልን እዩ።

በብናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳነን ምርጫን ብሓባር ክትቃለስ እንከለኻ ኣቶም ተዋሳእቲ ብብዙሕ መዕቀንታት ዝተፈላለዩ ባህርያት ዝውክሉ እዮም። እቲ ብዙሕነት ኣብ እምነት፡ ጾታ፡ ዕድመ ተመኩሮ ወይ መጻኢ ራኢ ዘትከለ ክኸውን ይኽእል። ዝያዳ ድማ ኣብ ብቕዓት። ኣብዚ እቶም ዝያዳ ብቑዓት ዝጻወትዎ ግደ ጸብለል ዝብል ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ጉዳያት ብሕጋዊ ዓይኒ ክምመ እንከሎ ግና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኩሉ ማዕረ እዩ።

Last modified on Wednesday, 14 September 2016 21:57