ዓቕምኻ ካብ ጻዕርኻ’ምበር ካብ ድኸመት ካለኦት ኣይኮነን

2016-09-22 16:30:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3111 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ሰፊሕ ዝርዝራዊ ትርጉም ስለ ዘለዎ፡ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምሕጻሩ ቀሊል ኣይኮነን።  ንዝተበገስካሉ ወይ ብካለኦት ዝተዋህበካ ዕማም ክትፍጽም ብቑዕ ምዃን ምባሉ ዝከኣል ይመስለና። ነዚ ዓቕሚ ንምጥራይ ኣብ መስርሕ ብናትካ ጻዕሪ ዝጥረ እዩ። እዚ ዓቕሚ ዝተዋህበካ ዕማም ትፍጽመሉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ መግለጺ ህይወትካ ዝኾነ ውድድር  ክትስዕር ወይ ድማ ክትሰዓር ዝውስን መሳርሒ እዩ።

ሰባት ወይ ኣካላት ነዚ ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ብናቶም ውሽጣዊ ጻዕሪ ከረጋግጽዎ ኣብ ዘይከኣልሉ ግዜ፡ ኣቋራጭ ብምፍጣር ናይ ካለኦት ድኹም ጐድኒ ብምምዝማዝ ወይ ብምጽላም ከረጋግጽዎ ይፍትኑ እዮም። እዚ ኣብ ሕድሕድ ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጎ ትካላት’ውን ዝረአ ምጥልላፍ እዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና እውን ሳዕሪሮም ካብ ዘለዉ ዓንቀፍቲ ጸገማት ሓደ ምናልባት’ውን ቅድሚት ዝስራዕ ኮይኑ ዘሎ ሕዱር ሕማም እዩ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ከምቲ ግቡእ ኣብ ክንዲ ናይ ካልኦት ወገናት ድኽመት ኣጋኒንካ ወይ ዘየለ ምሂዝካ ምቕራብ፡ ዋላ ንኡስ ይኹን ኣውንታኦም ኣግዚፍካ ምንኣድ ንገዛእ ርእሱ ብቕዓት እዩ። እዚ ማለት ግና ክእረም ወይ ክውገድ ዝግበኦ ናይ ዝኾነ ኣካል ሕጽረት ምሕባእ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ድኽመት ከተቕርቦ እንከለኻ ግና ብኸመይ ጌጋ ተብዝሕ ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ድኽመት ተወግድ እንዳማዕደኻ ክኸውን ይግባእ።

ክትዓሞን ክትሰግሮን ዝግበኣካ ምትግባር ምስ ጸገመካ፡ ቅድሚ ኩሉ እቲ ጸገም ካባኻ ከይከውን ምስ ገዛእ ርእስኻ ምዝታይ ናይ ብቕዓት መምዘኒ እዩ። እቲ ጸገም ኣባኻ እንተረኺብካዮ ናብ ርሑቕ ከየመዓደኻ ከተእርሞ ምጽዓር። ንስኻ ተዘይክኢልካዮ ከኣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ወገናትን ኣገባባትን ምንዳይ። እዚ ኩሉ ኣብ ዘይተኽእለሉ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተዋህበካ ዕማም ጅሆ ሒዝካ ትሕምሶ ብዝኽእልዎ ከም ዝስራሕ ምግባር እውን ናይ ብቕዓትን ምስትውዓልን መርኣያ እዩ። ካብዚ ሓሊፍካ ናትካ ሕዱር ድኽመት ንምሕባእ፡ ንኻልኦት ኣብ ዘይወዓልዎ ሓጥያት ግዳይ ምግባር ግጉይ እዩ። ንዓኻ እውን ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጻዕሪ ካብ ድኽመትካ ከይትወጽእ ዝዓግት ስለ ዝኾነ፡ ዕዳኡ ናባኻ ዝምለስ እዩ። እቲ ንካለኦት ብምክፋእን ዘይምልከቶም ድኽመት ብምልጣፍን ዘድሕነካ መሲሉካ ግዳይ ዝገበርካዮ ኣካል ንግዜኡ ደኣ ይሻቐል እምበር ብግብሪ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እቲ ናቱ ሕጽረት ናብ ካለኦት ብምልጣፍ ግዳይ ብምግባር ዓቕሚ ዘጥሪ ዝመስሎ ዝነበረ ኣካል ዝኸፍሎ ናይ ጣዕሳ ዕዳ ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ንሕና ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኩልና ደለይቲ ለውጢ ክንስና ኣብ መንጎና ፍልልያት ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ፍልልይ ድማ ኣብ ውሱን መድረኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ምስሕሓባት ከጋጥም ይኽእል። ኣብዚ ነናትካ ሓቂ ጐሊሑ ከም ዝወጽእ ኣብ ምግባር ክትወዳደር ግድን እዩ። እቲ ውድድር ከኣ ናትካ መርተዖታት ኣብ ምጉላሕ እምበር ናይ መወዳድርትኻ ሕጽረት ምምዝማዝ ቅድሚት ክስራዕ ኣይግባእን። እዚ ሕጋውን ሰላማውን ውድድር ግቡእ መልክዑ ሒዙ እንተኸይዱ ካብ ፍልልይ ሓሊፉ ጽልኢ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ኣብ መሰረታዊ ዕማም ዘለካ መሰረታዊ መራኸቢ ድንድል ከኣ ኣየፍርሶን እዩ። እዚ ድንድል ክሳብ ዘይፈረሰ ድማ ናይ ግዜ ጉዳይ ደኣ ይኸውን እምበር ነቲ ክፈላልየካ ዝጸንሐ ዛዕባ እንተ ግዜ ወሲድካ ፈቲሕካዮ ወይ ድማ ይጽነሓልና ኢልካ ወጊንካዮ ምርኻብካ ዘይተርፍ እዩ። ምርሕሓቕን ምቅርራብን እውን ከምቲ ካልእ መስርሕ ኣብ ክብን ለጠቕን ዝምርኮስ ስለ ዝኾነ።

ናይ ሓባር ዕማም ስለ ዘለካ ርሒቕካ ምስ ዘይትርሕቆ ኣካል፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ጉዳያት ዝተፈጥረ ፍልልይ ሰማይ ኣዕሪግካ፡ ከም ናይ ድኽመትካ መሸፈኒ ንምጥቃም፡ ደሓር ንምእራሙ ብዘጸግም ደረጃ ምጽራፍን ምጽልላምን ግና ኣብ ርእሲ ዘይብቕዓትካ ዘይብቕዓት ምድራብ ስለ ዝኾነ ዝምረጽ ኣይኮነን። ነቲ ሓቀኛ ክውንነት ናይቲ ንግዜኡ ዝጸላእካዮ ኣካል በቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ጥራይ ክትቀርጾ ኣይከኣልን እዩ። ንስኻ ክትቅይሮ ዘይትኽእል ናቱ ተረድኦ ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ዝስዕር ከኣ እቲ ካብ ውሽጡ ዝምንጩ ኣረዳድእኡ’ምበር እቲ ብዘይዓቐኑ ኣስፊኻ ከተልብሶ እትደልዮ ናይ ሓሶት መግለጺ ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝግለጽ ከምቲ ውልቀሰባት ይኹኑ ውድባት “ከምዚ ክኾኑለይ ይግበኦም” ዝብልዎ ንሳቶም እውን ብውልቅኻ ድዩ ከም ውድብ “ከምዚ ክኾነለይ ይግበኦ” ዝብልዎ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎም ምስትውዓል የድሊ። እዚ ክልተ ጫፋት ከካብቲ ዝሓዞ ከይለቐቐ ምውጣጥ እንተቐጺሉ እቲ ኣቐዲምና ክፈርስ ዘይግበኦ ዝበልናዮ ድንድል ክፈርስ ይኽእል እዩ። ነዚ ዝፈረሰ ድንድል ደሓር ዳግማይ ክትሃንጾ ከኣ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ ክንድ’ቲ ናይ ጫፋት ምውጣጥ ኣብ “ቁሩብ ክቐርበካ’ሞ ንስኻ’ውን ቁሩብ ቅርበኒ ደሓር ኣብ ማእከላይ ቦታ ንራኸብ” ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሒዝካ ግና መፍትሒ ክርከብን ናይ ሓባር ዓቕሚ ክጥረን ናይ ግድን እዩ። ምእንቲ እዚ ከኣ “ብርታዐኻ ካብ ጻዕርኻ’ምበር ካብ ድኸመት ካለኦት ዝርከብ ኣይኮነን።” ንብል ኣለና።

Last modified on Thursday, 22 September 2016 18:35