ኣብ መዕቆቢ ምስ ዝወለደታ፡ ሎሚ’ውን ኣብኡ ትነብር ትግራወይቲ ኣደ፡ (ካብቲ ኮሚተ ዝተወስደ ስእሊ)

ዓለም ለኻዊ ኮሚቲ ሓደጋ (international rescue committee)፡ ዝተባህለ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ኩለመዳያዊ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣለዋ ካብ ዝበለን 10 ቀዳሞት ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣብ 4ይ ደረጃ ሰሪዕዋ። ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘቤታውን ዞባውን ምዕብልናታት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ውግእ ከም ዘልዓለ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ እቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝሳተፍዎ ዘለው ውግኣት ሰፊሕ ናይ ሰባት ምምዝባል የስዕብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

 ውሕጅ፡ ደርቅን ዝኣመሰሉን ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዘኸተሎም ሓደጋታት እውን ኣብቲ ምምዝባል ግደ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ብገበርቲ ሰናይ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንካይ፡ ብፍላይ ድማ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ካብቲ ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝጸንሐ በጀት 387 ሚልዮን ዶርላ ምንካዩ ንመነባብሮ ናይቶም ረዲአት ዝጽበዩ ኢትዮጵያውያን ኣጋዲድዎ  ኢሉ።

ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ሓደጋ ምምዝባል ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ ዝበለ እቲ ኮሚተ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሓይልታት ትግራን ኣምሓራን ዝፈጥሮ ዘሎ ውጥሪ ነቲ ካብ 2020 ዝጀመረ ቅልውላው ከጋድዶ ከም ዝጸንሐ’ውን ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ዳግመ-ህንጻ ምልክታት’ኳ እንተሎ ኣብታ ክልል ኣስታት 800 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ  ኣለዉ ኢሉ።  

ኣብ ክልል ኦሮሞ ከኣ ብሰንክቲ ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ውግእ 288 ሺሕ ተመዛበልቲ ምህላዎም ሓቢሩ። ብሰንኪዚ ውግኣት ስድራቤታት ተበታቲነን ብዙሓት ሰባት ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጽናት ሒዞም ከካብ ከባቢኦም ክሃድሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ። ዘይምርግጋእ ክልል ኦሮሞ ንጠቕላላ ቁጣባ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝጸልው ምዃኑ ከኣ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ መጻኢ ዓመተ 2026 ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ደቡብ ከኣ ደርቂ ክፍጠር እዩ ዝብል ዘለዎ ናይ ስግኣት ግምቱ ኣመልኪቱ። እዞም ሓደጋታት ዋሕዲ እቶት እኽልን ከም ኮሌራ ዝኣመሰሉ ሕማማትን ከኸትሉ ይኽእሉ እዮም ክብል ድማ ገሚቱ።

እቲ ኮሚተ ምንቅስቓሱ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2000 ከም ዝጀመረ ሓቢሩ፡ ካብኡ ንነጀው፡ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብደሆታት ከጋጥሙ ከም ዝጸንዝሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ዕማማትን ክሳተፍ ከም ዝጸንሐ ከኣ ሓቢሩ። ቅድሚ ኢትዮጵያ ዝተሰርዓ ሰለስተ ኣብ ዝገደደ ቅልውላው ይርከባ ዝበለን ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ፍልስጥኤምን ሱዳንን እየን።

Thursday, 18 December 2025 19:41

Dimtsi Harnnet Kassel 18.12.2025

Written by

 بمناسبة مرور ربع قرن على توقيع اتفاقية الجزائر التي أنهت الحرب بين عامي 1998 و2000، دعا الاتحاد الأوروبي، إلى جانب خمس دول أخرى معنية بالمنطقة، إلى احترام الاتفاقية الموقعة بين الدولتين، والتي أوقفت النزاع المسلح بينهما. كما شدد على ضرورة احترام السيادة الوطنية والحفاظ على سلامة ووحدة أراضي كلٍّ من الدولتين.

وأكد الاتحاد الأوروبي تأييده الكامل لقرار مفوضية الحدود الملزم والنهائي، مشيرًا إلى أهمية هذا القرار ودوره في تعزيز احترام سيادة الدولتين ووحدة أراضيهما. وفي السياق ذاته، انضمت إلى موقف الاتحاد الأوروبي كلٌّ من المملكة المتحدة , وتركيا , والنرويج , واليابان , وكندا، مطالبةً الطرفين بحل خلافاتهما بالطرق السلمية، وفقًا للاتفاق الموقع بينهما في المملكة العربية السعودية عام 2018

ويأتي هذا الموقف المتوافق للاتحاد الأوروبي والدول الخمس انسجامًا مع مذكرة الأمين العام للأمم المتحدة الصادرة بهذا الخصوص في الثاني عشر من ديسمبر عام 2025.

ሱዳናዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብዓብደላ ዋሂድ ኣልኑር ዝምራሕ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ሱዳንን፡ ብ16 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ውግእ ኣብ ምቁራጽን ሱዳን ዳግማይ ኣብ ምህናጽን ይሕግዝዩ ኣብ ዝበልዎ  መትከላት ዘተኮረ ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ነቲ ርክብ ዝወደቡ ኣካላት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ “ መትከላት ንምህናጽ ሓዳስ ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈረምሉ ሰነድ፡ ምስቲ ብፍላይ  ብሰልፊ ሃገራዊ ጉባአን ዘቕረበን  ንእስላማዊ ምንቅስቓስ ዝጻረርን ውሳነ ሓሳብ ዝሰማማዕ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። ነቲ ስምምዕ ዝኸተሙ፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ፈደራላዊ ምትእኽካብ፡ ዓረባዊ ማሕበራዊ ሰልፊ በዕስ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ኡማ፡ ሱዳን ህዝባዊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ፡ እዋናዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ፡ ምሕዝነት ሱዳንን ሪፐብሊካዊ ሰልፍን ምዃኖም ከኣ ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ኣስፊራ።

ብዘይካዚ  ኣተሓባባሪ ዝተመዛበሉ ወገናትን ስደተኛታትን፡ ማሕበር ባር ዳርፎር፡ ምሕዝነት ሲቪላውያን ምብራቕ ሱዳንን ምትሕብባር ክኢላታትን ነጋዶን እውን ኣካል ናይቲ ምፍራም ምዃኖም ተጠቒሱ። ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶር ዓብደላ ሓምዶክን ጋዜጠኛ ኣልሓጅን ከኣ ነቲ ሰነድ ካብ ዘጽደቑ ፍሉጣት ባእታታት እዮም።

ካብ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሰነድ፡ ምድጋፍ ልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን፡ ውግእ ከም መፍትሒ ምንጻግ፡  ብውሕዱ ከም ናይ መጀመርያ ደረጃ ስጉምቲ ምስ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝተተሓሓዘ ውግእ ንሰለስተ ኣዋርሕ ምቁራጽ፡ ምህናጽ መንግስታዊ ትካላትን ዝኣመሰሉን ነጥብታት ይርከብዎ።

ኣብዚ ሱዳናውያን ኣብ ሃገሮም ሰላም ንምምጻእ ዝጽዕርሉ ዘለዉ ግዜ፡ ብሓፈሻ ብዙሓት ወገናት ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ግብጺ፡ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝርከብዎ ኣካል ፍታሕ ንምምጻእ ይጽዕቱ ከም ዘለዉ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ዝተጠልመ ልኡላዊነታ ንክምለስ ኣብ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተኸፍለ ናይ ህይወትን ንብረትን ዋጋ እልቢ ኣይነበሮን። እቲ  ብመስርሕ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ መድረኽ ዝኾነ ቃልሲ ብውሑዳት እዩ ጀሚሩ። እቶም ውሑዳት ብዕላማኦም ናይ ኩሉ ገጻት ሕብረተሰብ ምንባሩ ከኣ ካልእ መግለጺ ናይቲ ቃልሲ እዩ።  ናይ 60ታት ኤርትራውያን መንእሰያትን ተመሃሮን ኣዝዩ  ዕዙዝ ግደ ከም ዝነበሮም ድማ ታሪኽ ቃልስና እናዘከሮ ዝነብር እዩ።

ስዩም ዑቕባሚካኤል ራእሱ (ሓረስታይ)፡ ሓደ ካብቶም ናይቲ እዋንቲ ትጉሃትን ተበዓትን መንእስያት ተመሃሮ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንስዩም ሓረስታይ ከነልዕሎ እንከለና ብዘይምኽንያት ዘይኮነ፡ ኣብ ድሮ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቱ 17 ታሕሳስ 2005 ስለ ዘለና ኢና። ስዩም ኣብ 2001 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፡ ኣብ ዝወጸ ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቑ፡ ከመይ ኢሉ ፍቕሪ ሃገሩ ከም ዝሓደሮ ክዝክር እንከሎ፡ እቲ ስርጸት ሃንደበትን ብሓደ ግዜ ዝተፈጥረን ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ምንባሩ ይጠቅስ እሞ፡  “ ሓደ መዓልቲ ባንዴራ ኤርትራ ወሪዳ በታ ኣብ ጐና ዝነበረት ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ጥራይ ክትትካእ ተዓዘምኩ። ሽዑ ነቲ ኩነታት ዝተዓዚብና ተመሃሮ ናብ ክፍልና ምስ ኣተና ኣዚና ተከዝና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ኦሮማይ ኤርትራ እናበሉ ብሓዘን የስቆርቁሩ ነይሮም። ድሕሪዚ ብዘይካ ቃልሲ መፍትሒ ከም ዘየለ ዝያዳ ክርዳእ ዝጀመርኩሉ ታሪኻዊ ተረኽቦ ነይሩ” ይብል።

ስዩም ኣብቲ ርሱን ናይ ንእስነት ግዜኡ ቃልስን ላዕልን ታሕታን ብጉዳይ ሃገር በይኑ ከምዘይነበረ ንምርዳእ፡  ኣብቲ እዋንቲ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ካብ ዝነበሮም ኣብነት ንምጥቃስ፡ “ኣስማት ኣብ ምዝካር ንፉዕ ኣይኮንኩን” ድሕሪ ምባል፡ ካብቶም ናይ ግዜ ንእስነት ናይ ቃልሲ ብጾቱ ዝነበሩ “ወልደዳዊት ተመስገን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዘካርያስ፡ በረኸት ገብረስላሴ፡”  እናበለ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ የወሃህዳ ናይ ዝነበራ ኮሚተታት ኣባላት ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሱን ወልደየሱስ ዓማርን ካብ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን፡ ምስ ኣብ ካለኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበሩ  ከተኣሳስሩ ዝተመዘዙ ምንባሮም ይዝክር። 

ብረታዊ ሰውራ ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ጀግና ሓምድ እድሪስ ዓዋት ምብሳሩ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ሃገርና ክስማዕ ግዜ ኣይወሰደሉን ዝበለ ስዩም፡ ነቲ ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝተጀመረ ቃልሲ ዝያዳ ንምስፋሕን ህዝቢ እምነቱ ከም ዘሕድረሉ ኣብ ምግባርን ግደ መንእሰያት ከመይ ከም ዝነበረ ክሕብር እንከሎ ከኣ፡ “እቲ ዝተጀምረ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ከም ዝሰርጽን  ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነቱ ንክዓብን ምልዕዓል ከነካይድ ከም ቀንዲ ስራሕና ወሲድናዮ” ዝብል ሓሳብ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ  ዓመታት ቅድሚ መስዋእቱ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣስፊሑ ኣስፊርዎ።

ሓረስታይ ካብ ቀደሙ ኣብ ወሳኒ ግደ ምውዳብ ንዓወት ኣዝዩ ይኣምን ስለ ዝነበረ፡ ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ምውዳብ ንጥፈታት፡ ምስ ናይ ቃልሲ ብጻዩ ወልደዳዊት ተመስገን ኮይኖም፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብወን ኣብያተ-ስራሕን ትካላት ትምህርትን ሰፊሕ ውዳበታት ምክያዶም የዘንቱ። ከም መቐጽልታ ናይዚ ነቲ ናይ ሜዳ ቃልሲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ምስ ዝነበረ ህዝቢ ኣደልዲልካ ንምትእስሳሩ ካብ ሜዳ ብመደብ ናብ ውሽጢ ከተማታት ኣትዩ እናተቓለሰ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሓበሬታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ሰፍ ዘይብል ዋጋ ካብ ዝኸፈሉ ጽኑዓት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብኡ እውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ንክብርኽ ካብ ምጽዓር ከምዘየቋረጸ  ኣካል ታሪኹ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ።

ስዩም ሓደ ካብቶም ኣብ 1975 ብመስተንክራዊ ስርሒት ተጋደልቲ ተሓኤ ካብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዃላ ናጻ  ዝወጹ እሱራት እዩ። ድሕሪ ካብ ማእስርቲ ተፈቲሑ ናብ ውድቡ ምምላሱ፡ ኣብቲ ብ1975 ዝተኻየደ 2ይ ሃገራዊ ጉባአ ካብ ምስታፍ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ፖለቲካዊ ሓላፍነታት ተመዚዙ ግቡኡ ዝፈጸመ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘድመዓሉን “ሓረስታይ” ዝብል ስም ዘውሃቦን ከኣ ኣቦመንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርስቶት ኤርትራይውን ኮይኑ ዝተቓለሰሉ እዩ። ስዩም ኣቦመንበር ናይቲ ማሕበር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝያዳ ቆላሕታ ዝህቦ “ሕቶ መሬት ሓረስታይ ኤርትራ ምምላስ” ስለ ዝነበረ፡ በዚ ኣዝዩ ሕጉስን ሕቡንን ምንባሩ  ወትሩ ይገልጾ ነይሩ።

“ህዝቢ እዩ ወሳኒ” ዝብል ኣምር  ኣብ ቅድሚ ስዩም ዕዙዝ ቦታ ዝወሃቦ ነይሩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ንሓርነት ዝካየድ ዘሎ ቃልስና’ውን ኣብ ብዙሕ መደረኻት ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ፍሉይ ግምት ይህቦ ከም ዝነበረ፡ በቲ “ ኣብ ዓወት ክንበጽሕ፡ ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ምስ ቃልሲ ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽብ ቀለበት ክድልድል ኣለዎ፡ ህዝቢ ዘይሳተፎ ቃልሲ ናይ ምዕዋቱ ዕድል ውሑስ ኣይኮነን” ዝብል ኣበሃህላኡ ወትሩ ዘይሃስስ’ዩ። ስዩም ብዙሓት ናይ ጽንዓት መለለይታት  ዝነበርዎ ኮይኑ፡ “ንዝኣመነሉ ብትብዓት ናይ ምቅላሕ፡ ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚት ምስራዕ፡ ኣርሒቕካ ንቕድሚት ምጥማትን ንዓኡ ዝምጥን ውጥን ምትላምን”  ከኣ ካብቶም ዝግለጸሎም  ነይሮም።

ስዩም ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ  ተወፋይነቱን ጽንዓቱን ከም ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት እውን ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታት፡ ብፍላይ ድማ ቅድም ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ደሓር ከኣ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ካብቲ ዝመርሖ ውድብ ሓሊፉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ’ውን ኣፍልጦን ተቐባልነትን ንክረክብ ዘበርከቶ ታሪኽ ዘይርሰዖ እዩ።

ኣብዚ መበል 20 ዓመት መስዋእቲ ስዩም ንዝክረሉ ዘለና ጽንኩር እዋን፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ናይ ስዩምን ካለኦት ኣሰር ገዲፎም ዝሓለፉ ሓርበኛታትን፡ መንእሰያት ኤርትራ ከም ኣርኣያኦም ክወስድዎ ዝግበኦም ሃብታም ናይ ቃልሲ ውርሻ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ታሪኽ ተደጊሙ፡ ሃገርነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ዝሓልሙ ኣካላት ብዘይሕፍረት ድምጾም ዘስምዕሉ ዘለዉ ወሳኒ መድረኽ፡ ኣብ ቅድሚ መንእሰይ ዘሎ ሓላፍነት ተደራራቢ ከም ዝገብሮ ምርዳእ ወሳኒ’ዩ።

ሃገር፡ ኩሉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ዘይትሓልፍ ናይ ኩሎም ደቃ ጸጋ  እያ። ሃገር ዜጋታታ ከም ኣደ  ዝሕልውዋን ዘኽብርዋን እምበር፡ ንሳ ንኽትገብሎምና ዝጸባጸብዋ ኣይኮነትን። ሃገረይ እንታይ ክገብረልኪ እምበር፡ እንታይ ትገብርለይ ኣይባሃልን ዝብል ዓሚቕ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ከኣ፡ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ሃገር ተስፋን ጽላልን እትኸውን ከኣ ብህዝባ ክትምዕርግን ክትለምዕን እንከላ እያ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ትርጉም የብሎምን ዝበሃልን ብሓደ ዓይኒ ርኢኻ ዋጋ እንኸፍለሎምን ከኣ ካብዚ ዜግነታዊ መሰልን ግቡእን ነቒልካ እዩ። ምእንቲ ህዝቢ ወይ ምእንቲ ሃገር ምውፋይ ፈላሊና ዘይረኣይ እውን ካብዚ ዘይከሓድ ሓቂ  ብምንቃል እዩ። ህዝብን ሃገርን፡ ዝሓልፍ ስርዓት  እናፋነዉ ንሓድሽ ከኣ እናተቐበሉን፡  ህልውናኦም  ቀጻሊ እዩ።

ሃገር እትዕቀብን እትቀስንን  እቲ ካብኣ ዝተፈልየ ህልውናን ዕድልን ዘየብሉ ህዝባ ንጸጋታታ ብማዕረን ብግቡእን ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ፡ ሃገር በቲ ሓደ ወገን ምስ ህዝባ ኮይኑ ዝሕልዋ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝባ ብጸጋታት ሃገሩ ክጥቀም ዘኽእል፡ ህዝቢ ዝዋንኡ  ስርዓት ክህልዋ እንከሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ነዚ ህዝባዊ ሓደራ ክበቅዕ፡ ምስቲ  ዘመሓድሮ መሰረታዊ ሕገመንግስታዊ   ዝቕየደሉ ውዕል ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ውዕልዚ ነቲ ዝመሓደር ህዝቢ ኮነ ነቲ ዘመሓድር ስርዓት ነፍሲ ወከፎም እንታይ ይገብሩን እንታይ ኣይገብሩን ዝድርት እዩ።

ሃገርን ህዝብን ንምምሕዳር ዝምስረቱ ስርዓታት፡ ናብ ስልጣን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክመጹ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ መልከዓትን ባህርያት’ውን ይህልዎም። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉን ዝዕቀንሉን ከኣ ንህዝብን ሃገርን ብዝህልዎም  ክብርን ብዝህብዎ ፍትሓዊ መሪሕነታዊ ኣገልግሎትን እዩ። ስርዓታት ነዚ ሕድሪ’ዚ ረብሓ ህዝቢ ኣማእኪሎም እንተዘይመሪሖም ግና፡ ዝመጽሉ ኣገባብ፡ ዝኽተልዎ ስልቲ፡ ዝጽውዕሉ ስምን ዝሕዝዎ ቅርጽን ብዘየገድስ፡ ተቐባልነት የብሎምን። ንኣብነት ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕምሶን ዝዘርጎን ዘሎ ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣሳሮ መምዘኒኡ  ተሓታትነት ዘለዎ፡ መቆጻጻሪ ውዕል ዘየብሉ ዓንዳሪ  ምዃኑ እዩ።

ህዝቢ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሰላም ዘውሕሰሉ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉን ትርግታ ልቡ ዝርደኣሉን ስርዓት እውን የድልዮ። ነዚ ዝበቅዕ ስርዓት ከማለኦም ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ መምዘንታት ከኣ ብፈቓድን ድሌትን  ናይቲ ዝመሓደር ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ክኸውን  እንከሎ እዩ። ብቃሕትኡ ብዓመጽ መጺኡ፡ ከም ድላዩ ዝዕንድር ቀይዲ በተኽ ስርዓት ግና፡ ሃረርታ  ህዝቢ ከማልእ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ናይቲ “አመሓድሮ ኣለኹ” ዝብል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሓረሞ ጉጅለ ህግደፍን ከኣ በዚ እዩ ዝምዘን። ተተሓሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልስና ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ ካብ ናይ ጐይታን ጊላን ዝምድና ፈሊኻ ዘይርአ፡ ዝንቡዕ ዝምድና ሃገር፡ ህዝብን ስርዓትን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንምትሓዝ እዩ።

ብዘይምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕት ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ሸፋጢ ስልቲ፡ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታውን ምድህላል እዩ። ናይዚ መርኣያ ድማ እቲ በብግዜኡ ዘይኮኖ መሲሉ ንምቕራብ ዝፍትኖ  እዩ። ካብቲ ሃቐነታቱ  እቲ ቀንዲ ፈታዊ ሃገር መሲልካ ብምቕራብ፡  ህዝቢ ከኣ ፈታው ሃገረይ ካብ ኮነስ” ኢሉ  ንክድግፎ  ካብ ዝብል ህርፋን፡ ዕድመ ከንውሓሉ ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብቲ ሃገርን ህዝብን ኣይሓልፉን እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም  ዝብል ኣምር ንጹር እምነት ከይሕዝ እሞ፡ ካብታ ዘይትሓልፍ ሃገር ነጺሉ ከይነጽጎ  ካብ ዝፍሕሶ ውዲታት፡  እዩ።

እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ንምምዝማዝ ዝጥቀመሉ ተንኮል ብቐጥታ ዝዛመድ እዩ። ውሑዳት ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ክንቀፍን ተቓውሞ ከጋጥሞን እንከሎ፡ ሃገርን ምእንተኣ ዝተበጀዉ ሓርበኛታትን ከም ዝተተንከፉን ዝተደፍሩን ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ተረድኦዚ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝምህዞ ሓደገኛ ተንኮል ዝሓደሮም ግጉይ ተረድኦ እዩ። እንተ ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝተሰውኡን ዝተበጀዉን ምእንቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ዝፈትውውዋ ሃገርን እምበር፡ ምእንቲ ነቲ ንህዝቢ ደም ዘንብዕ ዘሎ ሓላፋይ ስርዓት ኣይኮኑን።

ህዝቢ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ንምግላጽ፡ ቅድሚ ኩሉ እታ ብዋጋ ቃልሱ ዘምጸኣ ሃገርን፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባሩ   ዝቃወሞ ዘሎ ጠላም ስርዓትን ከይሓዋወስዎ ክጥንቀቕ ይግበኦ። ነዚ መሰረታዊ ተረድኦዚ እንተዘየነጺሩ ግና፡ ነቲ ሕድሩ ዝጠለመ ስርዓት ክድግፍ ክብል፡ ነታ በጃ ዝሓለፈላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽል ኣዚሩ ክሓስብ ይግበኦ። ከይተፈለጦ ግዳይቲ ጉጅለ እንተኮይኑ ግና ኣንጻር’ታ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕልዋ ዝግበኦ ሃገር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ  እዋን ብዘይምኽኑይ ፍቕሪ ህግደፍ ልቦም ዝተሰልበ ወገናት፡ ንኺድ ጥራይ እንዳበሉን ናይቲ ጉጅለ ጭረሖ እናቃልሑን፡ ኣንጻር ልኡላዊነት ሃገሮም ኣበይ በጺሖም ከም ዝነበሩ ሎሚ ይፍጠር ምስ ዘሎ ኩነታት ኣረኣእዮም ከነስተብህልሉን ክመሃርሉን ይግበኦም። ህዝቢ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡር ዋጋን ነዊሕ መስርሕን ቃልስን ዝተዋሕሰት ሃገሩ፡ ንዘይማእመኦ ስርዓት ናይ  ምቅዋም ምሉእ መሰል ክህልዎ መተገብአ። ግና ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሰል ተጠቃሚ ክኸውን ኣይከኣለን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ መሰረታዊ መሰሉ ከውሕስን ግዳይ ህግደፍ ከይከውንን ክትንስእ እንከሎ፡ እቲ ጉሒላ ጉጅለ ዓይኑ ደም ዝመልእ እምበር፡ ዝምርቐሉ ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ። ካልእ ብዓንተቦ ክውገድ ዝግበኦ ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝረአ ዘሎ ጸገም፡  ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምጽቃጥ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፡ ካብቲ ስርዓት ተስፋ ቆሪጽካ፡ ንዓኡ ዘረኸብካ መሲሉካ፡  ህልውና፡ ቀጻልነትን ሃገርካን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ግዳም ወስታ ምትብባዕ ፡ ከይሳዕረረ እንከሎ “ኣይፋል” ክበሃል ዝግበኦ እዩ። ናይ ከምዚ ኣተሓሳስባ ግዳይ ዝኾኑ ኣካላት ከኣ ናብ ውነኦም ክምለሱ መልእኽትና ይብጸሓዮም።

ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ (ቢቢሲ)

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ15 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዳጒናቶም ዘላ ኣስታት 10 ሺሕ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ካህናትን መንእሰያትን ዝርከብዎም እሱራት፡ ብዘይቅድመ ኩነት ንክትፈትሕ ጸዊዑ። ኣብቲ መጸዋዕታኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ኤርትራ፡ ብ1993 ልኡላዊት ካብ እትኸውን  ክሳብ ሎሚ፡ ብወዲ 79 ዓመት ዲክታተር  እትጭቆን ዘላ እያ ክብል ገሊጽዋ።

ሰይፍ ማጋንጎ ዝተባህለ፡ ላዕለዋይ ወሃቢ ቃል ሰብኣዊ መሰል ብወገኑ፡ ብ4 ታሕሳስ 2025፡ 13  ነባር ተወዳዳሪ ብስክሊት ዘርኣጋብር ገብረህይወት ዝርከቦም ነጋዶን ሓለፍቲ ፖሊስን ብጃምላ ተኣሲሮም ብዘይፍርዲ ንኣስታት 18 ዓመታት ተዳጒኖም ዝጸንሑ ምፍተሖም ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑ ምጥቃሱ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

 ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ  ስልጣን ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ዘመሓላለፎ መጸዋዕታ፡ ኩሎም ካብ 2001 ጀሚሮም ብጃምላ ተኣሲሮም ዝማስኑ ዘለዉ ናይ ቅድም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ዝርከብዎም ግዳያት ብዘይወዓል ሕደር ክፍትሑ ይግባእ ምባሉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይማኖት 5 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ማይስርዋን ካለኦት ኣብያተ ማእሰርትን ተዳጒኖም ዝጸንሑ፡ ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት 20 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቦም ብድምር 98  ኤርትራውያን ብዋሕስ ከም ዝተፈትሑ፡ ቢቢሲ እትርከበን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ወጻእን ኣብ ኤርትራን ዝርከቡ ምንጭታተን ብምጥቃስ ሓቢረን።

እተኾነ እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ እሱራት ምፍታሕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘእሰሮም ዘይቅቡል ምኽንያት ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና እቲ መስርሕ ናይ ዝእሰሩ ሰባት ምቅይያር እምበር ማእሰርቲ ዘቋርጽ ኣይኮነን።

ሕብረት ኤውሮጳን 5 ግዱሳት ሃገራትን፡ እቲ ውግእ 1998-2000 ዘቋረጸን ኮሚሽ ዶብ ንምምስራት ዘኽኣለን ብኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ዝተኸተመሉ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ብምግባር 

ንኽኽበር መጸዋዕታ ኣቕሪበን። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ  ዘውጸኦ መጸዋዕታ፡ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሕድሕደን ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከኽብራ “እንደጋና  እጽውዕ” ይብል።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መጸዋዕታኡ፡ ንትግባረ እቲ ብክልቲአን ሃገራት  ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዘለዎ ምሉእ ደገፍ “አረጋግጽ” ኢሉ። እቲ መመጸዋዕታ ከምዚ ዝበለ ንወሳንነት ምኽባር ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ደጊሙ ፍሉይ ግምት ብምሃብ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ንዘጋጥሞም ወጥሪ ወይ ዘይምርድዳእ ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን እሞ ድማ ንዝሰፍሐ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብዝሕግዝ ጥራይ ንክፈትሕዎ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ሓሙሽተ መንግስታት ተመሳሳሊ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን። እተን መግለጺ ዘውጸኣ ካናዳ፡ ጃፓን፡ ነርወይ፡ ቱርክን ዓባይ ብሪጣንያን ኮይነን፡ እቲ ስምምዕን በቲ ስምምዕ መሰረት ናይ ዝቖመ ኮሚሽ ዶብ መትከላትን ንክኽበሩ ዘለወን እምነት ኣስፊረን።

እዘን ሓሙሽተ መንግስታት’ውን ከም ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከይትንከፍ ኣዕዚዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሉ ጸገማት ንመንፈስ ናይቲ ብ2028 ኣብ ሱዕድያ ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ግምት ብምእታው፡  ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዐን።

እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳን ናይዘን 5ተ መንግስታትን መልእኽቲ፡ ምስቲ ብ12 ታሕሳስ 2025 ንምኽታም ስምምዕ ኣልጀርስ ብዝምልከት ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ዝወጸ መግለጺ ዝናበብ ምዃኑ’ውን ተጠቒሱ።

እቲ ብዙሓት ወገናት ዝጠቕስዎ ዘለዉ፡ ብ9 ሓምለ 2018 ብኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ  ሳዑድ ዓረቢያ ዝተኸተመ ሰነድ፡ ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ብዝምልከት፡ ኣብ 4ይ ዓንቀጽ “ክልቲአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግብራ ተሰማሚዐን ” እዩ ዝብል።

Page 5 of 630