ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ክዛተዩ ምዃኖም ኣፍሊጦም። ብኸምዚ ደረጃ ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ክገልጹ ናይ መጀመርታኦም እዩ። እዚ ዝተገልጸ ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ብ14 ሰነ 2022 ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) መስርሕ ዘተ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቱ ክዛተ ቅሩብ ምህላዉን ንመስርሕቲ ዘተ ተጽንዕን ትመርሕን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን ትምእከል ኮሚተ ኣቚሞም ትሰርሕ ከም ዘላን ሓቢሩ።
ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ15 ሰነ 2022 ንዝተፈላለዩ ኣካላት ብደብዳበ ኣብ ዘፍለጦ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ኬንያ ክራኸቡ ብዝተሰማምዕዎ መሰረት፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቅሩባት ምህላዉ ኣፍሊጡ። ዶ/ር ደብረጽዮን ብቐጥታ መልእኽቱ ዝሰደደሎም ኣካላት እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ኬንያ፡ ፕረሲደንት ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ፕረሲደንት ታንዛንያን እዮም። ብቅዳሕ ድማ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳን ኣንበሳድር ኣሚሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዝርከብዎም ወገናት ልኢኹ።
ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኣብዚ ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ዝገልጽ መልእኽቱ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ትግራይን ስቕታ ብምምራጽን ንመትከላት ናይቲ ሕብረት ብምጥላምን ግደኡ ከምዘይተጻወተ ጠቒሱ። በቲ ኣብ መንጎ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኤሊሰንጎ ኣባሳንጆን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ዕጉባት ከምዘይኮይኑ ጠቒሱ፡ እምነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ዘተ ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ ግና ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብወገን ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ መሰል፡ ዲሞክራስን ተሓታትነት ዝተመስረተ ዘተ ክካየድ ከም ዝደልዩ ብምጥቃስ፡ ዘይግሉጽ ዘተ ግና ከምዘይድግፉ ኣፍሊጦም። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዶ/ር ደብረጽዮን ክልል ትግራይ ንዘተ ዘለዎ ቅሩብነት፡ መሰረታዊ ዕላምኡ ምዝንጋዕ ወይ ካብ ሕመቕ ዝነቅል ከምዘይኮነ ኣብሪሁ።
ድሕሪ ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ቅሩባት ምዃኖም ብወግዒ ምግላጾም፡ ብዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ወገናት “መንዩ ምስ ትግራይ ዝዛተ?” ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር፡ ኣንጻር ኣምሓራን ዓፋርን ብተናጸል ኣይኮነን ተዋጊኡ” ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ። እዚ ድማ እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ከም ዝካየድ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኣምሓራን ዓፋርን እውን ነብሶም ክኢሎም ተዛተይቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል፡ ምስ ርኢቶ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘይሰማማዕ ሓሳብ ብብዙሓት ይንጸባረቕ ኣሎ። ተሳትፎ ኤርትራ ኣብዚ ዘተኸ “ከመይ ክኸውን እዩ?” ዝብ ሕቶ ዘቕርቡ ወገናት’ውን ኣለዉ።
እዚ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ “ኣይዕወትን እዩ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት ብዙሓት እዮም። ከምኡ ካብ መበሊኦም ምኽንያት ኢሎም ካብ ዝጠቕስዎ፡ መጻኢ ዕድል ወልቃይትን ራያን ኣብ ዝምልከት ዘሎ ዝተረሓሓቐ መርገጻት እዩ።
እዚ ካብቲ ዶ/ር ኣብይ “ምናልባት ድሕሪ 2ተ ሰሙን ተኸታተሉ” ዝበሎ ወጻኢ ብርግጽ መዓስ ከም ዝካየድ ዘይተነጸረ ዘተ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ እዩ ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብ14 ሰነ 2022 ናብ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስተቨን ዎከርን መሳርሕቶምን ናይ ናእዳን ምስጋናን ቅሉዕ መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ነዚ መልእኽቲ ዝለኣኸ፡ ስለቲ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ናብቲ ኣብ ዋሽንግተን ብ11 ሰነ 2022 ብተለቪዥን ኤሪሳት ዝተዳለወ ስምፖዝዩም-2022፡ ንኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዝዳህሰሰ መልእኽቲ ምትሕልላፎም እዩ።
ብጻይ ተስፋይ በቲ መልእኽቱ ዓሚቕ ምስጋናኡ ዝገለጸ፡ ብስምቲ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ነቲ ድምጹ ዝተዓብሰ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ብምዃኖም ናይቲ ምስጋና ተኻፋሊ ከም ዝኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ኣብዚ መልእኽቱ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ብመንገዲ ናይ ፈይስቡክ መልእኽቶም ኣቢሎም፡ ሓለፍቲ ኤርትራ ንገዛእ ህዝቦም ብግጉይን ዘይፍትሓውን ኣገባብ ይመርሕዎ ከም ዘለዉ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ካብቲ ናብ ስምፖዝዩም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ካብ ዝርድእዎ ነጥብታት ንኣብነት ኣስፊሩ።
- ኤርትራዊ በቲ ስርዓት ተደፊኡ ካብ ሃገር ወጺኡ ኣብ መላእ ዓለም ደጋፊ ዘየብሉ ስደተኛ ምዃኑ ግቡእ ከምዘይኮነ።
- ኤርትራ ብኣገባብ ሕገ-ኣልቦ፡ ኣብ ትሕቲ ጨካን ምምሕዳር ምህላዋ ንህዝባኮነ ህዝቢ ጐረባብታ ቅኑዕ ዘይምዃኑ
- ግጉይ ሓበሬታን ሓሶትን የማነ ገበረመስቀል፡ ከምቲ ኣብ ተመኩሮ ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሳዳም ሑሴን ሚኒስተር ዜና ብዝነበረ መሓመድ ኣል-ሳሃፍ ዝተራእየ፡ ንዲክታተራት ዘየገልግሎምን ካብ ወድቀት ዘየድሕኖምን ምዃኑ። ዝብሉ ዘርዚሩ።
ኣቦመንበር ተስፋይ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብቲ ስፖዚየም ብግቡእ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይቶም ፈጻሚ ጉዳይ፡ ንሕና ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኮነ፡ እቶም ነቲ ስምፖዚየም ስለ ዘዳለዉ ምስጋናን መጐስን ዝግበኦም ተለቪዥን ኤሪሳትን ብዕግበት እንቕበሎ እዩ ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ከኣ፡ ሰዲህኤ፡ በታ ብቋንቋ እንግሊዝ እትሕተም ልሳኑ “መጽሐት ሊበርቲ” ኣቢሉ፡ ናይቶም ኣፈጻሚ ጉዳይ ጽሑፋት ክንእዶ ጸኒሑዩ ምስ በለ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዝሓለፋ ማዝያ ሕታም እታ መጺሐት፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ 21 ኣንበሳድራትን 7 ቆንስላትን ኤውሮጳ ናይዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ቅኑዕ ኣብነት ንክኽተሉን ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብግሉጽ ክዛረቡን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡዩ ኢሉ። ኣብ ርእሲዚ መንግስታቶም ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽእ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ንክሕብርዎም ሰዲህኤ ከም ዝጸወዐ ኣብዚ ቅሉዕ መልእኽቱ ኣስፊሩ።
በዚ ኣጋጣሚ መደብ ተለቪዥን ኤሪሳት ከምዚ ዓይነት ጠቓምን እዋናውን መድረኽ ስምፖዝዩም ብምድላዎም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ምስጋናናን ናእዳናን ነቕርብ።
An Open EPDP Thank You Letter To USA Embassy in the Eritrean Capital of Asmara
Written by Tesfai Woldemichael (Degiga),An Open EPDP Thank You Letter To USA Embassy in the Eritrean Capital of Asmara
Written by Tesfai Woldemichael (Degiga),Embassy in the Eritrean Capital of Asmara
An Open EPDP Thank You Letter To USA
To:
H.E. Chargé d’Affaires Steven C. Walker,
US Embassy, Asmara, Eritrea
June 14, 2022
Your Excellency Steven Walker,
I, the undersigned Chairman of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), am profoundly pleased to be writing this open letter of appreciation to you and your Embassy staff for the appropriate message you addressed live from Asmara as keynote speaker at the Erisat TV symposium held in Washington DC on 11 June 2022. I am writing this letter to pay deep gratitude to you on behalf of my party in exile, but I also know that the vast majority of Eritreans, at home and abroad, would join me in deeply thanking you for your being their voice in this manner.
Your Excellency,
It has been quite some time since your Facebook messages started openly telling the authorities in Asmara that the way they are treating their own people was unfair and wrong. We Eritreans understand from your messages that:
- You tried to advice our anti-people regime that we Eritreans did not deserve to be humiliated and to be pushed out of our own country to become helpless refugees across the globe.
- Keeping Eritrea a lawless state under a rogue regime was not good for its people and the peoples in the entire neighborhood.
- It is a clear message to the information minister, Yemane Ghebremeskel, that misinformation and lies in the end did not serve and save dictators like Iraq’s Saddam Hussein and his ‘information’ minister, Mohammed Al-Sahhaf.
Your Excellency Chargé d’Affaires Walker,
Your pertinent messages have been welcomed to us in the wider justice seekers’ camp in exile, including the worthy team of the Erisat television who deserve warm congratulations for the successful symposium that you attended virtually. On our part, EPDP’s Liberty magazine repeatedly noted and warmly welcomed your writings. Our latest periodical last April even called upon the 21 embassies, 7 consulates and the delegation of the European Union in Asmara to kindly follow your good example and openly speak out about all what is going on in Eritrea and tell their governments to make the necessary pressure to help bring about change in that unfortunate place.
Again, thank you Mr. Walker, and we pray that your good efforts will bear fruit.
Sincerely,
Tesfai Woldemichael (Degiga),
Chairman, EPDP
P.O.Box 190282 www.harnnet.org
60326 Frankfurt am Main This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ወሳኒ ናይ ለውጢ ቃልሲ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ከም ኣብ ኩሉ ቃልሲ ንድግፎን ከነሕይሎ እንደልዮን ኣጀንዳታት ኣለና። ብኣንጻሩ ብቃልስና እነወግዶን ስርዓት ኣብ ቅድሜና ኣሎ። እቲ ክስስነልና እንደልዮ ድማ፡ ብተሳትፎ ህዝብና ሓያል ናይ ለውጢ ዓቕሚ ምፍጣር እዩ። እቲ ንቃወሞን ከነወግዶ ንቃለሶ ዘለናን ከኣ ህግደፍን ኩሉ ናይ ጭቆና መሓውሩን ትካላቱን እዩ።
ናብቲ ንጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩሉ ጸረ-ህዝብን ጸረ ዲሞክራስን ኣተሓሳስባኡን መሳለጥያታቱን ኣወጊድካ ኣብ መቓብሩ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ዘኽእል ዓብይ ጉዳይ ንምብጻሕ ብዙሓት ናይ ኣተገባብራ ኣጀንዳታት ኣለዉ። ኩሎም እዞም ኣጀንዳታት ነቲ ዓብይ ጉዳይ ዝምግቡን ዘሐይሉን እምበር ካብኡ ተነጺሎም በበይኖም ዝመሓደሩ ኣይኮኑን። ኩሎም እቶም ኣጀንዳታት ክቃነዩ እንከለዉ፡ ብወገን ሓይልታት ለውጢ፡ ህግደፍ ተወጊዱ ኣብ ክንድኡ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ብዙሕነታዊ፡ ዲሞክራስያውን ህዝባውን ምምሕዳር ናብ ምትካል ብዘብጽሑ እዮም ዝትለሙ። ብኣንጻሩ ህግደፍ ነቲ ኣጀንዳታት መሰረታዊ መሰላት ህዝብና እናገሃሰ፡ ሕድሪ ሰማእታት እናጠለመን ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ እናውደቐን ኣብ ስልጣን ከም ዘቐጽሎ ገይሩ እዩ ዝስእሎ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ተገሪህና ወይ ንኤርትራን ህዝባን ንሕግዝ ዘለና መሲልሉና ግዳይ ናይቲ ናይ ህዝቢ ዝመስል ግና ከኣ ዘይኮነ፤ ኣጀንዳኡ ከይንኸውን ከነስተብህል ይግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን፡ ካለኦት ንሃገርና ዓይኖም ዘውድቑላ ኣካላት እውን ደሓር ተመሊሱ ብዘጣዕሰና፡ መራጐዲ ኣጀንዳኦም ከይገብሩና ብጥንቃቐ ነመዛዝን ።
ሓደ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ንምድጋፍ ይኹን ንምቅዋም ብስምዒትን ኣርሒቕካ ብዘይምጥማትን ዘይኮነ፡ ዝተጸንዐ፡ ረብሓ ህዝብናን ልኡላዊ ክብርናን ኣብ ግምት ዘእተወ መዕቀንን መማእዘኒ ደረትን ክህልወና ይግበኦ። እዚ መዕቀኒ ሰልፋዊ ድዩ ውድባዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ፡ ቻርተር ወይ ፖሊሲ ክኸውን ይኽእል። ካብቶም ከምዚ ዓይነት ጥንቃቐ ዘድልዮም ኣጀንዳታት ሓደ፡ ምስ ክንሰግሮም ዘይግበኣና ናይ ርሑቕን ቀረባን ዘይኤርትራዊ ወገናት እንገብሮ ዝምድና ዝምልከት እዩ። ብፍላይዚ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ቅልጡፍ ለውጥታት ዝረኣየሉ ተሃዋሲ መድረኽን ተባራዒ ዞባን፡ ምጥንቃቕ ዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዝምድና ከም ሓደ ኣገዳሲ ኩርናዕ ስለ ዝወስዶን ብጥንቃቐ ስለ ዝሕዞን ኣብ ፖሊሲኡ “ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ፡ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ብምኽባር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብዘይምትእትታው፡ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ይግባእ።” ይብል። ምስ ዝኾነ ወገን ንዝግበር ዝምድና እንተላይ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝምልከት እውን ከከም ቅርበቱን ርሕቀቱን ብመንጽርዚ እዩ ዝሕዞ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ትግራይ ከኣ ብፍላይ፣ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ደረጃ ስለ ዘሎ፡ ዝያዳ ከነቕልበሉ ዝግበኣና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ናይ ቀረባ ጐረቤትና ተርእዮ ምዃኑ፡ ብታሪኻውን ወድዓውን ምኽንያታት ኣብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳና ሓያል ጽልዋ ስለ ዘለዎ እዩ። ብርኢቶና ጉዳይ ትግራይ ብዓብይኡ ኣጀንዳ ተጋሩ እዩ። ህግደፍ ከም ናቱ ኣጀንዳ ገይሩ ወሲድዎ ከም ዘሎ እውን ይረአ ኣሎ። እዚ ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ጭቆናን ግፍዕታትን ብምዃኑ፥ ነዚ ንምዕጻፍ ንሕና ውን ኣብቲ ቁርቁስ ምእታውና ዘይተርፍ ኢዪ። ኣብቲ ኣተሓሕዛኡ ግና ብመሰረቱ ናትናን ናይ ህግደፍ ተጻራሪ እዩ። ናትና ከምቲ ኣቐዲሙ ፖሊሲና ብምጥቃስ ዝተገልጸ፡ ጥንቁቕን ጣልቃ ኣእታውነት ኣትሪሩ ዝቃወምን እዩ። እዚ ማለት ግና ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዘርብሕ፡ ብናይ ክልቴና ቅርቡነት ዝመሓደርን ትካላዊ መስመሩ ዘይስሓተን ምትሕግጋዝ ኣይህሉን ማለት ኣይኮነን። ናይ ህግደፍ ኣጠማምታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ግና ብኣንጻሩ ኣብ ኢድ ኣእታውነትን ዓመጽን እዩ ዝምስረት። ስለዚ ሓደገኛ ኣካይዳኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግዳይቲ ዘይሓላፍነታዊ ኣጀንዳ ህግደፍ ከይንኸውን ምጥንቃቕ ናይ ግድን እዩ። ምጥንቃቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተግባሩ ንዝምድናታት ህዝብና ምስ ጐረባብቱ ስለ ዝጐድእ ብቐጻሊ ብትሪ ክንቃወሞ ዝግበኣና እዩ።
ህግደፍ እዚ ሎሚ ካብ ምቁጽጻሩ ወጻኢ ኮይኑ፡ ተገልቢጡ ኣብ ወጥሪ ኣእትይዎ ዘሎ ሃላልን፡ መሻረውን ኣጀንዳኡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዞባና እውን ከስርጾ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ናይ ዞባና ሃገራት ንከምዚ ዓይነት ኣጀንዳ ብመንጽር ረብሓአን ዝዕቅናሉ ማእዝናት ስለ ዘለወን፡ ሃንደፍ ኢለን ምሉእ ብምሉእ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይኮናን። ቅድም ጅቡቲ፡ ደሓር ከኣ ሶማሊያ ክንድቲ ህግደፍ ዝተጸበዮ ዋጋ ከይከፈላ፡ ነብሰን ኣግሊለን። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ድሕሪ ብሰንኪ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ምዃኑ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ዘስዓበሉ ዋጋ ውግእ ምስ ከፈለ፡ ከምቲ “ክሳብ ትኣምን ኪድ፡ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ዝበሃል፡ ድሕሪ ሕጂ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ክኸውን ቅሩብ ከምዘይኮነ ምልክታት ዘርኢ ዘሎ ይመልስ። እንተኾነ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ሻራነት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ምፍዋሱ ዘጸግም በሰላ ኣሕዲሩ እዩ።
ሓደ ካብ ባህርያት ህግደፍ ኣብ ዝኾነ መድረኽ፡ ንሱ “ዝጸልኦ ዝጸልኣሉ፡ ንዝደገፎ ድማ ዝድግፈሉ” ግሩህ ሓይሊ ምፍጣር እዩ። በዚ መደናገሪ ሜላዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መልክዓቱ እንዳቐያየረ ንገለ ካብ ህዝብና ግዳይ ክገብሮ ከም ዝጸንሐ ዝፍሉጥ እዩ። እዚ ሓደገኛ መንገዱ ሎሚ’ውን እንተዘይኣግዲድዎ ኣየቋረጾን። ኣብዚ የዕውቱኒ ኢሉ ካብ ዝምህዞ ሜላታት ተሓላቕን ሓላይን ኤርትራን ህዝባን ተመሲልካ ምቕራብ እዩ። በዚ ኣቢሉ ዘረጋግጾ ድማ “ንዕኡ ምድጋፍ ንኤርትራ ከም ምድጋፍ፡ ንዕኡ ምጽራር ድማ ንኤርትራ ከም ምጽራር” ናይ ዝመስሎም ግሩሃት ቀልቢ ምስሓብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እውን ናይቶም ዝተጸንዐ መምዘኒ ዘየብሎም፡ ህግደፍ ኣንጻር ትግራይ ሴፍ ስለ ዝመለሐ ንሳቶም እውን ንኤርትራ ዝሕግዙ ዘለዉ እናመሰሎም፡ ልሳን ዝኾንዎ ኣካላት ምህላዎም ንዕዘብ ኣለና።
ኣብዚ እዋንዚ ከምቲ ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራውያን እቲ ቀንዲ ግርጭት “ኣብ መንጎ፡ ሃይማኖታት፡ ብሄራት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ኣውራጃታትን ጐረባብቲ ሃገራትን ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን እቲ ዝጠለሞን ዝጭቁኖ ዘሎን ስርዓት ህግደፍ እዩ” ዝበሎ፡ ዝዓበየ ኣጀንዳና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ክነሱ፡ ጉዳይ ትግራይ ኣሳቢብካ፡ ብዝምድናዊ ኣመዛዝና ትሕቲ ሃገራዊ ጉዳያት ንቕድሚት ኣምጺእካ ምፍልላይ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ግዳይ ኣጀንዳ ህግደፍ ምዃን እዩ እሞ፡ ከሎ ጌና “ጉዳይና ብኣጀንዳና ነመሓድር” ፡ እዩ መልእኽትና።
Eritrea’s attack on Ethiopian Prime Minister Abiy
Written by Martin Plaut Jun 13
The Eritrean government has criticised the Prime Minister of Ethiopia, Abiy Ahmed in a series of Tweets. The Eritrean authorities have used TesfaNews for this purpose - one of the media outlets the government controls. The Tweets are reproduced below. "Since the Tweets are not officially from the government, they are deniable, but no-one who knows Eritrea, and the vice-like grip the regime maintains over its media, will fail to see through this. Tigray separatist rebels leader (TPLF) vows to maintain and even strengthen its armed forces and will never negotiate about "disarmament" under any circumstances with the "Disarmament and/or Demilitarizing TPLF/TDF are non-negotiable in our current or future talks with the Ethiopian Federal gov't as our military strength is our only security." - TPLF Chairman, Debretsion. (Source: Tigray TV) PM Abiy's gov't will soon transfer the 12 billion birr annual Tigray budget to TPLF and there is no guarantee that the rebel group will not misuse a chunk of the money to arm itself further." These remarks are the strongest criticism yet of PM Abiy and an indication of the split that appears to be widening between Asmara and Addis. The TesfaNews Tweets were followed by a quote Tigray's Debretsion saying that Tigray had a direct contact with the US State Department and this comment: "(FYI) Unconfirmed reports indicates that the town of Kobo today witnessed mobilization of thousands of Western Amhara Fano fighters to fend off the encroachment of their territories by the criminal TPLF separatist group." |
ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ብ12 ሰነ 2022 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ተረኺቡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ብወገኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንኳን ደሓን መጻእኩም” ኢሉ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ብዛዕባ ሰልፎም ንምሕያል ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ዘመስግን ሓጺር መብርሂ ሂቡ።
ኣቦመንበር ተስፋይ ብኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ተዓዲሙ መድረኽ ምስተረከበ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ ምዕባለታት፡ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ምዕባለታት ከባቢናን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ድሕሪ ተላባዒ ቫይረስ ኮቪድ-19 ምግጣሙ፡ ብኣካል ምርኻብኳ ዘይከኣል እንተ ነበረ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ግና ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዮም ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሎም ርክባቶም ብቕጻል ሰልፎም ካብ ምሕያል ከምዘይበኾሩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኩነታት ይቕየር ስለ ዝሎ ብሰንክቲ ለበዳ ቫይረስ ተወንዚፎም ዝጸንሑ መደባት ናይ ምብርባር ዕድል ከም ዝፍጠር እምነቱ ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሓባር ዝተጓዕዞ ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከካይድ ከም ዝጸንሐን እቲ መስርሕ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝነበረን ሕጂ እውን ጌና በዳሂ ከምዘሎን ጠቒሱ። ሰዲህኤ ግና ነቲ ብሓባር ምስራሕ ከም መሰረታዊ ፖሊሲኡ ስለ ዝወስዶ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ፡ ብኣብነታት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂብሉ።
ብዘይካዚ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን ዝያዳ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክረአ ንዝጸንሐን ዘሎን ምዕባለ፡ ሰዲህኤ ካብ መጀመርታኡ ሓላፍነታዊ ሚዛናቱ እናንበረ ርትዓዊ ውሳነታት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ። ኩሉ ክውስኖ ዝጸንሐ ውሳነታት ብመንጽርቲ ኣብ ጉባአኡ ዘጽደቖ መሰረታዊ ፖሊሲታት ምንባሩን እዚ መርገጻቱ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ቀንዲ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተዋሳእቲ ኮኑ፡ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ሰዲህኤ ካብ መጀምርያ ዝሓዞ ኣቕታጫ የማዕብልዎን የተግብርዎን ከም ዘለዉ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሰልፎም ንምሕያል ኣብ መጻኢ እውን ጻዕሮምን ተወፋይነቶም ከም ዝቕጽሉ ዘለዎ እምነት ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ ብፍላይ ንግደ ጨናፍርን ዞባታትን ብምጥቃስ መብርሂኡ ዛዚሙ።
እዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ብምቕጻል፡ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ዞባኡ ናይ ምሕያል ዛዕባታት ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጡ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ጉዳያት ኣባላት ሰልፊ ምስፋሕ፡ መንእሰያት ዝሳተፍሉ ኩነታት ምጥጣሕን ኣብ መንጎ ዞባን ጨናፍር ዘሎ ዝምድና ምሕያል ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ ርእሲኡ ኣባላት ሰልፊ ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጊ ሰልፎም ግቡኣቶምን መሰላቶምን ብዛዕባ ዘተግብርሉ ኣገባባት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰልፎም ንምሕያል ዝበቅዎ ዓቕሚ ከምዘየለ ቃሎም ብምሕዳስ ኣኼባኦም ዛዚሞም።
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ 13 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአን፡ 7 ዝኣባላታ ሓጻይት ሽማግለን ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ነዘን ሽማግለታት ዝመረጸ ንምድላውን ኣፈጻማን ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ብዝምልከት፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበ ንድፊ ተመያይጡ ድሕሪ ዘድሊ ምምሕያሻት ገይሩ ምጽዳቑ እዩ።
ባይቶ ዘድሊ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ ናይዘን ክልተ ሽማግለታት ኣባላት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታትን ካብ መሰረታትን ከም ዝኾኑ ገይሩ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ኣኼባ መጻኢ ጉባአ ዝጋበኣሉ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ወሲኑ ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነብሳ ናብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ናብቲ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ነዲፋ ኣቐዲማ ንዝያዳ ምይይጥ ናብ መሰረታት እተቕርብ፡ ኣባላት ሰልፊ ናብ ጉባአ ተወኪሎም ዝሳተፍሉ ቀጥዒ እተውጽእን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቀረባት እተዳሉን እያ። ሓጻይት ሽማግለ ከኣ ካብ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዝቐርብ ናይ ቅድመ-ጉባአ ርኢቶ ውጽኢት ኣብ ግምት ዘእተወ መጽናዕቲ ኣካይዳ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ናይ ዝበለቶም ብቑዓት ኣባላት ዝርዝር እተዳሉ እያ። ጉባአ ሰዲህኤ ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጉ ዓንቀጽ፡ 5/13/1 ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝጋባእ እዩ።
ብዘይካዚ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ።
More...
ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሃለዋታን ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ ደገፍቱን ዘለዎም ዝምድና ኣዛራቢ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገበናትን ዓንዳርነትን ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ብደረጃ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ይቃላዕን ናይ ብዙሓት ጠመተ ይረክብን ስለ ዘሎ፡ ህግደፍ ነዚ ንምሽፋን ከምቲ “ጽድቁ ንበይነይ ሓጥያቱ ግና ንኹልና” ዝበሃል፡ ነቲ ክጥዕሞ እንከሎ “ኣበይ ኣለኻ” ዘይብሎ ህዝቢ ኤርትራ እውን ተሓታትን ከፋል ዕዳን ንክገብሮ ደቁ ይገፍፍን የሸብሮን ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ድልዱል መሕብኢ ገበናቱ ንምርካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝተደወነ ምስሉ ንምጽብባቕን ህዝባዊ ንምምሳልን “ህዝቢ፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ፈጺሞም ዘይፈላለዩ እዮም” ኣብ ዝብል ሸፈጥ ይዋፈር። እንተኾነ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉን ጽባሕ ድሕሪኡ’ውን ዝህልዉን እዮም። መንግስታዊ ምምሕዳራት ግና፡ ምስቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ዝተፈራረምዎ ውዕል ይሃልዎም ኣይሃልዎም “ትማሊ ኣይነበሩን፡ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ እዮም።” መጻኢ ዕድል ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን፡
እዚ ሓቂ እዚ ብፍላይ ንህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ወዮ ደኣ ብጉልበት ከጐልብቦ ጸኒሑ እምበር፡ ኣብ ስልጣን ኣለኹ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን፡ ብኣተሓሳስባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ቆጽሊ ከም ዘውደቐሉ ዝሕብር ዝኾነ ምልክት ስለ ዘየብሉ። እቲ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝረአ እውን፡ ንሱ ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እውን ናቱ ዘይምዃኖም እዩ ዘመልክት። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉ መርተዖ ገይሩ ክቕርቦ ዝፍትን፡ “ንናጽነት ኤርትራ በይነይ ስለ ዘምጻእኩዋ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ገዛኢ ከኣ ኣነ በይነይ እየ” ዝብልን “ኣበይ ዝነበረ ህዝቢ እዩ?” ብዝብል ብደዐ ዝዓበደ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን መወከሲ ዘየብሉ ዓመጽ እዩ። ነቶም ዓይኖምን ልቦምን ዝተደፍነ ብህግደፋዊ ስብከት ዝተሰነፉ፡ ዝረአ ከይርእዩ ቀልቦም ንዝተሰወረ፡ ውሑዳት “ምሳይ ኣለዉ” እንተበሎም ግና ሓቂ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ህግደፍ ምናልባት ምስ ቁንጣሮ ዕዉራት ልቦና እምበር፡ ኣብ ልቦና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራስ ቦታ የብሉን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኣይን ተሰላፋይን እዩ። ኣብዚ ወሳኒ እዋን ብገዛእ ጉዳዩ ንሱ ብኾፉ ኣብ ክንድኡ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ክዛረብሉን ክወራዘይሉን ከፍቅድ ኣይግበኦን። ኣዝዮም ውሑዳት መጣቓዕቲ ብዘይሃቦም ውክልና “ንሕና ምስቲ ምዝርዛሩ ዘጸገም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸመ ጉጅለ ኣለና” እናበሉ ከዳኽሩን ከደናግሩን ፈጺሙ ከፍቅደሎም የብሉን። ብጉዳይካ እንዳተዘርበ ስቕ ምባል፡ ነቲ ዝበሃለካ ከም ምቕባል ስለ ዝውሰድ ድማ ከስተውዕለሉ ይግበኦ። ነቲ ኩነታት ተኸታቲሎም ካብቲ ስቕታኡ ነቒሎም “ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ርዒምዎስ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ እዩ” እንተበልዎ፡ ምስቲ ኣበሃህላኦም ዘይኮነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ክተሓሳሰብ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ባርነት ናጻ ዝወጸሉ ኒሕ እምበር፡ ናይቲ ጉጅለ ገበን ተሓታትን ከፋሊ ዕዳን ጽልእን ዝኾነሉ ትዕግስቲ ክህልዎ ኣይግባእን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዕድልን መሰልን እናሃለዎን፡ ኣብቲ ዘዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ልዕልናን ወሳኒ ግደን ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣየን ብእዝኑ እናሰምዐን ድምጺ ህዝቡ እንተዘይኮይኑ፡ ስቕታኡ ንህግደፍ ካብ ምድጋፍ ስለ ዘይፍለ፡ ጽባሕ ህዝብን ታሪኽን ክሓትዎ እዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መግዛእቲ እንከሎ ኮነ ድሕሪኡ እንተዘኪሩ፡ ርሑቕ ከይከደ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ደርግን ኢህወደግን ብኸመይ ከም ዝሓለፉ ይፈልጥ እዩ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እውን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህግደፍ ክሓልፍዩ ክንብል እንከለና’፡ ከምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ከፈራርሕሉ ዝፍትኑ፡ ኤርትራ ዘመሓድራ ዘይብላ ባዶ ክትተርፍ እያ፡ ወይ ክትድፈር’ያ ማለት ኣይኮነን። “ቃልስና ንለውጢ እዩ” ክንብል እንከለናኮ ንህግደፍ ኣብ ምውጋድ ጥራይ ዝዕገት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ካብ ህግደፍ ብዝሓሸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ካብኡ ብዝተፈልየ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካኡ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ራኢና ህግደፍ ዝጸየቖ ባህላውን ማሕበራውን ምስሊ ህዝብና ምሕዋይ ማለት’ውን እዩ። ንኣብነትኳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መጻኢ ራኢ ዓወቱ ንምእማት ኣብቲ ኣብ ጉባኡ ዘጽደቖን ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፋውን ሰላማውን ውድድርን ዘፍቅድ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ሕጋውን ዝጣበቕን፡ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ንረክብ። ስለዚ ኤርትራ፡ ከም ኢሳያስን ሰዓብቱን ጨካናትን ጠላማትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘድሕንዋ’ውን ወሊዳ እያ።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ውሑዳት ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝመጣጠሩ “ደገፍቲ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን፡ መራሒ ህግደፍ ኣብ ርእሲቲ ካልእ ብደዐኡ፡ ተጠሊዑ ንሓንሳብ “ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ”፡። ንሓንሳብ ድማ “ምርጫ ኣብ ኤርትራ ወይ ንሓዋሩ ዘይክግበር ወይ ከኣ ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ ኣርበዓ ዓመታት ይግበር ይኸውን” እናበለ ከሽካዕልል ሰሚዐምዎ ከብቅዑ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣካልቲ ህዝቢ ዝቃለሰሉ ዘሎ ለውጢ ክኸውን ዝጽበዩ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ፈቲኖም ኣብ ኩሉ ብርክታት ተሳዒሮም መውጽኢ ዝሰኣኑ እምበር፡ ኣንጻር ለውጢ ዝተዓጥቀ ሓይሊ ህግደፍስ፡ ኣካል ለውጢ ክኸውን ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም’ዮም ክትብሎም ዘጸገሙ እዮም።
እሞ “ለውጢኸ መዓስ?” ዝብል ሕቶ ክቕርቦም እንከሎ ከኣ፡ “ሎሚ” ዝብል ልሳንን ሕልናን ስለ ዘየብሎም፡ ናብታ ብጥበብ ተሰሪሓ ዝተዋህበቶም “ሎሚኮ ህግደፍ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር እዩ ተጸሚዱ ዘሎ” እትብል ኣሪጋ ዝበለየት መሕብኢት ይጐዩ። እቲ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ዝብልዎ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ መጋርያ ጀሚርካ፡ እቲ ጉጅለ መሕብኢ ንክኾኖ ሓሓሊፉ ባዕሉ ዝኣጉዶ ውግኣት እዩ። እቲ ዝቐለለ ሓዊ ኣጒድካ “የጥፍኦ ኣለኹ” ምባል ዘይኮነ፡ ነቲ ሓዊ ዘይምስዋርኳ እንተነበረ፡ እዞም ህዝቢ ክውክሉ ዝመጣጠሩ ደገፍቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝጸመሙ ነቲ ሓቂ ኣይርእይዎን እዮም። በቲ ኮነ በዚ ኤርትራን ህዝባን ወትሩ ህሉዋትን ቀጸልትን እዮም። ህግደፍ ግና ይፍቶ ይጽላእ ሓላፋይ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ድማ ዳግማይ ከይድህለል ብዛዕባ ድሕሪ ሕልፈት እቲ ጉጅለ ዝሓስብ ልቦናን ሓላፍነትን ይሃልዎ።
ባህግና 64፣ ኣገደስቲ ዜናታት፣ ዘዝጀመርካዮ ናይ ዘይምፍጻም ሕጽረት ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ 05.06.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ፡ ኣብ ስንፖዝየም ኤሪሳት ክሳተፉ’ዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ስቴቨን ሲ ዌከር ተለቪዥን ኤሪሳት ን11 ሰነ 2022 ኣዳልያቶ ኣብ ዘላ ስፖዚየም 2022 ብቐጥታ ካብ ኣስመራ፡ ዕዱም ጋሻ ኮይኖም መደረ ከም ዘስምዑ ኤሪሳት ሓቢራ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ”ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ” ዝካየድ ስፖዚየም “ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ኣበርክቶ ኤሪሳትን” ከም ዝኸነን ብዝተፈላለዩ መደባት ከም ዝስነን ተፈሊጡ።
ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ፡ ብተኸታታሊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኣብ ምንጽብራቕ ሓበሬታ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብዚ ስፖዚየም ዘቕርብዎ መደረ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ዝተዓብሰ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ብዘይካዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ወይዘሮ ይርገኣለም ስብሃቱን ኣቶ ዘካርያስ ክብረኣብን ከምኡ ድማ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተል ጋዜጠኛን ተመራማርን ዳን ኮነል ዕዱማት ኮይኖም መደረታት ከም ዘስምዑ ናይቲ ስፖዚየም ፕሮግራም የረድእ።
ድሕሪ ናይቶም ኣጋይሽ መደረታት መድረኽ ሕቶን መልስን ምይይጥን ዝህሉን እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግዜጠኝነትን ምልዕዓልን ልሉይ ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ሰባት ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃብን ናይ ምዝንጋዕ መደብ ከም ዝህሉን ካብቲ ዝወጸ መደብ ምርዳእ ይከኣል።