መግለጺ  ሓዘን

2023-03-14 11:31:53 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 695 times

ኣይክንርሳዓክን ኢና  ኣድሓነት                                                         

ብጸይትና ኣድሓነት ዳፍላ ገብረ ኣባል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ብዕለት 28 ለካቲት 2023 ኣብ ኑርንቦርግ ጀርመን ኣብ ገዝኣ ክትእለ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰላም ዓሪፋ። ብ12 መጋቢት 2023 ድማ ኣብ ኤርትራ ዓዲ ሙሳ ሓማሴን ሓመድ ኣዳም ለቢሳ።

ኣድሓነት ንንውሕ ዝበለ ግዜ እኳ ሓሚማ እንተነበረት ብጾታን ፈተውታን ከምኡውን መንግስቲ ጀርመን ብዝገበሩላ ሰናይ ምትሕብባር ክሳብ ዕለተ ዕርፍታ ባዕላ ነብሳ ክኢላ ትጓዓዝ ነይራ። ኮይኑ ግን፡ ካብ ሞት ዝተርፍ ፍጡር ስለዘየለ፡ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት እቲ ናይ ሓዋሩ ዕርፍታ ኩነት ኣጋጢሙ። ስለዚ ብሞት ብጸይትና ኣድሓነት ዳፍላ መሪር ሓዘን እንዳ ተሰማዓና ፈጣሪ ኣብ ሕቕፊኡ ይቀበላ። ንመላእ ስድራን ቤተ ሰብን፡ መቕርባን ናይ ቃልሲ ብጾታን ፈተውትን ድማ ጽንዓት ይሃብ።

ብጸይቲ ኣድሓነት ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚራ ስርዕቲ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይና ንማሕለኻታት ጸላኢ በዲሃ ንዝዋሃባ መደባት ቃልሲ ብተወፋይነት ትፍጽም ዝነበረት ጽንዕትን እምንትን  ኣባል እያ ነይራ። ኣብ ስደትውን ዕላማን ሓደራን መቓልስታ ክዉን ንምግባር  ከይተሓለለት ዝተቓለሰት ኣደ እያ። ነፍሰ ይምሃር ብጸይቲ ኣድሓነት ዳፍላ ብዕድመ ኣብዝደፍኣትሉ ግዜውን፡ ሸምጊለ ከይበለት መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምጥባቕ ምስተን ብዕድመ ዝናኣሳ ኣሓታን ደቃን ዝኾና ዜጋታት ንተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝብል ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዕለት 14 ሓምለ 2007 ካብ ዘቆማን ንምዕዋቱ ዝጻዓተትን ጽንዕቲ ተቓላሲት ኣደ እያ ነይራ።

መንግስተ ሰማያት የዋርስኪ ተቓላሲት ኣድሓነት!!

     

Last modified on Tuesday, 14 March 2023 12:47