ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብሚሺጋን ዩኒቨርስቲ ተሸሊሞም

2023-03-15 09:40:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 719 times

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን “ቶማስ ፍራንሲስ ጁኒየር” ዝብል፡ ሽልማት ምስ ሓምሳ ሺሕ ዶላር ከም ዝተዋህቡ እቲ ዩኒቨርስቲ  ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ዶ/ር ቴድሮስ ነዚ ብ13 መጋቢት 2023 ዝተዋህቦም  ሽልማት ዝበቕዑ፡ ዓለም ብኮቪድ-19ን ካልኦት ዓበይቲ ፀገማትን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ነቲ ውድብ ብምምራሕ ንዘርአይዎ ብቕዓት ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።   እዚ ሽልማት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ክብሪ ኮይኑ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ልዑል ኣበርክቶ ንዘርኣዩ ባእታታት ዝወሃብ እዩ።

እዞም ንመጀመርያ  ናይ ጥዕና ክኢላ ዘይኮኑ ክንሶም ብብቕዓት ዝመርሑ ዘለዉ  ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዋና ዳይረክተር ጥዕና ዓለም  ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ነቲ ሽልማት ብኣካል ተረኺቦም ምስ ተረከቡ ምስ ማሕበረሰብ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ማሕበረ ሰብን ካለኦት ክኢላታትን ተመያይጦም፡  ካብቲ ስነ-ስርዓት ብቐጥታ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉን ተፈሊጡ።

ናይቲ ዝሽልሞም ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ሳንታ ኦኖ  ብወገኖም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣንጻር ዓባይ ሰዓል፡ ኤችኣይቪ ኤድስን ኮቪድ-19ን ኣብ ዝነበረ ምርብራብ ንዘርኣይዎ ጻዕሪ ከም ዝተሸለሙ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ኣብኡ ዝተማህሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዋይ መንግስታዊ ጽፍሕታት ኢትዮጵያ ዝሰርሑን፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱ፡ ብመጀመርያ ብ2017 ዳይረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኖም ተመሪጾም፡ ብ2022 ድማ ዳግማይ ተመሪጾም ንብዙሕ ተጻበኦታት በዲሆም ነቲ ትካል ዝመርሕዎ ዘለዉ ቀዳማይ ኢትዮጵያዊ ኣፍሪቃዊ እዮም።

Last modified on Wednesday, 15 March 2023 10:51