ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ዝሓዞ መንገዲ ሓደገኛ ምዃኑ ተገሊጹ

2023-03-13 19:34:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 676 times

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጸለመን ምጽሕታር ጽልእን መንገዲ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኤሪጋዜት/ Erigazette፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኣቶ ጽሑፍ ኣቃሊዓ። እዚ ተግባር ኢሳያስ፡ ካብቲ ኣንጻር ጐረባብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ተጻራሪ መርገጻቱ ዝነቅል፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ከባቢ ሓደጋ ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ሓቢራ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ከምዘሎ ምፍላጡ ኣድላይ ምዃኑ እቲ ናይ ኤሪጋዜት ጽሑፍ ኣጠንቂቑ።   

ሓደ ካብቲ ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ክስለፍ  ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ዝመርሖ መንግስቲ ሰብኣዊ ግህሰትን ቁጠባዊ ውድቀትን ንምኽዋል እዩ። ናይ ወጻኢ ጸላኢ ብምፍጣር፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ብሰንኩ ክወርዶ ዝጸንሐ ወቐሳ ምሕባእ ከኣ ካልእ ድሌቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ዝምድናኦም ምስ ምዕራብ ኣብ ምብልሻው ተጸሚዶም ዘለዉ ጨቆንቲ መራሕቲ ቻይናን ሩሲያን ምሕጓስ እውን ካልእ ዕላማ ኢሳያስ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ ኩሉ ፈተነታት ዲክታተር ኢሳያስ ቅቡልን ርትዓውን ከምዘይኮነ ይጠቅስ።

ኢሳያስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ፈጺማ ሞይታ እያ” ኢሉ ዝኣወጆ ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ክፍጽሞ ዝጸንሓ በብዓይነቱ ግህሰታት ንምህዳም ዝሃንደሶ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ  ምስቓይ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣልማማ ቅትለትን ከም ዝፈጸመ ይሕብሩ ከምዘለዉ ኣስፊሩ።  እዚ ተግባርሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ዝዕንቅፍ እዩ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻር ተግባራት ኢሳያስን ምምሕዳሩን፡ ካብ ቁጠባዊ እገዳ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክቐጽዕዎን ብቐጻሊ ንተግባራቱ ዘቃልዑ መግለጽታት ከውጽኡን ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንዝቃለሱ ኤርትራዊ ውዳበታት ክሕግዙ ኣተሓሳሲቡ።

Last modified on Monday, 13 March 2023 20:37