ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፡ 'ኣምሓርኛ ዝዛረቡ' ወጻእተኛታት ፈጠርቲ ራዕዲ ሒዘ ኢሉ

2019-09-11 18:37:10 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1727 times

 

ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ Image copyright ETHIOPIAN PRESS AGENCY ናይ ምስሊ መግለጺ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ፡ ደቂ ሶርያን የመንን ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ [ኣሸበርቲ] 'ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ' (ዳዒሽ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሹም ኢታማዦር ኮለኔል ተስፋዬ አያሌው፡ እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማታት ጅግጅጋ፣ ድሬ ዳዋ፣ ሞያሌን ዶሎን ከምዝተታሓዙ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ቁጽሮም ብዙሓት ምዃኖምን እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ክንደይ ምዃኖም በንጹር ካብ ምጥቃስ ተቖጢቦም።

ቅድም ክብል፡ ጉጅለ ራዕዲ ዳዒሽ ብመገዲ ቴሌግራም ኣቢሉ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ገለ መልእኽታት ኣቃሊሑ ከምዝነበረ ይዝረብ።

እዚ ብዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ድሕነት ሃገርና ጽኑዕ እዩ። እቲ ጉጅለ ዘሊቑ ክኣቱ ኣይከኣለን። ፕሮፖጋንዳ እዮም ዝነዝሑ ዘለዉ። ኣብ ከባቢ ዶብ ድማ፡ ጽኑዕ ሓለዋ እናገበርና ኢና" ኢሎም።

መብዛሕተኦም እቶም ተጠርጠርቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣጽዋር ውግእ ከምዝተትሓዙ'ውን ወሲኾም ኣረዲኦም።

ኣብ ቁጽጽር ዝወዓሉ፡ እቲ ብኣምሓርኛ ዝተፈነወ መልእኽቲ ስዒቡ ከምዝኾነ'ውን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሐዚ፤ ኣባላት እዚ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ፡ ኣብ ሃገረ ሶማል በሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ንመንግስቲ እታ ዓዲ ከምዝተውሃቡ ዝዝከር እዩ።

ብመንግስቲ ስልጠና ካብ ዝወሃቦም ጀሚሩ እኹል መረዳእታ ከምዝነበሮ ብምዝራብ፡ እቲ ጉጅለ ገሊኦም ካብ መንገዲ ሒዙ "ቅርሺ ክንህበኩም ኢና" እናበለ ከምዘታለሎም'ውን ጠቒሶም ።

መብዛሕተኦም ግን፡ ብፓስፖርታት የመንን ሶርያን ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ምዃኖም ተፈሊጡ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49665169

Last modified on Wednesday, 11 September 2019 20:40