ሬድዮ ጀርመን ኢትዮጵያ ሪፖርተራታ ምእጋዶም ኣፍሊጣ

2025-10-24 09:37:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 44 times

ብቋንቋ ኣምሓርኛ ፈነወኣ እትዝርግሕ ኣህጉራዊ ሬድዮ ጀርመን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሪፖርተራት ብግዝያውነት ከም ዝተኣገዱ ብ23 ጥቅምቲ 2025 ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ። እታ መደበር ሬድዮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ባህርዳር፡ ደሴ፡ ኣዋሳ፡ ድሬዳዋን ኣሶሳን ብድምር 9 ሪፖርተራት ከም ዘለውዋ’ውን ኣፍሊጣ።

ነቲ ናይ ምእጋድ ውሳነ ዝወሰደ ናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ምምሕዳር መዲያታት ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ እቶም ሪፖርተራት ዝተኣገዱ ብናይ ኢትዮጵያ ናይ መዲያ ሕግን ብሞያዊ ስነምግባር ጋዜጠኝነትን ክግዝኡ ስለ ዘይከኣሉ እዮም  ክብል ምፍላጡ እውን ተሓቢሩ።

ነቶም ጋዜጠኛታት ዘእገዶም ቀንዲ ምኽንያት ብ23 ጥቅምቲ 2023 ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እስትራተጅያዊ  ቦታታት ከም ዝተቖጻጸረ ዝገልጽ ጸብጻባት ምዝርግሖም ዝተሓሓዝ ምዃኑ ከኣ ተጠቒሱ። ሬድዮ ጀርመን ኢንተርናሺዮናል ነዚ ናይ ኣምሓርኛ መደብ ብ1965 ዝጀመረቶ ኮይኑ፡ ብፍላ ካብ 2018 ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ቦታዊ  ሪፖርተራታ ከም ዘዛየደት ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ሪፖርተራት  ግዝያውነት ምእጋድ፡   ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብታ ሃገር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ ጀሚሩ ብሰፊሑ ዝቕጽል ዘሎ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ብዝምልከት መጣንቐቕታ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ሕጺር ግዜ ዝተወስደ ምዃኑ እውን ሬድዮ ጀርመን ኢንተርናሺናል ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ ሓቢራ።

ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ነዚ ምእጋድ ሪፖርተራት ሬድዮ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝተወስደ ስጉምቲ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝጻረር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምናልባት ኣካል’ቲ ኣብ 2026 ዝካየድ ተመዲቡ ዘሎ 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ዝምልከት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ዓለም ለኻዊ ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ (CPJ) ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርታ  ብተዛማዲ ደሓን ዝነበረ ናጻነት ጋዜጣኛታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሕማቕ ገጹ ይምዕብል ከም ዘሎ ዝሓደሮ ስግኣት ዝገልጽ  ጸጻብ ምቕራቡ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 24 October 2025 11:45