ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊዘርላንድ: ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖሓኤ EPF ዝርከቦ ኣኼባ ኣካያዱ

2025-10-24 09:14:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 39 times

ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2025፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ፡ ሓው ጎይትኦም ክፍሎም፡ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝርከቦ ኣገዳዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ምስ ኣባል መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ክራኸብ እዚ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ነይሩ።

ቅድሚ መድረኽ ንሓው ጎይትኦም ምሃቡ፡ ሓው ዳዊት ኣብርሃምን፡ ኣቦ መንበር ጨንፈርን  ተሓባበርቲ ብጾቱን ናይ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሃለዋት ጨንፈር እሕጽር ኣቢሎም ኣቕሪቦም። ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ሓው ወልደሱስ ዓማር እውን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ሃለዋት ሰልፍን ደንበ ተቓውሞን ገሊጹ።

ካብዚ ቀጺሉ፡ መድረኽ ንኣባል ፖሓኤ ተዋሂቡ። ብወገኑ፡ ሓው ጎይትኦም ብዛዕባ ተበግሶ ምምስራት ፖሓኤን ናይ ዝመጽእ ሓባራዊ መደባቱን ገሊጹ። ብፍላይ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር እዋን ጨንፈር ሰዲህኤ ምስ ካልኦት ኣባላት ፖሓኤ ዝኾኑ ባእታታት ሓባራዊ ኣኼባ ንምክያድ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝኾነ ኣተንቢሁ። ብወገኑ ሓው ወልደሱስ፡ ንኣባል መሪሕነት ፖሓኤ ምስ ጨንፈር ሰዲህኤ እስፍሕ ኣቢሉ ክገልጽ እንከሉ፡ ሓው ጎይትኦም፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምስሳን ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኣብቲ ከባቢ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ክብ ዝበለ እጃም ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። ካብዚ ብምግባስ ከኣ፡ ንመሰረታት ፖሓኤ ኣብ ምብርባር ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መግለጺ ብምርካቦም ድሕሪ ምምስጋን፡ እቲ እተተንበሀ ሓባራዊ ኣኼባ ፖሓኤ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀረባ ግዜ ክግበር ተላብዮም።

  

Last modified on Friday, 24 October 2025 11:37