መስከረም 61ን ንመንእሰይ እተሰክሞ ሓላፍነትን

2019-09-11 17:30:07 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1566 times

ወርሒ መስከረም ብኹሉ መኣዝና ምስ እንምልከታ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ወርሒ ለውጥን ተስፋን ሕመረት ታሪኽናን ነጥበ-መቐይሮን እያ እንተበልና ኣይተጋገናን።

ምኽንያቱ፡

1 - መጀምርያ ዓመት ኮይና ካብ ጸልማት ክረምቲ ናብ ብርሃን ሓጋይ እንሰጋገረላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

2 - ስእነትን ጥምየትን ኣፋኒና ናብ ጽጋብን ራህዋን እንኣትወላ ወርሒ ስለ ዝኾነት፤

3 - ልዕሊ ኩሉ ከኣ ክፉእ መግዛእታዊ ጭቆናን ዘስዓቦ ስንብራትን ብዕምቈት ኣለሊና ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝወሰንናላ ዕለት ስለ ዝኾነት‘ያ።

ሎሚ ኣብዛ መበል 58 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ቃልስና እምበኣር፡ ነተን ኣብ ቍ 1ን 2ን ዘለዋ ከም ርዱእ ወሲደ፡ ናብዛ ክብርቲ መዓልቲ መስከረም 61 ዝምልከት ሓጺር መልእኽተይ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ።

እዚ ከኣ፡ 1 - ስለምንታይ ክንቃለስ ተገዲድና?

2 - እንታይ ዕጥቂ ኔሩና እንታይከ ኣጋጢሙና?

3 - ከመይ ተሰጊሩ እንታይ ኣዐዊቱ?

4 - እንታይከ ተሪፉዎ?

5 - እንታይከ ክንገብር ይግበኣና? ኣብ ዝብል መግለጺ ከተኵር‘የ።

1 - ንቃልሲ ዝመረጽናሉ ምኽንያት፡ ዝተቐያየሩ ባዕዳዊ መግዛእቲ መሪሩናን ካብኡ ሓራ ንምውጻእን ክኸውን ከሎ፥ ነጻነትና ብሰላም ክወሃበና ሓቲትና ኣንጻር ድሌትና ስለ ዝተመለሰልና፡ ምርጫ ስኢንና ዝኣቶናዮ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝፈጠሮ ውሳኔ‘ዩ።

2 - ዕጥቂ ተሪር ሃገራዊ ፍቕሪ ዝወለዶ ኒሕ እምበር፡ ኣነ ኣለኹ ዝበለ ካብ ርሑቕ ይኹን ቀረባ ሓይሊ ኣይነበረን። መሳርያ እንተኾነ ንሃድን እኳ ዘይበቅዕ፡ ዝኣረገ ጓንዴ ምንባሩ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተገልጸ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብሃልን።

3 - ከመይ ተሰጊሩ ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ኣሽምባይ ምስ ኩሉ ዓቕሚ ዝወነነ ንሕስያ ዘይብሉ ባዕዳዊ ጸላኢ፡ ነቲ ባህርያዊ ሰርቢ ማይ ወይ ብርቱዕ ጸሓይ ዘዕቁብ በዓቲ ወይውን ዕሙር ጽላል ከይረኸብካ ንምስጋሩ ዘጸግም‘ዩ።

ሰውራ ኤርትራ ከኣ፡ ብታሕቲ ረመጽ ብላዕሊ ሓዊ ኣብ ዝተጻወደ ፈታኒ እዋን ምንባሩ፡ ንምርድኡ ብዙሕ መግለጺ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ይኹን‘ምበር፡ ብሳላቶም ከም ወርቂ ብሓዊ ተጠቢሶም ዝሓለፉ ፍቱናትን ጽኑዓትን ዘርኣይዎ ብዋጋ ዘይትመን ኣስተዋጽኦን ተወፋይነትን፡ መላእ ህዝብና ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶን ጻዕርን ትንፋስ ሰዂዖም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣናብስ ተቐይሮም ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ምርዓድ በቒዖም።

ንኣመዓባብላ ሰውራ ኤርትራን ተሳታፍነት ህዝብን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክግምገም ከሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘጋጠመ ፍልልያትን፡ ንሱ ዘስዓቦ ህልቂት መንእሰያትን እንተዘየጋጥም ኔሩ፡ ቃልስና ካብ 30 ዓመት መስዋእትና ድማ ካብቲ ዝኸፈልናዮ ብፍርቂ ክጐድል ከም ዝኽእል ዘይንፈላለየሉ ሓቂ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ዝኸበደ ይኽበድ ዝጸንከረ ይጸንክር፡ ኣብ ቅድሚ መሰለይ ኢሉ ብቘራጽነት ዝተበገሰ ውጹዕ ዝጸንሕ ሓይሊ ከም ዘየሎን ዘይህሉን፡ ንዓለም ብዘስተምህር ደረጃ ተዓዊቱስ ልዑላዊት ሃገር ኣረጋጊጹ።

4 - እንታይ ተሪፉዎ? ኩሉ ከም ዝርድኦ፡ ብረታዊ ቃልሲ ሂወትካ ዝሓትት ንሕስያ ዘየብሉ ናይ ሞት ወይ ሂወት እምበር፡ ከም ቤት ትምህርቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓለፍካ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕካ፡ ብዲግሪ ተመሪቕካ፡ ሞያዊ ስልጣን እትበጽሓሉ ውሑስ ቦታ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሉ ኣብ ሜዳ ዝተሰለፈ እንታይ ፈጺመ እስዋእ እምበር፡ ኣበይ ተጸጊዐ ካብ ሞት አምልጥ ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ውሽጢ ቃልስና ተሓቢኦም ውጽኢት ሰውራና ተቓጽዮም ክሰርቁ ዝሓልሙ ክህልዉ ይኽእሉ‘ዮም ኣብ ዝብል ግምት ከየድሃብና፡ ኩሉ ሃምናን ቀልብናን ኣንጻር መደበኛ ጸላኢና ጥራሕ‘ዩ ዝጠማጠም ኔሩ። እዚ ብክትሰምዖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቶም ዝወዓልዎ ሰብ ቅያ‘ውን ንክትኣምኖ ዘጸግም መስርሕ ጅግንነትን፡ መዳርግቲ ዘየብሉ መስዋእቲ ብሉጻትን ዝመጸት ነጻነት፡ ባህግን ድሌትን በዓል ጻማ ዝኾነ ህዝባ ከተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ኣብ ጉዕዞና ከየጽረናዮ ዝኣቶና ክርዳድ ምንባሩ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘሳቕዩና ዘለዉ ጉድለታት‘ዩ።

5 - እዚ ጌጋ‘ዚ ከኣ፡ ኣብቲ እንታይ ክንገብር ይግበኣና? ዝብል ሕቶ ክንምለስ ይግድደና።

ከምቲ ኣብ ቍ.1 ናይዞም ተኸታተልቲ ሓሳባት ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሪር መግዛእትን በሰላታቱን ኣጽሊኡዎ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ዝባኑ ቀንጢጡ ክጉሕፎን፡ ኣብ ቦታኡ ልዑላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ኣረጋጊጹ ከቢሩን ቀሲኑን ክነብር ብዝብል ዕላማ ካብ ተቓለሰ፡ ሎሚ ደኣ እንታይ ስለ ዝረኸበዩ ዘጣቕዕን ኣብ ሬሳታት ደቁ ዝስዕስዕን ዘሎ?

ኩነታትን መሰላትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክነጻጸር ከሎ፡ ምምሕዳር ባዕዲ ከም ዝሓይሽ፡ ዓለም ብምልእታ ትዛረበሉ ዘላ ብዝሒ ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ዘሎ ሓሳረ መከራን ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ‘ዩ።

እዚ ካብ ካልኣይ ወለዶ ዘይሓልፍ፡ ናይ 60 ዘይኣክል ዓመታት ዝተፈጸመ፡ ፈታውን ጸላእን ዘደነቖ ታሪኽ ጀጋኑ፡ ኣብነት ጽንዓትን ተወፋይነትን ከመይ ገይሩ ብከምዚ ሕጂ ዘሎ ሃለዋት ኣብ ህድማን ንዓይ  ይጥዓመንን እንታይ ገደሰንን ይልወጥ? ነዚ ንምምላስ እምበኣር፡ እንታይነትን ሕጋውነትን መሰረተ-ስነምግባር ሕብረተሰብና ተመሊስና ክንውከስን ክንሰርሕን መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ‘ዩ። ንሱ ከኣ እዚ ብብሔራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታውን ብዙሕነት ዝልለ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ኣኣውራጃኡን ምምሕዳሩን፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ‘ውን ከይተረፈ ኣድልዎ ብዝወገደ ጽፉፍ ሕጊ እንዳባ እንዳተመሓደረ፡ ብሃገር ደረጃ ተሪር ፍቕርን ምትእምማንን ዝወለዶ ሃገራዊ መንነት ከጥሪ ስለ ዝኽእል‘ዩ፡ ብሓባር ንነጻነት ተቓሊሱ ክዕወት ዝኸኣለ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እምበኣር ካብዚ ሃገራዊ ስነምግባር ስለ ዝጠፍአ እዩ ንሃገሩን ህዝቡን ይትረፍ፡ ንነብሱ ምቕጻል ሓርቢቱዎ ነፍሰ-ቅትለት ዝፍጽም ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ወርሒ መስከረም፡ ነዚ ናይ ሎሚ ወሎዶ ባህርን ስነምግባርን ኣቦታቱ ክወርስን፡ ንዝተረኽበት ሃገራዊ ነጻነት ዓቂቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓቢሩ ክሰርሕን ልዑል ሓላፍነት ተሰክሞ።

ታሪኽ እኩብ ድምር ተረኽቦታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝደክምን ዝሕይልን ዝጐድልን ዝውስኽን እምበር፡ ኣብ ሓደ ዝተቐመጠ እምኒ ስለ ዘይኮነ፡ ዝሓለፈ ወለዶ ነታ ብዝርያ ዓለማት ዝተነፍገትና ነጻነት ኣምጺእና ከም ዝደለናያ ዘይክትከውን ትኽእል እያ።

እዛ ነጻነት እዚኣ‘ውን ህያብ ሰማእታት ንህሉዋት እያ። ኩሎም ህሉዋት ብሓፈሻ ወረስቲ ሕድሪ ዝኾኑ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ክዕቅብዋን ክሰርሑዋን ብሰላምን ቅሳነትን ክነብሩላን ዝኽእሉ ሃገር ክገብሩዋ ሓላፍነቶም ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና

ውድቀትን ዕንወትን ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

   

Last modified on Wednesday, 11 September 2019 19:32