ምስሕሓብ፡ ዓበይትን መንእሰያትን

2019-09-11 16:01:07 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1547 times

ወለዶታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መድረኹ ሓልዩ እናተተኻኸአ ብቐጻሊ መስርሕ ዝሓልፍ እዩ። እቲ ዝኣረገ ብሓዲሽ  ክትካእ፥ እንከሎ ሓዲሽ ድማ ተራኡ በጺሑ ከም ዝኣርግ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዘይለውጢ ዝኸይድ መርስርሕ ስለ ዘየለ። መንእሰይ ነይሩ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ-ብመንእሰይ ድማ ይትካእ። እቲ ዝትክእ ዘሎ መንእሰይ ድማ ከምኡ ይጉብዝ፥ ይዓቢ ይኣርግ እሞ እንደገና ብመንእሰይ ይትካእ። ኣብቲ ዘይተርፍ ብናቱ ሕጊ ዝግዛእ መስርሕ ኩሉ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ እናቐሰመ፥ ብግዲኡ ክሳብ ብሓዲሽ ዝትካእ ይቕጽል።

ደቂ ሰባት፡ ብዕድመ ዝፈላለዩሉ ከከም እቲ ኣፈጣጥርኦም እዩ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ዕድመ ፍልልይ ከም ናይ ቀንዲ መንቀሊ መፈላለዪ ጌርካ ክውሰድ ኣይከኣልን። ንኣብነት ኣብ መሓረስ ዝነብር ሕብረተሰብ፡ ኣብዑር ጸሚዱካ ንምሕራስ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሊዱ ኣብቲ መስርሕ ዝጸንሐ ተመኩሮ ከይወረሰ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ስለ ዝጎበዘ ጥራይ ነቲ ማሕረስ ክበቕዖ እዩ ምባል ዘይከውን ኢዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ንዓኡ ዝገዝእ ባህርያዊ ሕጊ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ኣብ መንጎ ነባር ሓዲሽን፡ ኣብ መንጉኡ ናይ ትማልን ናይ  ሎምን ዝፍጠር ምዕብልና፡ ነቲ ገዲምን ሓዲሽን ኣብ ኣተሓሳስባ ይኹን ኣብ ምህዞታት ወይ እውን ፍልጠት እናማዕበለ ስለ ዝኸይድ፡ እቲ ገዲምን ሓዲሽን ናይ ግድን እዩ ምትእስሳርን ምጽልላውን ክህልዎም።

በዚ መሰረት እቲ ዝፍጠር ፍልልይ ነቲ ምዕብልና ዘርከበሉን ዘየርከበሉን እዩ እምበር፡ ናብ ግርጭት ዘብጽሕ የብሉን።  ንኣብነት ቅድሚ ሞባይል ምትእትታዉን ድሕሪኡን ዘሎ ፍልልይ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ግን እቲ ፍልጠትን ምዕብልናን ካብቲ ዝነበረ ገዲም ተወራሪሱ ዝቐጸለ እዩ። ካልእ ኣብነት ንምጥቃስ እዚ ሎሚ ብትራክተር ዝሕረስ ዘሎ ምስቲ  ቐዳሞት ወለድና በብዑር ክሓርሱ ከለዉ ዝነበረ ኩነታት እንታይ ዘገራጩ ኣለዎ? እንታይከ ዘካስስ ኣለዎ? ኩሉ በብመድረኹ ቅቡል እዩ። ሎሚ ኣብ ገዳይምን ሓደስትን ወይ እውን ዓበይትን መንእሰያትን ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝረአ ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ስለምንታይ ይጋፋሕ ኣሎ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ዘለዎ እዩ።

እንታይከ እዩ ነቲ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ ዘጋፍሖ ክንመራመረሉን መፍትሒ ክንረኽበሉን የድሊ። ከምኡ እውን ብርግጽከ ናይ ፍልልይ ኣሎዶ? እንተልዩኸ እንታይ ይመስል? ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ በቶም ቅድመኻ ጸሓይ ዝረኣዩ ዝደለብዎ ተሞክሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ንቕድሚት ክትስጉም ኣይከኣልን እዩ። ብዝኾነ ግን ክልቲኡ ኣካላት ገዲምን ሓዲሽን ወለዶ ዘለዎም ድሌት ወይ ሃንቀውታ ሕደ እዩ። ክመሃሩ፥ ክሰርሑ፥ ክመስሉ፡ ነጻ ክኾኑ፡ ክብልጽጉ፥ ዋላ እኳ ብዕድመ፥ ናይ መነባብሮ ልምዲ ወይ ተመኩሮ ኣብ  ህይወቶም ዝከይድ ራኢን ዝፈላለ  እንተኾነ ካብ ሓድሕዶም ብዙሕ ክኸስቡ ዝኽእልሉ ተኽእሎ ኣሎ። ብፖለቲካዊ መዳይ እንተርኢና እውን ነዚ ምልኪ ኣብ ምልጋስ ኣብ ዓበይትን መንእሰያትን ፍልልይ የሎን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል’ውን እቲ ድሌት ተመሳሳሊ እዩ።

እቲ ጸገም ምናልባት እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ገዳይምን ሓዲሽትን (ዓበይትን መንእሰያትን) ዘሎ ናይ ፍልልይ ሃጓፍ፡ ጠንቁ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት፡ ዝዘርኦ መርዛም ፈልሲ ከይኮነ ኣይተ ርፍን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቅድም ዝነበረ ባህሊ፡ ልምድን ወግዕን ኻካልእ ስለዝተከኦ። ነቲ ዝነበረ ባህሊ፥ ልምድን፥ ወግዕን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ተመክሮ ከይቀስም፡ ናብ ሳዋ ወሲዱ ናይ ሓንጎል ምሕጻብ ስለ ዘይካይድ። እዚ ሓድሽ ወለዶ (መንእሰይ) ወለዶ ብኽመይ ዝብለ ሞራልን፥ ቀጥዕን እዩ ተዀስኲሱ ንዝብል ምምርማር የድሊ። ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነትን ዝነበረ ኣተኣላልያ መንእሰይ፡ ገና ብዕሸሉ እንከሎ፥ እቲ ስርዓት ብዝደልዮ ኣስተምህሮ ዝቓንዮ እምበር መቐጸልታ ቀዳሞት ወለዱ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ መንእሰይ ብዘይምስትውዓል በቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ከምዝተጠቕዐን ከምዝተጎድአን ገይሩ ክመዝኖ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ቅድም ዝተሰደ ገዲም ኣብ ትምህርትን ካልእ መዳያትን ነብሱ ክኢሉ፡ ዝፈጥሮ ፍሉይ ስምዒት እውን እቲ ሃጓፍ ኣብ ምፍጣር ግደ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ንገዛእ ርእሱ ወሊዱን ዘሚዱን ደቁ ኣምሂሩን ሓብሒቡን፥ ንደቂ ካልኦት ክቃልስን ከሰልፍን ይጉስጉሱ። እዚ “ንደቆም ከሰልፉ ኣይደልዩን” ዝብል ኣተሓሳስባን  ገምጋምን ዝፍጠሮ ስምዒት ካልእ መረሓሓቒ ጸገም እዩ። ሳልሳይ እቲ ካብቲ ቃልሲ ተኣልዩ ዝጸንሐ ገዲም ወለዶ ነቶም ነቲ ቃልሲ ዝቐጸሉ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ፥ ፍልልያት ኣብ ምግፋሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ናብቲ መንእሰይ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ክኢሉ እዩ።

ስለዚ እዝን ወዲ ከምዝን ብዝፈተሮ ጸገም ገዲምን ሓዲሽን ወለዶታት  ፍልልያቶም ኣብ ምፍታሕ ክናበቡ ብዘይምኽኣል፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን፥ ኣተሓሳስባን ኣብ ስነ-ኣእምሮ እቶም መንእሰያት ዝፈጥሮ ጸገም ክህሉ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ብዓቢኡ ድማ እተን ዘለዋ ውድባት ወግሐ ጸብሐ ምፍንጫል ከይኣኽለን፡ ኣብ ንሕድሕደን ክወናጀላን ክካሰሳን፥ እቲ ስርዓት ነቲ ምውጣጥ ግርም ገይሩ ስለ ዝምዝምዞ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝፈጸሞ ገበን ተረሲዑ፡ እቲ ውድባትን ነባራት ተቓለስቱን ክኽሰሱ ፍትሓዊ ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዝኸበደን ሓደገኛን ጐስጓስ ግና፡ እቲ ስርዓት ብወይጦታቱ ኣቢሉ ዝዝርገሖ ናይ ሓሶት መናፍሕን፡ ቅድም ክብል ነቶም መንእሰያት ዘስነቖም ግጉይ ትምህርትን እዩ። እቲ መንእሰይ ብዛዕባ ዝሓለፈ ታሪኽን ተመኩሮ ቃልልስ ኣፍልጦ ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ነገር ልሙጽን ጥጡሕን ባይታ ዝነበሮ ገይሩ ኢዩ ዝወስዶ። እዚ ድማ ካብቲ እወንታዊ ነቲ ኣሉታዊ ብዝያዳ የጉልሖን ብኣኡ የማርርን። ከምኡ እውን እቶም መንእሰያት ነቲ ሽግር ናይቶም ገዳይም ስለዘይፈልጥዎ ነቲ ኩሉ ጉድለታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ነባራት ክጽጽፍዎ ይህንደዱ። እዚ ከኣ መንእሰያትና ተመሊሶም ኣብ ሚዛኖም ዳግመ-ግምት ክገብሩ ሓላፍነት ዘሰክሞም እዩ።

Last modified on Wednesday, 11 September 2019 18:37