ዘተ ተቓወምትን ኣብዪ ኣሕመድን፡ እንታይ ዛዕባታት ኣልዒሉ?

2018-07-24 10:55:38 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2512 times

23 ጁላይ 2018

ሰልፍታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጽባሕ ሽመቱ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ናብ ቤተ መንግስቱ ፀዊዑ እንግዶት ድራር ገይሩ ነይሩ።

ፖለቲካዊ ውድባት 'ተነሓናሕቲ እምበር ተቓወምቲ ኣይኮኑን' ዝብል ዘረብኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፈላላይ ሓሳብ ዘኽብር እዩ ኢሎም ክንእድዎ ምኽንያት ኮይኑ።

ትማሊ ሰንበት ድማ እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ቁፅሮም ካብ ሓምሳ ምስ ዝዛይዱ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘተ ገይሩ።

ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም ይብሉ ተሳተፍቲ።

ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ዓረና ትግራይ፡ መምህር ጎይተኦም ፀጋይ ክልተ ዘልዓልዎም ሕቶታት በቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከይተመለሱ ከምዝተረፉ ይዛረብ።

እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዕርቂ ክኸዉን ከሎ፡ "እቶም ኣብ ዶባት ዝረከቡ ነበርቲ መጻኢኦም እንታይ ኢዩ ክኸዉን? ክፈናቐሉ ድዮም? ኣብ ዘለዉዎ ድዮም ክቕጽሉ? እቲ ጉዳይ ዶብ ብኸመይ ኢዩ ዝፍታሕ" ዝብል ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ካልኣይ ዘይተመለሰ ሕቶ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ተፈፀመ ናይ ቡምባ መጥቃዕቲ ምርመራ ከም ዝካየድን ዉጽኢቱ ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑን እኳ ተተሓበረ፤ ክሳብ ሕጂ ሰለምንታይ ንህዝቢ ዘይተገለጸ?" ዝብል ኮይኑ ናይዚ'ዉን መልሲ ከም ዘይተዋህበ መምህር ጎይትኦም ሓቢሩ።

ንምዃኑ፡ ካብዚ ብተወሳኺ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እንታይ ጠለባት ኣልዒሎም?

ሰማያዊ ፓርቲ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ እዩ፤ ውሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኣበበ ኣካሉ፡ ኣብቲ ዘተ ኣድላይነት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ሓዊሱ "ብርክት ዝበሉ ዛዕባታት'ዮም ተላዒሎም" ይብል።

"ቦርድ መረፃ፣ ሓባሲ ንብዓት፣ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ዝኣመሰሉ ትካላት ለውጢ ክግበረሎም ኣድላዪ እዩ። እቲ ሕገመንግስቲ ብዙሓት ዝመሓየሹ ዓንቀፃት ኣለውዎ። ሕግታት ፀረ ራዕዲ፣ ንሚድያን ንዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝምልከቱ ኣዋጃት ክመሓየሹ ከምዘለዎም እዩ ብዋናነት ተላዒሉ" ይብል ኣበበ።

ካብ ወገን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ከ እንታይ ምላሽ ተዋሂቡ ንዝብል ሕቶና እንትምልስ፡ ቅኑዕን ዘሐጉስን ምላሽ እዮም ሂቦምና ይብል።

ኣኼባ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ

"ኢህወዴግ 27 ዓመት ሙሉእ ካብ ዝነበሮ ፅዕንቶ ተናጊፉ ጠንኪሩ እዩ ዘሎ፤ ከይትዘናግዑ ኢሉና።" ክብል ገሊጹ።

"ድሕሪ ሕዚ'ውን በቲ ንገብሮ ዘለና ለውጢ ኣሐይልና ስለእንቕፅል፤ ህዝቢ ድማ ናባና ይመፅእ ስለዘሎ ተበታቲንኩም ምሳና ክትነሓንሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ስለዝኾነ ድማ ሕብረትን ናይ ሓባር ግንባርን ፍጠሩ" ኢሉ ከምዝመዓዶም ይዛረብ።

ተቓወምቲ ውድባትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ንድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ዳግም ክራኸቡ ቆፀራ ሒዞም ተፈላልዮም።

ኣብቲ እዋን ተቓወምቲ ጠለባቶም ብፅሑፍ ሒዞም ክቐርቡ፤ ብፍላይ ኣብ ኣወዳድባ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ዛዕባ ሰንደቕ ዕላማን ምምሕያሽ ዘድልዮም ዓንቀፃት ሕገመንግስትን ኣመልኪቶም ንዘተ ዝቐርብ ፅሑፍ ከዳልዉ ዕዮ ገዛ ከምዝወሰዱ መምህር ጎይተኦም ይገልፅ።

መራሒ ኦነግ ነበርን ሕዚ ድማ ንዴሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ሒዙ ናብ ዓዲ ዝኣተወ ኣይተ ሌንጮ ለታ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣይ ዘሎ ለውጢ ብኸመይ ሓቛፋይ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ፅሑፍ ከዳልዉ እዩ።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ምምሕያሽ ሕገመንግስቲ፣ ውድብ ዓረና ኣብ ዛዕባ ሃገራዊ ምርድዳእን ጉዳይ ሰንደቕ ዕላማን ንዘተ መልዓሊ ዝኸውን ፅሑፍ ከዳልዉ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ውድባት ሰማያውን ኢዴፓን ድማ ኣብ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣድሂቦም፡ ሕፅረታት እቲ ሕዚ ይትግበር ዘሎ ፌደራሊዝምን ኣማራፂ እዩ ዝብልዎ ምኽርን ሒዞም ክቐርቡ'ዮም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/44931142

 

 

Last modified on Tuesday, 24 July 2018 13:10