መርሓባ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት-2018

2018-07-25 17:24:29 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2272 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በቦትኡን በብዓቕሙን ብድምቀት ዝጽንብሎም ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ዓመታዊ ብዓላት ብዙሓት እዮም፡ ንኣብነት ብሃገራዊ ደረጃ-ዝክረ ሰማእታት፡ ብዓል ናጽነትን ፈስቲቫላትን።

ብመንፈሳዊ ደረጃ- ሓድሽ ዓመት ልደት ፋሲጋ፡ ብዓዲ ደረጃ ደማ ንግደት ወዘተ--እዞም ብዓላት‘ዚኣቶም ኣብ ዝኸበርሉ ዕለት መንቀልን ትርጉም ኣመጻጽእኦምን ብግቡእ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዎም መሃሪ ኣስተዋጽኦ ኣቃሊልካ ዘይርኣዩ ዓውደ ርክብ ስለ ዝዀኑ ጥጡሕ ባይታ ፍልጥት እንተተባህሉ ኣይዓበዮምን።

ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሰፊሕ ብዓል‘ዚ ብዙሕ ህዝቢ ኣሎ፡ ካብ ብዙሕ ህዝቢ ብዙሕ መሃርን ጠቓምን ኣስተምህሮ ኣሎ፡ ምድምማጽ ምክብባር ምጽውዋር ትሕትና ፍቕሪ ትዕግስቲ ልዝብን እሂን ምሂን ናይ ምብህሃል ስነ ልቦና ኣብ‘ዚ ዓውዲ‘ዚ ስለ ዝበቝሉን ዝስስኑን።

ብዓል ፈስቲቫል ከኣ ከም ኣካልን ተምሳልን ናይዞም ዝተጠቕሱ ከም ምዃኑ መጠን ኣገዳሲ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን እሞ ኸኣ መወዳድርቲ ኣይርከቦን‘ዩ። በዚ ምኽንያት‘ ድማ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ

ካብ ሰማንያታት ኣብ ሃገረ ጀርመን ብተ.ሓ.ኤ. ዓድጣልያን ድማ ብህ ግ.ሓ.ኤ እናተኻየደ፡ ኣብ ምቅልጣፍን ምዕዋትን ሰውራ ኤርትራ ዕዙዝ ፖሎቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ድፕሎማስያውን ሞራላውን ሕብረተ- ሰብኣውን ኣስተዋጽኦ ዘበርከተን ዘበርክት ዘሎን።

እዚ ዓወዲ‘ዚ ብፍላይ ብልቦናን ብሓባርን ክእለን ክስርሓሉን እንተተኻኢሉ ፍሩይ ውጽኢት ክርከቦ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውያ ድማ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ነዚ ሰፊሕ በዓል‘ዚ ትጽቢትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ተማሊኡ ፍትሓዊትን ዲሞክራሲያዊትን ነጻ ኤርትራ ተረጋጊጹ ህዝቢ ብምልኣትን ብሓባርን ክሳብ ዘብዕላ መኣዲ ዘተን ልዝብን ገይራ ክትሰርሓሉ ዝጸንሐትን ዘላን። እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት‘ውን ከም ወትሩ ብእዋኑ መበል 32 ዓመት ንምብዓል ኣሰናዳኢት ሽማገለ መዚዛስ፡ ኩሉ ኣድላይ ነገራት ኣጻፊፋ መደብ ዕዮኣ ወዲኣ ኣጋይሽ ኣብ ምቕባል ደረጃ ተሰጋጊራ ምህላዋ ካብ ትሕብር ሓጺር ስለ ዘይዀነ ዘይሰምዐ ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን። ምናልባት ምስ ዝህሉ ግን ኣብ ሓርነት ኦርግ ክፍሊ ራዲዮ ትግርኛ ክትረኽብዎ ከም እትኽእሉ ምሕባር ኣኻሊ እመስለኒ፡፡ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ እንተልዩ ጉዳይ ተሳትፎ‘ዩ፡፡

እዚ ፈስቲቫልዚ ምስቲ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝርኣ ዘሎ ሓድሽ ምዕብልና ይዳሎ ብምህላዉ ተራኺብካ ናይ ምዝታይ ጥጡሕ ባይታ ስለ ዝዀነ። ከም ወርቃዊ ዕድል ንልዝብ ወሲድና ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብምልኣት ክንሳተፎን ክንጥቀመሉን ይግባእ።

እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልና፡ ብዋጋ ህዝብና ንረብሓ ካልኦት ኣብ ክንድ ዝኸውን፡ ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ዝሓወሰ ዝዀነሉ መንገዲ ንምንዳይ ሓቢርና ሰሚርናን ክንላዘብን ምርጫ ዘይኰነስ ግድነት እዩ። ናብዚ ዝወስድ ጎደና ከኣ ኣብ ጉዳይ ሃገር ተሳታፋይ እምበር ተዓዛባይ ብምዃን ከም ዘይኰነ ንኹልና ርዱእ እዩ።

ስለ ዝዀነ ሕጅ‘ውን ብዝሓለፉ ድኽመትና ተናሲሕና ጸገምና ንምውጋድ ክንላዘብን ተዳልዩ ዘሎ ጣውላ ዘተ ተጠቒምና፡ ተበታቲኑ ዘሎ ዓቕምና ጠርኒፍና ሃዋርያ ድሕነት ክንከውን ምእንታን ክንክእል ቈጸራና ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብዘይጾታዊ ሃይማኖታዊ ውድባውን ፖለቲካውን ፍልልይ ካብ ዕለት 03-05/08/2018 ኣብ ፍራክፎርት ሃገረ ጀርመን ይኹን።

ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ትማሊ ዝርኤናዮ ተስፋዝህብ ብልጭታ፡ ውጽኢት ናይቲ ንርብዒ ዘመን ዝተረገጽናዮን ዝደመናዮን ዝነባዕካናዮን ብሕዙን ልብና ዝጸለናዮን‘ዩ ሞ ንምሉእ ባህግና ዝምልስ ንበሰላ ቁስልና ዝፍውስ ሰላምን ራህዋን ክዀነልና እምነ።

ሓቢና ንስራሕ ከንድምዕ! ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!  

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

Last modified on Wednesday, 25 July 2018 19:29