ኣሜሪካ ናይ 75 ሃገራት መስርሕ መንበሪ ቪዛ ኣጊዳ

2026-01-15 09:18:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 60 times

ካብ ማሕበራዊ መዲያ ዘሓበሻ ዝተወስደ ምስሊ

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ብ14 ጥሪ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መስርሕ መንበሪ ቪዛ ናብ ኣሚሪካ፡ ኤርትራ ናይ እትርከበን ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ሩሲያን ሶማሊያን  ዝርከበአን 75 ሃገራት ከም ዝቋረጽ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ትራምፕ ነዚ ዝወሰነ ናይዘን ሃገራት ዜጋታት ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ሓገዝ (welfare) ክምርኮሱ እዮም ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ከኣ ቶሚ ፒጎት ምክትል ወሃቢ ቃል ናይቲ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ ነዚ ብዝምልከት ኣብተን ዝተኣገዳ ሃገራት ናብ  ዘለዉ ቆንስላት ኣሜሪካ ብመሰረት’ቲ ዝሓለፈ ሕዳር ዝወጸ ንኢሚግራሽን ዝምልከት መምርሒ ነቲ መስርሕ ኣብ ዝምልከት፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ መንግስቲ ሰከም ከም ዝኾኑ ዝግመቱ ኣካላት ብትሪ ንክቆጻጸሩ መምርሒ ሂቡ።

እዚ እገዳ ብቐጥታ ነቶም ኣብ ኣሚሪካ ክነብሩ  (ግሪን ካርድ ክረኽቡ) ዝመጹ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ንትምህርቲ፡ ሃገር ንምብጻሕ፡ ንስፖርታዊ ውድድርን ንውሱን ግዜ ናይ ስራሕ ፈቓድን ናብ ኣሜሪካ ንዝኣትዉን ከም ዘይምከት ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ውሳነ ካብ 21 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዓል ኮይኑ፡ ኣሜሪካ እቲ ዋሕዚ ሓደገኛ ከምዘይኮነ መረጋገጺ ክሳብ እትረክብ ቀጻሊ ዝኸውን እዩ። እዚ ስጉምቲ ኣካልቲ ኣሚሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ብመንጽርቲ (ቀዳምነት ንኣሜሪካ” ዝብል ፖሊሲ ተተኣታትዎ ዘላ ሓድሽ  ኣሰራርሓ እዩ።

Last modified on Thursday, 15 January 2026 10:34