ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ብ12 ሰነ 2022 ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ተረኺቡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ብወገኑ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንኳን ደሓን መጻእኩም” ኢሉ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ብዛዕባ ሰልፎም ንምሕያል ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ ዘመስግን ሓጺር መብርሂ ሂቡ።
ኣቦመንበር ተስፋይ ብኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ተዓዲሙ መድረኽ ምስተረከበ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ ምዕባለታት፡ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን፡ ምዕባለታት ከባቢናን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ድሕሪ ተላባዒ ቫይረስ ኮቪድ-19 ምግጣሙ፡ ብኣካል ምርኻብኳ ዘይከኣል እንተ ነበረ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ግና ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእትዮም ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣቢሎም ርክባቶም ብቕጻል ሰልፎም ካብ ምሕያል ከምዘይበኾሩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኩነታት ይቕየር ስለ ዝሎ ብሰንክቲ ለበዳ ቫይረስ ተወንዚፎም ዝጸንሑ መደባት ናይ ምብርባር ዕድል ከም ዝፍጠር እምነቱ ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሓባር ዝተጓዕዞ ጽላል ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ከካይድ ከም ዝጸንሐን እቲ መስርሕ ኣዝዩ ሓያል ከም ዝነበረን ሕጂ እውን ጌና በዳሂ ከምዘሎን ጠቒሱ። ሰዲህኤ ግና ነቲ ብሓባር ምስራሕ ከም መሰረታዊ ፖሊሲኡ ስለ ዝወስዶ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ፡ ብኣብነታት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂብሉ።
ብዘይካዚ ብሓፈሻ ኣብ ከባብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን ዝያዳ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ክረአ ንዝጸንሐን ዘሎን ምዕባለ፡ ሰዲህኤ ካብ መጀመርታኡ ሓላፍነታዊ ሚዛናቱ እናንበረ ርትዓዊ ውሳነታት ክወስደሉ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ። ኩሉ ክውስኖ ዝጸንሐ ውሳነታት ብመንጽርቲ ኣብ ጉባአኡ ዘጽደቖ መሰረታዊ ፖሊሲታት ምንባሩን እዚ መርገጻቱ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ቀንዲ ክዋግኡ ዝጸንሑ ተዋሳእቲ ኮኑ፡ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ሰዲህኤ ካብ መጀምርያ ዝሓዞ ኣቕታጫ የማዕብልዎን የተግብርዎን ከም ዘለዉ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ሰልፎም ንምሕያል ኣብ መጻኢ እውን ጻዕሮምን ተወፋይነቶም ከም ዝቕጽሉ ዘለዎ እምነት ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ ብፍላይ ንግደ ጨናፍርን ዞባታትን ብምጥቃስ መብርሂኡ ዛዚሙ።
እዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ዞባ ኤውሮጳ ብምቕጻል፡ ብዛዕባ ብዙሓት ኣገደስቲ ዞባኡ ናይ ምሕያል ዛዕባታት ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጡ ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ጉዳያት ኣባላት ሰልፊ ምስፋሕ፡ መንእሰያት ዝሳተፍሉ ኩነታት ምጥጣሕን ኣብ መንጎ ዞባን ጨናፍር ዘሎ ዝምድና ምሕያል ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ ርእሲኡ ኣባላት ሰልፊ ብመንጽር ውሽጣዊ ሕጊ ሰልፎም ግቡኣቶምን መሰላቶምን ብዛዕባ ዘተግብርሉ ኣገባባት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰልፎም ንምሕያል ዝበቅዎ ዓቕሚ ከምዘየለ ቃሎም ብምሕዳስ ኣኼባኦም ዛዚሞም።
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ 13 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአን፡ 7 ዝኣባላታ ሓጻይት ሽማግለን ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ኣቚሙ። ማእከላይ ባይቶ ነዘን ሽማግለታት ዝመረጸ ንምድላውን ኣፈጻማን ናይቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ብዝምልከት፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበ ንድፊ ተመያይጡ ድሕሪ ዘድሊ ምምሕያሻት ገይሩ ምጽዳቑ እዩ።
ባይቶ ዘድሊ ዳህሳስ ድሕሪ ምክያድ ናይዘን ክልተ ሽማግለታት ኣባላት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጽፍሒ ሓላፍነታትን ካብ መሰረታትን ከም ዝኾኑ ገይሩ ኣሎ። እቲ ፍሉይ ኣኼባ መጻኢ ጉባአ ዝጋበኣሉ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ እውን ወሲኑ ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነብሳ ናብ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ፡ ናብቲ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ነዲፋ ኣቐዲማ ንዝያዳ ምይይጥ ናብ መሰረታት እተቕርብ፡ ኣባላት ሰልፊ ናብ ጉባአ ተወኪሎም ዝሳተፍሉ ቀጥዒ እተውጽእን ነቲ ጉባአ ዘድሊ ቀረባት እተዳሉን እያ። ሓጻይት ሽማግለ ከኣ ካብ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዝቐርብ ናይ ቅድመ-ጉባአ ርኢቶ ውጽኢት ኣብ ግምት ዘእተወ መጽናዕቲ ኣካይዳ፡ ናብቲ ጉባአ ሕጹያት ኮይኖም ክቐርቡ ናይ ዝበለቶም ብቑዓት ኣባላት ዝርዝር እተዳሉ እያ። ጉባአ ሰዲህኤ ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጉ ዓንቀጽ፡ 5/13/1 ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝጋባእ እዩ።
ብዘይካዚ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ ብዛዕባ ሰልፋዊ፡ ደንበ ሓይልታት ለውጢ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ።
ሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ጸሎት ዝተፈላለዩ እምነታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ናይ ትዊተር ገጹ ኣተሓሒዙ ኤምባሲ ኣሜሪካ ግና ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት ከም ዘይክበር ይኸስስ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ነቲ መልእኽቲ ዝተዓዘበ ኤሜባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብየማነ ገብረመስቀል “ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ኣሎ” ንዝተባህለ መልእኽቲ ተቐቢሉ፡ እንተኹነ ኣብቲ ኣብያተ-ጸሎት ኤርትራውያን ኣመንቲ ብናጽነት ክጽልዩን ክሰግዱን ከምዘይክእሉ ብምጥቃ ንኣበሃህላ የማነ ኣቃሊዑ። እቲ ኤምባሲ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ፈቓድ ዘለወን እምነታት 4ተ ጥራይ ምዃነን ገሊጹ። ኢቫንጀሊካንን ካለኦት ንኡሳን ጉጅለታት እምነት ክርስትናን ተኸተልተን ኣብተን የማነ ገብረመስቀል ዝጠቐሰን ኣብያተ-ጸሎት ክጽልዩ ከምዘይክእሉ ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሸዓን ሱፊን ዝተባህላ ጉጅለታት ሃይማኖት ምስልምና ኣብዘን መሳጊድ ናይ ምጽላይ መሰል ከምዘየብሎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፎም ካብተን መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበን 4ተ ሃይማኖታት ወጻኢ ዘምልኹ ኤርትራውያን ከም ዝእሰሩን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝሳቐዩን ጠቒሱ።
እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ናይ ፈይስቡክ ሕሳቡ መልእኽቲ ከም ዝጠቐሶ፡ ናጽነት ሃይማኖት መባእታዊ መሰል ሰባት እዩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ክምዝገቡ እሞ ሕጋውያን ኮይኖም ክጽልዩ ጸዊዑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ብሰላም ኣብ ኣባይቶም ስለ ዝጸለዩ እውን ይእሰሩ ምህላዎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዘለዉ እምነታት እውን ብዘይ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ብናጻ ስርዓተ-እምነቶም ከካይዱ እቲ ኤምባሲ ጸዊዑ።
እቲ ኤምባሲ ንሃይማኖታዊ ብዙሕነት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ደገፉን ናእዳኡን ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዘይካዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ፖሊሲኡ ዳግመ-ርኢቶ ንክገብር ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ዓፋር ወታሃደራት ኤርትራ ካብ መበል 67 እገረኛ ክፍለ ሰራዊት ተፈልዮም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ባዳን ዓዲ ምሩግን ብዝተባህለ ቦታ ናብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ኢዶም ከም ዝሃቡ፡ ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ ዓፋር ዝተባህለ ውድብ ብ3 ሰነ 2022 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ኤርትራ/Eritrea hubን ካለኦት ዝተፈላለያ ምንጭታትን ሓቢረን። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ; ናይቶም ደቂ ዓፋር ኤርትራ ወታሃደራት፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕጡቓት ደቂ ዓፋር ንምውጋእ ሰራዊቱ ናብ ኢትዮጵያ ሰራዊት ስለ ዘዋፈረ እዩ።
በቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኩነታት ምሰ ኣጋጠመ፡ ብ3 ጉንበት 2022 ነቶም ዝራሕርሕዎ ወታሃደራት ንምምላስ ናብቲ ናብ ዓፋር ዝኣተውሉ ቦታ ሰለስተ ጀነራላት ምልኣኹን ሓደ ካብቶም ጀነራላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እሙን ዝበሃል ተወላዲ ዓፋር ጀነራል ዑመር ካሪካሪ እዩ ። እዚ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ ዝተፈተነ ከም ዘይተዓወተን እቶም ብግቡእ ዝተዓጥቁ ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑን እውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ ዓፋር፡ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ዓፍር ዓለምለኸ መሰል ኢዶም ናይ ዝሃቡ ከኽብሩን ናይ ዓፋር ህይወት ናይ ምድሓን ባህላዊ ሕጊ ከኽብርን ጸዊዑ። መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ እንተዘየእትዩ ግና እዞም ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
ጸሓፊ ውጻኢ ጉዳያ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ሃገሮም ኣንበሳደር ሳተር ፊልድ ሓላፍነቶም ከረክቡ ይቀራረቡ ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ክንደኦም ኣንበሳድር ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኾኑ ከም ዝመዘዘት ምግላጾም ቤት ጽሕፈቶም ብ1 ሰነ 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ተሰናባቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳድር ሳተር ፊልድ ተመኩሮኦም ተጠቒሞም ንዘበርከትዎ ኣስተዋጸኦ ንኢዶም፡ ተካኢኦም ኣንበሳደር ማይክ ሃመር እውን ነቲ ራእይን ተመኩሮን ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።
ኣንቶኒዮ ብሊንከን ምስዚ ኣተሓሒዞም ናይዞም ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዝ፡ ብሓፈሻ ንቐጻሊ ተገዳስነት ኣሚሪካ ኣብቲ ዞባ ህድኣት ንምርግጋጽ ዝዓለመ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንቀጻሊ ሰላም፡ ምርግጋእን፡ ናብ ሰላም ዘረጋግጽ፡ ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ናይ ሓባር ድሕንነትን ምዕባለን ዘምጽእ መስርሕ ምኽታላ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣቓልቦ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ብቐጻሊ ተጻብኦታት ኣብ ምቑራጽ፣ ብቐጻሊ ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ፡ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ዓመጻትን ብግሉጽ ኣገባብ ኣብ ምጽራይን ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ቀዋሚ መፍትሒ ኣብ ምርካብን ከም ዘተኩር ኣስፊሮም።
እዞም ሓድሽ ዝምደቡ ዘለዉ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊ ኮንጎን ቺለን ከም ኣንበሳደር፡ ኣብ ብልቪያ፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ደንማርክን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያ ሓላፍነታት ከም ዘገልገሉን ኣብ ሃገሮም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነታት ከም ዝሰርሑ ድሕረ-ባይተኦም የመልክት።
ሱዳን ነቲ 8 ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ዝኸተማሉ ቻርተር ባይቶ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብ30 ጉንበት 2022 ከም ዘጽደቐቶ ሱዳን ትሪቡን፡ ንዜና ማእከላይ ምብራቕ/middle east news ብምጥቃስ ሓቢራ። ነዚ ከባብያዊ ቁጠባዊ ዕቤትን ጸጥታዊ ምትሕብባርን ንምስሳን ዝዓለመ ቻርተር ብ6 ጥሪ 2022 ዝፈረማሉ ሃገራት፡ ነቲ ጉዳይ ዘበገሰት ስዑድዓረብያ፡ ጅቡቲ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ጆርዳን፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን የመንን እየን።
ናይ ሱዳን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ንምጽዳቕ እቲ ቻርተር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሱዳን ኣካልዚ ቻርተር ዝኾነትሉ ምኽንያት፡ ንጽልዋ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ዓለም ለኻዊ ምትሕልላፍን ህድኣት ናይተን ሃገራትን ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ” ከም ዝበለ ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
ናይ ሱዕድዓረብያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብዛዕባቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “እዘን ነቲ ቻርተር ዝፈረማ ሃገራት፡ ናይ ሓባር ወታደራዊ ሓይሊ ክምስርታ እየን” ንዝብል ወረ ነጺጎም፡ እንተኾነ ኣብ ሕድሕደን ክልተኣዊ ምትሕብባራት ከምዝህሉ ምግላጾም እቲ ዜና ሱዳን ትሪቡን ኣስፊሩ። ከም ኣብነት ከኣ ሱዳንን ስዑድዓረብያን ዓመታዊ ናይ ሓባር ወታደራዊ ልምምድ ከም ዘካይዳ ተጠቒሱ።
ሪያድ፡ ሩሲያ ኤርትራን ሱዳንን ፈቒደናላ ናብታ ካብ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝለዓለ ነዳዲ እተቕርብ ሱዕድ ዓረቢያ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ቦታ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ብእትገብሮ ምንቅስቓስ ሳቕሎት ከም ዝሓድራ ገሊጻ።
እቲ ዜና ከም ዘስፈሮ፡ ሩሲያ ናይዘን ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ድኽመት መዝሚዛ ኣብቲ ዞባ ጽልወኣ ናይ ምስፋሕ መደብ ኣለዋ። ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕር ወሽመጥ ዓደንን ዝግበር ቁጠባውን ንግዳውን ዕቤት ምድንፋዑ፡ ንምትሕብባር ኤርትራን ሱዳንን ምስ ሩሲያ ክንክዮ ከም ዝኽእል እውን ተሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ምትሕብባር ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ገማግም ቅይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብዘይምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ዝተኸተመሉ ግዜ የማርር ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረሲደንት ናጀርያን ነበር ኦሊሶጎ ኦባሳንጆ ብ31 ጉንበት 2022 ናብ ትግራይ ኣምሪሖም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ፡ ቢቢሲ ንወሃብ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ዜና ንትሕዝቶ ዝርርቦም ብዝምልከት ግና “ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገለጾ ዝርዝር የለን።
ኦባሳንጆ ቅድሚ ሕጂ እውን ነቲ ካብ ዝጅመር 19 ኣዋርሕ ገይሩ ዘሎ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሎም መፍትሒ ንምርካብ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊት ኤርትራ ብ31 ጉንበት 2022 ኣብ ሰሜን ትግራይ ከተማ ሸራሮ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝፈጸመ ማዕከን ዜና ሮይተር ዩኤን ቡለቲን (UN Bulletin) ዝተባህለ መጽሐት ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዚ ደብዳብ ዘጋጥም ዘሎ ድሕሪ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ህድኣት ኣብቲ ከባቢ እዩ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ኣብ ርእሲቲ ናይ ዩኤን ቡለቲን፡ እቲ ደብዳብ ከም ዝተፈጸም ኣብቲ ቦታ ካብ ዘለዋ ግብረ ሰናይ ትካላት 23 ቡንባታት ከም ዝተደርበየ ምርግጋጹ ጠቒሱ። በቲ ደብዳብ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ስድራቤታት 18 ሰባት ከም ዝቖሰሉ፡ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ከም ዝሞተትን 12 ኣባይቲ ድማ ከም ዝተጐድኡ ሓቢሩ።
ሮይተርስ ከም ዝገለጾ ነቲ ከባቢ ዝመሓድርን ዝቆጻጸርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብ28ን 29ን ጉንበት 2022 ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዚ ውግእ ተኻይድሉ ዝተባህለ ቦታ፡ ካብ ዶብ ኤርትራን ትግራይን፡ ናብ ትግራይ ኣስታት 7 ማይልስ ኣቲኻ ዝርከብ እዩ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጠቐሶ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብዛዕባቲ ኩነታት መብርሂ ንክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን። በዚ መሰረት ብፍላይ ብዛዕባቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ኣውሪደዮ ዝበሎ ናይ ዝተቐትሉ፡ ዝተወግኡን ዝተማረኹን ኣሃዛት ካብ ናጻ ኣካል ምጽራይ ኣይተኻእለን።
ኣብ መወዳእታ ሮይተርስ ኢትዮጵያውያን፡ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ወሃቢ ቃል ሰራዊትን ዶ/ር ለገሰ ትሉ ወሃቢ ቃል መንግስትን ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቶም ስሉጥ መልሲ ከምዘይሃብዎ ኣስፊሩ።
ጓል 40 ዓመት ሱዳናዊት ኢንጅነር ኣሚና ዑስማን ሑመድ፡ ናይ “ግንባር ቀደም” ሽልማት ንምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሓደጋ/ Front Line Defenders Award for Human Rights Defenders at Risk./ “ ከም ዝተዓወተት ኤኤፍፒን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ኣሚና ዑስማን ብ2002 ደፊራ “ስረ ክኽደን እየ” ስለ ዝበለት፡ ጽኒሓ ብ2013 ድማ “ርእሰይ ኣይሽፈንን” ስለ ዝበለት ተኣሲራ ከም ዝነበረት እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ኣሚና ኣብ ዝሓለፉ 2ተ ዓሰርተ ዓመታት ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ክትቃለስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወታደራዊ ዕልዋ ብምቅዋማ ተኣሲራ ዝተሳቐየት እያ። ኣሚና ዑስማን ካብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቤላሩስ፡ ዝምባብወን ሜክሲኮን ተመሳሳሊ ቃልሲ ከካይዳ ዝጸንሓ እሞ ሽልማት “ተኻላኸልቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሓደጋ/ Human Rights Defenders at Risk” 2022 ዝተዓወታ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ምዃና እቲ ዜና ኣስፊሩ።
ሱዳናዊት ኣሚና ዑስማን ሑመድ ምስ ኩሉ ጸገማት ካብ ቃልሳ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ንድሕሪት ከይበለት ክትቅጽል ከም ዝጸንሐት እቲ ሽልማት ዝሃበ ኣብ ዱብሊን ዝመደበሩ ትካል “ቅድመ-ግንባራዊ ምክልኻል” ነቲ ሽልማት ኣብ ዝሃበሉ እዩ ሓቢሩ። እዛ ተባዕ ሱዳናዊት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ግዜ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣንጻርቲ ሽዑ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኣዝዩ ጨቋኒ ሕጊ ብ2009 “ኣይፋል ንጭቆና ደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ተበግሶ ኣንቂዳ ዝነበረት እያ።
ምዕዋት ኣሚና ዑስማን ሑመድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ ምውጋድ መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ጀሚረን ክሳብ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገረን ዘሎ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብርእሲ እቲ ዝጸንሔን ሕጂውን ነዚ ክቐስመኦ ዝግባእ እወንታዊ ተመክሮ እዩ።
ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ኢትዮጵያ ዝኣሰረቶም ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ሓቲቱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ዝኣሰርዎም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መድያ ሰራሕተኛታትን ንክፈትሑ ሓቲቱ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ካብ 19 ጉንበት 2022 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጋዜጠኛታት ናይ ምእሳር ወፈራ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ክሳብ 28 ጉንበት 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 20 ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ከም ዝተኣስሩን እቲ ምእሳር ቀጻሊ ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።
ካብቶም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ብሕቲ መዲያ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን፡ ሰንበቶ ኣሕመድ፡ ያየሰው ሽማልስ፡ ኣበበ ባዩ፡ በቃሉ ኣላምረው፡ ሰለሞን ሽሙየ፡ መስከረም ኣበራ (ደራሲትን ጸሓፊትን)፡ ተመስገን ደሳለኝ፡ ታድዮስ ታንቱ (ደራስን ጸሓፍን)፡ መኣዛ መሓመድ፡ ጋሻዬ ንጉሴ፣ ጌትነት ያለው፡ ሃብታሙ መለሰ ዳንኤል መስፍንን ቀለሙ ገላጋይን ዝበሃሉ ይርከብዎም።
በዚ ዝካየደ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ጋዜጠኛታትን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታትን ማእሰርቲ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ኣንጸላልይወን ካብ ዘሎ ናይ ብሕቲ ማሕበራዊ መዲያታት፡ ተራራ ኔትዎርክ፡ ገበያኑ፡ ኢትዮ-እውቀት፡ ኣልፋ፡ ኢትዮ-ፎረም፡ ዓሸራ፡ መጽሐት ፍትሕን ንስርን፡ ሮሃን ፊኒፎነ ኢንተግሬትን ዝበሃላ ይረከበን። ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ከም ዝብልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናይ መንግስትን ናይ ብሕቲ ኮይነን ን ሰልፊ ብልጽግና ዝድግፋን ኩለን ዝተፈልየ ሓሳብ ዘንጸባርቓ መዲያታት ክዕጸዋ እየ።
ከም ሚዛን ናይ ብዙሓት እቲ ዝያዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ማእሰርቲ ምስ ናይ መዲያ ሕጊ ምጥሓስ ዘይኮነ፡ ምስ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እምነትን ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዝገለጾ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ጥራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 5 ሺሕ ፖለቲከኛታት ኣሲሩ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚኣ እውን ሰፊሕ ማእሰርቲ ኣሎ።
ተዓዘብቲ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብ2001 ዝተወስደ ስጉምቲ ምእሳር ግዜጠኛታትን ምዕጻው መዲያታትን የመሳስልዎ። እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረቦም ብጠበቓ ኣቚሞም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቲኒዮ ብሊንከን፡ ንመበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዝምልከት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ፡ ቤት ጽሕፈቶም ብ24 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ጸሓፊ ኣብቲ መልእኽቶም ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ንኹሎም ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ዘለዉ ኤርትራውያን እንኳዕ ናብ መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብጸሓኩም ከም ዝበሉ እቲ ግዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ሃገሮም ኣሜርካ ንህዝቢ ኤርትራን ንናጻ፡ ደሞክራሲያውን ምዕቡልን ትጽቢታቱን ዘለዋ ደገፍን ከም እትቕጽሎ ድማ ኣረጋጊጾም።
እዚ መልእኽቲ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ ትጽቢታቱን እምበር፡ ከምቲ ናይ ካለኦት ሃገራት መልእኽቲ፡ ነዊሕ ዕድመ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ምምሕዳሩን ዘይምነ ብምዃኑ ንብዙሓት ደገፍቲ ህግደፍ ዘቒጥዕ እዩ።
More...
ኣባል ሃገራት ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብ24 ጉንበት 2022 ነቶም ካብ 2017 ነቲ ትካል ክመርሕዎ ንዝጸንሑ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ንመጻኢ 5 ዓመት ጠቕላሊ ጀነራል ዳይረክተር ኮይኖም ንክመርሑ ዳግማይ ከም ዝመረጾም፡ ብዘውጸኦ ዜናዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝወዳደሮም ሕጹይ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ምምራጾም ዝተረጋገጸ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትካል ጥዕና ዓለም መበል 75 ጣቕላላ ጉባአ እዩ።
ዶ/ር ቴድሮስ ምስተመረጹ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ ብኣባል ሃገራት ነቲ ትካል ን2ይ ዙርያ ንክመርሕ ዕድል ስለ ዝተዋህበኒ እሕበን። እቲ ዝወሃበኒ ዘሎ ክብሪ ዓብይ ሓላፍነት ዘሰክም እዩ እሞ፡ ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መሳርሕተይን ኣገደስቲ መሓዙትን ኮይነ ዕላማታት ትካል ጥዕና ዓለም ንምዕዋት ክጽዕር እየ” ከም ዝበሉ እቲ ዜናዊ መግለጺ ጠቒሱ።
እዚ ናይ 24 ጉንበት 2022 ምርጫ፡ ናይቲ ካብ ወርሒ ማዝያ 2021 ዝጀመረ እሞ ሃገራት ቅድሚ ናብ መወዳእታ ምርጫ ምብጻሕ ሕጹያት ንከቕርባ ተዓዲመናሉ ዝነበራ መዛዘሚ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ቦርድ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 እዩ ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ምርጫ 2ይ ዙርያ ንምግልጋል ንክወዳደሩ ከም ሕጹይ ተቐቢልዎም።
.ብሕጊ ናይቲ ትካል፡ ዲረክተር ጥዕና ዓለም እንደጋና ዝምረጽ ሓንሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ሓላፍነት ዶ/ር ቴድሮስ ካብ 16 ነሃሰ 2022 እዩ ብወግዒ ዝጅምር። እቲ ዜናዊ መግለጺ ከም ዘስፈሮ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ ካብ 2017 ዝጀመረ ናይ ቀዳማይ ዙርያ ናይ ምምራሕ ግዜኦም፡ ነቲ ትካል ዝያዳ ኣገልግሎት ናብ ዝህበሉ ደረጃ ኣብ ምስግጋር ብዙሕ ሰረሓት ፈጺሞም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ህጹጻት ጉዳያት ኣብ ዝወሰኸሉ ግዜ ብደረጃ ሃገራት እውን ኣገልግሎት ጥዕና ንክብርኽ ከም ዝሰርሑ ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ንጉዳይ ለበዳ ኮቪድ-19ን ለበዳ ኢቦላ ኣብ ረፐብሊክ ኮንጎን ብግቡእ ከም ዝመርሕዎ እቲ ዜናዊ መግለጺ መስኪሩ።
እቲ መግለጺ ንድሕረ ባይታ ዶ/ር ቴድሮስ ኣሓኖም ቅድሚ ዳይረክተር ጥዕና ዓለም ኮይኖም ምምራጾም ኣብ ዝምልከት ካብ ዝጠቐሶ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጥዕናን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ብደረጃ ኣህጉር ሕማማት ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ዓሶን ንምክልኻል ኣቦመንበር ቦርድ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ኣስፊሩ።
ፖሓኤን ምዓለይን፡ ዝኽሪ መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም
Written by ሓይሊ ዕማም መዲያ ፖሓኤፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ምንቅስቓስ ዓለምለኸ ይኣክል (ምዓለይ)ን ብ21 ጉንበት 2022 መበል 31 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም። ኣብዚ ኣባላት ክልቲኡ ኣካላትን ካለኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ጽንብል ነቲ መደብ ካብ ዝሰርዑ ኣካላት ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይ ብትግርኛ ሓው እድሪስ ሁመድ ድማ ብዓረብኛ ናይቲ ጽንብል መደባት ብምሕባር መእተዊ ቃል ኣስሚዖም።
ኣብዚ ጽንብል ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ኣተሓባባሪ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣቶ ሰገድ ሓጐስ ኣቦመንበር ምንቅስቓስ ዓለም ለኸ ይኣክልን ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝምልከት ብትግርኛ ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ንቃል ፖሓኤ ብዓረብኛ ኣቕሪቡ። እዞም ሓጺር መደረ ዘቕረቡ ሓለፍቲ ነቲ መድረኽ ንዝወደቡ ድሕሪ ምምስጋን፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝተኻየደሉን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉን ቃልሲ ስለ ዝኾነት ዓብይ ክብሪ ዝግበኣ ምዃና ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽርቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ድሕሪ ናጽነት ብሰንክቲ ግጉይ መንገዲ ዝመረጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓርነቱ ተረጋጊጹ ኩሉ መሰላቱ ክኽበረሉ ዝነበሮ ትጽቢት ክረጋገጸሉ ከምዘይከኣለ ኣስፊሖም ገሊጾም።
እቲ ጸገምን ወጽዓን ሕጂ እውን ካብ እንግደዓ እቲ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይወረደ፡ ንምንጋፉ ኩሎም ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶም ኤርትራዊ ወገናት ብሓባር ክቃለሱ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ክኣትዉ ከም ዝግበኦም እውን ጸዊዖም።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብሰንኪ ምእታዉ ብዙሓት ኤርትራውያንን ተጋሩን መንእሰያት ኣብ ርእሲ ምጥፋኦም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ቅርሕንቲ ከም ዝተፈጥረን ነዚ ናብ ንቡር ንምምላሱ ቃልሲ ከም ዝሓትትን ገሊጾም። ምስዚ ብምትሓሕዝ ከኣ ነዛ ኣገዳሲት መዓልቲ ብሓባር ምዝካር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ብሓባር ናብ ዘቃልስ መድረኽ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሰም።
ናይቲ ጽንብል ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶታት ድማ ንኽብሪ መዓልቲ ናጽነትን ኣብኣ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ኣካላት ብሓባር ምጽንባሉ ኣብ መጻኢ ብሓባር ንምቅላስ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ንክድፈኣሉ ከም ዝግባእ ተላብዮም። እቲ መደብ ብዘይካቲ መደረታት ብሃገራዊ ደርፍታን መሳጢ ግጥምታት እውን ዝተስነየ ነይሩ። ኣብቲ ጽንብል ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት ተረኺበን ነቲ በዓል ዝግባእ ሸፈነ ሂበንኦ ምምሳየን ይፍለጥ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ብ18 ጉንበት 2022 ምስ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ ርክብ ከም ዘካየዱ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃብ ቃል ሓቢሩ። እዚ ርክብ ዝተኻየደ ካብቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝካየድ፡ እዞም ሚኒስተራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎን ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንኣፍሪቃ ዝዝትን ኣህጉራዊ ኣኼባ ኣቐዲሙ እዩ።
እቶም ሚኒስተራት ኣብቲ ርክቦም፡ ከቢድ ብደሆ ውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃን ግደ ኣሜሪካ ኣብ ምርካብ መፍትሕን ወሲኽካ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ከም ዝተመያየጡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ርክብ ናይ ሓባር ትካላት ኣብ ምፍታሕ እቲ ናይ መግቢ ውሕስነት ጸገም ብሓባር ክሰርሓሉ ብዛዕባ ዝኽእላ ኣገባብ ተጠቒሱ።
ጸሓፊ ብሊንከን ኣብቲ ርክብ ዝያዳ ቆላሕታ ብምሃብ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ውሕስነት መግቢ ጸገም ኣብ ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ሓቢራ ክትሰርሕ ምዃና ኣስሚረምሉ። ናይ ኣፍሪቃ ጸገም ውሕስነት መግቢ ብሰንኪ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየርን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ከም ዝተጋደደ ጠቒሶም። ከምኡ እውን ሩሲያ ኣብ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ውሕስነት መግቢ ኣብ ዘይምርግጋጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቶም። እቶም ተሳተፍቲ ብወገኖም ብዘቕረብዎ ብዛዕባ ኣብ ሃገራቶም ናይ መግቢ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት ተመያይጦም።
ድምጺ ኣሚሪካ ብወገና ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና፡ እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ 10 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣፍሪቃ፡ ናይ ኮንጎ፡ ግብጺ፡ ጋቦን፡ ጋና፡ ኬንያ፡ ማውሪታንያ፡ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛምብያን ሴነጋልን እዮም።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ጥምየት: ሓደጋ ሞት ሓደ ሰብ፡ ኣብ 48 ክልኢት
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ነብሲ ወከፍ 48 ክልኢት ሓደ ሰብ ብጥምየት ናይ ምማት ሓደጋ የንጸላሉ ከምዘሎ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን/ OXFAM and save the children ብ18 ጉንበት 2022 ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።
እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበረኦ እዚ ናይ ሞት ሓድጋ ኣንጸላልይወን ዘሎ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማሊያን እየን። እዘን ትካላት ነዚ መጽናዕቲ ጃሚል ኦብዘርቫቶሪ ምስ ዝበሃል ኣካል ከም ዘካየደኦ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺአ ጠቒሰን።
በቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ዝበሃል ደረጃ ዓጸቦ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ኬንያ ድማ ጣቕላላ 3.5 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥምየት ወዲቖም ከም ዝርከቡን ተሓቢሩ።
ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 10 ሚልዮን ዝነበረ ጠቕላላ ቁጽሪ ብጥምየት ናይ ዝተጠቕዑ ሰባት ፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዕጽፊ ንላዕሊ ወሲኹ ክሳብ 23 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። እዘን ግብረ-ሰናይ ትካላት ነዚ ዝረአ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ከምቲ ኣብ ሶማሊያ ብ2011፡ ዝያዳ ፍርቂ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝርከብዎም ልዕሊ 260 ሺሕ ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ከየኸትል ዘለወን ስግኣት ገሊጸን ኣለዋ።
እቲ መግለጺ ጠንቂ ናይዚ ጥሜት፡ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር፡ ወግኣትን፡ ከም ጉጅለ7 ዝኣመሰላ ለገስቲ ኣካላት ዝያዳ ናብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኩነታት ሩሲያን ዩክረይንን ምዝንባለንን ምዃኑ ኣስፊሩ። ብዘይካዚ ነተን ኣብተን ሃገራት ዘለዋ ዘቤታዊ ናይ ረዲአት ትካላት እጃመን ከበርክታ ግቡእ ቆላሕታ ዘይምሃብ እውን ኣብቲ መግለጺ ከም ጠንቂ ተጠቒሱ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ዋላኳ ለገስቲ ሃገራት ነዚ ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ቃል ኣትየን እንተነበራ ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ 778 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ምዃኑ ከም ዘሻቕል ሓቢረን። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ብዝግባእ ንምምካት 4.4 ቢልዮን ዶላር ከምዘድሊ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
መግለጺ ኦክስፋምን ህጻናት ኣድሕንን መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ጸገም ከም ዘጋጠመ ቀልጢፎም ተኣሚኖም ሓገዝ ብዘይምሕታትን ክሕተቱ እንከለዉ ቅልጡፍ መልሲ ብዘይምሃቦምን ወቒስዎም። ብዘይካዚ ዜጋታቶም ኣብ ሕርሻን ማሕበራዊ ውሕስናን ኣተኲሮም ዝሰርሕሉ ዕድል ክፈጥሩ ዘይምኽኣሎም ኣብቲ መግለጺ መራሕቲ እተን ሃገራት ዝተወቕስሉ ካልእ ዛዕባ እዩ።