ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት መዚዙ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣርጀንቲናዊ ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ሰለስተ ጉዳይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝምርምሩ ኮሚሽነራት ምምዛዞም ብ2 መጋቢት 2022 ከም ዘፍለጡ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትከታተል መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ሓቢራ። እቶም ዝተመዘዙ ኮሚሽነራት፡ ጋምቢያዊት ፋቴው ቤነሰውዳ፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ፡ ማሩንግን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራትነርን እዮም። ወይዘሮ ቤነሰውዳ ከኣ ናይቲ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣደመንበር እየን። እዘን ኣደመንበር ክኾና ዝተመዛ ወይዘሮ ኣብ ዳኝነትን ኣኽባሪ ሕግን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ተመኩሮን ከም ዘለወን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ፕረሲደንት ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ ነዞም ኮሚሽነራት ዝመዘዙ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ኮሚሽነራት ንክመዙ ብ17 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዝተኻየዶ ጉባአኡ ብዝሃቦም ሓላፍነት እዩ። ብውሳነ ናይቲ ባይቶ መሰረት ናይዚ ኮሚሽን ሓላፍነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ብኹሎም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ኣካላት ዝተፈጸመ ግህሰታትን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ዘይምኽባር ንስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ውሳነታት ኣብ ኢትዮጵያን ብዘይኣድልዎን ሻራነትን መርሚርካ ምጽራይ እዩ።
እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ኮሚሽን ኣብ ስርሑ፡ ጭብጥታ ክረክብን መዝጊቡ ክሕዝን፡ ኩነታት ናይቲ ጥሕሰታትን ዓመጻትን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከጽንዕን፡ ከምኡ እውን ናይቲ ተግባር ተሓተቲ ከለልን ኣተሃላልወኦም ክፈልጥን፡ ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝርከበሉን ዝሓለፈን መጻእን ተሓታትነት ኣብ ግምት ዘእተወ ጌይሩ ንክሕዝ ሓላፍነት ተዋሂብዎ።
ምስቲ ምቛምዚ ኮሚሽን ዘፍቀደ ውሳነ፡ እቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ እዚ ሓድሽ ኮሚሽን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ዝተገብረ መርመራ ኣብ ግምት ከእትዎን ንመግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ተሓታትነት፡ ዳግመ-ርኢቶ ምግባርን ነቲ ኩነታት ኣብ ምሕዋይን ዘኽእሎ ተክኒኣዊ ለበዋታት ብምቕራብ ንክተሓጋገዝ ከም ዕማም ሂብዎ።
እዚ ኮሚሽን ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሕን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝካየድ መበል 50 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል መግለጺ ከቕርብ፡ ኣብ መስከረም ወይ ጥቅምቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ዝግበር መበል 51 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከኣ ብደረጃ ጽሑፍ ጸብጻቡ ከቕርብ ከም ዕማም ተዋሂብዎ።
(ስእሊ ካብ መርበብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት)
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ2 መጋቢት 2022 ብጉዳይ ዩክረይን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶን ካብ ዓለም ነጺልዋ ንዘሎ ገበን ብምኹናን ብቕልጡፍ ካብ ዩክረይን ንክትወጽእ ዝጽውዕ ውሳነ ብዝለዓለ ድምጺ ኣሕሊፉ።.
ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፋ 193 ሃገራት፡ 141 ነቲ ንድፊ ደጊፈን 35 ሃገራት ተዓቅቦ ከመዝግባ እነከለዋ ኤርትራ እትረከበን 5 ሃገራት ከኣ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣድሚጸን። እዘን ምስ ኤርትራ ንተግባራት ሩሲያ ደጊፈን ኣንጻር ብዙሓት ዘድመጻ ሃገራት፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሱርያን ንባዕላ ሩስያን እየ።
እቲ ውሳነ ነቲ ሩሲያ ፈደረሽን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ ብኣዝዩ ሓያል ቃላት እዩ ኮኒኑ። ኣስዒቡ ከኣ ሩሲያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰደቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከተቋርጽን ብህጹጽ፡ ብምሉእን ብዘይቀድመ ኩነትን ኩሉ ወታደራዊ ሓይላ ተውጽእ ይብል። እዚ ውሳነ ሕጋውን ቀያድን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ርኢቶ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ሩሲያን መሓዙታን ኣብየናይ ደረጃ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።
ሩሲያ በዚ ውሳነዚኳ ጉዕዞኣ እንተዘይተዓገተ፡ ንዩክረይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ንኹሎ ኣብ ጐነን ዝተሰለፉን ኣካላት ኣገዳሲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ምዃኑ፡ ሪቻርድ ጎዋን ዝተባህሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዲረክተር ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ገሊጾም።
ኣንበሳር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፈልድ ብወገነን ቅድሚ ምድማጽ ኣብ ዘስመዐኦ ቃል ንተግባራት ሩሲያ ምስ ሳዕቤን ተግባራት ናዚ ኣብ ኤውሮጳ ኣወዳዲረን ገሊጸንኦ። እተን ኣንበሳድር ኣተሓሒዘን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ደቂ ሩሲያን ዩክረይንን ኣብ ኤውሮጳ፡ ሓደ ዲክታቶር ብዘይዝኾነ ይኹን ምኽንያት ካልእ ኤውሮጳዊ ጐረቤት ሃገሩ ኣጥቂዑ ግዝኣቱ ከዕቢ ክፍትን እንከሎ ዘኸትሎ ሳዕቤን ናብ ሓደገኛ ውግእ ዘምርሕ ምዃኑ ንድሕሪ ተመሊሶም ከምስተብህሉ ይግባእ ኢለን።
ናይ ዩክረይን ቀማዊ ኣንበሳደር ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገራት እቲ ወራር ጉዳየይ ኣይኮነን ኢለን ድምጸን ከይዕቅባ ጸዊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ ድምጽኻ ምሕባእ ጌጋ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ጀሚሩ ዘሎ ወራር ኣባና ዘየብቅዕ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣንጻሩ ንምዕዋት ቀጻሊ ቃልሲ ምክያድ የድሊ ምስ በሉ፡ እንተደኣ ስቕ ኢልና ርኢናዮ ግና መመሊሱ ክቕጽል እዩ ኢሎም። ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ከኣ እዚ ሓደ ካብቲ ሩሲያ ናብ ዩክረይን ከይትቕጽል መዕገቲ መንገድታት እዩ ብዝብል ገሊጸምዎ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ብ27 ለካቲት 2022 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብቶም 15 ኣባላት 11 ንወራር ሩሲያ ዝተቓወሙ፡ ሩሲያ ንበይና ዝደገፈትሉ ቻይና፡ ሕቡራት ዓረብ ኢሚረይትን ህንድን ከኣ ተዓቅቦ ዘመዝገባሉ ውሳነ ከም ዘመሓላለፈ ዝዝከር እዩ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እተን ኣብዚ ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ንሩሲያ ደጊፈን ዝተቓወማ ኤርትራ እትርከበን 5 ሃገራት፡ ቀንዲ መንቀሊአን ሩሲያ ንምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ሃገራተን ዝምረሓሉ ጨቛኒ ምምሕዳር ንምሕላው እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ዝተሓዝ መርገጽ ነጸብራቕ ናይቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምምሕዳር ስለ ዝኾነ።
ሱዳን ናይ ሩሲያ ስጉምቲ ከተውግዝ ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮይካን ተሓቲታ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሱዳን ንወራር ሩሲያ ከተወግዝን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩኩሬን ክትድግፍን ብሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ትሮካን ከምዝተሓተተትሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ሓቢራ። (ትሮይካ፡ ኣብ ሃገራት ግሪኽ፡ ሳይፐርስ፡ ኣየርላንድ፡ ፖርቱጋልን ስፐይንን ከም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዓይነቱ መጸውዒ ናይ ሓባር ቃል እዩ)
እዚ መጸዋዕታ ናብ ሱዳን ዝቐረበ፡ ናይ ሱዳን ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ብ27 ለካቲት 2022 ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትሮይካ፡ ካናዳን ስዊዘርላንድ ኣጋይሽ ኣብ ዝተቐበልሉ፡ ብዛዕባ ዘይቅቡል መጥቃዕቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኩረይን ዝምልከት በቶም ኣጋይሽ መግለጺ ምስተዋህቦም፡ መርገጽ ሃገሮም ከነጽሩ ኣብ ዝተሓተትሉ እዩ።
ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሱዳን፡ ሮበርትቫንደንዱል፡ ኣብቲ ናይ ካርቱም ርክብ ሱዳን ብግልጺ ኣንጻር ሩሲያ ንጹር ናይ ውግዘት ቃላ ከተስምዕ ሓቲቶም። ኣተሓሒዞም ድማ ብፍላይ ናይ ሱዳን መርገጺ ኣብ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕብራት ሃገራት ክንፈልጥ ንደሊ ኢና ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ካርቱም ዝተገብረ ኣኼባ ነቲ ናይ ሱዳን ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ሩሲያ ዝገበርዎ ዑደት ተኸቲሉ እዩ። እቶም ሱዳናዊ ምክትል ወታደራዊ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ሓመቲ ዳጋሎ ናብ ሩሲያ ምጋሾም ጥራይ ዘይኮነ፡ ፕረሲደንት ፑቲን ነተን ኣካል ዩኩሬን ዝኾና ክልተ ኣውራጃታት ከም ናጻ ኣካላት ምስፈረሙለን፡ ደጊፎም እዮም። እንተኾነ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ነቲ ናይ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ደገፍ ምሃብ ነጺጎም፡ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝተዋህበ’ዩ ኢሎም ኣሪመሞ እዮም።
እቶም ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ሓሳቦም ንምትራር መራሕቲ ሱዳን ንግዝኣታዊ ሓድነት ዩክረይን ዳግማይ ኣፍልጦ ክህቡን ፕረሲደንት ፑቲን ንዶንባስን ሉጋንስክን ብዝምልከት ዝሃብዎ ናይ ናጻነት ኣፍልጦን ክቃወሙን ኣገንዚቦም። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ልኡኻት ሱዳን ኣካልቲ ሩሲያ ብቅልጡፍ ተካይዶ ዘላ ወራር ኣቋሪጻ ካብ ዩክረይን ክትወጽእ ዝጽውዕ ዘሎ ሕብረተ-ሰብዓለም ክትከውን ጸዊዖም።
ከምዚ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እንተተሪሩ፡ እሞ “መርገጽካ ኣፍልጥ” እንተቀጺሉ፡ ካብቲ ናብቲ እናበላካ ብምዕራባውያን ሓገዝ ንምርካብ መርገጻተን ክቐያይራ ንዝጸንሓ ሃገራት ዘጸግመን እዩ ዝመስል።
(ከፊል ካብ መራሕቲ ኢጋድ)
ሱዳን ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣብ ዩጋንዳ ክካየደ ኣብ ዝተጸወዐ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ከምዘይትሳተፍ ከም ዘፍለጠት ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ትሪቡን (SUDAN TRIBUNE) ኣፍሊጣ። ሱዳን ናብዚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሱዳን ዝዝቲ ኣኼባ ኣይሳተፍን ዝበለትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ብናይቲ ትካል ዋና ጸሓፊ ዝተጸወዐ ምዃኑ እቲ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ።
ነዚ ኣኼባ ብዝምልከት ብሱዳን ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ሱዳን ግዝያዊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዓሊ ኣል ሳዲቕ ምስ ወኪል ኢጋድ ኣብ ሱዳን በላይል ተራኺቦም፡ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ናይ ኢጋድ ኣቦመንበርነት ናይ ሱዳን ምዃኑን ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገርን ገሊጸምሉ። ኣተሓሒዞም ከኣ ሱዳን ኣብቲ ኣኼባ ምስታፍ ዝነጸገትሉ ምኽንያት እቲ ኣኼባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ክነሱ፡ ብዋና ጸሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ ስለ ዝተጸወዐ ምዃኑ ኣብሪሀምሉ።
እቶም ሱዳናዊ ግዝያዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣተሓሒዞም “እዚ ናይ ኣኼባ ዕድመ ንሱዳን ዘገድሳ ኣይኮነን” ምኽንያቱ ድማ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ብዘይ ናይ ሱዳን ዓዳምነት ክጋባእ ኣይክእልን እዩ ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኢትዮጵያዊ ወርነህ ገበየሁ፡ ቅድሚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2022 ናብ ሱዳን ምጋሾም፡ ናብ ኡጋንዳ ከይዶም እቲ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝዝቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዩጋንዳ ዝካየደሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ፕረሲዳነት ዩወሪ መሱቪኒ ተዘራሪቦም እዮም። እዚ ዞባዊ ትካል ኢጋድ፡ ምስ ክፍሊ ጸጥታን ፖለቲካን ሕብረት ኣፍሪቃ እናተወኻኸሰ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ጸገማት ሰላማውን ፖለቲካውን ፍተሓት ዘናዲ እዩ። ናይዚ ኣብ መንጎ ኢጋድን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ቀንዲ ምኽንያት ኢጋድ ንሱዳን ድሕሪቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ኣባልነታ ምንጥልጣሉ እዩ። እዚ ከኣ ወታደራዊ መራሕቲ ሱዳን ናይ ሃገሮም ኣቦመንበርነት ኢጋድ ምንጥልጣሉ ከም ዘሕረቖም ዘመልክት እዩ።
እቶም ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ ንልኡኽ ኢጋድ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሱዳን ናይ ኢጋድ ኣኼባ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምጽዋዕ ኣብ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ከም ዝጸንሐት ጠቒሰምሉ። መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ጐኒንጐኒ እቲ ብ6 ለካቲት 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 35 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሱዳን ዝምልከት ጸብጻብ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ምስ ሰምዑ እዮም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ኣኼባ ከካይዱ ተሰማሚዖም።
ኢጋድ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ትርዒት ኪሎሜትር ስፍሓት መሬት ዝሽፍን ዞባዊ ትካል ኮይኑ፡ ኣባል ሃገራቱ ከኣ፡ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን እየን። ከባቢ 291.5 ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘለዎ ከኣ ይግመት
ሚኒስተር ዜና ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ኣብ ትዊተር ገጹ ንዘውጸኦ ሓጺር ጽሑፍ ተኸቲሉ፡ ኤምባሲ ኣሜሪክ ኣብ ኤርትራ ንዓኡ ዘቃልዕ መልእኽቲ ብመንገዲ ትዊተር ዘርጊሑ። የማነ ኣብቲ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡ “ገለ ሓይልታት፡ ንሉኣላውነት፡ ኣህጉራዊ ሕግን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ሃገራት ዝጻረር፡ ጸጥታአን ምኽባር ዘኽእል ኣዕኑድ ንምጥሓስ ይሰርሓ ኣለዋ” እዩ ኢሉ። ጠመተኡ ከኣ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍን ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዝን ዝወሰነቶ እገዳ ንምቅዋም እዩ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብወገኑ ኣበሃህላ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ንምቅላዕ ኣብ ዘውጸኦ ጽሑፍ፡ ኣቐዲሙ ናይ የማነ ሓበሬታ ግጉይ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኣሚሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ወታደራዊ ኣዛዝን እገዳ ዝወሰነ፡ህግደፍ ብግጉይ ሓበሬታ ተመሪሑ ኣብ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ነቲ ኩነታት ናብ ሕማቕ ኣቕጣጫ ስለ ዝወሰዶ እዩ ኢሉ። ነቲ ኣብቲ ውግእ ብወገን ሰራዊት ኤርትራ፡ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት ህጻናት፡ ምዕጻው መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲድካ ምምላስ ከም ጠንቂ ናይቲ እገዳ ዘርዚሩ። እዚገበናት ናይ ኢትዮጵያ ኣኽባር ሕግን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን፡ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ብዙሓት ትካላትን መዝጊበንኦ ዘለዋ ምዃኑ ድማ ገሊጽዎ።
ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ንቐጻልን ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ ከምዝበለ ናይቲ ኤምባሲ መልሲ ነቲ ግጉይ መልእኽቲ የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምቕጻልን ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲዱ፡በመንገዲ ብዘተ መፍትሒ ንከይመጽእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ጠቒሱ።
ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ሃምቦርግ፡ብ20 ለካቲት 2022 ብርኽቲ ዝተባህለት 25 ዓመት ዝዕድሚኣ ኣደ ሓደ ቆልዓ ኤርትራዊት ብካራ ተወጊ ከምዝሞተ ፖሊስ ናይታ ከተማ ከምዝሓበረ፡ ቢልድ Bild ዝተባህለትጋዜጣ ጀርመን ኣብ ናይ 23 ለካቲት 2022 ሕታማ ሓቢራ። ናይታ መዋቲት ጐረቤት ናይ ደም ምልክት ርእያ ሓበሬታ ምስሃበት ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ነቲ ኩነታት ከምዝተኸታተልዎ እቲ ዜና ገሊጹ።
እዛ ብኻራ ዝተወግአት ዋላኳ ህይወታ ንምድሓን ናብ ሕክምና እንተተወስደት፡ መውጋእታ ከቢድ ስለ ዝነበረ ግና ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈት ተፈሊጡ። ፖሊስ ከተማ ሃምቦርግ ንበዓል ቤት እታ መዋቲት ከም ቀዳማይ ጥርጡር ብምሓዝ ንኣመዋውተኣ ብዝምልከት የጻሪ ከምዘሎ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ፖሊስ ነቲ ጠንቂ “ግዝያዊ ዘይምርድዳድ ዘሶዓቦ” ካብ ምባል ሓሊፉ ተወሳኺ ዝርዝር ዛጊት ኣይሃበን።
መርማሪ ፖሊስ ፍሉይ ገበናት ቅትለት፡ ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ፖሊስ ሃምቦርግ ድሕሪ ምጽራይ ጉዳይ ናይቲ ወዲ 35 ዓመት ጥርጡር ኤርትራዊ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቦ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
ከምዚ ኣደ ሞይታ፡ ዝተጠርጠረ በዓል ቤታ ዝተኣስረሉን ውላዶም ዝዝኽተመሉን፡ ዝኣመሰለ ተደጋጊሙ ተግባራት ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰብ ሓዳር ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ባህሊ ኤርትራ ልሙድ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ብሕግን ስርዓትን ምምእዛዝ እምበር፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓመጽ፡ ጭካነን ኢደ ወነናዊ ቅትለትን ኣይፍለጥን እዩ። ስለዚ እቲ ጸገም ናይቶም ውሱናት ግዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይሕብረተሰብና ሕማቕ መለለዪ ይኸውን ስለዘሎ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ከኣ ናይ ሰባት ኣእምሮ ናይ ምርግጋእ ትምህርትን ተመኩሮን ዘለዎም ክኢላታት ተገዲሶም ክሰርሕሉ ዝግባእ እዩ። ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ቕትለት ተወሳኺ ገበን የስዕብ እምበር ፍታሕ ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ብመጀመርታ ንነብስናን ስድራናን ሃዲእና ክንሓስብ የድልየና።
ቻይና ብውግእን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ እትሕመስ ዘላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝመዘዘት ሮይተርስ (REUTERS) ብ22 ለካቲት 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተመዘዙ ነባር ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላ ዡ ቢንግ ምዃኖ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እዞም ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማሊያን ዘሻቕል ኩነታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ ቅርኒ ኣፍሊቃ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኖም ዝተመዘዙ ቻይናዊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፖፖዎ ኒው ጊኒ ኣንበሳድር ኮይኖም ሃገሮም ዘገልገሉን ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃ ኤስያን ዲፕሎማስያዊ ተመኩሮ ዘለዎምን ምዃኖም እዚ ካብ ሮይተርስ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ናብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሕሉ ሃገሮም ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ምምዳብ ሓሳብ ከም ዝነበራ ምሕባሮም ድማ እቲ ዜና ገሊጹ።
እቶም ቻይናዊ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከም ዝገለጽዎ፡ ሃገሮም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወታደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድሌት ኣለዋ። ኣብዚ እዋንዚኳ ኣብ ጅቡቲ ዓብይ ወታደራዊ መደበር ኣለዋ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ቻይና ኣብዚ ግዜዚ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት ዝለዓል ገንዘብ እተለቅሕን ዓበይቲ ፕሮጀክትታ እተካይድን እያ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዕላማ ምምዳብ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቻይና ሃገራት ሰላማውን ቀጻልን ብመደብ ዝምራሕ ዕቤት ዘመዝግባሉ ኩነታት ንክፈጥራ ምሕጋዘን ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ብኩነታት ደቡብን ሰሜንን ሱዳንን ሶማልያን ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ዘላ እያ። እዚ ዘይምርግገኣት ዘተሓሳሰቦም ኣካላት ከኣ ነቲ ምዕባለታት ብቐረባ ንምክትታል ፍሉያት ልኡኻቶም ክመዙ ጸኒሖም እዮም። በዚ መሰረት ቅድሚ ቻይና፡ ድሕሪ ውግእ ኢትዮጵያ ምብራዑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ፍሉይ ልኡኻት መዚዞም ከም ዘለዉ ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለ ዝተዳኸመ፡ ሓደ ሓደ ኣብ ወጻኢ ሃገር ደቆም ወይ ኣዝማድ ዘለዉዎም ሰባት ካብ ኤርትራ ንኸወጽኡ ቪዛ እንተረኺቦም ናብ ሱዳን ኢትዮጵያን ካለኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ከይዶም ሕክምና ከም ዝረኽቡ ቢቢሲ (BBC) ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሳሕቲ ሒደት ሰባት ናብ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝወጽሉ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ እውን እቲ ዜና ገሊጹ።
ኣብ መላእ ኤርትራ፡ ሕማም መንሽሮ እትምርምር ሲቲስካን (CT scan) እትበሃል መሳርሒ ሓንቲ ጥራይ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ከም እትርከብ ኣብቲ ዜና ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እታ ሕክምናዊ መሳርሒት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተባላሽያ ክኢላ ረኺባ ክሳብ እትዕረ፡ ኣዋርሕ ከም ዝወስደላ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ክኢላታት ንቢቢሲ ሓቢርምዎ። ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ቀረብ ኤሌክትሪክ ስለ ዘየለ፡ ኣብ ሆስፒታላት ኣብ መንጎ መጥባሕትን ከም ሕርሲ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ሓይሊ መብራህቲ ከም ዝቋረጽ እውን ምጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።
በቲ ናይ ቢቢሲ ዜና መሰረት፡ ካብ ከተማታት ከረንን ሓጋዝን ንኩነታት ሕክምና ዝምልከት ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ፡ ኣብ ሆስፒታል ብስእነት ኤሌክትሪክ፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ነዳድን መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም። ገለ ሰባት'ውን ዝሓመመ ቤተሰቦም ሕክምና ንክረክብ ንጀነሬተር ዝኸውን ነዳዲ ከቕርቡ ከምዝሕተቱ እቶም ምንጭታት ይዛረቡ። ካብቲ ቀንዲ ጸገማት ብትምህርቲ ኮነ ብመገሻ ካብ ሃገር ዝወጽኡ ክኢላታት ሕክምና ብስንክቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይጥጡሕ ምምሕዳር ናብ ሃገሮም ከምዘይምለሱን ብኡ ኣቢሎም ከም ዝስደዱን ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊቲ ነባር ሕጽረት ጥዕና ኤርትራ፡ ኽታበትን ካልእ መከላኸሊ ሜላታትን ዝተነፍጎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተወሲኽዎ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ደረጃ ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ዓፋር፡ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሞይቶም ኣሸሓት ተመዛቢሎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ(ካብ መደብር በርሓለ ሃዲሞም፡ ኣብ ከተማ ሰመራ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት)
ሕቡራት ሃገራት ብ18 ለካቲት 2022 ኣብ ዘወጸኦ፡ መግለጺ ብሰንክቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ካብ ጐረቤት ኤርትራ ዝተሰዱ ተዓቒበምሉ ዝነበሩ መደበር በርሓለ ፈሪሱ 5 ስደተኛታት መይቶም ኣሸሓት ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ጉድኣት ናይቲ ብሰንክቲ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ከጋጥም ዝጸንሐ ማህሰቲ መቐጸልታ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓደሰ ተረኽቦ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ዘጋጠመ ሽግር ናይቲ ከም ሓድሽ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኻየደ ውግእ ውጽኢት ምዃኑ ኣረዲኡ።
ካብቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ስደተኛታት ከም ዝገለጽዎ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ብ3 ለካቲት 2022 ናብቲ መደብር ምስ ኣተዉ፡ ብውሕዱ 5 ስደተኛታት ሞይቶም፡ ሓያሎ ከም ዝተበታተኑን ቁጽረን ዘይተፈልጠ ደቂ ኣንስትዮ ተዓፊነን ከም ዝተወስዳን እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣባላት ስድራቤታት በቲ ኩነታት ከም ዝተጠፋፍኡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። መደብር ኤርትራውያን ስደተኛታት በርሓለ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዶብ ትግራይ ኣብ ዝቐረበ ኣከባቢ ዝርከብዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ትግራይ ንዝሰፈሐ ክፍሊ ናይ ክልሉ ዝቆጻጸር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዓፋር ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ ወገን ዓፋር መጥቃዓቲ ከም ዘጋጠሞ ምስ ኣፍለጠ እዩ። እዚ ብ18 ለካቲት 2022 ዝወጸ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉድኣት መን ከም ዝፈጸሞ ዘነጽር ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ ኤኤፍፒ (AFP) ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ኣብ ከተማ ሰመራ ዝረኸቦም ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ፈጸምቲ ሰራዊት ትግራይ እዮም ዝብል መልሲ ከም ዝረኸበ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብኣካል ናብቲ መደበር ምኻድ ስለ ዘይከኣል፡ ኣድላይ ምጽራይ ምግባር ኣይተኻእለን።
እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ነዚ ብዝምልከት ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ምላሽ ከምዘይረኸበ ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ መደበር ስደተኛታት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዘውግዝ ኣረጋጊጹ። እቲ ውግእ ብመንገዲ ተኹሲ ተጠው ምባል ኣቢልካ ኩሉ ህውከት ዝውገደሉ ኩነታት ንክፍጠር ዳግማይ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ደንጉዩ ዝበጸሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኤርትራዊ ኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሞቱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ ኮለኔል ዑቕባገርግስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከም ዝተቐትለ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ ድሕረ ባይትኡ፡ ፖሊስ ኮይኑ ቅድሚ ናብ ህዝባዊ ግንባር ምስላፉ ብፖሊሳዊ ሞያ ኣብ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ክሳብ ናይ ኮለኔል መዓርግ በጺሑ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከተማ ኣስመራ ከም ዝነበረን ደሓር ግና፡ ንሕያሎ ዓመታት “ደስኪልካ ድዩ ተጸልጺልካ” ተባሂሉ ካብ ስራሕ በዂሩ ዝጸንሐ ምንባሩ ይፍለጥ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ መውጽኢ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ንኮለኔል ዑቕባገርግስ ጸጋይ እውን ከምቶም ካልኦት ካብ ኣገልግሎት ኣብኲርዎም ዝጸብሐ፡ ኣገዲዱ ኣሰሊፉ መራሒ ክፍለ-ሰራዊት ኮይኑ ናብ ውግእ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከም ዘገደዶን ኣብዚ ጌና ህይወት ብዙሓት ኤርትራውያን ዝቐዝፍ ዘሎ ውግእ ክልል ዓፋር ከም ዝተቐትለን ናይ ቀረባ ፈልጥቱ ይምስክሩ። ናይቶም መዓልቲ መዓልቲ “ብዝሓደሮ ሕማም ዓሪፉ” እዳተባህለ መርድእ ዝንገረሎም ዘሎ ኤርትራውያን ሰብ መዓርግ ኩነታት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ከምዘይኮነ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ እምነት ኮይኑ ምህላዉ ካብዘረጋግጹ ምርትዖታት ድማ እዚ ሓደ እዩ።
ድሕሪ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ትግራይ ኢድ ምእታዉ ንብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡን ካብ ውትህድርና ተገሊሎም ዝጸንሑን ኣገዲዱ ከእትዎም ሰፊሕ ወፈራ ኣካይዱ እዩ። ዝተወሰኑ ተገሪሆም ኣብቲ ውግእ ኣትዮም ምስ ምድፋእ ዕድሚኦም ነቲ ኩነታ ምጽዋር ስኢኖም ዝረግፉ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣዝዮም ብዙሓት ግና ነቲ መጸዋዕታ ተቓዊሞም ካብ ዓድታቶም ወጺኦም ፈቐዶ በረኻ ይነብሩ ከም ዘለዉ ካብ ዝተፈላልዩ ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ብሰንክዚ ኣብ መንጎ እቶም ገፊፎም ከሰልፉ ዝተኣዘዙ ኣመሓደርቲ ኣካላትን ተገፊፎም ክስለፉ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ዕጡቓትን ሓያል ጽልእን ምፍጣጥን ተፈጢሩ ከም ዘሎ እውን ምንጭታትና ሕቢሮም።
More...
ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ15 ለካቲት 2022 ብመንገዲ ዙም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ ኣኼባኡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንዘበገሶም ስራሓትን ካብ ኣኼባኡ ንደሓር ዝተዓሙ ስረሓት መዚኑ፡ ካብ ዓመታዊ ውጥን ብምብጋስ ከኣ፡ ኣብ መጻኢ ክሰላሰሉ ዝግበኦም መደባት ድማ ተሊሙ።
ዝሓለፈ ስረሓቱ ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ መደባት ዝርጋሐ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓርነት፡ ምድላው መጽሐት ሓርነትን ብመገዲ ዩቱብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ቦታዊ ናይ ርድዮ ፈነወታትን መደብ ባህግናን ዘለዉዎ ደረጃ መዚኑ። ኣብ መጻኢ ዝሕይልሉ መንገዲ ከኣ ርእዩ። ብፍላይ ኣብቲ ንመደብ ዩቱብ ባህግና ዝምልከት፡ ዘካየዶ ፍሉይ ምይይጥ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ርእዩ። በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ንምዕቃብ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብራኽ፡ ዘድሊ ሓይሊ ሰብን ዝተፈላለዩ መሳርሕታትን ዝምልከት ድማ ተመያይጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ መደባት ዜና ካብቲ ዘለዎ ንኽብርኽ ሰማዕቲ ኮኑ ኣንበብቲ ኣብ ምዝርጋሕ ልዑል ምትሕብባር ንክገብሩ ጸዊዑ። ኣብ ኩሉ ሚድያታት ሰዲህኤ ከበርክቱ ከኣ ኣዘኻኺሩ።
ብዘይካዚ ኣብ መጻኢ ዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ ከተኩረሉ ዝግበኦ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ዝምልከት ተመያይጡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ውሽጣዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ተመኩሮ ናይ ምልውዋጥን ንኡሳን ስልጠናታት ዝወሃበሉ መደባት ምስራዕን ከም ዘድልን ተረዳዲኡ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ12 ለካቲት 2022 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባኡ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ናይ “እንኳ ደሓን መጻእኩም” ቃል ኣስሚዑ። ከም መእተዊ ከኣ እዋናውን ኣገደስትን ዝበሎም ሓበሬታታት ኣቕሪቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ናብ ተሳተፍቲ ኣቕሪቡ ኣጽዲቑ።
ድሕሪ ቃል ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለ ኣኼባ ኣብቲ ኣቐዲሙ ተዳልዩ ዝተዝርግሐ እሞ ኣባላት ፈጻሚ ከጽንዕዎ ዝጸንሑ፡ ጸብጻብ ኣብያተ-ጽሕፈት በብሓደ ብዝርዝርዝ ተመያይጡ። ድሕሪቲ ዝርዝር ምምያጥን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያት ምግባሩን ከኣ ነቲ ጸብጻባት ኣጽዲቕዎ። ኣብቲ ጸብጻብ ተመስሪቱ ድማ ኣድላይቲ ዝበሎም ውሳነታት ወሲኑ። ብዘይካዚ ኣብ መጻኢ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክትሰርሖ ዝግበኣ ናይ ሓጺር ግዜ ትልምታት ስኢሉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባቲ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምቛም ዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ቃልስን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መዚኑ። ኣብዚ ሚዛኑ እቲ መስርሕ ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከምዘሎ ኣመልኪቱ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ግራዊ ስራሕ ንምእታው ክተሓዙ ብዛዕባ ዝግበኦም ኣቕጣጫታት ኣሚቱ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ምቛም ሰፊሕ ጽላል ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ንምብርካት ብውገን ሰዲህኤ እንታይ ምቅርራብ ክግበር ከም ዝግበኦ’ውን ተመያይጡ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ እቲ ኣብ መንጎ ፖሓኤን ዓህምይን ዝካየድ ዘሎ ምቅርራባትን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጽን ተስፋ ዝህብን ክድፍኣሉ ዝግበኦን ምዃኑ መዚኑ ሰዲህኤ ኣብዚ መስርሕዚ እውን እጃሙ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ኣመዝጊቡ።

ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ (ዓብዱልራሕማን ካይሮ)፡ ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ ከረን ተወሊዱ። ታሕታዋይን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቱ እውን ኣብ ከረን ወዲኡ። ኣብ ኣስመራ ብሞያ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (Nurse) ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971-1974 ዓ.ም ኣብ ከረንን ኣቑርደትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ዓ.ም ምስ ገለ ብጾቱ ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ብርክት ዝበለ መድሃኒትን መሳርሕታትን ሕክምና ሒዞም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምርካብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ብናጻ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ዘበርከተ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ድማ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት እውን ዘበርከተ ተቓላሳይ ኣባል ኢዩ ነይሩ። ስዉእ ዓብዱልራሕማን ካይሮ፡ ብሱዳናውያን ዜጋታት እውን ከይተረፈ ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ምስጉንን ፍትውን ኢዩ ነይሩ።
ተጋዳላይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ብ7 ለካቲት 2022 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተሰዊኡ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
(ስእሊ ኣነተ ወበር ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ)
ኣነተ ወበር ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ (terrorists) ናይ ምውጻእ ምይይጥ ይካየድ ከም ዘሎን ብተግባር ክፍጸም ተኽእሎ ከም ዘሎን ብ12 ለካትቲ 2022 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ከም ዝሓበራ ብእንግሊኛ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊጻ።
እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣተሓሒዘን፡ እቲ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ናይ ምውጻእ ምይይጥ፡ ኣብ ፓርላማ ዝካየደ ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ እንተደኣ ተዓዊኢቱ ተኹሲ ናይ ምቁራጽን ርክብ ናይ ምቕጻል ተኽእሎን ከም ዝህሉ ሓቢረን።
ኣነተ ወበር፡ ኣተሓሒዘን ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ” ዝብል እምነት ከም ዝሓደረን ሓቢረን። ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ ዝበላሉ ምኽንያታት ክገልጻ እነከለዋ ከኣ ኣብ ናይ 11 ለካቲት 2022 ዝርርበን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይምእታዉን ናይ ብዙሓት ብጃምላ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምፍታሕን ስምዒት ከም ዘሕደረለን ጠቒሰን። ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ብ5 ጉንበት 2021 እዩ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2020 ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራኦዲ ኣስፊርዎም።
ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦቦሳንጆ ዝገበረኦ ርክብ ብምጥቃስ ከም ዝበለኦ ከኣ፡ ኣውንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሰን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዝሓስብዎ ናብ ምቑራጽ ተኹሲ ምኻድ እዩ ከም ዝበልወን እውን ተዛሪበን።
ኦባሳንጆ ብወገኖም ብ10 ለካቲት 2022 ንናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ብዛዕባቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኩነታትን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ግደ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሁድ ምላሽን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ምጽውዖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን ኣፍሊጡ።