ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ንኣዋርሕ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብ2 ጥሪ 2022 ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቲ ዜና ሱዳን ትሩቡን ከም ዝገለጾ፡ ሓምዶክ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ካብ ስልጣኑ ምልቃቑ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዖ ቃል “እቲ እምነት ኣንቢርኩም ዝሃብኩሙኒ ተልእኮ እምልሰልኩም ኣለኹ” ብዝብል ናብ ህዝቢ ሱዳን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ኣብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ውሳነኡ ዝሓበረ፡ ኣብ ከተማ  ካርቱም፣ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ነቲ ኣብ ሱዳን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ ምስ ኣረጋገጸ እዩ ነቲ ስጉምቲ ወሲድዎ። ናይዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ብኸምዚ ኣገባብ ካብ ስልጣን ምልቃቕ እቲ ብ21 ሕዳር 2021 ምስ ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታህ ኣልቡርሃን ዝበጽሕዎ ፖለቲካዊ ስምምዕ ከም ዝመኸነ ዘመልክት እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብዚ ናይ ስንብታኡ ቃል፡ ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ናይ ክኢላታት ካቢነ ሚኒስተራት ምምስራት ናብ ዘኽእል ስምምዕ ከምጸሖም ከምዘይከለ ተኣሚኑ። ነቲ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ  ከኣ “ንሃገርና ካብ ናይ ምብትታን ሓደጋ ንምድሓን ክንዲ ዝከኣለኒ  ፈቲነ እየ” ክብል ተዛሪቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ካብኣቶም ዝደለ ሓላፍነት ምእንቲ ክፍጽሙ ምስ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ምስግጋር ከም ዝተዛራረበ ሓቢሩ።

እዚ ብሰንኪ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ዝገበሮ ስምምዕ ብህዝቢ ተቐባልነት ስለ ሰኣነ ካብ ስልጣን ከም ዝለቅቕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዓብደላ ሓምዶክ፡  ኣብዚ ናይ 2 ጥሪ 2022 ናይ ስንብታ ቃሉ፡  ህዝቢ ዝለዓለ ልኡላዊ ስለ ዝኾነ፡ ሰራዊት ሱዳን ምስ ህዝቡ ንክስለፍ  ጸዊዑ።

ካብቲ ጥቡቕ ሓሳብ ናይ ሓምዶክ ወታደራት ዘይሕወስዎ ካቢነ ሚኒስተራት ምምስራትኳ እንተነበረ፡ እንተኾነ እዚ ሓሳቡ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብዘይካዚ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ካብ ዝገብርዎ ነጥብታት ሓደ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዕልዋ ዘካየዱ ወታደራት፡ በቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ግዙኣት ክኾኑ ዘይምኽኣሎም እዩ። ናይዚ መርኣያ ከኣ ምእሳር ኣብ ፖለቲካ ዝሳተፉ ንጡፋትን ሰልፍታት ንምብታን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጸምዎ ግህሰታትን ምዃኑ ኣብቲ ቃሉ ከም ዘመልከተ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሰልፊ ጉባአ ሱዳን፡ ኑር ኢልዲን ባብከር ነቲ ኩነታት ኣብ ዝምልከት ከም ዝበሎ፡ ናይ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ምስንባት ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ነታ ዝነበረቶ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ናይ ምርካብ ዕድል ዘስእኖ እዩ ክብል ገሊጽዎ። ኣስዒቡ እቲ ወሃብ ቃል፡ ሕጂ ኩነታት ሱዳን ከም ዝተነጸረን ነቲ ወተሃደራዊ ኣካል ንምውጋድ ዘኽእል ሕብረት ሱዳናውያን ኣብ ምፍጣር ከም ዝሕግዝን ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣስታት 57 ሰባት ከም ዝሞቱን ካብኣቶም እቶም 15 ድሕርቲ ናይ 21 ሕዳር 2021 ስምምዕ ሓምዶክን ጀነራል ኣልቡርሃንን፡ ዝተቐተሉ ምዃኖምን ተሓቢሩ።

ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚሩ፡ 65 ሺሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣትዉን ካብኣቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝጠንጠኑ ወትሃደራት ከም ዝርከብዎምን ማዕከን ዜና ገዳብ ኣብ ናይ 26 ታሕሳስ 2021 ዝርጋሐ  ዜናኣ ሓቢራ።  ገዳብ ምንጭታታ ጠቒሳ ከም ዘስፈረቶ፡ እዚ ናይ  65 ሺሕ ኣሃዝ ካብቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ንሓደ ሲሶ ጥራይ ከም ዝውከል እያ ኣስፊራ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ ካብቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከቶም ኣካላት  ከይተመዝገቡ ምስ ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ዝፈልጥዎም ወገናትን ከም ዝሕወሱ ሓቢራ። ብዘይካ ገዳብ ካለኦት ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ከኣ ካብቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ብዘገርም ኩነታት 75 ሚእታዊት ኤርትራውያን ምዃኖም ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ከም ሓበሬታ ዜና-ገዳብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2021፡ እቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ስራሓቱ ከቋርጽ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ። እዚ ሓበሬታ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ኣካል ዓመታዊ ጸብጻብ በጺሑ ከም ዝኸውን ከኣ  ይግመት። ስለዚ ሓድሽ ምዕባለ እንተዘይተፈጠሩ፡  እዚ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ትካል መወዳእታኡ ክኽውን እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

ብዙሓት ካብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ጎፋ ኣብ ዝበሃላ ቦታን ከባቢኡን ዝሰፈሩ ኮይኖም፡ ካብ ኢትዮጵያ መውጽኢ ቪዛ ከም ዝረኽቡ  እቲ ዜና ጠቒሱ። ብዙሓት ካብ ኤርትራ ክወጹ እንከለዉ፡ ካብ ዓሰብ ብቡሬ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቅድሚ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ምቕጻሎም ኣብ ክልል ዓፋር  ከባቢ ከተማ ሰመራ ዕንቅፋት ከም ዘጋጥሞም ኣብቲ ናይ ገዳብ ዜና ተሓቢሩ።

እቲ ካብ 2018 ጀሚሩ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጉዓዝ መስርሕ ሓያል ምቁጽጻር ክግበረሉ ዝጸንሐ፡ ካብ ሕዳር 2021 ንደሓር ግና ብላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡  እቲ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ ከም ዝቐልል ከም ዝተገብረ ዜና-ገዳብ ኣስፊሩ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዜና-ገዳብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሃዲሞም ክነሶም ከም ስደተኛ ዘይተመዝገቡን መብዛሕትኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ዓበይቲ ከተማታት ናይታ ሃገርን  ነብሶም ኣጣይሶም ኣለዉ። ዝመሓደርሉ ናእሽቱ ኣብያተ-ብልዕን ድንኳናት ዝመስረቱ ኣለዉ። ኣሸሓት ከኣ  ኣብኡ ንምባር ይኹን በጺሕካ ንምምላስ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝተጓዕዙ ኣለዉ። ብዘይካዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሳልሳይ ሃገር ወሲዱ ከጣይሶም ዝጽበዩ  ኣሸሓት እዮም።

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሊቀ ጳጳስ ዴስሞንድ ቱቱ ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሚኦም ከም ዝዓረፉን ቢቢሲን ካለኦት ዓበይቲ ማዕከናትን ሓቢረን። እዞም ኣብ  90 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ዴዝሞንድ ቱቱ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ብውሑዳት ጸዓዱ ዝተዓብለለ ስርዓት ኣፓርታይድ  ንምውጋድ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ  ብዝለዓለ ደረጃ  ካብ  ዘበርከቱ ሓደ ነይሮም። ድሕሪ ውድቀት ምምሕዳር ኣፓርታይድ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ወጻዕቲ ኣብ ክንዲ ሕነ ምፍዳይ እቲ ኩነታት ብዕርቅን ይቕረ ይቕረ ምብህሃልን ንክውዳእ ዝለዓል ግደ ዝነብሮም ኮይኖም፡ ነዚ ኣበርክተኦም ናይ ኖበል ሰላልም ኖበል ዝተሸለሙ ሎሬት እዮም ነይሮም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡  ሲሪል ራማፎሳ ንሞት እቶም ጳጳስ  ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካልእ ናይ ሓዘን ምዕራፍ ኣብ ሃገርና ብዝብል ሓዘኖም ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ ዴዝሞንድ ቱቱ ሓደ ካብቶም ናጽነት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣወጁ ሓርበኛ ምንባሮም ገሊጾም።

ኣቡነ ዴዝሞንድ ቱቱ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሊፎም ብደረጃ ዓለም እውን ስሞም ምስ ኔልሰን ማንዴላ ዝጥቀስ ዝለዓለ ኣፍልጦ ዝነበሮም ሃይማኖትን ሓርበኝነትን ኣሰማሚዕም ዝተዓወቱ ባእታ እዮም። ንኣመዋውተኦም ኮነ መዓስ ከም ዝቕበሩ ዝምልከት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ስርዓት ኣፓርታይድ ዝነበሩ ደኤክለርክ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት  ኣብ መበል 85 ዓመት ዕድሜኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ዝዝከር እዩ።  

መንግስታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ሓይልታት ክልልን ካብቲ ሕጂ ዘለዉዎ ቦታ ናብ ክልል ትግራይ ከይስጉሙ ከም ዝተኣዘዙ፡ ሚኒስተር ርክብ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ብ23 ታሕሳስ 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጦም። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ምብራቕ ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወጹ  ድሕሪ ብወግዒ ምእዋጆም እዩ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታት ክልልን፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ቦታታት ከባቢ ቆቦ ናብ ማእከል  ትግራይ  ከይግስግሱ መምርሒ ከም  ዝተዋህቦም ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተገሊጹ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓይልታቱ ካብቲ ዝነበሮ ከባቢ ምብራቕ ኣምሓራን ዓፋርን ድሕሪ ምስሓቡ፡ ተኹሲ ጠጠው  ኣቢሉ ንዘተ ድሉዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡  ብ21 ታሕሳስ 2021 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት መልእኽቲ ምስዳዱ ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ምብራቕ ኣምሓራን ምውጻእ ንፖለቲካዊ ዝርርብን ሰላማዊ መፍትሕ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጾም እዮም። እዚ ከምዚሉ ኣንከሎ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ እቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዙ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፡ ኦለሳጎን ኦባሳንጆ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ክመጹ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።  እዚ ዝርአ ዝሎ ምዕባለታት፡ ነቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ውግእ ናብ ፍጻመ ክበጽሖ እዩ ዝብል እምነት ተነቢርሉ ከም ዘሎ ናይ ብዙሓት ወገናት ግምት እዩ።

ሚኒስተር መራኸቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ኣብዚ መግለጺኦም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ኩነታት ገምጊሙ ሰራዊት ትግራይ እንደጋና ንኢትዮጵያር ሓደጋ ዝኸውን እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣድላይ ዝበሎ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል እውን ጠቒሶም። እቶም ሚኒስተር ኣተሓሒዞም ኣብዚ እዋንዚ ፍናን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ገሊጾም፡ ንሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጸኦም ናይዚ ብቕዓቱ መርኣያ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። እቶም ኣብቲ መግለጺ መሻርኽቲ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባህሉ ናይ ክልል ኣምሓራ ሚሊሻ፡ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ምዃኖም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ይገልጹ። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰራዊተይ ምእንቲ ሰላም ክብል እዩ ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ስሒቡ ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ስዒርና ኢና ኣውጺእናዮ ብዝምል ክዋጠጡ ከም ዝቐነዩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕለት 19 ታሕሳስ ናይ ዓመተ 2021 መዛዘሚ ኣኼባ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣባላት ጨንፈር ብኣካል ኣብ ከተማ ዙሪክ ተራኺቦም ንዘካየድዎ ዓመታዊ ጉባኤ ቀጺሉ ብመራኸቢ ብዙሃን ንካልኣይ ጊዜ ዝጋባእ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ።

ኣቦ መንበር ጨንፈር ዳዊት ኣብራሃምን፡ ናይ ስርዒትን ርክባትን ሓላፊ ተስፋጋብር ገብረን፡  በብተራ ኣብ ዝሃብሆ መብርሂ፡  ጨንፈር ስዊስ ካብ ናይ 21 ነሓሰ ጉባኤኡ ቀጺሉ ህላዌኡ ከም ዘረጋገጸን፡ ንብዝሒ መንእሰይ ኣብ ስዊስ ኣብ ግምት ብምእታው ክገብሮ ዘሎዎ ስራሓት ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑን ኣብሪሆም። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብኣቦ መንበር ሰልፊ እተዋህበ ሰፊሕ መግለጺ ጠቓሚ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ ከኣ፡ ነቲ ብሰልፊ ዝስራዕ ናይ ሓበረታን መነቓቕሒን ኣኼባታት ኩሉ ኣባል ጨንፈር ክከታተሎ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይ ጨንፈር ተቘጻጻሪ መሓሪ ዓማር ብወገኑ፡ ኣባላት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ካብ ጉባኤ ጨንፈር ንድሓር ዝሓሸ መንገዲ ሒዙ ከም ዘሎን፡ ናይ 2022 ከኣ ኣብተን ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ክካተት ከም ዝግባእን ተላብዩ።

Suisse Branch 19.12.2021

ኣባላት ጨንፈርን ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ዝኾኑ ብጾት ወለደሱስ ዓማርን ዮውሃንስ ወረደን እውን ህልዊ ሓፈሻዊ ኲነታት ቃልሲ ደንበ ተቓውሞን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  ተወሳኺ መብርሂታት ሂቦም።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባ ሓለፍቲ ጨንፈር፡ ኣብቲ ኣኼባ እተሳተፉ ካብ ሰለስተ ካንቶናት ጥራይ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ኩለን ካንቶናት ትርከቡ ኩሎም ኣባላት ኣብ ኣኼባታት ክሳተፉ ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ ተላብዮም።

መንግስቲ ግብጺ ሓንቲ ሓራስ እትርከቦም 21 ኤርትራውያን ኣገዲዳ ናብ ኤርትራ ክትመልሶም ምድላዋት ትገብር ከም ዘላ ማዕከን ዜና ኤሪሳት ሓቢራ። እታ ማዕከን ዜና ኤርትራውያን ኣንጻር ስጉምቲ ግብጺ ክለዓሉን ኣብ ከባቢኦም ናብ ዘለዉ ኤምባሲታት ግብጽን ዝምልከቶም ኣህጉራዊ ኣካላትን ተቓውመኦም ከስምዑ ጸዊዓ። እቲ ኣገዲድካ ምስጓግ 23 ታሕሳስ 2021 ክፍጸም መደብ ተታሒዝሉ ከም ዘሎ እውን ኣቃሊዓ።

ካብቶም ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ናይ ምላስ ሓደጋ ኣንጻላልይዎም ዘለዉ ኤርትራውያን ነዞም ዝስዕቡ ብኣስማቶም ዝተጠቕሱ ይርከብዎም።

ዊንታ ደበሳይ ረዳእ                        ኢያድ ከሊፋ ሳልሕ

ሰይድ ኣሕመድ መሓመድ                  ሳሙኤል ሚካኤል ኣብረሃም

ሓበን ሓጐስ ግርማይ                       ፍርያት ዑቕባተድሮስ ትኩእ

ጃድ ከሊፋ ሳልሕ                           ሙና ኣሕመድ መሓመድ

ቅሳነት ጐበዛይ ብርሃነ                       ፋጥማ ሓምድ ዑመር

ናድያ ርእሶም ሞሳዝጊ                       መጂድ ጀማል ዑመር

ሳብር ዓብደልወሃብ ኣሕመድ               ኣስመሮም ብርሃነ ከሰተ

ነጃት ዑመር መሓመድ                     ኣደም ተስፋዝጊ ተክለሃይማኖት

ካልድ ዓብደልወሃብ ኣሕመድ

ዝተባህሉ ይርከብዎም። ላዕለዎት ሰብ መዚ ግብጺ ኤርትራውያን ተገዲዶም ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፡ እንታይ ዓይነት ሓደጋ ከም ዘጓንፎም ኣይፈልጡን እዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። እቲ ሓደጋ ናይ ኣገዲድካ ናብ ስርዓት ህግዲፍ ምምላስ እናፈለጥዎ ንመሰል ስደተኛታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሶም ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳዶም ከኣ የሕዝን። በዚ ኣጋጣሚ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም  ትካላትን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ከኣ ሰዲህኤ  እውን ምሕጽንታና ነቕርብ።

ትርጉም፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ብመሰረት ሕብረት ኤውሮጳ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡  ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ17 ታሕሳስ 2021 ፍሉይ ኣኼባ ከም ዘካየደ እቲ ባይቶ ኣብቲ ዕለት ብዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብዚ ኣኼባኡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ቅድሚ 13 ኣዋርሕ ዝጀመረ ውግእ ዝሰዓበ ግህሰታት ዝምርምር ኮሚሽን ክቐውም ወሲኑ። ኣብዚ ውሳነኡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ካብ 10 ሰባት እቶም 9 ህጹጽ ሓገዝ ዝደልዮም ምዃኑ ገምጊሙ። ከምዚ ዓይነት ፍሉይ ኣኼባ  ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኽካየድ ካብቶም 47 ኣባል ሃገራት ናይቲ ባይቶ ናይ ክልተ ሲሶ ደገፍዩ ዘድሊ።

ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ህውከትን ዘይምርግጋእን ንኢትዮጵያን ንሳ ንእትርከበሉ  ዞናን ናብ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከእትዎ ከም ዝኽእል እቲ ኣኼባ ባይቶ ከም ዝመዘነ ኣብቲ ዝመወጸ መግለጺ ተጠቒሱ’ሎ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ፍሉይ ኣኼባ ቃል ዘስምዓ፡ ምክትል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ናዳ ኣልናሺፍ፡ ካብቲ ሕቡራት ሃገራት መጠንቀቕታ ዝሃበሉ ወርሒ ሰነ 2021 ንነጀው  ኣብ ትግራይ ካብ 400 ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ኣብ ደረጃ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝወደቑ ገሊጸን።

ጸዋዒት ምቁራጽ ውግእ

እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣተሓሒዘን፡ ድሕሪ ነቶም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ  ናይ “ውግእ ጠጠው ኣብሉ”  መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝተማዛበሉ ጠቒሰን፡ እዞም ዝተመዛበሉ ብህይወት ንኽቕጽሉ ዘኽእል እኹል ሓገዝ ከምዘይተገብረሎም እውን ሓቢረን። ንሰን ነዚ ርኢቶ ዝሃባ ቅድሚ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ መርማሪ ኮሚሽን  ንክቐውም ዝሓትት ንድፊ  ተሳተፍቲ ድምጺ ምሃቦም እዩ። ኣብቲ ድምጺ ዝተዋህበሉ መስርሕ፡ እቲ ንድፊ ብ21  ደገፍቲ፡ 15 ተቓወምትን 11 ዕቃበ ዘመዝገቡን እዩ ጸዲቑ።

እቲ ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ክቐውም ዝተወሰነ ዓለም ለኸ መርማሪ ኮሚሽን፡  3 ብፐረሲደንት ባይቶ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዝምዘዙ ብቑዓት ኮሚሽነራት ብኣባልነት ክህልዉዎ እዮም። ዕድመ እዚ ኮምሽን ሓደ ዓመት ኮይኑ፡ ከም ኣድላይነቱ ዝናዋሕ እዩ። እዚ ዓለ ለኻዊ መርማሪ ኮሚሽን ነቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ቅድሚ ሕጂ ብሓባር ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ከእትዎ እዩ። ብዘይካዚ ኩሎም ወገናት ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጥረ ውግእ ዝምድና ብዘለዎ ዘርኣይዎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ሰብኣውነትን ስደተኛታትን ሕግታት ጥሕሰታት እውን ጠመተ ከም ዝገብረሎም ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣልማማ ማእሰርቲ

እተን ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ቃለን ዘስመዓ ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል፡ ነቲ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣልማማ ማእሰርቲ ናይ ሲቪል  ሰባት እውን በተገዳስነት ጠቒሰንኦ።  ኣተሓሒዘን ከኣ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ዝወጸ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት፡ ተጋሩ ደገፍቲ ህዝባዊ   ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኢኹም ተባሂሎም ብኣልማማ ንምእሳር ኣፍደገ ከም ዝኸፈተ ገሊጸን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ብደርዘን ዝግመቱ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ኣሸሓት ደቂ ትግራይ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ንተሳተፍቲ ሓቢረን።

ብመሰረት ጸብጻብ ወይዘሮ ኣልናሺፍ፡ ካብቶም ዝተኣስሩ ሲቪል  ኣብዘን ዝሓለፈ 6 ሰሙናት ውሱናትኳ እንተተፈትሑ፡ ጌና ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ካብ 5 ክሳብ 7 ሺሕ ዝግመቱ  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ ኢለን። ካብቶም ግዳያት መብዛሕተኦም ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ከም ዝእሰሩ ከኣ ሓቢረን። ነቲ ኣልማማ ማእሰርቲ ናይ ሰፊሕ ግዱድ ምምዝባል ኣካልን ዝኸፈአ ምልክትን እዩ እውን ኢለነኦ። እተን በዓልቲ መዚ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሒዘን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ዝካየድ ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ምሉእ ሓበሬታ ዝህብ ርትዓውን ናጻን መብርሂ  ክህብ ጸዊዐን። ነዚ ዝምልከት ብመንግስቲ ኣበርክቶን ምሉእ ተሓታትነት ኣብ ዘይሃለወሉ፡  ዓለም ለኻዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ናይ ግድን ክኸው እዩ ኢለን። ምስዚ ኣተሓሒዘን ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ክሊቲ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብመንግዲ ኮሚሽን ዘተ ኣቢሎም፡ ትርጉም ናብ ዘለዎን  ኣካብን ዘተ ንክኣትዉ ኣተባቢዐን።

ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ውሳነ.

ካብቲ ውሳነታት፡ እቲ ቀንዲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ውግእ፡ ነቲ ዓሌትን ጾታትን ዝመሰረቱ ወሲኽካ፡ “ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ይተዓቀቡ” ዝብል እዩ፡

እቲ ውሳነ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ፡ ማሕበረ-ሰብ፡ ዘራእቲ ሓረስታይ፡ እንስሳ ዘቤትን ሲቪላዊ ትካላት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ’ውን  ናዕቢ፡ ጽልኢ፡ ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትሕተ-ቅርጻን ዘኸትል ዘሎ ሓደገኛ ኩነታትን  ሰብኣዊ ቅልውላውን  የጋድዱ ካብ ዘለዉ ተግባራት ምቑጣብ ኣካል ናይቲ ውሳነ እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ክረጋግጽ ዝኽእል  ምሉእ ዘስርሕ፡ ቅልጡፍን ዘየቋርጽን ሰብኣዊ ሓገዝ ክመሓላለፈሉ ዝኽል መንገዲ ብምኽፋት እዩ ይብል እቲ ውሳነ።

እቲ ዝቐውም መርማሪ ኮሚሽን፡ ኣብ ልዕልቲ ንኹሎም እቶም፡ ካብ 3 ሕዳር 2020 ንደሓር ዝተፈጥሩ ሰብኣዊ ግህሰታት ዘካይዶ ምጽራይ፡ ብዛዕባ እቶም በቲ ጉዳይ ተሓተቲ ዝኾኑ ኣካላት ምልላይን ንተሓታትነቶም ዝምልከት ሓበሬታ ናይ ምእካብን ሓላፍነት’ውን ክህልዎ እዩ።

ናይቶም መርመርቲ ኮሚሽነራት ሓላፍነት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ሓባሪ ነጥብታት፡ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ተሓታትነት፡ ዕርቅን  ናይ ህልዊ ኩነታት መፈወስን  ከምኡ ከኣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ናይ 2022 መበል 50 ኣኼባኡ ዝገብሮ ምምሕያሽ ዝምልከት ሓሳባት ምቕራበ ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ባይቶ ውሳነ ከም ዘጠቓልል ተጠቒሱ ኣሎ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓደ እቲ ኣጀንዳ ብቐጥታ ዝምልከቶ ኣካል፡  ንውሳነ ናይ ባይቶ ሰብኣዊ  መስል ነጺግዎ ኣሎ። ምኽንያት መንጸጊኡ ከኣ “እዚ ውሳነ ቅድሚ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እኹል ጻዕሪ ምክያድ፡ ብፖለቲካዊ ድሌት ዝተደፋፍአ ኢድ ምትእትታው ኣብ ጉዳይና እዩ” ዝብል እዩ።

Mohammed Berhan

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ተጋዳላይ ናስረ መሓመድ ብርሃን ነሳር፡ ብለካቲት 1959 ኣብ ኣስዒቦ እተባህለት ዓዲ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዱ። ካብ 1978 ክሳብ 1981 ዓ.ም ድማ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ተጋዲሉ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ ኣብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ብጽንዓት ክሳብ ዝተሰውኣላ ዕለት 16 ታሕሳስ 2021 ብጽንዓት ተቓሊሱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንቤተሰቡን መቓልስቱን ድማ ኣምላኽ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ እትርከብ ከትማ ኣላማጣ ብ16 ታሕሳስ 2021 ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብነፈርትን ሰብ-ኣልቦ ድሮናትን ብዘካየዶ ደብዳብ 28 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 76 ሰባት ከኣ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን። ማይቪው (mayview) ዝተባህለት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ እትከታተል ዘይኢትዮጵያዊ መርበብ ዩቱብ እውን እቲ ደብዳብ ከም ዝተኻየድ ሓቢራ ነቲ ዘጋጠመ ጉድእት ኣረጋጊጻቶ።

ኣብዚ እዋንዚ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣካይደን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉኣት የውርዳ ኣለዋ። እዚ ናይ ኣላማጣ ደብዳብ  ግና ኣብ ርእሲቲ ውግእ ኣብ ዘይካየደሉ፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመን ብሓንሳብ ብዙሓት ምስቲ ውግእ ምትእስሳር ዘየብሎም ሲቪል ሰባት ዝሞቱሉን ዝቖሰልሉን ምዃኑን ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦ ብዘሓት  ምስ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ  ሓውዜ ዘጋጠመ ህልቂት የዛምድዎ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ዘህዝንን ክውገዝ ዝግበኦን ተረኽቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየውጸአ፡ ናይቲ መንግስቲ ደገፍቲ ዝኾና ማሕበራዊ ሚድያታት ግና፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ከም ዝተፈጸመ እንዳተኣመና፡ ዒላማኡ ግና ኣጽዋዝ ዝተኸዘነሉ ቦታ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውረደ ከምዘይኮነ ኣምሲለን ይገልጻ ኣለዋ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሳዕቤን ኣቐዲሙ ይግንዘቦ ነይሩ። በዚ መሰረት ከምዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ጉድኣቱ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ከይተለሓመ፡   ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባ፡ ንኩነታት ኣገናዚቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።”  ዝብል ዝርከቦ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ይዝከር።

ሎሚ እውን ውግእ ምቕጻል ጉድኣት፡ ህልቂትን ዕንወትን ምዝያድ እምበር መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ። ስለዚ  ኩሎም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ናብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ክቐርቡ፡ ከምኡ እውን ነቲ ውግእ ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ቀረባት ርሑቕን ሓይልታት ካብ ተግባሮም ክቑጥቡ ጸዋዒት ሰዲህኤ ህያው እዩ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን (ሁማን ራኢትስ ዎች) ዝተባህሉ፡ ክልተ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል  ዘጻሪ ዓለም ለኻዊ ኣካል ክቐውም  ዝሓትት መግለጺ ከም ዘውጽኡ ሮይተርስ ብ16 ታሕሳስ 2021 ሓቢሩ ።  ክልቲኦም ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ጸጥታዊ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ከሲሶም።

እዚ ናይ 16 ታሕሳስ 2021 ናይ ሓባር መግለጺ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝመደቦ ኣኼባ ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ፡ “ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎ እዩ” ብዝብል ከም ዝተቓወሞን ካለኦት ሃገራት ከይሳተፈኦ ከም ዝጸወዐን ተፈሊጡ።

ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰልን ኣብዚ ናይ ሓባር መግለጺኦም ቆላሕታ ዝሃብዎ፡ ብሓፈሻ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኮይኑ ፍሉይ  ግምት ዝሃብዎ ከኣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰታት እዩ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ትግራይን ኣምሓራን ናትና እዩ ኣብ ዝብልዎ፡ ቅድሚ ውግእ ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጃምላዊ ቅትለትን ደብዳብ ከበድቲ ኣጽዋርን  ኣዝዩ ሰፊሕ ምምዝባልን ስደትን ከም ዘስዓበ እዚ ናይዘን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላት ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቤት ጽሕፈ መተሓባበሪ  ሰብኣዊ መሰላት (ኦቻ) ብወገኑ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር  ካብ ምዕራብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ቀረባ መዕልታት ዝያዳ 10 ሺሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስግኣት ንተግባራት ምቕራብ ረዲአት ከም ዘየኽኣለ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ናይዘን ክልተ ዓለም ለኻዊ ትካላት ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን 2021 ኣብ ልዕሊ 31 ሰባት በደል ከም ዝተፈጸመን ካብኣቶም እቶም 25 ነበርቲ፡ ኣደባይ፡ ሑመራን ራውያንን ምዃኖም ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባት ብስልኪ  ከም ዝሓበሩ ገሊጹ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ  ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ  ናይ ክልል ኣምሓራ ፖሊስ፡ ሚልሻን ፋኖን ዝተባህሉ  ጸጥታዊ ኣካላት፡  ኣብተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ናይ ምዕራብ ትግራይ ከተማታት ንዝርከቡ ልዕሊ 15 ዝዕድሚኦም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣባጽሕ ኣንዳኽበቡ ከም ዝኣሰርዎም ኣቃሊዑ።

ከምኡ እውን እቶም ዝተረፉ ናይተን ከተማታት ነበርቲ፡ ኣደታትን ህጽናትን፡ ብቐዋሚ ሕማማት ዝሳቐዩን ብዕድመ ዝደፍኡን  ዝርከብዎም  ከም ዝተሰጐጉ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ካብቶም ነብርቲ ሃዲሞም ናብ ማእከል ትግራይ ዝኸዱ ከም ዘለዉ እውን ተፈሊጡ። ከምቲ ናይተን ትካላት መግለጺ ዝጠቐሶ ብዛዕባዚ ፍጻመ እቲ መረጋገጺ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ናይ ሳተላይት ምስልታትን ከም ዝተረኽበ ኣፍሊጡ።

መግለጺ እዘን ትካላት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ በደላት ጠጠው ክብልን ብዘይኣገባብ ዝተታሕዙ ሰባት ክልቀቑን ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃበራት ብወገኑ፡ ክሳብ ሎሚ ዝተፈጸመ ገበናት ዘጻሪ ዓለም ለኻዊ  ዘይሻራዊ ኣካል ብህጹጽ ከቕውም ጸዊዑ።

Page 65 of 162