ቅሉዕ መልእኽቲ ምስጋና ሰዲህኤ ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ

2022-06-15 06:33:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1062 times

ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብ14 ሰነ 2022 ናብ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስተቨን ዎከርን መሳርሕቶምን ናይ ናእዳን ምስጋናን ቅሉዕ መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ነዚ መልእኽቲ ዝለኣኸ፡ ስለቲ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡  ናብቲ  ኣብ ዋሽንግተን ብ11 ሰነ 2022 ብተለቪዥን ኤሪሳት ዝተዳለወ ስምፖዝዩም-2022፡ ንኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዝዳህሰሰ መልእኽቲ ምትሕልላፎም እዩ።

ብጻይ ተስፋይ  በቲ መልእኽቱ ዓሚቕ ምስጋናኡ ዝገለጸ፡ ብስምቲ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ነቲ ድምጹ ዝተዓብሰ ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ ብምዃኖም ናይቲ ምስጋና ተኻፋሊ ከም ዝኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብዚ መልእኽቱ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ብመንገዲ ናይ ፈይስቡክ መልእኽቶም ኣቢሎም፡ ሓለፍቲ ኤርትራ ንገዛእ ህዝቦም ብግጉይን ዘይፍትሓውን ኣገባብ ይመርሕዎ ከም ዘለዉ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ካብቲ ናብ ስምፖዝዩም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም ካብ ዝርድእዎ ነጥብታት ንኣብነት ኣስፊሩ።

  • ኤርትራዊ በቲ ስርዓት ተደፊኡ ካብ ሃገር ወጺኡ ኣብ መላእ ዓለም ደጋፊ ዘየብሉ ስደተኛ ምዃኑ ግቡእ ከምዘይኮነ።

 

  • ኤርትራ ብኣገባብ ሕገ-ኣልቦ፡ ኣብ ትሕቲ ጨካን ምምሕዳር ምህላዋ ንህዝባኮነ ህዝቢ ጐረባብታ ቅኑዕ ዘይምዃኑ

 

  • ግጉይ ሓበሬታን ሓሶትን የማነ ገበረመስቀል፡ ከምቲ ኣብ ተመኩሮ   ዒራቕ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሳዳም ሑሴን  ሚኒስተር ዜና ብዝነበረ መሓመድ  ኣል-ሳሃፍ  ዝተራእየ፡  ንዲክታተራት  ዘየገልግሎምን ካብ ወድቀት ዘየድሕኖምን ምዃኑ።  ዝብሉ ዘርዚሩ።

ኣቦመንበር ተስፋይ ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብቲ ስፖዚየም ብግቡእ ዝቐረበ መልእኽቲ ናይቶም ፈጻሚ ጉዳይ፡ ንሕና ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኮነ፡ እቶም ነቲ ስምፖዚየም ስለ ዘዳለዉ ምስጋናን መጐስን ዝግበኦም ተለቪዥን  ኤሪሳትን ብዕግበት እንቕበሎ እዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ከኣ፡ ሰዲህኤ፡ በታ ብቋንቋ እንግሊዝ እትሕተም ልሳኑ “መጽሐት ሊበርቲ” ኣቢሉ፡ ናይቶም ኣፈጻሚ ጉዳይ ጽሑፋት ክንእዶ ጸኒሑዩ ምስ በለ፡  ብፍላይ ኣብ ናይ ዝሓለፋ ማዝያ ሕታም እታ መጺሐት፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ 21 ኣንበሳድራትን 7 ቆንስላትን ኤውሮጳ ናይዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ቅኑዕ ኣብነት ንክኽተሉን ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብግሉጽ ክዛረቡን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡዩ ኢሉ።  ኣብ ርእሲዚ መንግስታቶም ኣብ ኤርትራ  ለውጢ ንክመጽእ ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ንክሕብርዎም ሰዲህኤ ከም ዝጸወዐ ኣብዚ ቅሉዕ መልእኽቱ ኣስፊሩ።

በዚ ኣጋጣሚ መደብ ተለቪዥን ኤሪሳት ከምዚ ዓይነት ጠቓምን እዋናውን መድረኽ ስምፖዝዩም ብምድላዎም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ምስጋናናን ናእዳናን ነቕርብ።

Last modified on Wednesday, 15 June 2022 08:48