ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ሃገረ ጀርመን፡ ቅድም ን16፡ ደሓር ድማ ን23 መስከረም 2023 ብጉልባብ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ፡ ሕማቕ ምስሊ ህግደፍ ዘጸባብቕ ምልዕዓል ክነዝሓሉን ኣታዊ ከኻዕብተሉን መዲብዎ ዝነበረ ኣኼባ፡ ክቕጽሎ ከምዘይከኣለ ብ20 መስከረም 2023 ብዘውጸኦ ምልክታ ተኣሚኑ።
እቲ ዝተዘርገሐ፡ ኣኼባ ናይ ምስራዝ ምልክታ፡ መራሕቲ ማሕበረ-ኮም ሽቱትጋርት፡ ነቲ ብህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ዘጋጠሞ ተቓውሞ ሓቢኡ፡ ከም ምኽንያት ዝጠቐሶ፡ ኣብ ነባሪ ነውጺ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ክሳብ ዝሓዊ ከቋርጾ ከም ዝተገደደ ኣስፊሩ። ነቲ መደባቱ ክስርዝ ዘገደዶ ተረኽቦ ከኣ፡ ስምዒት ህዝቢ ብምምዝማዝ “ምስሊ ኤርትራ ዝድውን” ብዝብል ክገልጾ ፈቲኑ። ስምዒት ናይቲ ዝተሳዕረ ኣባል ማሕበረ- ኮም ንምሕዋይ ብዝመስል ከኣ፡ “ኣብ መጻኢ ጽንብልና ከይነካይድ ዝዓግተና ሕጊ የለን” ዝብል ኣደዓዒሱ በቲ ምልክታ ክምእዘዙ ጸዊዑ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ተመዲኡ ዝነበረ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ህግደፍ፡ ተቓውሞ ህዝባዊ ማዕበል ኤርትራውያን ኣብ መድረኽ ሕጊ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ክስረዙ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ዘከፋፈሉ ኤርትራውያን ነጋዶ ከም ዝእሰሩ ተሓቢሩ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ኤርትራ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ኦሞሓጀርን ጎልጅን፡ ካብ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ ዝኣተወ ቢራ ኣከፋፊልኩም ብዝብል ምኽንያት ነጋዶ ከም ዝእሰሩ ሬድዮ ኤረና መንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ቢራ ናብ ኤርትራ ብብዝሒ ብጽዕነት ኣእዱግ እዩ ዝኣቱ። በቲ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ብዘይካ ቢራ፡ ጽማቕ ፍረታት፡ ጸባ፡ ብስኩት፡ ጣፍ፡ ዘይትን ካልእን ከም ዝኣቱ’ውን ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ቀንዲ ተሳተፍቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራኳ እንተኾኑ፡ ናይ ማእሰርቲ ግዳይ ዝኾኑ ግና ወነንቲ ናእሽቱ መከፋፈልትን ባራትን እዮም። ክሳብ ሎሚ ኣብ መንጉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕጋዊ ናይ ዶብ ንግዲኳ እንተዘየለ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ካብ ሰሜን ትግራይ ክሳብ ሑመራ ሰራዊት ኣብ ዝዓስከረሉ ንቑጣታት እዩ ዝካየድ።
ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን ፋኖ ኣምሓራን ዘሎ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ምስ ከተማታት ኤርትራ ተሰነይ፡ ጎልጅን ኦመሓጀርን ኣብ ዘራኽብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብሰፊሑ ዝጥቀምሉ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝካየድ ምዃኑ ካብቲ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኢትዮጵያ ብርን ናይ ኤርትራ ናቕፋን ብሓባር ከም ዝንቀሳቐስን ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ገንዘብ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ከም ዝእሰሩን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብዝከታተል ኮሚስዮን ተኸሲሳ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናይ ዝተመዘዘ ኮሚስዮን ኮሚሽነር ራድሂካ ኮማራስዋሚ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍጸም ብሓፈሻ ገበን፡ ብፍላይ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን፡ ቀጻሊ ከም ዘሎ ከሲሶም። እቶም ኮሚሽነር ነዚ ክሲ ዘቕረቡ፡ ብ18 መስከረም 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ። ኣብዚ መግለጺኦም ፈደራል መግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ስቕታ ምምራጹ ከም ምድጋፍ ነቲ ዝፍጸም ገበናት ዝውሰድ ምዃኑ ጠቒሶም።
ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ካብ ዝኽተም ናብ ዓመቱ ዝገማገም ዘሎ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ድምጺ ጥርይኳ እንተ ኣዕገሰ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢቲ ክልል ዝፍጸም ከበናት ከቋርጽ ስለ ዘይከኣለ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሰላም ዘይጭበጥ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ኮሚሽነር ናይቲ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ናይቲ ኮሚስዮን ጸብጻብ፡ ረቂቕን ስልታውን ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን ፍጻመ ዓመጽን ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣብ ልዕሊ ምርግጋጹ፡ ብኣንጻሩ እቲ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ይልሕም ከምዘሎ ኣስፊሩ። ተግባራት ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣለኒ ንዝብሎ ሰብኣዊ ቅሩብነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እውን ዝጻረር ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኩነታት ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣጠቓላሊ ሃለዋት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ እውን ኣይሓብኣን
ኢሚግራሽን ስዊዘርላንድን ምቁራጽ መንግስታዊ ፈስቲቫላት ኤርትራን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምስሊ ካብ ማሕበራዊ መዲያ
ኣብ ስዊዘርላንድ ኦፊኮን ኣብ እትበሃል ከባቢ ኣውራጃ ዙሪክ፡ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ምግጫዎም ናይታ ሃገር ኢሚግሬሽን ከም ዝገለጸ፡ ብዛዕባ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማርን ተንታንን ነባር ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ሓቢሩ። እዚ ተረእዮ ንናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢሚግረሽ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም እውን ማርቲን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ጸሓፊት ኢሚግረሽን ስዊስ ነዚ ተረኽቦ ብዝምልከት ተሓቲተን፡ ብቑጠዐ “ቀይሕ መስመር ዝጠሓሰ ተግባር እዩ” ኢለን፡ እዚ ንሃገር ስዊዘርላንድ ዘይጠቅምን ዘይምልከታን ተግባር “ኣብ መሬትና ምፍጻሙ የተሓሳስበኒ” ከም ዝበላ ማርቲን ፕላውት ኣብቲ ጽሑፉ ጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኣተሓሒዘን ህውከት ዝፈጥር መድረኻት ፈስቲቫል ተቐባልነት ከምዘየብሉን ምስ ዝኣምኑ ኣካላት ኮይነን ንምቁራጹ ከም ዝሰርሓን ምግላጸን እውን ተፈሊጡ።
ብድሕሪቲ ህውከት ዘስዓበ ፈስቲቫላት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረቡ ወደብቲ ኣካላት ከም ዘለዉን ነቲ ኣጋጣሚ ከም መእከቢ ገንዘብ ነቲ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ከም ዝጥቀምሉን ምርድአን እተን ጸሃፊት ምግላጸን እቲ ጸብጻብ ዘርዚሩ። እቲ ፈስቲቫላት ብጉልባብ ዝኽሪ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተበሰረሉ ከም ዝተወደበ፡ ብኣንጻሩ ተጻረርቲ ናይ ስርዓት ኤርትራ ከም ዝተቓወምዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ስዊስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ከም ዝተኸስተ ብዝርዝር ጠቒሰን።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነዚ ዕግርግር ብዝምልከት ካብ ዙሪክ “ደገፍቲ ናይቲ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ይመለሱ” ዝብል ሓሳብ ከም ዝቐረበ ብምጥቃስ፡ እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ብወገነን ብቀጥታ ነዚ ዝድግፍ ብዙሕ ሓሳብ ብቐጥታ ከም ዝበጸሐን መስኪረን።
ናይ ኣውራጃ ዙሪክ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ብወገኑ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ 15 ትኹረት ዝተገብረሎም ኤርትራውያን ክሲ ከም ዝመስረተ ኣፍሊጡ። እቶም ሰባት ዝተጠርጠርሉ ጉዳይ “ሰላም ምዝራግ” ኮይኑ፡ ካልእ ገበናዊ ክሲ ከስዕብ ከም ዝኽእል እውን ተጠቒሱ። እተን ጸሓፊት ኢሚግረሽን ኤርትራውያን ካብ ኤውሮጳ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ቀሊል ኣይኮነን ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ስለዘይተሓባበር፡ እንተኾነ ስዊዘርላንድ ንጸጥተኣ ሓደገኛ እንተኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍታ መሰል ስደተኛታት ክስርዙ ሕጋ ከም ዘፍቅድ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራ “ሆቴል ኣስመራ ፓላስ” 8 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ዘካየዱ ሱዳናውያን ብ14 መስከረም 2023 ስምምዕ እማመ ከም ዘውጽኡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብ'ዚ ናይ ኣስመራ ኣኼባ ዝሳተፉ ሱዳናውያን፡ ኑር ኣል'ዲን ጣሃ ንዲሞክራሲያዊ ቀጽሪ ሱዳናዉያን ዝወከለ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ፡ ላዕለዋይ ኣቦ-ወምበር ቤት/ምኽሪ ቤጃ ሳይድ ትሪኪ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሃረንደዋ ኢማም ኣብዱ ራሕማን ዝርከብዎም፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ማሕበረ-ሰብ ሱዳንን ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ናይቲ ስምምዕ እማመ ትሕዝቶ፡ ድሕሪ ኩናት ደው ምባል ኣብ ሱዳን ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት፡ እቲ ዝምስረት ሃገራዊ መንግስቲ ድማ ወጻኢ ካብ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንብዙሕነት ኩሉ ዞባታት ሱዳን ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውክል ነቲ ዝነበረ ስምምዕ ሰላም ጁባ ዘኽብርን ንሽግር ምብራቅ ሱዳን ፍሉይ ግምት ዝህብን ክኸውን ዝብሉ ይርከብዎ። ነቲ ንክልተ ዓመት ዝመርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘቑሙ ኣካላት፡
1) ካብ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዕጡቓት ሓይልታት ዝውከለሉ ኮይኑ፡ ብዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ክምራሕ።
2) ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት
3) ቤት ምኽሪ ሓጋጊ ኣካል
4) ፍርዳዊ በዓል ስልጣንን ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርድን፡ ዝሓቁፍ ከም ዝኸውን ኣብቲ እማመ ሰፊሩ።
ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃ ብወገኖም ኣብ ኣስመራ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ምስተራኸቡ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብዚ ኣብ ኣስመራ ዝተቓነዐ ኣኼባ ተሳቲፎም ቃል ኣስሚዖም። በዚ መስረት እቶም ጀነራል ደጋፊ ናይ’ዚ ስምምዕ እማመ ከም ዘለዉ ይግመት።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣዛዚ ቅልጡፍ ሓይልኢ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ብ14 መስከረም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን መንግስቲ እተመስሪቶም፡ ንሶም ድማ ኣብ ካርቱም ዝተፈልየ መንግስቲ ከም ዝምስርቱ ከም ዘጠንቀቑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ፡
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራውያን ጨንፈር ሃገር ሆላንድ ብ9-09-2023 ንናይ ሓርነት ውጉኣት ነበርቲ ሃገረ ሱዳን ዝውዕል ኣታዊ ንምርካብ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ፡ ናይ ድራር እንግዶት ከም ዘካየደ ካብቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ናይቲ እንግዶት ተሳተፍቲ ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሆላንድ ዝመጽኡ ኮይኖም፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንምስታፍ ዘይጠዓሞም ኣካላት ድማ ሓገዛቶም ብመንገዲ ናይ ባንኪ ሕሳብ ክልእኩ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ ኣብቲ ናይ 9 መስከረም 2023 እንግዶት ብድምር 1584 ዩሮ ኣታዊ ከም ዝተረኸበ ተሓቢሩ። ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሳቲፎም ብውልቂ ይኹን ብደረጃ ስድራቤት ንዘበርከቱ ከኣ እቲ ማሕበር ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ቡዙሓት ግዱሳት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሰናይ ድሌቶም ኣባላት ማሕበር ክኾኑ ቅሩብነቶም ስለ ዘርኣዩ፡ እቲ ጨንፈር ናይቲ ማሕበር ምስጋናኡ ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እንተደኣ ሓቢርካ ሰሪሕካ ጸገማት ምቅላል ከምዘይንጽግም ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ጉዳይ ኣካለ ጽጉማን ናይ ኩሉ ዋኒን ምዃኑ ብምጥቃስ ሽማግለ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ኔዘርላድስ ንቐጻሊ ተሳትፎ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣብ ኤርትራ ብ13 መስከረም 2023 ከባቢ ሰዓት 8 ፈረቓን ምሸት ብኣቆጻጽራ ኤርትራ፡ 5 ሬክቴር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ኣህጉራዊ ትካላት መጽናዕቲ ስነ-መሬት ብምጥቃስ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ 41 ኪሎሜተር ንወገን ደቡብ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ካብ ማእከል ናይቲ ምንቅጥቃጥ ቦታ 10 ኪሎሜተር ርሒቑ፡ 10 ኪሎሜተር ዕምቆት ዝነበሮ ምዃኑ ድማ ናይ ኤርትራ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ምጥቃሱ ተፈሊጡ።
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ከተማታት ኣስመራ፡ ምጽዋዕ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን ስምዒት ከም ዝፈጠ ድማ ተፈሊጡ። እንተኾነ ብሰንኩ ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ወርሒ ነሃሰ፡ 5.6 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ፡ ኣብቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝበሃል ከባቢ ኢራፋለ፡ ንጽባሒቱ ድማ 4.7 ሬክተር ዝዓቐኑ ኣብቲ ቦታ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።
ስርዓት ኢሳያስ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ገንዘብ ንክኸፍሉ ዝወስዶ ኣገዳዲ ስጉምቲ ኣንጻር ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ፡ ኣሜሪካዊ ምሁር ሚካኤል ሩቢን ገሊጾም። ሩቢን 1945 ኣብ ዝተባህለት መጺሐት ብ12 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጽእዎ ናብ ኤርትራ ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከም ዘስፈርዎ፡ ናይ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ንመንግስቲ ግብሪ ክትከፍል ምግዳድ ዝተቓወሙ ኤርትራዊ ወገናት ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ስድራቤቶም ብሓልታት ጸጥታ ናይታ ሃገር ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣቃሊዖም።
ሩቢን ኣተሓሒዞም ዲክታተር ኢሳያስ ንዜጋታት፡ መወዳእታ ብዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ባርነት ዘንብርን ካብቶም ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ብምድረበዳን ባሕርን ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝስደዱ ኤርትራውያን ብዝርከብ ገንዘብ ናይ ጭቆና መሓውሩ ከም ዘደልድል እውን ኣይሓብኡን።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳያስ ኣድማዒ ስጉምቲ ወሲዳ ለውጢ ከተምጽእ እንተኮይና፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ብሊከን ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሰብ መዚ ተማሂሮም፡ ርኡይ ግደ ክጻወቱ ይግበኦም ኢሎም። ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ብመንግስቲ ኤርትራ ተገዲዶም ገንዘብ ምኽፋሎም ገበን ምዃኑ ድማ ጠቒሶም። ነቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ገንዘብ ንከየኽፍሎም ዝግበር ጻዕሪ፡ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ክኽተለኦ ይግበአን ምስ በሉ፡ ኢሳያስን ደገፍቱን ብዝወስድዎ ኤርትራውያን ምስቓዮም ብክልተ ምኽንያታት ጉጉይ እዩ ኢሎም። እቲ ቀዳማይ ጸገም ንቀጻልነት እቲ ጨቋኒ ስርዓት ዝሕግዝ ምዃኑ እዩ። ኣብታ ሃገር ሕጽረት መሰረታዊ ቀረብን ዘጋድድ ምዃኑ ከኣ እቲ ካልእ ኣሉታዊ ገጹ እዩ።
ሩቢን ከም ዘስፈርዎ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብኢሳያስ ዝተጻዕኖም ገንዘብ ናይ ምኽፋል ግደታ ንክውገድ ንዓሰርተታት ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ተኻይዱ እዩ። ኣብዚ መወዳእታ ዘይተረኽቦ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ነቲ ግደታ ንምዕጋት ዝተገብሩ ርክባት እውን ዘምጽእዎ ለውጢ የለን።
ብእምነት ሩቢን፡ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ዓመጽ ምውጋድ፡ ዞባዊ ምርግጋእ ዘምጽእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኢሳያስ ምልኪ ናይ ምህናጽ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘንጽፍ እውን እዩ። ሚካኤል ሮቢን ኣብዚ ኣብ መጺሐት ዘውጽእዎ ነዊሕ ጽሑፎም፡ ተመኩሮ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘርዚሮም፡ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕልቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝወስዶ ናይ ግህሰት ስጉምቲ፡ ሰላም ጐረባብቲ’ውን ክዘርግ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣስፊሮም።
ኣብ ተልኣቪቭ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ፡ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ተዓጽየን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካብ ዘጋርድያ ዝተወስደ እዩ
ፖሊስ እስራኤል፡ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከባ 4ተ ኣብያተ-ክርስትያ ኤርትራውያን ብግዝያውነት ክዕጸዋ ከም ዝወሰነ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ውሳነ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቓወምትን ደገፍትን ስርዓት ኣስመራ ነበርቲ ተልኣቪቭ ዝዓርግ ዘሎ ምስሕሓብ ግብረ መልሲ ምዃኑ ቢቢሲ ብተወሳኺ ጠቒሳ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እቲ ጉዳይ ብመንጽር መሰል ሃይማኖት ዘዛርብኳ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ጐንጺ ንከይፍጠር ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ መንጎ ክልተ ክፋላት ኣብ ተላቪቭ ካብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ምስሕሓብ ከም ዝተፈጥረን ዘለዎም ናይ ተቓወምቲ ብሰማያዊ፡ ናይ ደገፍቲ ድማ ብቀይሕ ሕብርታት ዝልለ፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ነቲ ምስሕሓብ ከም ዘጋድዶ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። ብሰንክዚ ፍልልይ ብዝተፈጥረ ጐንጺ ሰብ መዓርግ ፖሊስ እስራኤል ዝርከብዎም 170 ሰባት ከም ዝቖሰሉን 53 ጥርጡራት ድማ ከም ዝተኣስሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ እስራኤል ዳግማይ ጐንጺ ከይፍጠር ፈሪሖም ንሓደ ቀዳመ-ሰንበት ኣብያተ-ክርስትያን ንክዕጸዉ ክውስኑ እንከለዉ፡ ብጸጥታ እታ ሃገር ዘቕረቦ ጸብጻብ ድማ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያን ዝግበር ምትእኽኻብ ተጠቒሞም ንምጉናጽ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት እስራኤል ናብ ተልኣቪቭ ናይ ምምጻእ መደብ ነይርዎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዝርከቦ እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ኣፍሊጡ።
በቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ገለ ኤርትራውያን ነበርቲ ተልኣቪቭ ነቲ ግዝያዊ ዕጽዋ ኣብያተ- ክርስትያን ብመንጽር ድሕንነቶምን ጸጥታን ክድግፍዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ብመንጽር ሃይማኖታዊ ናጻነት ከም ዘተሓሳሰቦም ኣመልኪቱ።
ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ንኢድ ኣእታውነትን ብናይ ሰላም ርኢቶኡ ከገድድ ምፍታኑን ንሕብረት ኣፍሪቃ ብ9 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ደማዚን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብትሪ ምንቃፎምን ኣባል ሃገራት ናይቲ ሕብረት መርገጾም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከእርሙ ምጽውዖም ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።
እቶም ጀነራል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ብምኽንያት ናይ 25 ሕዳር 2021 ፈተነ ዕልዋ ኣባልነት ሱዳን ምድስካሉን ክሕዞ ንዝጸንሐ ማእከላይ መርገጽን ክቃወሙ እንከለዉ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሱዳን ብወገኖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ንወከሊ ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ተቐቢሉ ኣፍልጦ ምሃቡ ብትሪ ተቓዊሞም።
ኣል ቡርሃን መንግስቶም ሰላም ከምዘይጻረር እንተኾነ፡ ህላወ ዘይሕጋዊ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከምዘይቅበል ጠቒሶም፡ ንሱዳን ናብቲ ዘላቶ ህውከትን ውግእ ሕድሕድን ዝመልስ ስምምዕ ቅቡል ከምዘይከውን ዝገልጽ መልእኽቲ እውን ኣመሓላሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮነ ኣባላቱ ኣካይደኦም ዘየዕርዩ እንተኮይኖም ሱዳን ጸገማ ባዕላ ክትፈትሕ ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እቲ ሕብረት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ምእታው መሰል የብሉን እውን ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነት ሱዳን ናብ ቦታኡ ክመልስን፡ ኢጋድ ብወገኑ ጉዳይ ሱዳን ንክፈትሕ ኣብ ዝመዘዞ ኣካል ኣቦመንበርነት ኬንያ ክቕይርን ጸዊዕም።
ኣዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህጻናት ኣድሕን/ Save the Children፡ ዝተባህለ ትካል ሱዳን ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ዘመዝገበት ኮይና ኢሉ፡ ካብቶም 7.1 ሚልዮን ተመዛበልቲ እቶም 3.3 ሚልዮን ህጽናት ምዃኖም ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
More...
ዜናዊ ጸብጻብ: ህዝባዊ ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ውጽኢት ክቱር ወጽዓ ምዃኑ ተገሊጹ
Written by EPDP Information Officeኖርወጅያን ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል
ብዛዕባ ጐንጽን ኣፈታትሓኡን መጽናዕትን ምርምርን ዘካይዱ ነርወጃዊ ምሁር ፕሮፈሶር ሸተል ትሮቪል፡ ኣብ ወጻኢ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ውጽኢት ክቱር ወጽዓን ድምጾም ንክስማዕ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምትን ምዃኡን ገሊጾም። እቶም ፕሮፈሶር ነዚ ዝገለጹ፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ በርገን ሃገር ነርወይ ብ2 መስከረም 2023 መዲብዎ ዝነበረ እሞ ዝተሰረዘ በዓል ምኽንያት ብምግባር ምስ ማዕከ ዜና ነርወ ኤንቲቪ/NTV ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ እዩ።
እቶም ካብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሮም ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ፕሮፈሶር፡ ኣብቲ ሰፊሕ ቃለመጠይቖም፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ኣብ ስደቶም ከይተረፈ፡ ተጽዕኖ ከም ዝፈጥረሎም፡ 2% ክኸፍሉ ከም ዘገድዶምን ዝበሎም እንተዘይገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ስድረኦም ኣገዲዱ ገንዘብ ከም ዘኽፍሎምን ጠቒሶም። መንግስቲ ኤርትራ ስደተኛ ኣምሲሉ ኣብ ኤውሮጳ ሰለይቲ ከምዘዋፍር ድማ ኣቃሊዖም።
ትሮንቮል ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ በርገን ንስርዓት ኤርትራ ብዝቃወሙ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ናይ ህንጡይ መርዓዲ ጌርካ ምውሳዱ ጌጋ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብኣንጻሩ ንጡፋት ልኡኻት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሃገር ነርወይ ከምዘለዉ ህዝብን መንግስትን ነርወይ ከስተውዕሉ ኣዘኻኺሮም።
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ህዝባ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ንክወጽእ 30 ዓመታት ዝተቓለሰላ ሃገር እያ ዝበሉ እቶም ፕሮፈሶር፡ እቲ ንኢሳያስ ከም ጅግና ዝውሰድ ወገን ጌጋ ምዃኑ ጠቒሶም፡ በቶም ኣብ ሃገሮም ምንባር መሪርዎም ዝተሰዱ ግና ኢሳያስ ብኣንጻሩ እዩ ኢሎም። እዚ ተጻራሪ ኣተሓሳስባ እዩ ኣብ ከተማ በርገን ዝተራጸመ ድሕሪ ምባሎም ከኣ እዚ ተርእዮ ኣብ ቀጻሊ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክምዕብል እዩ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣዳለውቲ ናይቲ መደብኳ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ኣይነበሮን እንተበሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ እዩ ዝጥቀም። ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ደገፍቲ ህግደፍ ተቓወምቲ ተመሊሶም ኣብ ስለያ ከም ዝዋፈሩ እናሓበሩ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ ተግባራት ተረዲኡ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ እቶም ፕሮፈሶር ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋንዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ምቁጽጻር ህግደፍ ይዳኸም ኣሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ይሕይል ኣሎ ዝበሉ ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ምኽንያቱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገሮም ዘለዉ ስድራቤታት ዝወስዶ ጨካን ስጉምቲ ከምቲ ናይ ቅድም ከድምዕ ዘይምኽኣሉ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ፕሮፈሶር ትሮንቮል፡ ኤርትራውያን ጻዕራማትን ፈተውቲ ሰላምን ምዃኖም ኣመልኪቶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ተጻረርቲ ሓሳባት የምዕብሉ ከም ዘለዉን፡ እዚ ድማ ንስርዓት ህግደፍ ዘርዕድን ውድቀቱ ዘቀላጥፍ ተርእዮ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም።
ኖርወጅያዊ ፕሮፈሶር ሸቲል ትሮንቮል ተመራማሪ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘካየዱን ዝጸሓፉን፡ ኣብ 2009 ድማ The Lating Struggle for Freedom in Eritrea, Human Rights and Poletical Develpmen, 1991-2009, ብእትብል መጽሓፍ ንህግደፍ ዘቃለዑ ደራሲ’ው እዮም።
ብሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን “ኪዳን ንመሰረታዊ ለውጢ ኣብ ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጽላል 7 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይሊ ፖሊሲ ከም ዝተበተነ እተን ውድባት ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣፍሊጠን። ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከሎ ጋና ዘይተፈቕደ ምንባሩን እቶም ወደብቲ ንግዜኡ ከቋርጽዎ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ስለ ዘይኮኑ፡ ብውሕልነት ከም ዝበተኖ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ መቐለ ኮማንደር ወልዳይ መውጫ ንጋዜጠኛታት ብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ናይተን ውድባት መግለጺ ኣብቲ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ መቐለ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ ዝተሳተፉ 50 ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ናይተን ውድባት ዝርከብዎም ኣስታት ሚእቲ ሰባት ከም ዝተኣስሩን ኣብ ልዕሊኦም ምግፋዕ ከም ዘጋጠመን ጠቒሱ። ፡ ፖሊስ ከተማ መቐለ ብወገኑ ካብቲ ቦታ ክለቁ ብፖሊስ ተመኺሮም ዝኣበዩን ህውከት ከልዕሉ ዝፈተኑን 40 ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ብጥንቃቐ ከም ዝተኣሰሩ ሓቢሩ።
መግለጺ ናይቶም ተቓወምቲ እቲ ሰልፊ ሰላማዊ ከም ዝነበረ ክጠቕስ እንከሎ፡ ፖሊሲ ከተማ መቐለ ግና፡ እቲ ዝመረጽዎ ዕለትን ቦታን ቅቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሕቶኦም ብመትከል ቅቡል ኮይኑ፡ ግዜን ቦታን ክቕይሩ ተነጊርዎም ከብቅዕ፡ ቅድሚ ሳልስቲ ጀሚሮም ህውከት ከም ዝፈጥሩ ክፍክሩ ከም ዝቐነዩ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ኣተሓሒዙ ብደርጃ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታጨው ረዳ ከይተረፈ፡ መደቦም ክቕይሩ ተነጊርዎም ከም ዝነጸግዎ ሓቢሩ።
ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ኣቐዲሞም ኣብቲ ሰልፊ ዘንጸባርቕዎም 38 ጭረሖታት ከም ዝነበርዎም ከፋልጡ እንከለዉ፡ ካብቲ ጭረሖታት “ህልውና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኸትም ኣለዎ” ዝብል ከም ዝርከቦን፡ እዚ ጭረሖዚ ካብቲ ምስቲ ናይ ትግራይ ጉዛእቲ ውድብ ህወሓት ምስሕሓብ ዝፈጠረ ምኽንያታት ሓደ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ብሓፈሻ ክረኣይ እንከሎ፡ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተተግብሩ፡ ከባብታት ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ዘምውጽኡን ብሰንኪ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን ኣብ ትግራይ ወጥሪ ፈጢሮም ካብ ዘለዉ እዮም።
ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል/amnesty international ሰራዊት ኤርትራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈድራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እውን ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ገበናት ከም ዝቐጸሎ ብ4 መስከረም 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣቃሊዓ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ “ቀጻሊ ክሲ ኣምኒስቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ብዝብል ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ብ4 መስከረም ዘውጸኦን ንቀጻሊ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘቃለዓሉን መግለጺኡ፡ ቅድሚ ምኽታም ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ኮነ ድሕሪኡ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን ዘርዚሩ።
ኣምኒስት ጸብጻቡ ብምቕጻል ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ብሓባር ዝፈጸምዎ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ወሲባዊ ግህሰትን ቦታን ዕለትን እናጠቐሰ ብሰፊሑ ዘርዚሩ። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝነበሮ ሰራዊት ኤርትራ፡ ቀጻሊ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ከም ዝፈጸመን ኮኾብ ጽባሕ ኣብ ዝተባህለት ናብ ዶብ ኤርትራ ዝቐረበት ኣብ ምብራቕ ትራይ ኣብ እትርከብ ወረዳ፡ 24 ሲቪል ሰባት ከም ዝቐተለ ዳይረክተር ኣምኒስት ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ታይገር ቻጉታህ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።.
ነዚ ጸብጻብ ኣብ ምድላው ኣምኒስት ካብተን ኣብ ወረዳ ኮኾብ ጽባሕ ግዳይ ዓመጽን ወሲባዊ ባርነትን ዝኾና ኣስታት 40 ደቂ ኣንስትዮ ምስተን11 ቃለ መጠይቕ ከም ዝገበረትን፡ ካብተን ግዳያት፡ ገሊአን ናብ መደበራት ሰራዊት ኤርትራ ብሓይሊ ተወሲደን ንቀጻሊ መዓልታት ክዕመጻ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ኣብ ገዛእ ኣባይተን ከም ዝተዓመጻ ሰፊሕ ዝርዝር ብምሃብ ከም ዝመስከራ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ በዚ መግለጺ ኣምንስት ኢንተርናሽናል ዝሰንበደ ህግደፍ ብቀዋሚ ወኪሉ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒውዮርክ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንመግለጺ ናይቲ ትካል “ናይ ሓሶት ክሲ” ኢሉ፡ ካብቲ ዝተላዕለ ኣጀንዳ ወጺኡ ኣምኒስት ኣብ 2011 ኣብ ኤርትራ ስርዓት ናይ ምቕያር ውዲት ኢድ ዝነበሮ ኣካል ክብል ከሲስዎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብ ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ብ3 መስከረም 2023፡ ሚኒስተራት ብኣባልነት ንዝርከብዎ ሓይሊ ዕማም፡ ሓደ ሺሕ መንግስቶም ዝድግፉን ኣብቲ ናይ 2 መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ ከተማ ተልኣቪ ዘጋጠመ ህውከት ዝተሳተፉን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክመልሱ መምርሒ ከም ዝሃቡ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራን ካለኦት መዲያታትን ኣፍሊጠን። ናታንያሆ ኣብቲ ዝሃብዎ መምርሒ እስራኤል መንግስቶም ከም ዝድግፉ ባዕላቶም ብዝኣወጁ ስደተኛታት ክትሽገር ኣይግበኣን ኢሎም።
እቲ መግለጺ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ እስራኤል ስደተኛታት ህይወቶምን ሓርነቶም ኣብ ሓደጋ ናብ ዝውደቕ ሃገር ብሓይሊ ክትመልስ ከም ዘይትኽእልን ተጠቒሱ፡ እንተኾነ መንግስቶም ዝድግፉ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል መሰል ስደተኛ ዝሓትሉ ምኽንያት ስለ ዘየብሎም ናብ ትውልዲ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ናታንያሆ ንሚኒስትራቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ክህቡ ዘገደዶም እቲ ኣስታት 150 ኤርትራውያንን 30 ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝቖሰልሉ፡ ኣዳራሽ ህግደፍ ፈሪሱ፡ ኤምባሲ ህግደፍ ዝወደቦ መደባት ዝተሰረዘሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዘጋጠመ ሓያል ጐነጽ እዩ።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣብቲ ዝተፈጥረ ጐንጺ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዕንወትን ገበን ዝፈጸሙ ኣካላትን ምጽራይ ክግበርን ኣድላይ ስጉምቲ ክውሰድን እውን መምርሒ ሂቦም። ብትዕዝብቲ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ኣብ ልዕሊ ገለገል ካብቶም ተቓወምቲ ህግደፍ ካብቲ ዝነብርዎ ዘለዉ ቦታ ናብ ዝተወሰነ ከባቢ ናይ ምግላል ዕድል ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ይግመት።
ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ፖሊስ እስራኤል ዘንብዕ ጋዝ ከም ዝተጠቕመን ነቲ ባእሲ ንምብታን ንላዕሊ ጠያይት ከም ዝተኮሰን እውን ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ብ2 መስከረም 2023 ኣብ ሃገራት ስዊዘርላንድን ኖርወይን እውን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ጐንጽታት ተፈጢሩ፡ ዝተወሰነ ጉድኣት ከም ዘኸተለን ኣብ ኩሉ መደባት ህግደፍ ከም ዝተሰረዘን ተፈሊጡ።