ኣመሪካ፡ ኬንያ ዘይኣባል ኔቶ መሓዝኣ ክትከውን ሓርያታ

2024-05-25 19:47:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 227 times

ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆን ባይደን፡ ኬንያ ሓንቲ ካብተን 18 ኣባል ኔቶ ዘይኮና፡  እስራኤል፡ ብራዚልን ፍሊፒስን ዝርከበኣን ናይ ቀረባ መሓዙት ሃገሩ ክትከውን ምስ ባይቶኡ ከም ዝሰርሕሉ ኣፍሊጡ። ባይደን ነዚ ዝገለጸ ወግዓዊ መንግስታዊ መገሻ ፕረሲደንት ኬንያ ዊልያም ሮቶ ናብ ኣመሪካ ምኽንያት ብምግባር ብ23 ጉንበት 2024 ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።  ንኣፍሪቃዊ መራሒ ብኣመሪካ  ኣቀባብላ ክግበር ካብ 2008 ጀሚሩ ን6ይ ግዜኳ እንተኾነ፡ ንመራሒ ኣፍሪቃ መንግስታዊ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክግበር ግና ድሕሪ 15 ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ  ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ። ኬንያ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ካብ ዝረኸባ ሃገራት ኣፍሪቃ 4ይቲ ክትከውን እንከላ፡ ካብ ሳህራ ንታሕቲ ግና ቀዳመይቲ እያ።

ፕረሲደንት ባይደን ኣሜሪካን ኬንያን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣልሸባብን ካለኦት ፈጠርቲ ራዕድን ብዘመዝገብዎ ውጽኢትን ኣብ ጐኒ ዩክረይን ብሓባር ምስላፎምን ካብ ምቅርራብ ሓሊፉ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝምድና ከም ዘብጸሖም ኣፍሊጡ። 

ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ዕላዊ መንግስታዊ መገሻ ፕረሲደንት ዊልያም ሮቶ ናብ ኣመሪካ ምስ መበል 60 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝተሓሓዘ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ከም ዝተጠቕሰ ኣብ መዳያት፡ ጸጥታ፡ ንግድን ምሕዳስን ናብ ጥቡቕ ቴክኖሎጂያውን ጥዕናውን ምትሕግጋዝ ደይቡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ፕረሲደንት ኣሚሪካ ኣብቲ ንፕረሲደንት ኬንያ ዝተቐበለሉ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምስ ቻይና ምስ ሃገሩ ዝምድና ምፍጣር ከም ዘዋጸኣን ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኬንያ  ነቲ ኣብ ሃገር ሃይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምህድእ  ምስቲ ኣሜሪካ ሰላም ንምፍጣር እተዋፍሮ ሰራዊት ዝተሓባበር፡ ሓይሊ ፖሊስ ክትልእኽ ቅርብቲ ምዃና ንኢዱ።

ፕረሲዳንት ዊልያም ሮቶ ብወገኑ መንግስቱ  ኩነታት ሃይቲ ኣብ ምህዳእ ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር  ኩሉ ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ትዳለው ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኬንያ ዘይኣባል ኔቶ መሓዛ ኣመሪካ  ብምዃን “ስትራተጅያዊ ራእይ ናይሮቢ-ዋሽንግተን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ፖሊሲ፡ ከምተን እስራኤልን ብራዚልን ዝርከበአን 18 ሃገራት ብኣጽዋር፡ ፋይናንስ፡ ምስራዝ ልቃሕ፡ ቁጠባዊ ወፍርን ካልእ ረብሓታትን ክትረክብ ዕድል ክህልዋ እዩ።

Last modified on Saturday, 25 May 2024 21:57