ሱዳን ምስ ሩሲያ ወተሃደራዊ ዝምድነኣ ተደልድል ኣላ

2024-05-26 08:40:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 288 times

ሱዳንን ሩሲያን ወተሃደራውን ቁጠባውን ስምምዓት ክኽትማ ይቀራረባ ከም ዘለዋ፡ ኣባል ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ያሲር ኣል ዓጣ ሓቢሩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሩሲያ መደበር ወተሃደራዊ ቀረብ ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ።

ጀነራል ያሲር እቲ ስምምዕ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ተንጠልጢሉ ከም ዝጸንሐን ሎሚ ግና እቲ ኩነታት ሩሲያ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ዳግመ-ርኢቶ ክትገብር ዕድል ከም ዝሃባ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብሚሃየል ቦግዳኖቭ ዝምራሕ ልኡኽ ሩሲያ ናብ ፖርቱሱዳን ኣብ ዝገበሮ መገሻ ምስ ምምስራት እቲ ማእከል ንሰራዊት ሱዳን ብሩሲያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክወሃብ ዝብል ሓሳብ ምቕራቡ ንመደበር ተለቪዥን “ኣልሓዳስ/Alhadath” ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሲቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መዳያት ሕርሻ፡ ዕደናዊ ምትሕብባርን ምምዕባል ኣገልግሎት ወደብን ዝኣመሰሉ ቁጠባዊ ጽላታት’ውን ከም ዘጠቓልል ብተወሳኺ ኣዘኻኺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ብምክትል ሓላፊ ላዕለዋይ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን ናብ ሩሲያ ከም ዝገይሽን ኣብ መወዳእታ እቲ ስምምዕ ብኣቦመንበር ላዕለዋይ ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ከም ዝዛዘም ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣል ኣታ ነቲ ምስ ሩሲያ ዝቕጽል ዘሎ ስምምዕ ኣዕዚዙ ብምድጋፍ፡ ምስ ከም ኣሜሪካ፡ ሱዕድያን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ናይ ሱዳን ረብሓ ብዝሓለወ ተመሳሳሊ ስምምዕ ክግበር ከም ዝከኣል ብምጥቃስ፡  ቁጠባውን ወተሃደራውን ረብሓ ሱዳን ንምርግጋጽ ብዝለዓለ ክንደፍእ ኢና ኢሉ።

ቅድሚ ውግእ ሱዳን ምጅማሩ ሩሲያ ምቅርራባ ምስቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ዝወገነት ምንባራ ይዝከር። ሎሚ ድማ ምስቲ ብኤርትራ፡ ግብጺጽን ሱዕድያን ዝድገፍ ወገን ሱዳን  ምውጋና፡ እቲ ፖለቲካዊ  ኣሰላልፋ ከባቢና ብቕልጡፍ ይቀያየር ከም ዘሎ ዘርኢ ይመስል።

Last modified on Sunday, 26 May 2024 10:49